ጨንፈር  ሰደህኤ ፍራንክፎርትን ከባቢኡን ወርሓዊ ኣኼባኡ ኣካይዱ

2020-11-29 10:40:39 Written by  ሽማግለ ጨንፈር Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1300 times

ብዕለት 27.11.2020 ጨንፈር ፍራንክፉርትን ከባቢኡን ምስዚ ህልዊ ኩነታት ናይ ኮቪድ-19 ብዝጥዕም ብናይ አለክትሮኒክ መራኸቢ ብምጥቃም ወርሓዊ  ኣኼባኡ ኣካይዱ። ኣኼባ ብናይ ኣቦመንበር ጨንፈር እንቋዕ ብደሓን መጻእኩምን ካብዚ ንዓለምና ኣሸጊሩ ዘሎ ለበዳ ሕማም ደሓን ክህልዉ ብምምናይን ተኸፊቱ። ቀጺሉ እዚ ዝስዕብ ኣጀንዳታት ተነቢቡ፡-

1- ውሽጣዊ ኩነታት ጨንፈርን ሰደህኤን፤

2- ኣተሃላልዋ ተቓወምቲ ሓይልታትን ደለይቲ ፍትሕን፤

3- ህልዊ ኩነታት ውግእ ትግራይን ጽልዋኡን ዝብሉ ኔሮም

ኣብቲ ዝቐረበ ኣጀንዳታት ሓደ ብሓደ ብምዝታይ ድማ መግለጺታትን ምርድዳኣትን ተኻይዱ። ኣብቲ ቀዳማይ ኣጀንዳ፡ ጨንፈርና ሓያልን ድኹምን ጐድንታትና ብምግምጋምን፡ እቲ ብጽፉፍን ኣድማዕን ክንሰርሓሉ ዘሎንና ጉዳያት ድማ ተቢዕና ክንደፍኣሉ ምዃንናን ኣስሚርናሉ።

ካልኣይ: ኣብዚ ንዓለምና ብምልኡ ቀዳማይ ኣሻቓሊ ጉዳይ ኮይኑ ዘሎ ውግእ ዞናና ብዝርዝር ድሕሪ ምዝታይ፡ እቲ ቀንዲ ሃንዳስን ብቀጥታ ተዋስኣይን ናይ ኤርትራ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፎርቂ ምዃኑ ኣኼባ መዚኑ። ዲክታቶር ኢሳያስ ብዘይውግእ ክነብር ስለ ዘይክእል፡ ነዚ ውሽጣዊ ግርጭት ናይ ኢትዮጵያ ከም ጽቡቕ ኣጋጣሚ ብምውሳድ፡ ንኣቢዪ ኣሕመድ ቀ.ሚ.ኢትዮጵያ ከም መሳርሒ ብምጥቃም፡ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ትግራይ ሕነ ንምፍዳይ ሕኒን ክብለሉ ዝጸንሐ፡ ንምሉእ ዞናና ዘብርስ ኣዕናዊ ውግእ ከም ዝኽፈት ጌሩ። እቲ ውግእ ሕጂ ኣብ ብረታዊ ደረጃ ተሰጋጊሩ እምበር፡ ቀ.ሚ.ኢትዮጵያ ኣብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ኣትሒዙ፡ ቁጠባውን ማሕበራውን ፖለቲካውን ናይ ዘርኢ ምጥፋእ ዝዕላምኡ ውግእ ክካየድ ከም ዝጸንሐ ኩላትና ክንዕዘቦ ከም ዝጸናሕና ኣኼባ ርእዩ።

ሳልሳይ፡ እቲ ውግእ ንምሉእ ዞናናን ዓለምናን ዝጸሉን፡ ብፍላይ ድማ ንህዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘብርስ ምዃኑ ኣኼበኛ መዚኑ። እቲ ቀንዲ ንዓለም ኣደናጊሩ ዘሎ ድማ፡ መለኽቲ መራሕቲ ኣብ ትግራይ ኢንተርነትን ኤለትሪክን ብምዕጻው ኩሉ ግፍዕታት ብምሽፋን፡ ዓለም ብሓደ ወገን ዝወሃብ ሓበሬታ ጥራሕ ስለ እትሰንቕ ዘላ‘ዩ። እቲ ኢሰብኣዊ ዝኾነ ግፍዕታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይን ህዝቢ ኤርትራን ድማ፡ ሓላፍነቱ ነዞም ክልተ መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ምሉእ ብምሉእ ዘሰክም ምኻኑ ኣኼበኛ ርእዩ።

ካብዚ ብምብጋስ:

1 - ህዝቢ ኤርትራ ብመላኺ ኢሳያስ ተጐቲቱ፡ መንእሰያቱ ተገፊፎም ኣብ ዘይምልከቶም ውግእ እናተጠብሱ ይሃልቁ ስለ ዘለዉን፤

2- ሰራዊት ኢትዮጵያ ንሓይሊ ባሕርን ሓይሊ ኣየርን ኤርትራ ተኪኦም ንመዕርፎ ነፈርትን ወደባትን ኤርትራ  ምሉእ ብምሉእ ክጥቀሙሉን፡ ኤርትራ ናይ ሰራዊቶም  መበገሲትን መዋግኢ ሜዳን ከም ዝቐየሩዋን፤

3 - ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ካብ 100 ሽሕ ንላዕሊ ዝኾኑ ሕጋዊ ናይ ዑቝባ መሰል ዝተዋህቦምን ዘይተዋህቦምን ኣብ ናይ ሞት ሓደጋ ወዲቖም ምህላዎምን፤

4 - ብዓቢኡ ድማ ውልቀመላኺ ኢሳያስ ንነዊሕ እዋን ከም ናይ ሕቡእ ኣጀንዳኡ ሒዝዎ ዝጸንሐ እሞ ሕጂ ዝተጋህደ ንልዑላውነት ኤርትራ ኣሕሊፉ ናይ ምሃብን፤ ኣኼበኛ ርእዩ።

በዚመሰረት፡

1 - ውግእ ደው ክብል፡

2ይ - ኣብ ትግራይ በዚ ውግእ ምኽንያት ትግራዎትን ኤርትራውያንን ሲቪላውያን ቅልጡፍ ረድኤት ናይ ኣህጉራዊ ትካላትን መንግስታትን ክረኽቡ፡

3 - ምልካዊ ኢሳያስ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኢዱ ክስሕብን ሰራዊቱ ካብ ትግራይ ክወጹን፡

4 - ሰራዊት ኢትዮጵያ ድማ ካብ መሬት ኤርትራ ክወጹን፡ ልዑላውነት ኤርትራ ክኽበርን ብምባል፤

ኩሎም ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ሓይልታትን፡ ደለይቲ ፍትሒን፡ ምሁራትን፡ ሲቪክ ማሕበራትን ኤርትራውያን፥ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ክሰርሑዎ ዝጸንሑ ብሰላማዊ ሰልፍታትን ናብ ዝተፈላለዩ ትካላትን መንግስታትን መጸዋዕታታት ምቕራብን ብዝያዳ፡ ቅልጡፍን ዝተወሃሃደን ጥሙር ንጥፈታት ቃልሲ ከካይዱ ኣኼበኛ ተማሕጺኑ።

ኣብ መወዳእታ ኣኼበኛ ነቲ በማእከላይ ባይቶ ዝወጸ መግለጺ ናይዚ እዋናዊ ጉዳይ ምሉእ ደገፉ ብምግላጽ ኣኼባ ተደሚዲሙ፡

Last modified on Sunday, 29 November 2020 11:45