ደሃይ ዝሓለፉ ሕታማትና

2020-10-05 19:29:49 Written by  ሰነዳት ቤት ጽሕፈት ዜና Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1462 times

እቲ ዝምስረት ሰልፊ እንታይ ዓይነት ሰልፊ ክኸውን ኣለዎ?

(ካብ መጽሐት ዲሞክራስያዊት ኤርትራ ቁጽሪ 73፡ 2006)

  1. ድኽነት ንምድምሳስ ቀንዲ ዕላማኡ ዝገበረ ሰልፊ፡-

ቀንዲ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ይኹን ካልኦት ኣብ ድሕረት ዝርከቡ ሃገራት ኣፍሪቃን እስያን ላቲን ኣመሪካን ድኽነት ኢዩ። ድኽነት እንተልዩ፡ ምዕብልና፡ ብልጽግና፡ ሰላም ክርከብ ኣይከኣልን ኢዩ። ስለዝዀነ፡ እቲ እንምስርቶ ሰልፊ፡ ዝምርሓሉ መሰረታዊ ስነ-ሓሳብ ድኽነት ንምልጋስ ዝዓለመ ክኸውን ኣለዎ። ድኽነት ድማ፡ ብትምህርቲ ደኣ’ምበር፡ በቲ ህግዲፍ ዝኽተሎ ዘሎ መርሆ፡ ንመንእሰያት ኣብ ግንባራት ናይ ውግእ ምውፋርን፡ ኣብ መደበራት ታዕሊም ምጕራትን፡ ኣስገዳድ ናይ ባርነት ስርሓት ብምክያድን ኣይኰነን ዘልግስ። ኣብ ዓለምና እተን ዝማዕበላ ሃገራት፡ ንትምህርቲ ቀዳምነት ክህባ ዝጸንሓን ጌና ውን ዝህባ ዘለዋን ሃገራት ምዃነን ድማ፡ ነዚ ልዕል ክንብል ዝጠቐስናዮ ሓቂ ዘረጋግጽ እኹል ምስክርነት ኢዩ። ንትምህርቲ ቀዳምነት ምሃብ ማለት ከኣ፡ ንመንእሰያት ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ቀዳምነት ምሃብ ማለት ምዃኑ ብሩህ ክኸውን ይግባእ።

ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ፡ ትምህርቲ ንዅሉ ኤርትራዊ ብናጻ ክባጻሕ ከምዘለዎ ይኣምን። እንተዀነ ግን፡ እዚ ምስ ዓቕምታት ናይ’ታ ሃገር ዝተኣሳሰር ጕዳይ ስለዝዀነ፡ ናብ’ቲ ናይ ርሑቕ ዕላማ ንምብጻሕ ደረጃ ብደረጃ ክኽየድ ከምዘለዎ ድማ ዝስሓት ኣይኰነን። ስለ’ዚ ከኣ’ዩ፡ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ፡ ኣብ 6ይ ሃገራዊ ጕባኤኡ ይኹን ቅድም ክብል ኣብ ዘካየዶም ጕባኤታት፡ ትምህርቲ ክሳዕ 6ይ ክፍሊ ናጻን ግድነታውን ክኸውን ኣለዎ ኢሉ ዝወሰነ። ኣብ ናይ 2019 ጉባኤ ሰዲህኤ ኣብዘጽደቆ ፖለቲካዊ ፕሮግራም ድማ፡ ፖሊሲ ትምህርቲ ኣብ ዝብል ዓንቀጽ 8.1 ተራ ቁጽሪ 8.1.2 ትምህርቲ ንኩሉ ዜጋ ብነጻ ክዋሃብ፣ ክሳብ 8ይ ክፍሊ ድማ ግዴታ ይኸውን ክብል ብዝማዕበለ ደረጃ ኣራጒዱ ኣስፊርዎ ይርከብ።

  1. ሰላምን ብልጽግናን ንምስፋን ዝቃለስ ሰልፊ፡-

ዜጋታት፡ ብሰላም ናብ ስርሖምን ትምህርቶምን ወፊሮም፡ ብሰላም ክምለሱ ዘይክእሉ እንተደኣ ኰይኖም፤ ኣህዛብ ናይ ጐረባብቲ ሃገራት ፍርያቶምን ፍልጠቶምን ተመኵሮታቶምን ዝለዋወጥሉን፥ ኣብ ግዜ ጸገም ነንሓድሕዶም ዝደጋገፍሉን ዝምድናታት ከጥርዩ እንተዘይኪኢሎም ብልጽግና ክረጋገጽ ኣይከኣልን ኢዩ። ብልጽግና እንተደኣ ዘይሃልዩ ድማ፡ ሰባት ብሕማምን ድኽነትን ድንቍርናን ይሳቐዩን፤ ኣብ’ተን ዝርካበን ፍርያት ክዋጠጡን ክዋግኡን፤ ንዝሓሸ መነባብሮ ክብሉ ናብ ስደት ከምርሑን ይግደዱ። ስለ’ዚ ብልጽግና ብዘይ ሰላም፡ ሰላም ከኣ ብዘይብልጽግና ክርከብ ኣይከኣልን።

ብልጽግና ሃልዩ ውን፡ ሃብቲ ሃገር ብግቡእን ፍትሓውን ኣገባብ ኣብ መንጐ ዜጋታት እታ ሃገር እንተደኣ ዘይተመቓሪሑ፤ ኣብ መንጐ ሃብታምን ድኻን ዘሎ ጋግ ኣዝዩ እንተደኣ ተጋፊሑ፡ ናይ ስእነት ሰላምን ዘይምርግጋእን ረቛሒ ከምዝኸውን ክዝንጋዕ ኣይግብኣን። ብኻልእ ሸነኽ ውን፡ ሰላም ቀጻልን ዘላቕን ዝኸውን ኣብ ዲሞክራስያዊ ሃዋህው ዝሰፈኖ ኵነታት ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ። ጭቆናን ዓፈናን ቅንጸላን ምጕብዕባዕን ተቓውሞን ጽልእን ኢዩ ዝወልድ። ስለዝዀነ ድማ፡ እቲ እንምስርቶ ሰልፊ፡ ሰላምን ብልጽግናን ፍትሓዊ ኣዘረጋግሓ ሃብትን ዲሞክራስን ንምስፋን ዝቃለስ ሰልፊ ክኸውን ኣለዎ።

  1. ብሓድነትን ብዙሕነትን ናይ ህዝቢ ኤርትራ ዝኣምን ሰልፊ፡-

ኣብ’ዚ መዳይ’ዚ፡ ኣብ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ መዳይ ዝተጋህዱን ዝግሃዱን ዘሎ ክልተ ጽርዲ ዝዀነ ጫፋት ዝሓዙ ኣተሓሳስባታት ኣለዉ። እቲ ሓደ ጫፍ፡ “ሓደ ልቢ፡ ሓደ ህዝቢ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መርሆ፡ ነቲ ናይ ህዝብና ባህላውን ቋንቋውን መበቆላውን ሃይማኖታውን ብሄራውን ቀቢላው ብዙሕነት ዝኽሕድ ክኸውን እንከሎ፤ እቲ ካልኣይ ጫፍ ድማ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ዝዀነ ይኹን ዝኣሳስር ነገር ዘይብሉ፡ ርእሱ ዝኸኣለ ህዝብታት ገይሩ ዝወስድ ኢዩ።

እቲ ንምምስራቱ እንብገስ ዘሎና ሰልፊ እምበኣር፡ ንናይ ኤርትራ ፖለቲካውን ማሕበራውን ባህላውን ቍጣባውን ...ወዘተ ብዙሕነት ዝቕበልን፤ ከምኡ ውን፡ ኤርትራ ዶባታ ብመግዛእቲ ካብ ዝተሓንጸጸሉ እዋን ኣትሒዛ፡ ህዝባ ብባዕዳውያን ገዛእቲ ክሳቐን፤ ንተመሳሳሊ ጸገማት ክቃላዕን፤ ልዕሊ ኵሉ ድማ፡ ንናጽነቱን ክብሩን ሓቢሩ ክቃለስ ዝጸንሐን ህዝቢ ምዃኑ ዝኣምንን ሰልፊ ክኸውን ኣለዎ። ከምኡ ውን፡ ከም ውጽኢት ናይ’ዚ ንነዊሕ እዋን ኣብ ትሕቲ ሓደ ጂኦግራፍያዊ ክሊ ምንባርን፥ ንተመሳሳሊ ጸገማት ምቅላዕን፥ ሓቢሩ ንናጽነት ምቅላስን፥ ብኣተሓሳስባ ኰነ ብመውስቦ እናተቐራረበን እናተኣታተወን ዝመጸ ህዝቢ ምዃኑ ዝግንዘብ ሰልፊ ክኸውን የድሊ። ካብ’ዚ ተረድኦ’ዚ፡ ምስ እንብገስ ጥራሕ ከኣ ኢና ሰፊሕ ህዝባዊ ባይታ ዘለዎ ሰልፊ ክንምስርት እንኽእል። ስለዝዀነ፡ መርሆና፡ ንሓቀኛ ክውንነት ሕብረተ-ሰብና ዘንጸባርቕ ”ሓድነት ናይ ብዙሕነት” ዝብል ክኸውን ኣለዎ።

እዚ ምስ ዝገብር ጥራሕ ከኣ’ዩ፡ ናይ ካልኦት ርእይቶ ከኽብርን፤ ምስ ካልኦት ካብኡ ፍልይ ዝበሉ ኣካላት ብሰላም ሓቢሩ ጐኒ ንጐኒ ክነብርን፤ ከምኡ ውን፡ ኣሳታፊ ሰልፊ ክኸውንን ዝኽእል።

  1. ንመትከላት ናይ ግሉጽነትን ዲሞክራስን ዝምእዘዝ ሰልፊ፡-

እቲ ዝምስረት ሰልፊ፡ ኣብ ውሽጣዊ ህይወቱ ግሉጽ ዝዀነ ኣሰራርሓ ዝጥቀምን፤ ንኵሎም ናይ ዲሞክራሲ መቖሚታት ዝምእዘዝን ክኸውን ኣለዎ። “ዘይብሉ ክህብ ስለዘይክእል” ኣብ ውሽጣዊ ህይወቱ ግሉጽነት ዘይብሉን፥ ንዲሞክራስያዊ መትከላትን ሕግታትን ዘይምእዘዝ ሰልፊ፥ ንህዝቢ ግሉጽን ክኸውንን ዲሞክራሲ ከንግስን ፈጺሙ ዘይሕሰብን ዘይከኣልን ኢዩ።

  1. ናጽነት ናይ ፖለቲካዊ ውሳኔኡ ኣሕሊፉ ዘይህብ ሰልፊ፡-

ዝዀነ ይኹን ውድብ ወይ ሰልፊ፡ ምስ ካልኦት ፖለቲካዊ ውድባት፡ ሰልፍታት፡ መንግስታት፡ ዘይመንግስታዊ ትካላት ዝምድናታት ክፈጥር መሰሉ ኢዩ። እዚ ዝምድናታት’ዚ ግን፡ ኣብ ሓባራዊ ህዝባዊ ረብሓታት ዝተመርኰሰ ደኣ’ምበር፤ እቲ ሓደ ሸነኽ ዝኸስበሉ፡ እቲ ካልኣይ ከኣ ጥራሕ ኢዱ ዝወጸሉ ወይ ድማ ናይ ኣህዛብ ዘይኰነስ ናይ መንግስታት ዝምድናታት ጥራሕ ኰይኑ ዝተርፈሉ ክኸውን ኣይግብኦን። ስለዝዀነ ድማ፡ እቲ እንምስርቶ ሰልፊ፡ ንግዝያዊ ረብሓታት ክብል መሳርሒ ናይ ካልእ ግዳማዊ ሓይሊ ወይ ግዳማዊ ኣጀንዳታት ከይከውንን፤ ንናጻ ፖለቲካዊ ውሳኔኡ ኣሕሊፉ ከይህብን ክጥንቀቕ ይግብኦ። ብኻልእ ኣገላልጻ፡ እቲ ሰልፊ ኣብ ተኣምራታውን ፈልፋልን ዓቕምታት ህዝቡን ኣባላቱን ዝኣምንን ኣብኡ ዝምርኰስን ብልዑላውነት ናይ ህዝቢ ዝቕየድን ክኸውን ኣለዎ።

  1. ኣብ ቀጻሊ ለውጥን ምዕባለን ዝኣምን ሰልፊ፡-

ዓለምናን ዞባናን ሃገርናን ኣብ ቀጻሊ ምዕባለታት ከምዘለዉ ተገንዚቡ፤ ምስ’ቶም በብእዋኑ ዝምዝገቡ ለውጥታት ዝሰማማዕ ምምሕያሻት ኣብ ፕሮግራማቱን ኣሰራርሓኡን ኣመራርሓኡን ዘተኣታቱን ብሩህ ናይ መጻኢ ራእይ ዝውንንን ሰልፊ ክኸውን ኣለዎ።

  1. ናይ ህዝብና ህርኩትነትን ኣብ ቃልስና ዝተጠርዩ ናይ ጽንዓትን ተወፋይነትን ምትሕልላይን ጠባያት ዘዕቅብን ዘማዕብልን ሰልፊ ክኸውን ኣለዎ። ከምኡ ውን፡ ነቲ ናይ ህግዲፍ ናይ ጐነጽ ባህሊ ዝነጽግን፡ ናይ ልዝብ ባህሊ ንምስራጽ ዝቃለስን ሰልፊ ክኸውን ኣለዎ።
Last modified on Monday, 05 October 2020 21:34