ጽባሕ’ውን ዋጋ ከየኽፍለና

2021-03-16 09:23:11 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1333 times

ኤርትራውያን ኣንጻር ወጽዓ ጉጅለ ህግደፍ ናይ መሰረታዊ ለውጢ ቃልሲ ነካይድ ከም ዘለና ብሩህን እዉጅን እዩ። እዚ ነዓና ጥራይ ዘይኮነ ንሕብረትሰብ ዓለም እውን ርኡይ እዩ። እንተኾነ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝወርድ ዘሎ በደልን ንናትና ተወፋይነትን ሕብረተሰብ ዓለም ክህቦ ዝጸንሐ ግምት ካብቲ ክኾኖ ዝነበሮም ኣዝዩ ንታሕቲ እዩ። ብወገና እውን ቃልስና ብመንጽርቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝወርድ ዘሎ ወጽዓን ሕብረተሰብ ዓለም ካባና ዝጽበዮን፥ ውጽኢቱ ትሑት እዩ። ናይዚ ጠንቂ ከኣ ካብ ናትና ድኽመት ሓሊፉ ካልእ ክኸውን ከምዘይክእል ክንእመነሉ ይግበና።

“ስለምንታይ እዩ ውጽኢት ቃልስና ትሕቲ ትጽቢት ህዝብና ኮነ፥ ትሕቲ ግምት ሕብረተሰ ዓለም ኮይኑ ቆላሕታ ዝስእን?” ዝብል  ግቡእ ግዜን ኣድህቦን ሂብካ ክምዘን ዝግበኦ ሕቶ እዩ። ሓደ ካብቲ ምኽንያታት ኣብ መንጐ ድሌትናን ዓቕምናን ዘሎ ፍልልይ ምዃኑ ርዱእ እዩ። ናይ ድሌትን ዓቕምን ዘይምምጥጣን  ባህሪ ቃልሲ እምበር፡ ኣባና ጥራይ ዘጋጥም ኣይኮነን። እቲ ካልእ ኣብ ናይ ካለኦት ናይ ኣተሓሳስባ ብዙሕነት ዘተኣናገዱ ወገናት ተመኩሮ ዝመሓደር፡ ኣባና  ሳዕሪሩ ዘሎ ከኣ፤ ነቲ ዝርካቡ ዝተበተነ ዓቕምና ኣቀራሪብናን ኣወሃሂድናን ክንጥቀመሉ ዘይምብቃዕና እዩ። ብዛዕባ ኣብቲ ዘሰማመዓካ ተኸኣኢልካን  ተላፊንካን ምቅላስ፡ መፈላለይኻ መሰረታዊ እንተዝየኮይኑ ከኣ ሓደ ሰልፊ ወይ ውድብ ምዃን  እንዳተኽእለ ብግብሪ ክንበቕዖ ዘይምኽኣልና እውን ቆላሕታ ክንህቦ ዝግበኣና እዩ። ኣብ መስርሕ ቃልሲ ንድሕሪት ተመሊስካ መፈላለይ ነጥብታት ምትዕብባይን ናይ ዝሓለፈ ተመኩሮ እሱር ምዃንን ሃናጺ ኣይኮነን። ኣብ ክንዳኡ ንቕድሚት እንዳማዕደኻ ዋላ ንእሽቶይ ይኹን ነቲ ዘሰማምዓካ ከተዕኩኾ ምጽዓር ተመራጺ እዩ። ብሓባር ክንሰርሕ ዘኽእለና ህልዊ ኮነ መጻኢ ዋኒንን ዕድልን ስለ ዘየብልና ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ነቲ ናይ ሓባር መንገዲ ብዕቱብ ሒዝና ከነሰስኖ ብዘይምኽኣልና እዩ። እቲ ቀንዲ ከኣ እንተዘይሓቢርና እቲ ዝተበተነ ጻዕርና ትርጉም ከም ዘየብሉ ብግቡእ ክንርዳእ ዘይምብቃዕና እዩ። እዚ ዘይብቕዓት ብፍላይ ኣብዚ እዋንዚ ናይ ኩሉ ጸገማትና መሰረታዊ ጠንቂ እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ ምውጋድ ጉጅለ ህግደፍ ብዙሓት እንጭረሓሉ ሓብራዊ ዕማምና እዩ። ግና ኣብኡ እውን ብሓባር ኣትኪልና ክንሰርሕ ኣይከኣልናን። “እሞ ስለምንታይ?” እዚ እውን ቅድሚ ኩሉ ክምለስ ዝግበኦ መሰረታዊ ሕቶ እዩ። ዘይሩዘይሩ ኣብ ምምላስ እዚ ሕቶዚ ድኽመትና፡ ሕመቕናን ዘይተጸዋርነትናን  ቅድሚት ዝስራዕ ውሽጣዊ ጠንቂ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ እዚ ሕጽረትዚ ዝከኣል ክነሱ ዘይምኽኣልና ዘመልክት እዩ። በቲ ኮነ በዚ ናይዚ እዋንዚ ዓብይ ብደሆና ኣብ ክንዲ ብሓባር ንሰርሕ፡ በበይኖም “ሩባ ኣብ ዘየሳግሩ” ነናትና ናይ ኣተሓሳስባ ኩርቢታት ተኾይጥና ኢና “ያላኻ”  ንበሃሃል ዘለና። ንፍቶ ንጽላእ ኣብዚ መስርሕዚ “ናይ መን ኣተሓሳስባ ሰዓረ” ኒሕን ዘይውሕሉል ውድድርን ይጻወተልና ምህላዉ ክንእመነሉ ይግባበኣና። ከምቲ “ውሕጅ ከይመጸ መንገዲ ውሕጅ ጽረግ”  ዝበሃል፡ ስጉምትታትና ብሎሚ ጥራይ ተለኪዖም ዝስፈዩ ዘይኮኑ፡ ንጽባሕ እውን ኣብ ግምት ዘእተዉ ክኾኑ ይግበኦም።

ኣብ ኤርትራ ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት ከምዚ ዘለዎ ነባሪ ኣይኮነን። “መዓስ?” ዝብል እኳ ሕጂ ክንምልሶ እንኽእል ሕቶ እንተዘይኮነ ክቕየር እዩ። መዓስን ብምንታይ ካልእ ጉዳይ ኮይኑ፡ ጉጅለ ህግደፍን  መራሒኡ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ምስቲ ዝዓሰወ ኣተሓሳሳባኦም ክውገዱ እዮም። “መን ምስ ነበረ ከደኣ ክነብሩ”  ከም ዝበሃል ምኻዶም ከም ዘይተርፍ ንኹላትና ብሩህ እዩ። ከምቲ “ክሳብ ዝሓልፍሲ ትንፋስ የሕልፍ” ዝበሃል ግና ኢሳያስን ኣሰነይቱን ክሳብ ዘለዉ፡ ንህዝብና ደም ከም ዘንብዕዎ ንዕዘቦ ዘለና እዩ። ናትና ብሓባር ኣንጻር ህግደፍ  ምቅላስ፡ ኣበርክቶኡ ነቲ ዘይተርፍ ውድቀቱ ምቅልጣፍ እዩ። ድኽመትና ከኣ ንህግደፍ ዘለኣለማዊ ዝገብሮ’ኳ እንተዘይኮነ፡ ዕድመኡ ግና ከናወሓሉ ይኽእል። ዕድመ ህግደፍ ምንዋሕ ማለት ከኣ፡ ወጽዓ ህዝብና ምግዳድ ማለት እዩ። ስለዚ ናይቲ ዝባኽን ዘሎ ግዜ ትርጉም ክስቆረና ይግበኦ።

ሎሚ ብሓባር ክንሰርሕ ምብቃዕና ኣድማዕነቱ ኣብ ምውጋድ ጉጅለ ህግደፍ ጥራይ ዝድረት ኣይኮነን። ነቲ ድሕሪ ውድቀት እቲ ጉጅለ ዝጽበየና ሓድሽ መድረኽ እውን ባይታ ዝምድምድ እዩ። ሎሚ ሱር ዝሰደደ ብሓባር ዘሰልፍ ርኢቶ እንተዘይኣጥሪና፣ ጽባሕና ካብ ሎሚና ዝኸፈአ ከይከውን ውሕስነት የብልናን። ቀንዲ እነትክለሉ ንናይ ሎሚ ህጹጽ ዕማምናኳ እንተኾነ፡ ቃልስና ብዛዕባ ጽባሕ ዘይእምት “ካብ ኢድ ናብ ኣፍ” ከይከውን ክንጥንቀቕ ይግበኣና። ስለዚ ሎሚ ነቲ ጉጅለ ደፊኡ ዘውድቕ ናይ ሓባር ኣተሓሳስባ ዘይምሓዝና፡ ሳዕቤኑ ኣብ ሎሚ ዝድረት ዘይኮነስ፡ ጠንቁ ናይ ጽባሕ ዘይርግኣት ዘኸትል ከይከውን ግቡእ መንገዲ ምትሓዙ ከድልየና እይ። 

ኣብቶም ክፈላልዩና ዘይግበኦም ብዙሓት ጉዳያት ኣተሓሳስባና ከነስጥም ዘይምኽኣልና፡ መርኣያ ድኽመትና ምዃኑ ክንእመን ይግበና። ምእማን ጥራይ ኣይኮነ፡ ነቲ ዝተኣመናሉ ድኽመት ከነወግድ ግብራዊ ስጉምቲ ክንወስድ ግድን’ዩ። ብኣራሚ ስጉምቲ እንዘይተሰንዩ ደጋጊምካ ድኽመትካ ምእማን  ፋይዳ የብሉን። ብዙሓት ብመጽናዕቶም ከም ዘረጋገጽዎ፡ ኤርትራዊ ሓይልታት ለውጢ ካብ ዝፈላልዩና ዘሰማምዑና ይበዝሑ። እቲ ሓቂ ከምዚ እንዳሃለወ ግና፡ ኣብ ክንዲ ነቲ ጉሊሁ ዝረአ ዘሰማመዓና  ተኸናኺንና ኣጽኒዕና እንሕዞ፡ በቲ ንኡስ ዝፈላልየና ንኹለፍን ንድሕሪት ንምለስን። እቲ ጸገም ኣብ ክንዲ ንኹልና ዘረዳድእ ቋንቋን ሓቛፊ ኣተሓሳስባን ክንረክብ ኣብ ማእከል ተራኺብና እሂንምሂን ነቐድም፡ ነናብ ናትና ንስሕብ።  እቲ መዋጸኦ ተኸኣኢልካን ተጻዋዊርካን ብሓባር ምቅላስ ምዃኑ ምስተፈለጠ፡ ነዚ ዝተፈልጠ መድሃኒት ኣብ ምቕራብ  ንጽገም ምህላውና ከኣ ዘየገርም ኣይኮነን።

ኤርትራውያን በብእዋኑ ንሰማመዓሎም ኮነ፡ ንፈላለየሎም ዛዕባታት ከከም መድረኹ ይቀያየሩ እዮም። ኣብዚ እዋንዚ ከኣ እቲ መፈላለይ ዛዕባ ኮይኑ፡ ንኤርትራውያን ኣብ ገሊኡስ ዘናቑተና ዘሎ፡ እቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግእ እዩ። ኣብቲ ኤርትራዊ ጉዳያትና እነርእዮ ምትህልላኽ ከይኣክል፡ ኣብ ጉዳይ ጐረቤት ክሳብ ክንዲዚ ምንህሃርን ምትህልላኽን ንብዙሓት ዘገርም ኮይኑ ኣሎ። ክሳብ ክንድዚ ኣብ ዘይቀዳምነትካ ዓሚቕካ ምእታው ኣዛራቢ ኮይኑ ኣሎ።  ከም ኣባና’ውን ጽልዋ ዘሕድር ናይ ጐረቤት ኩነታት ቆላሕታ ምሃብና ግና ንቡር እዩ።  በዚ ኮነ በቲ፡ “ሳዕስዕ’ሞ ሳዕስዕ ሓዳርካ ኣይትረስዕ” እንድዩ፡   ናብቲ ቀንዲ ጉዳይና እንተዘይተመሊስና  ጽባሕ’ውን ዋጋ ከኽፍለና እዩ።

Last modified on Tuesday, 16 March 2021 10:26