ዝኸበርካ ህዝቢ ኤርትራ እንታይ ኢኻ ትጽበ ዘሎኻ

2020-12-02 16:58:48 Written by  ክፍላይ ተኪአ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1291 times

ዝኸበርካ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ኣርእስተይ ተመርኲሰ ሓሳባተይ ብጽሑፍ ናብ ሕብረተ-ሰበይ ከመሓላልፍ እንከለኹ፡ ብመጠኑ ንሕዋሳተይ ሕልናዊ ዕረፍቲ ክህበኒ እንከሎ፡ ብካልእ ኣዘራርባ ከኣ፡ ወዲ-ሰብ ሓታትን መላስን ርእይቶኣውን ክኸውን ኣብ ሓደ ሕብረተ-ሰብ መሰረታዊ ኣምር‘ዩ።

ዝኸበርካ ኤርትራዊ፡ ንኣርእስተይ ብመጀመርያ ምስ ረኣኻ፡ ብፍላይ ኣብቲ መሪር ሃለዋት ምስ ትህሉ ንደቓይቕ ክትሓስብን ዝን ክትብልን ኢኻ። ብርግጽ ከኣ ኣርእስተይ ጽሑፈይ ሕልና ኩሉ ኤርትራዊ ክትንክፍ ምዃኑ ጥርጥር የብለይን።

ዝኸበርካ ህዝቢ ኤርትራ፡ ን30 ዓመታት መሪር ቃልሲ ተቓሊስካ ሰፍ ዘይብል መስዋእቲ ከፊልካ፡ በቶም ጀጋኑ ደቅኻን በታ ክብርቲ ዋዕሮ ጓልካን፡ ታሪኽ ናይ ንሓዋሩ ነጻነትካ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዓለም ኣመስኪርካ፤ ብርእሰ-ተኣማንነት ብረፈረንዱም 99.8 እወ ንነጻነት ኣድሚጽካን ንዓለም ኣበሲርካን፡ ባንደራኻ ኣብ መንጎ ባንዴራታት ሃገራት ዓለም ኣብ ህንጻ ኣደራሽ ዓለም ኣንበልቢላ ኤርትራ ዝብል ክብሪ ኣብ ናይ መዝገብ ታሪኽ ሰፊራ።

ዝኸበርካ ኣንታ ተባዕ ኤርትራዊ፡ ኣነ ከም ጸሓፍን ሓሳብ ኣቕራብን፡ ሓደ ዘይርሳዕ ወትሩ ዘተሓሳስበንን ዘጕህየንን ኩሉ ግዜ ብጽምዋ ክሓስብ እንከለኹ ሓደ ሕቶ ይመጸኒ። ስለምንታይ ንሕና ሕብረተሰብ ኤርትራ ኣብ ከምዚ ኩነታት ኣቲና? ንሱ ከኣ ነቲ ሓድሽ ጉዕዞ ነጻነት ከየስተማቐርካ ፖለቲካዊ ቍጠባዊ ማሕበራዊ ሕውየት እናጠመትካ ኣብ ኲናት ተሸሚምካ፥ መንእሰይ ወለዶ ብዳግማይ ኲናት ከሲርና። እዚ ከኣ ብዕላማ ንምንዋሕ ስልጣን ዝተገብረ ድሒሩ ዝተጋህደ ፡-

1 - እቲ ተወዲኡ ዝነበረ ቅዋም ሕጊ ግዜ ብምቕታል ከይትግበር ስልጣኑ ንምንዋሕ፤

2 - ደሞክራሲ ኣብ ኤርትራ ከይትከል ምርጫ ከይግበርን፤
3 - ፓርላማ ከይህሉ ምግባር፤

4 - ኩሉ ኣብ ትሕቲ ቅዋም ሕጊ እታ ተሓታትነት እትብል ኣምር ዓንቀጽ ክትመጽእ ከም እትኽእል ስለ ዝፈልጥ፥ ንከይትመጾ፤

5 - ኣብ መወዳእታ ህዝቢ ኤርትራ እታ እንኮ ብማዕርነት እትፈትሕ “ቅዋም ሕጊ“ እናተጸበየ ከሎ ቅዋም ሞይቱ ተባሂልካ።

ዝኸበርካ ኤርትራዊ፡ እዚ ኣበሃህላ ከም ህዝብን ከም ሃገርን ብጣዕሚ ዘሕፍርን ዘነውርን፥ ከም ሰብ፡ ከም ኤርትራዊ እሞ ከኣ “ንቅዋም ሕጊ ሕብረተሰብ፡ ንቅዋም ሕጊ ሃገር“ እቲ ስርዓት ደፊሩ ከምዚ ኢሉ ክዛረብ ከሎ፡ ንሕና ኤርትራውያን ተመሊሰ ክሓስቦ እንከለኹ ብርግጽ ንሓስብ ኣሎናዶ? ክሳብ ሕጂኸ እንታይ‘ዩ ዘጸብየና ዘሎ ክሳብ ክንድዚ ግዜ ምውሳድ ነዚ ደቂ-ደቁ ዝበልዕ ጨካን ስርዓት።  

ስማዕ ኤርትራዊ! እዚ ስርዓት ከማኻ ሰብ፡ ግን ባህሪ ናይ ሰብ ዘየብሉ፡ እሞ ከኣ ዝመሽመሸ ክንሱ ንሕግታትካን መሰልካን ንማሕበራዊ ክብርታትካን ክኽልክለካን ከፍቅደልካን ከሎ ን6 ሚልዮን ህዝቢ ኤርትራ ከሕፍርን ከነውርን ጸኒሑን ዘሎን‘ዩ። እዚ ስለ ዝኾነ ከኣ ሕጂ‘ውን ደጋጊመ እንታይ ኢኻ ትጽበ ዘሎኻ ክብለካ ሕልናውን ታሪኻውን ከም ኤርትራዊ ይግድደኒ።

ዝኸበርካ ህዝቢ ኤርትራ፡ እዚ ስርዓት‘ዚ ብቐደሙ ልቡ ምሳኻ ኣይነበረን፡ ስለ ዝኾነ ከኣ ጥመ - ሕመም - ሙት -  ዕረቕ -ሃሉ-ኣይትሃሉ ኣይግድሶን‘ዩ። እዚ ዝስዕብ ኢሰብኣዊ ተግባር ን29 ዓመት ገይሩዎን ብዝኸፍአ ድማ ይቕጽሎ ኣሎን፡ ንሱ ድማ ሓደ ክልተ ኢልካ ስለ ዘይውዳእ እዚ ዝስዕብ ጥራሕ ክጠቅስ‘የ፡-

1 - ተኣሲርካ ኣብ ሕጊ ዘይትቐርበሉን፡ ኣሎኻን የሎኻን ዘይትፍለጠሉ፤

2 - እኽሊ ኣብ ድላይካ ገጠርን ከተማታትን ከትሸይጥን ከይትሽምትን ዝኽልክለካ፤

3 - ን29 ዓመታት ናይ ኩቦን ተጸባያይ ዝገብረካ፤

4 - ኤርትራውያት ኣደታት ንደቀን ከየዐንግላ ብሒቝ ዝደፍኣልካ፤

5 - ብርሃን ከይትርኢ ኣብ ጸልማት ዘንብረካ፤

6 -  ማይ ከይትሰቲ ብጽምኣት ጐሮሮኻ ዘንቅጸካ፤

7 - ትካላት ስራሓት ዓጽዩ ኣብ ጽርግያ ዘውዕለካ፤

8 - ማእሪርካ ሸቒጥካ ድራርካ ከይተእቱ ዝጐየካ፡ ንርብዒት እኽሊ ኣብ ብሎኮታት ዝምንጥለካ፤

9 - ሕክምና ፈውሲ ዘይትረኽበላ ሃገር ገይሩካ፤

10 - እተን ነዊሕ ዓመታት ይዕበያ ይንኣሳ ነቲ ድኻ ህዝቢ ኣብ ገጠር ይኹን ኣብ ከተማ ዝኣልያ ዝነበራ ሕክምናታት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ዓጽዩልካ፤

11 - ህዝቢ ኤርትራ ጸጋታት ሃገሩ ዘይፈልጠሉ፤

12 - ዕብየት ቁጠባ ሃገሩ ይውሓድ ይብዛሕ ዘይፈልጠሉ፤

13 - ህዝቢ ኤርትራ ን29 ዓመታት ዓመታዊ ባጀት ዘይፈልጠሉ፤

14 - ትካላት ትምህርቲ ምዕባለኡ ዘይትፈልጠሉ።

ዝኸበርካ ህዝቢ ኤርትራ፡ እዚ ስርዓት‘ዚ ንትካላት ትምህርቲ ኣዳኺሙ፡ ብፍላይ ንመንእሰይ ኤርትራዊ ብሓፈሻ ድማ ንሕብረተሰብ ኢርትራ ምስ ዓለሙ ተወዳዳራይ ከይከውን፡ ኣብ ሓንቲ ናይ ባርነት ማእከል ዝኾነት “ሳዋ“ ዓጽዩ ንኣምስሉ ንህዝቢ ኤርትራ ንምድንጋር ንትምህርቲ ዘይተማልአ ኮለጃት እሞ ድማ ብወትሃደራት ዝመሓደራ ከም ኮለጅ ማይ ነፍሒ ዝኣመሰላ ገይረ ክብል እንከሎ ዘገርም‘ዩ። እቲ ኣዝዩ ዘገርም ድማ፡ እታ ሓንቲ እንሕበነላ ኣብ ዓለም ተቐባልነት ከም ዝነበራ ዘመስከረት፡ ክንደይ ኤርትራውያን ምሁራት ዘፍረየት፡ መንእሰይ ኤርትራ፡ ብሓፈሻ ድማ ህዝቢ ኤርትራ ብተስፋ ንእኣ እናጠመተ ዝመሃረላ ዝነበረ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ፡ እዚ ስርዓት‘ዚ ህዝብና ናብ መኣዲ ትምህርቲ ንከይጐዪ ራኢ መጻኢኡ ንከይጥምት ብመደብ ዓጸዋ። ዝገርም፡ ኣነ ከም ሓሳብ ኣቕራብን ከም ኤርትራዊ ከም ሰብ፡ ኣብ ዓለም ዝኾነት ሃገር፡ ኣንትርፎ ትምህርቲ ኣስፋሕፊሑ፡ ዩኒቨርሲቲ ዓጽያ ዝብል ሰሚዐ ኣይፈልጥን።   

ኣብዚ ክብሎ ዝደሊ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብሓባር፡ ደቅና ኣበይ ክመሃሩ፡ ኣብ ክንዲ ዩኒቨርሲቲ ምውሳኽ ስለምንታይ እታ እንኮ ብዙሓት መንእሰያት ከተፍሪ ዝጸንሐት ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ትዕጾ ብምባል፡ ብነድሪ ክልዓል ዘይከኣለ? ሕጂ‘ውን ብጣዕሚ ይገርመኒ፡ ደቅናኸ እንታይ ክብሉና‘ዮም ዝብል ኣተሓሳስባ ክመጽእ ዘይከኣለ። ዘሕፍር ናይ ድንቁርና ስቕታ ብምውሳድና፡ ካብ ዓለምና ብኩሉ ደረጃታት ድሕሪት ተሪፍና። አረ እንታይ ኢኻ ትጽበ ዘሎኻ ዝኸበርካ ህዝቢ ኤርትራ? ዝኸበርካ ሰራዊት ምክልኻል ኤርትራ፡ ሕጂ ዳግማይ ታሪኽ ስራሕ።

ዝኸበርካ ህዝቢ ኤርትራ፡ ጐረባብትና ኣብ 28 ዓመት ኣበየናይ ደረጃ ትምህርቲ በጺሖም፡ በቲ ዘለዎም ዓቕሚ ትካላት ትምህርቲ ቀዳምነት ሂቦም፡ ካብ ዝተሓተ ክሳብ እቲ ዝለዓለ ደረጃ ኮለጃትን ኡኒቨርሲቲታትን ጌሮም፥ ብዝተፈላለየ ዓይነት ትምህርቲ ሰሪዖም ብሰርቲፊከይት፡ ዲግሪ፡ ዲፕሎም፡ ማስተርን ዶክተሬትን ከመርቑ ንርኢ ኣሎና። እዚ ጥራይ ዘይኮነ፡ ተሰዲዶም ዝኸዱ ኤርትራውያን ይውሓዱ ይብዝሑ ናይ ትምህርቲ ዕድል ተዋሂቡዎም ብዝለዓለ ደረጃ ክምረቑ ሰሚዕናን ርኢናን ኣሎና። ኣነ ከም ጸሓፍን ሓሳብ ኣቕራብን ምስጋናይ ወሰን የብሉን።

ዝኸበርካ ኤርትራዊ፡ ስደት ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ድማ መንእሰይ ወለዶ ኤርትራ መወዳድርቲ ዘይብሉ፡ ኣብ ዓለም ተራእዩ ዘይፈልጥ ኣብ መዝገብ ዓለም ፍልሰት ኣህዛብ ደቂ-ሰባት ቀዳማይ ደረጃ ሒዙ ይርካብ፡ የሕዝን። ዝኸበርካ ኤርትራዊ፡ ጉዕዞ ስደት መንእሰይ ኤርትራ ሓደ ክልተ ኢለ ብከፊል ክጠቕሶ እንከለኹ እዚ ዝስዕብ ይመስል፡-

1 - ቀዳማይ ስጉምቲ ኣብ ዶብ ተመልከተለይ ብጥይት፤

2 - ኣብ መገዲ ጭውያ፡ መግረፍቲ፤

3 - ሞት ምድረ-በዳን ባሕርን፤

4 - ውሽጣዊ ኣካላት መንእሰይ ኰላሊትን ካልእን ኣውጺእካ ምሻጥ፤

5 - ዓመጽ ደቂ-ኣንስትዮ ካብ መጀመርያ ጉዕዞ ክሳብ መወዳእታ፤

6 - ብእምነትካ ክሳብ ክሳድ ምቝራጽ ዘስካሕክሕ ጭካነ።

ኣነ ከም ጸሓፋይ ነታ ቍጽሪ 6 ዘላ ኣብ ጽሑፈይ ከስፍራ እንከለኹ ንብዓት ይስዕረኒ፡ እንታይሞ ይግበር። ካብዚ ቀጺለ ጥፍኣት ላምፓዱሳ 365 መንእሰያት ኤርትራውያን ንዓለም ዘሰንበደን ዘብከየን፡ ንህዝቢ ኤርትራ ጸላም መዓልቲ ኣብ ታሪኽ መዝገብ ኤርትራዊ ዘይርሳዕ እዩ። ኣብዚ እቲ ዘገርም፡ እቲ ጨካን ስርዓት ኣፍሪቃውያን‘ዮም ክብል ተሰሚዑ። ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ፡ ስቕታኻ ዓለም ገሪሙዎ እንታይ ኢኻ ትጽበ ዘሎኻ ድሕሪ ክሕደት እዚ ጨካን ስርዓት። ኣብዚ ከስፍሮ ዝደሊ፡ ናይ ካቶሊክ ጳጳሳት እናነብዑ ዕምባባ ከንብሩሎም፡ ኣብቲ ባሕሪ ዕምባባ ጸምበለል ክብልን፡ ጸሎቶም እናነብዑ ከብጽሑ እንከለዉ ንብዓት ኤርትራዊ ብነድሪ ተኻዕወ። ካልኦት ሃይማኖታት በብናቶም ጸሎትን ፍትሓትን ኣብጽሑ። እቲ ጨካን ስርዓት ምስቶም ውሑዳት ሰዓብቱ ክለሃይ (ክስዕስዕ) ወዓለ። ድሕሪ‘ዚ ክሳብ ሕጂ ኤርትራዊ እንታይ ኢኻ ትጽበ ዘሎኻ።

ዝኸበርካ ህዝቢ ኤርትራ፡ እዚ ስርዓት‘ዚ ኣይናትካን ምዃኑ ደጋጊሙ ነጊሩካ ምዃኑ ዓሰርተታት ዓመታት ዘቝጸረ ክንሱ እንታይ ኢኻ ትጽበ ዘሎኻ? እዚ ስርዓት‘ዚ ብተኣምር ክድሕን ስለ ዘይክእል ብድሕረይ ሳዕሪ ኣይብቈላ እዩ ዕላምኡ። ሕጂ ከኣ ኣብ ዘይምልከተና መንእሰይ ደቅና ኤርትራውያን ኣብ ኲናት ጠቢሱዎም ብወትሃደራት ኢትዮጵያ እናተኸብከቡ ኣብ ሓዊ ኣትዮም ኣለዉ። ኤርትራዊ እንታይ ኢኻ ትጽበ ዘሎኻ? ደቅኻ ብስቕታኻ ንሞት ፈሪድካዮም። ደፊርካ ኣይትበሉኒ ብርግጽ ህዝቢ ኤርትራ ንሓስብዶ ኣሎና? ዝኸበርካ ኣቦ-ኣደ-ሓው-ሓብቲ ብምልኡ ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ፡ መስዋእቲ ከፊልካ ሕጂ ነቲ ኲናት እምቢ ኢልካ፡ ነዚ ጨካን ስርዓት ካብ ሱሩ ደርብዮ። ህዝቢ ኤርትራ፡ እዚ ውሳንየ እንተዘይገበርካ፡ ጽባሕ ንግሆ ክልተ ሞት ክኸውን‘ዩ። እቲ ኤርትራዊ መንነት እቲ ትምክሕቲ ኤርትራዊ ጀግንነት፡ መስዋእቲ ነጻነት ነበርያ-ነበረይ ከይከውን፡ ኣስተውዕል ኤርትራዊ እብለካ ኣለኹ።  

 

Last modified on Wednesday, 02 December 2020 18:02