ንኤርትራ ኢልና ኢና እንገብሮ

2021-03-11 09:58:43 Written by  ኣሰፋው በርሀ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1636 times

ራብዓይ ክፋል

ከም ኤርትራውያን እቲ ርእሲ ኩሉ ዘገድሰና፡ ጉዳይ ሃገርናን ህዝብናን ኢዩ። ህዝብና እቲ ዝግብኦ ክብሪ ረኺቡ፡ ብፍትሒ ኣብ ሰላምን ብልጽግናን ክነብር  ንደሊ ንምትግባሩ ድማ ንቃለስ። ኣብ ህዝብናን ሃገርናን  ክወርድ ዘይንደልዮ በደል  ኣብ ልዕሊ ካልኦት ህዝብታትን ሃገራትን ብኣና ይኹን ብካልኦት ክፍጸም’ውን ዘይንደልዮ ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኩሉ ጉዳይ ሃገሩ ውሳኒ ተራ ንክህልዎ ኢዩ ተቓሊሱ። ንገድሊ መሪሖም ናጽነት ዘዕቆቡ ተጋደልቲ እቲ ኩሉ ዝተሰዉእዎን ዝሰንከልዎን ሰላም፡ ብልጽግናን ፍትሕን ዝሰፈና ሃገር ንምምስራት ኢዩ ነይሩ። ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ግን፡ ፍረ ቃልሲ  ህዝብና  ብሓደ ጉጅለ ተጨውዩ ሃገር ክትምዕብለሉ እትኽእል ዝነበረት መኣዝን  ተሳሒቱ።

ኤርትራ ከም ሃገር ኣብ ምብጋሳ ክትገብሮም ዝነበርዋ ብዙሓት ኢዮም ነይሮም። ብቐንዱ ግን ሃገር ዝምርሓሉ ሕጊ ከተጽድቕ በዚ መሰረት ድማ መንግስታ ከተቕውም፡ ንኹሉ ኤርትራዊ ዓቕሚ ዘዋስእ ስርዓት ክትተክል፡ ምስ ዓለምናን ዞባናን ዘዋስእ ቅኑዕ ፖሊሲ ዝምድና ክትሕንጽጽ ኢዩ  ዝግባእ ነይሩ። ኣብ ክንድኡ ግን ብናይ ሓደ ሰብኣይ ኣመራርሓ ተተኪኡ፡ ፊን ከምዝበሎ ድማ ሃገር እናሓመሰ ይነብር ኣሎ። ውልቀ መላኺ ኢሰያስ ኣብ ናይ 30 ዓመታት ኣመራርሕኡ ቀንዲ ጸላኢ ምዕባለን ሓድነትን ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ኣረጋጊጹ ኢዩ። ብሰንኪ ተናኻሲ ጠባያቱን ጸሕታሪ ውግእ ዝኾነ ተግባራቱን ዝፈጠሮም ጸላእቲ፡ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ጸላእቲ ክኾኑ ግድን ኣይኮነን። ህዝቢ ኤርትራ ኢሰያስ ንዝጸልኦ ክጸልእ ንዝፈተዎ ክፈቱ እንተኾይኑ፡ ነቲ ንሃገርና ናብ ገደል ዝወስድ ኣመራርሕኡ ኣሜን ኢልካ ምቕባል ጥራይ ኢዩ ዝኸውን። ዲክታቶር ኢሰያስ ዝኣተዎምን ዘላዓሎምን ኣዕነውቲ ውግኣት ብሰላም ክፍትሑ ዝኽእሉ ዝነበሩ  ኢዮም። ኣብ ጉዳይ ደሴታት ሕነሽ ምስ የመን፡ ኣብ ጉዳይ ዶብ ምስ ኢትዮጵያን ጅቡትን  ዝተገብሩ ውግኣት ኩሎም ትርጉም ዘይነበሮም ካብ ዋግኦም ንላዕሊ ዋጋ ዘኽፈሉ ኢዮም ነይሮም። ኣብቲ እዋንቲ ዋና ጸሓፊ ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዝነበረ፡ መንግስተ ሰማያት የዋርሶ፡ ኮፊ ኣናን ንናይ ባድመ ውግእ “ትርጉም ዘይብሉ ውግእ” ኢሉ ኢዩ ገሊጽዎ። በዚ ትርጉም ዘይብሉ ውግእ ዝመጸ ሳዕቢናት፡ ሞት፡ ዕንወት፡ ምዝባልን ጽልእን ተመሊስና ነቲ ጠንቅታቱ ክንፍትሾን ነቲ ቅኑዕ፡ ቅኑዕ፡ ነቲ ጌጋ ድማ ጌጋ ክንብሎን ክንመሃረሉን እንተዘይኪልና፡ ግጉይ ኣመራርሓ  ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ሎሚ ውን ኣብ ጸድፊ ከእትወናን ንስቅያትና ከናውሖን ኢዩ።

ብጉጅለ ኢሳያስ ዝምራሕ ስርዓት ኤርትራ ኣብ ጠቕሚ ህዝቢ ዝተመስረተ ናይ ወጻኢ ፖሊሲ የብሉን። በዚ ከኣ ኤርትራ ፈታዊ ዘይብላ ካብ ዓለም ኣብ ተነጽሎ እትነብር ኢያ። ምስ ጎረባብታ ናይ ሓቢርካ እናተሓጋገዝካ ብሰላም ምንባር ፖለቲካ እትኽተል ኣይኮነትን።  ኣብ ሶማል ዝተኸተለቶ ግልብጥብጥ፡ ኣብ ሃገራት ወሽመጥ ቀጠርን ኢማራትን ቀዋምነት ዘይብሉ ነቲ ሓደ ከተርሕቕ ምስቲ ካልእ ኣሻሩ ካብ ዝብል ግዚያዊ ጠቕሚ ዝነቅል መርገጻት፡ ነቲ ኣብ እዋን ቃልሲ ንናጽነት ቀንዲ መዕቆቢን ደጋፍን ዝነበረ ህዝቢ ሱዳን፡ ብጉጅለ ህግድፍ ናይ ኢዶም ዘይምርካብ መግለጺ ናይ ዝሓዞ ዘይጥዑይ ፖሊሲ ወጻኢ ዝምድናታት ኢዮም።  ንኢትዮጵያ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያታ ኣትዩ ብቐጻልነት ኣብ ምሕማሳ ይርከብ። ኢሳያስ ኣፈወርቂ እቲ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዝገብሮ ምትእትታው ንጠቕሚ ህዝቢታት  ኤርትራን ኢትዮጵያን ነይሩ እንተዝኸውን'ኳ  ኣይምሓሰመን። ግን ንማንም ዘርብሕ ኣይኮነን።

ኣቶ ኢሰያስ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝትከል መንግስቲ ኣብ ብሔራት መሰረት ዝገበረ ፖለቲካ ክኸውን ከምዘይብሉ፡ ከምዝመኸረ ደጊሙ ደጋጊሙ ብኹርዓት ክገልጽ ተሰሚዑ ኢዩ። እቲ ብሸነኹ ዝግበር ዝነበረ ግን፡ ንብሄራዊ ፖለቲካ ዘሰጉማ ውድባት እትዮጵያ፡ ናይ ኦሮሞ ናጽነት ግምባር፡ ናይ ኦጋዴን ናጽነት ግምባርን ካልኦትን ንክዕወታ፡ ንህዝቢ ኢርትራ ድራሩ ኣሕዲጉ፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ሓቚፉ ይሕግዘን ነይሩ ኢዩ። በቲ ካልእ ሸነኽ ድማ ንናጽነት ኤርትራ ዘይቅበሉ ሓይልታት ኢትዮጵያ፡ እንተተዓወቱ ድማ ተመሊሶም ንኤርትራ ክጎብጡ ድሕር ዘይብሉ፡ ከም ጉንቦት ሸውዓተን የኣርበኞች ግንባርን  ዝተባህሉ ይሕግዝ ነይሩ። መራሕቲ  ጉጅለ ህግድፍ ካበየናይ ስነ-መጎት ነቒሎም ኢዮም ነዞም ኣብ ኢትዮጵያ ተጻራሪ ዕላማታት ዘለዎም ሓይልታት  ዝሕግዝዎም ነይሮም? ኢሰያስ ነዞም ተጻረርቲ ልኡላውነት ኤርትራ ዝኾኑ ሓይልታት ኢትዮጵያ ክሕግዝ ከሎ፡ ኣብ ኤርትራዊ ጉዳይ ዘለዎ ክሕደት ኢዩ ብዝያዳ ኣመስኪሩ። እዚ ዘይሃገራዊ መርገጽዚ ዝያዳ ይጎድኣና ኣሎ። እዚ ሕጂ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ብምእታው ኣብ ልዕሊ ጎረቤት ህዝቢ ትግራይ ዝፍጸም ዘሎ በደል ብዋጋ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ ደቁ፡ ገንዘቡ፡ ግዜኡን ጥዑይ ናይ ጎረባብቲ ዝምድናን ይኸስር ኣሎ።

ኤርትራ ብጅግንነት ደቃ ናጻ ሃገር ኮይና፡ ናጽነት ብዘምጽኡላ ከኣ፡ ብኣምራርሓ ኢሳያስ እናተበደለት ትርከብ። ናተይ እትብሎ ህዝባዊ መንግስቲ ክሳብ ሕጂ ኣይተተኽለን። ኣብ ረብሓታት ሃገር ዘይተሰረተ፡ ኢሰያስ ፊን ብዝበሎ ኣብ ዝመርሓላ ዘሎ ሃገር፡ ናቱ ፈተውቲ፡ ከም ፈተውቲ ህዝብና ጸላእቱ ውን ከም ጸላእቲ ህዝብና ክንቆጽሮም ዘይከኣል ኢዩ። በየናይ ኣብ ሃገራዊ ረብሓ ዝተመስረተ ናይ ወጻኢ ዝምድናታት ፖሊሲ ኢዩ ንህዝቢ ኤርትራ ”እዚኦም'ዮም ፈተውትኻን ጸላእትኻን” ክብሎ ዝኽእል። ኢሰያስ ዝፈጥሮም ጸላእቲ ናይ ባዕሉ ጸላእቲ ጥራይ ኢዮም ክኾኑ ዝኽእሉ። ንኣመራርሓ ኢሰያስ ዝጸልአን ዝተቓወመን ኤርትራዊ ይኹን ወጻእተኛ ከም ጸላኢ ህዝብን ሃገርን ጌርካ ምልጣፍ ናይ ህግደፍ ስራሕ ኢዩ። እዚ ከኣ ነቲ ኣብ መንጎ ሃገርን መራሕን ዘሎ ፍልልይ ምኽሓድ ማለት ኢዩ።

ንሕና ምስ ሃገራት ክንፈጥሮ ዝግባኣና ዝምድና ኣብ ናይ ሓባር ረብሓታት ዝተሞርኮሰ ኢድ ምትእትታው ዘየፍቅድ ናይ ሓድሕድ ናጽነት ዘኽብር ክኸውን ኣለዎ ኢልና ንኣምን። ዉልቀ መላኺ ኢሰያስ ብዝተኸተሎ ግጉይ ኣመራርሓን ኣፈታትሓ ግርጭታትን ዝወረደ ጉድኣትን ጽልእን ኣብ ምእራሙ ክንከይድ ከምዘሎና'ምበር ናይዚ ኣሉታዊ ውርሻ ቀጸልቲ ክንከውን ኣይግባኣናን። ኢሰያስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘለዎ ጽልኢ ብተግባር ኣመስኪሩ ኢዩ። ንሕና ግን  ነዚ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ንዓመታት ከካይዶ ዝጸንሐ ኮይኑ ስለዝስመዓና፡ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዝቕጽሎ ዘሎ ገበን ብዕጽፊ ንኹንኖ። ኣብዚ ኣብ ትግራይ ኣጒድዎ ዘሎ ሓዊ ተቓጺሉ ዕድሚኡ ክሓጽርን ህዝብና ራህዋ ክረክብን ድማ ዝከኣለና ንገብር።

ይቕጽል

Last modified on Thursday, 11 March 2021 11:03