ንኤርትራ ኢልና ኢና እንገብሮ

2021-03-07 20:57:32 Written by  ኣሰፋው በርሀ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1884 times

ልሳይ ክፋል

ብዘይካ ኣብ ዝጽሕትሮ ህውከትን ውግእን፡ ኣብ ሰላም ክነብር ዘይኽእል ፋሽስታዊ መራሒ፡ ኢሳያስ  ኣፈወርቂ ቀንዲ ጸላኢ ህዝብን ሃገርን  ኤርትራ ኢዩ። ኣብ ታሪኽ ሃገራት  ሓደ መራሒ ሃገር በዚ ደረጃ’ዚ እመርሖ ኣለኹ ንዝብሎ  ህዝቢ ክጸልእን ክንዕቕን  ሳሕቲ ተርእዮ እዩ። ኢሰያስ ኣፈወርቂ ንህዝቢ ኤርትራ ክብሩን ሰብኣዊ መሰላቱን ጥራይ ኣይኮነን ገፊፍዎ፡ ከይነብር ሂወቱ ከይዕንግል፡ ተማሂሩን ሰሪሑን ከይምዕብል ኣጊድዎ ኢዩ። ካልኦት መለኽቲ ስርዓታት ምስ እንርኢ ህዝቢ ንኣረኣእያኦም ተኸቲሉ ክኸይድ ዝቕስቡ’ውን እንተኾኑ፡ ህዝቢ ናብርኡ ከመሓይሽ እናደገፉ ዝያዳ ክርብሓሉ ዝኽእል መሰረተ ልምዓታት ብምህናጽ  ኣብቲ ሃገር ምዕባለ ከምጽኡ ይረኣዩ ኢዮም። እቲ ሽግር ብናቶም መላኺ መንገዲ ስለዝኸድዎ’ምበር ሃገሮም ንካልእ ኣሕሊፎም ዘይህቡ ኢዮም። ዉልቀ መላኺ ስርዓት ኢሰያስ ግና፡ እመርሖ ኣለኹ ንዝብሎ ህዝብን ሃገርን ዝንዕቕን ዝጸልእን እንትርፎ ዕንወትን ስቓይን ስደትን ሞትን ካልእ ጽቡቕ ነገር ከምጽእ ዘይከኣለ መራሒ ኢዩ።

እቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ክፍጽሞ ዝጸንሐ በደላት ኣይኣክልን ኢሉ እንሆ ኸኣ ሎሚ ንህዝብና ኣብ ውግእ ዘይምልከቶ ጎረቤት ሃገር ጠቢስዎ ይርከብ። እዚ ንህዝቢ ዕላምኡ ፍሉጥ ዘይኮነ፡ መዓስ ክውዳእ ኢዩ ዘይተፈልጠ፡ ክንደይ ዋጋ ከኽፍል'ዩ ዘይተገምገመ ውግእ  ንህዝቢ ኤርትራ ዛጊት ዓቢ ዋጋ ኣኽፊልዎ ከምዝህሉ ክግመት ዝከኣል ኢዩ። ዘዕርፎ ናይ ግዳም ጸቕጥታት እንተዘይረኺቡ ብተዋሳእቲ ሓይልታት ናይዚ ውግእዚ ከቢድ ጉድኣት ከየውረደ ብተሎ ዝውዳእ ኣይመስልን።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይን ውልቀ መላኺ ኢሳያስን  ነዚ ውግእዚ፡ ዓለም ኣቓልቦኣ ኣብ ምርጫ  ፕረሲዳንት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ ዝነበረትሉ ምጅማሮም ብሰላሕታ መደቦም ንምፍጻም ኢዩ ነይሩ። ብዝወሓደ  ክሳራ ኣብ ሓጺር ግዜ ንህወሓት ድምጻን ድምጽማጻን ከጥፍእዎም  መዲቦም። ዝወጠንዎ መደብ ክሰልጠሎም  ኣይከኣለን። ብኣንጻሩ ንዓኣቶም  ዘይተጸበይዎ ክሳራ ወሪድዎምን ይወርዶም ኣሎን። “ሓደ ሰላማዊ ሰብ ኣይቀተልናን” ዝበልዎ ውግእ ብኣሽሓት ዝቑጸር ሰብ ብግፍዒ ተቐቲልዎ  ሰፍ ዘይብል ንብረት  ዓንዩ ህዝቢ ኣብ ውሽጢ ሃገር ካብ ስፍርኡ ተዘናቢሉ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ብዓሰርተታት ኣሽሓት ተሰዲዱ። ንዓመታት ኣብ ትግራይ ዑቕባ ረኺቦም ብሰላም ዝነብሩ ዝነበሩ፡ ኣሽሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ግዳያት ናይ ሞትን መጭወይትን ምብትታንን ኮይኖም ኢዮም። እቲ ብሕቡእ ክውዳእ ተሓሲቡ ዝነበረ  ውግእ ዓለም ፈሊጥዎ፡ ብርቱዕ ቁጠዐ ድማ ኣኸቲሉ።

እቲ ውግእ ክጅምር ከሎን ሎሚን ዘሎ ኣሰላልፋ ሓይልታት  ተቐይሩ ኢዩ። ክጅምር ከሎ ናይ  ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ሓርነት ህዝቢ ትግራይ ብሓደ ሸነኽ ናይቲ ኣቢይ ዝመርሖ መከላኸሊ ሰራዊት ኢትዮጵያን  ፍሉይ ሓይልታት ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራን በቲ ካልእ ሸነኽ ኢዮም ተሰሊፎም ነይሮም። ሎሚ ግና ኣብቲ ኣሰላልፋ፡ ነቲ ኣቢይን ኢሳያስን  ዘካይድዎ   ዘለው ውግእ ዝጻረር  ሓይልታት በዚሑ ኣሎ። ዋላ ንህወሓት ንምድሓን ኢሉ እንተዘይኮነ፡ በቲ ኣቢይን ኢሳያስን  ዘካይድዎ ዘለዉ  ብናይ ውግእ ሕግታት ዘይምራሕ ገበናዊ ተግባራት ወያነ ይጽውዖ ንዘሎ  መፍትሒ ተጸንቢረሞ ክኸዱ ይረኣዩ ኣለዉ። ድምጽታት መንግስቲ ኣመሪካ፡ ሃገራት ኤውሮጳን ካልኦት ኣህጉራዊ ማሕበራትን ኣብዚ መስርዕዚ ኣትዮም ኣለዉ።

ብቐንዱ ግን፡ ሰራዊት ኣብይ፡ ኢሳያስን ክልል  ኣምሓራን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ፈጺመሞ ብዘለዉ ጃምላዊ ቅትለት፡ ዕንወትን ምብስባስን ንህዝቢ ትግራይ ኣዚዩ ኣቖጢዕዎን ኣጨኪንዎን  ዘሎ ጉዳይ ኢዩ። ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ኩነታት ከረሳርስዎን ክኸስብዎን ዝኽእሉ ኣይመስሉን። እቲ በደል ኣብ ልዕሊ  ፍሉይ ሓይሊ ህወሓት ፈልዩ ዝተፈጸመ ስለዘይኮነ፡ ዋላ ቀደም ዝምድናኦም ምስ ህዝቢ ገለ ጨዳድ እንተነበሮ ሎሚ ግን ሰጢሙ ኣንጻር በደልቱ ክቃለስ ገይርዎ ኢዩ። ብሄርተኝነት ትግራይ ዋላ ካብ ቅድም ዝነበረ እንተኾነ፡ ሎሚ ግና ዝያዳ ክግንፍል ይረአ ኣሎ። እዚ ሓያል ስምዒት’ዚ ሓድሽ ናይ ቃልሲ ኣንፈት ዝሕዘሉ ገፊሕ ምናልባታት ኣሎ። ትግራይ ኣካል ናይ ኢትዮጵያ ኮይና ትቐጽልዶ ኣይትቐጽል ዝብል ኣብ ህዝቢ ትግራይ ከም ዓቢ ሕቶ ክለዓል ምዃኑ ዘይተርፍ ኢዩ። እዚ ውን ንፖለቲካዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ምጽላዉ ዘይተርፎ ኢዩ።

ሕጊ ንምኽባር ተባሂሉ ዝተጀመረ መጠነ ሰፊሕ ውግእ፡ ንወተደራዊ ዓቕሚታት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ሃስይዎ ምህላዉ ዘየጠራጥር ኢዩ። ወያነ ተመሊሶም ናብ ቤተ-መንግስቲ ኣዲስ ኣበባ ክምለሱ ከምዘይክእሉ ርዱእ ኢዩ። ብዓንተብኡ ውን ኣብቲ ብኢትዮጵያውያን ዝተኻየደ ኣቢይ ኣሕመድ ከም ቀዳማይ ሚኒስተር ዘምጽኣሉ ለውጢ ካብ ስልጣኖም ወሪዶም ኣብ ትግራይ ተደሪቶም ኢዮም። ወያኔ ከም ፖለቲካዊ ሓይሊን  ኣተሓሳስባን ካብ ኢትዮጵያ ክጠፍኡ ግና ዘይመስል ነገር ኢዩ። ሎሚ ኢትዮጵያ እትኸደሉ ዘላ ፈደራላዊ ስርዓት ፈሪሱ ብኣሃዳዊ ስርዓት ክትካእ ዝደልዩ ካብ ብሔረ ኣምሓራ እንተዘይተረኺቦም ካልኦት ብሔራት ዝቕበልኦ ኣይኮናን። እቲ መሰረታዊ  ጠንቂ ናይዚ ኣብ ትግራይ ዝኸይድ ዘሎ ውግእ እዚ ኢዩ፡፡ ኢትዮጵያ በየናይ  ስርዓት ትመሓደር ኣብ ዝብል ኢዩ እቲ ፍልልይ። እቲ ካልእ መመኽነይታታት መሐወስታ ጥራይ ኢዩ። ዋላ ንወያነ ካብ ፖለቲካዊ ጸወታ እንተኣውጽእዎም እቲ ሽግር ዝፍታሕ ኣይኮነን። ካብ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ዝዝውሮ ኣቢይ ኣሕመድ ትጽቢት ዘይግበር ኮይኑ'ምበር፡ መፍትሒ ናይዚ ሽግርዚ ኩሎም ፖለቲካዊ ሓይልታት ኢትዮጵያ ዝሳተፍዎ ፖለቲካዊ ሰላማዊ መንገዲ ጥራይ ኢዩ።

ናብ ኩነታት ኤርትራ ክምለስ፡ መንግስቲ ጉጅለ ህግደፍ ንኹሉ መዳያት ህይወት   ህዝቢ ኤርትራ ብክትንክፍ ዝኽእል ደረጃ ኢዱ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኣእቲዩ ኣሎ። እዚ ንረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ኣይኮነን። ንረብሓ ህዝቢ ኤርትራ እንተዝኸውን  ዝሕባኣሉን ዝከሓደሉን  ምኽኒያት የብሉን። እዚ ብህዝቢ ኤርትራ ቅቡል ክኸውን ዘይክእል፡ ኢሳያስ ውልቃዊ መደባቱ ንምዕዋት፡ ስልጣኑ ንምንዋሕን ንምስፍሕፋሕን ዝኸዶ ዘሎ ካብ ሙዃን ሓሊፉ ካልእ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ። ስለዚ ካብኡ ተሳዒሩ ክወጽእ ኩሉ ቃልሲ ከካይድ ኣለዎ።

ኩሎም ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ነዚ መንግስቲ ኢሳያስ በዚ ኣብ ትግራይ ዝፍጽሞ ዘሎ  ኣብ መላእ ዓለም ኣንጻሩ ተፈጢሩ ዘሎ ሃዋሁ ንጥቕሚ ኤርትራ ከውዕልዎ ክጽዕሩ ይግባእ።

ይቕጽል

Last modified on Sunday, 07 March 2021 22:01