ዝያዳ ክንቀራረብ፡ እንጥለበሉ መድረኽ!

2020-12-05 10:28:54 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1293 times

 ኤርትራዊ ተቓዋምቲ ፖለቲካዊ ውድባት፡ ሰልፍታት፡ ማሕበራት፡ ህዝባዊ ምልዓላትን ህቡባት ባእታታትን  ሓቢርካ ናይ ምቅላስ ኣድላይነት መተካእታ ከምዘየብሉ ርዱእ እዩ። እዚ ናይ ተቓውሞ ሓይልታትዚ ናይ ሓባር ቃልሱ ኣድማዒ፡ ቀጻልን ኣሳታፍን ንክኸውን፡ ብናይ ሓባር ተረድኦ ዝተቃነየ ትካላዊ መቃለሲ መድረኽ ከም ዘድልዮ ዉሁብ እዩ።  ናብዚ ንምብቃዕ ቀጻሊ ቃልሲ ክካየድ ከም ዝጸንሐን ቀጻሊ ከም ዘሎን ከኣ ናይ ኩልና ተመኩሮኣዊ  ተረድኦ እዩ።

ተቐራሪብና “ኣንጻር ዘይህዝባዊ ኣተሓሳስባ ጉጅለ ህግዲፍ ብምሉእ ዓቕምና ንቃለስ” ክንብል እንከለና፡ ነቲ መርኣያ ብዙሕነትና ዝኾነ ሕብራዊ ፍልልያትና ነወግድ ማለትና ኣይኮነን። እንታይ ደኣ፡ ቅድም ኣብዚ ተተሓሒዝናዮ ዘለና ኤርትራዊ ሃገርን ህዝብን ናይ ምድሓን ንቕሎ፡ ዝፈላልዩናን ዘቀራርቡናን ብውሕልነትን ብሓላፍነትን ንመሚ። ደሓር ኣብቶም ዝፈላልዩና ተኸኣኢልና፡ ኣብቶም ዘቀራርቡና ተወሃሂድና ብሓባር ንቃለስ ማለት ምዃኑ ግቡእ ተረድኦ ረኺቡ ክሰርጽን ክሰፍርን ይግበኦ። ብቕንዕናን፡ ህዝባዊ ሓላፍነትን ተጊህና እንተነቒልና ካብቶም ዝፈላልዩና እቶም ዘቀራርቡና ናይ ቃልሲ ኣዕኑድ ከም ዝሰፉሑን ዝሕይሉን ፍሉጥ እዩ። ኩልና ኤርትራውያን ህዝብና ካብዚ ዝወርዶ ዘሎ ከቢድ ወጽዓ ጉሒላ ጉጅለ ህግዲፍ ተናጊፉ፡ ኣብ ጉዳዩ ባዕሉ ዝውስነሉ፡ መሰረታዊ ዲሞክራስያውን ሰብኣውን መሰላቱ ዝኽበረሉን፡ ብዙሕነቱ ብዘውሕሰ ኣካይዳ ሕገመንግስቲ ዝምረሓሉ ኩነታት ናይ ምፍጣር ሓያል ትጽቢት ከም ዘለና ርዱእ እዩ። እዚ ከምዚሉ እንከሉ፡ ንኣገባብ ቃልሲ ዝምልከት ሓዊስካ፡ ናብዚ ንብህጎን ንቃለሰሉ ዘለናን ለውጢ ንምብጻሕ ኣብ እንመርጾ መንገዲ ስልታዊ ፍልልያት ክህልወና ውሁብ እዩ። እዚ ናብቲ ሸቶ መብጽሒ ስልትታት ነቲ  ቀንዲ ክንበጽሖ ዝግበኣና ዓወት ከስሕተና ኣይግባእን።

ኤርትራ ድሕሪ ውድቀት ጉጅለ ህግዲፍ “ብኸመይ ክትመሓደር እያ” ኣብ ዝብል እውን ካብ ጽቡቕ መጻኢ ንኤርትራ ነቒልና እንጽበዮ ኣገባብ ምምሕዳር ዝተፈላለየ ክኸውን ይኽእል። እንተኾነ ህዝቢ ኤርትራ ጉዳዩን መጻኢኡን ባዕሉ ዝውስነሉ ውሑስ፡ ነጻን ሕጋውን መድረኽ ኣብ ዝረኸበሉ ዝውግኖን ንሕና ከም ፖለቲካዊ ሓይልታት ጽልዋና ንምሕዳር እንወዳደረሉን ስለ ዝኾነ፡ ሎሚ ብኣኡ ተፈላሊና ህግዲፍ ኣብ ናይ ምውጋድ ቃልሲ ክንረሓሓቕ ውሕሉልን ሓላፍነታውን ኣይኮነን። ስለዚ ነቲ ሎሚ ዘቀራርበና ንምሕያልን ቀዳምነት ምሃብን እምበር፡ ነቲ ዝፈላልየና እሞ ድማ ወጊናዮ ሓሊፍና ጽባሕ እንወዳደሩ ዛዕባታት ከነተዓባብዮ ኣይግበኣናን።

ኣብዚ እዋንዚ ኣይኮነንዶ ንዓና ኤርትራውያን ናይ ለውጢ ሓይልታት፡ ንናይ ርሑቕ፣ ተዓዘብቲ ኣካላት’ውን ዘሰክፍ ሓደገኛ ውግእ ኣብ ናይ ቀረባ ጐረቤትና ክልል ትግራይ ይካየድ ኣሎ። ምስ ትግራይ ዘለና ጉርብትና ብጀኦግራፍያዊ ምቅርራብ ጥራይ ዝግለጽ ዘይኮነ፡ ቁጠባዊ፡ ባህላዊ ሃይማኖታውን ካልእን ምጽልላው ዘለዎ ብብዙሕ ሓጐጽጐጽ ክሓልፍ ዝጸንሐ እዩ። እዚ ውግእዚ ዝያዳ ዘሻቕለናን ናይቶም ብናይ ጽባሕ ራህዋ ህዝብና እንገድሰና ምቅርራብ ዘድልዮን  ናይ ጐረቤት ጸገም ምዃን ጥራይ ኣይኮነን። ብሰንክቲ ረብሓን ክብርን ህዝቢ ዘይማእከሉ ፖሊሲ ዝምድና ህግዲፍ ኤርትራውያን እውን ኣካልዚ ውግእ ኮይኖም ምህላዎም እዩ። ቅድሚ ሒደት መዓልታት  “ኤርትራ ኣብዚ ውግእ ኢዳ ሓዊሳዶ ኣይሓወሰትን?” ዝብል ኣብ መንጐና መፈላለይ ኮይኑ ከም ዝጸንሐ ዝዝከር እዩ። ሎሚ ግና ብብዙሓት ናይ ቀረባን ርሑቕን ኣካላት ብዝተኻየደ ትዕዝብቲ ኮነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዝሃቦ ምስክርነት፡ ኤርትራ ብብዙሕ መዳያት ኣብዚ ውግእ ትሳተፍ ከምዘላ ተጋሂዱ እዩ። ጉጅለ ህግዲፍ እውን ከምቲ ኣመሉ ኣጽቂጡ እምበር፡ ከምቲ ጀሚርዎ ዝነበረ ናይ “ኣይተሳተፍናን” ደሃይ ከም ዘየብሉ ንዕዘቦ ኣለና።

ናትና ምቅርራብን ሓቢርካ ኣንጻር ወጻዒ ጉጅለ ኢሳያስ ምቅላስን ካብ ቀደሙ እውን ወሳኒ ምስጢር ዓወትና ምዃኑ ዝተገንዘብናዮ እዩ። ኣብ ምትግባሩ ግና ማዕረቲ ድሌትናን እምነትናን ኣይበቓዕናዮን። ክሳብ ሎሚ ኣይበቓዕናዮን ማለት ግና ንሓዋሩ ኣይክንክእሎን ኢና ማለት ኣይኮነን።  ኣብዚ ብሰንክቲ ውግእ ካብ ንጐረባብቲ ሓሊፉ ንዞባናን ዓለምን እውን ዘሰክፍ ምዕባለታት ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን፡ ዝያዳ ክንቀራረብ ናብ እንጥለበሉ መድረኽ ኣቲና ኣለና። ጉጅለ ህግዲፍ ጉዳይ ህዝቢ ጉዳዩ ከም ዘይኮነ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ዝሓለፉ መድረኻት ኣርእዩና እዩ። እዚ ኣብዚ ውግእ ወሲድዎ ዘሎ ስጉምቲ፡ ካብ ቅድም እውን ዝገመትናዮ መርገጽ ከኣ መቐጸልታ ናይቲ ክመጾ ዝጸንሐ ጥብሎቕሎቕ እዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ፡ ብ30 ሕዳር 2020 ኣብ ፓርላማኦም ቀሪቦም፡ ኣብቲ ውግእ ግደ ኤርትራ ክሳብ ክንደይ ወሳኒ ከም ዝነበረ ክገልጹ እንከለዉ “ኤርትራ እንተዘይትሕግዘናስ እንታይ መወሓጠና” ብዝብል ኣጋንኖ እዮም ገሊጾምዎ። እቲ ሓቂ ክሳብ ክንድዚ ባዕሉ ይዛረብ ምህላዉ ብሩህ ክነሱ ደጊም “ጉጅለ ህግዲፍ ዝመርሓ ኤርትራ ኣብቲ ውግእ ኢዳ ኣእትያዶ ኣየእተወትን” መካትዒ ዝኸውን ኣይመስለንን። እቲ ቀንዲ ጉዳይ እምበኣር ብኸመይ ተቐራሪብና ብሓባር ንህዝብና ካብ ተወሳኺ ጸገም ንምድሓን ንመክት እዩ ክኸውን ዝግበኦ። ኣብዚ ሓደ ግንዛበ ክረክብ ዝግበኦ፡ እዚ ተረኽቦ ናይቲ ጉጅለ ሓያልነት ዘይኮነ፡ ዘይህዝባውነቱ፡ ኣርሒቕካ ዘይምርኣዩን ናይ ካለኦት ኢደ-በይዛ ምዃኑን እዩ ዘመልክት። ስለዚ እዚ ኢድ ኣእታውነቱ ከምቲ ዝግምቶን ዝጽበዮን ዕድመ-ስልጣኑ ዘናውሓሉ ዘይኮነ፡ ብኣንጻሩ ዘሕጽረሉ ናይ ምዃኑ ዕድል ሰፊሕ ምዃኑ ተገንዚብና፡ ሕጂ እውን ዝያዳ ክንቀራረብ ኣብ ንጥለበሉ መድረኽ ምእታውና ነስተብህል።

Last modified on Saturday, 05 December 2020 11:30