ጠንቂ ሞት ኮቪድ-19 ጥራይ ድዩ?

2020-09-29 08:21:05 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1505 times

ማሕበረ ቁጠባዊ ጉዕዞ ህዝቢ ኤርትራ በብእዋኑ እንዳተቐያየረ፡ ቀጻልን ዘተኣማምንን ቅሳነት ከየውሓሰ ክመጽእ ዝጸንሐ ዓቐበ ቁልቁለት ምዃኑ ታሪኹ ዝምስክሮ እዩ። ኣብ ሓደ መዋእል ዝተፈላለዩ ባዕዳውያን  ገዛእቲ ተበራርየምሉ። ኣብ ዝተወሰነ መድረኽ ከኣ ናቱ መሲሎም ብዝቐረቡ ዘይናቱ መዛምድቱ ተጠሊሙ። ካልእ ግዜ ከኣ ሓድነቱ ኣደልዲሉ ናይ  ቀረባን ርሑቕን ገዛእቱ ሓንሳብ ንሓዋሩን ከወግድ መሪርን ነዊሕን ቃልሲ ኣካይዱ። ልኡላውነቱ ከኣ ብድምጹ ኣረጋጊጹ። ድሕሪዚ ኩሉ ከኣ ልቡ መሊኡኳ ምሉእ ብምሉእ እንተዘይቀሰነሉ፡ ኣብ ዝምድናዊ ሕጉስ ግዜ ናጽነት ድሕሪ መግዛእቲ ነይሩ።

እንተኾነ እቲ በቚሉ ዓንቢቡ ኣብ ፍረ ክበጽሓሉ ሃንቀው ዝበሎ ኣብ ደምን ኣዕጽምትን ደቁ ዝበቖለ ናጽነቱ ከምቲ ዝተጸበዮ ኣይኮነሉን። ፈልሲ ናጽነት ከምቲ ብጽቡቕ ኣጀማምራ ዝበቖለ ዘራእቲ፡ ኣብቲ መስርሕ ብሰንኪ ኣንበጣን ካልእ በላዒቶን ኣብቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ፍርያት ከይበጽሐ ዝኹለፍ፡ ብሰንኪ ኣድብዮም ዝጸንሑ ጐሓላሉ ናይ ሰብ በላዒቶ እቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ናይ ሰላምን ዕቤትን ምህርቱ ኣይተሓፍሰን። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ርእስቲ በሰንኪ ፍረ ናጽነቱ ክሓስፍ ብዘይምኽኣሉ ዝሓደሮ ሻቕሎት፡ ጉጅለ ህግዲፍ ሓሓሊፉ ዝኣጐዶ ሓዊ ከጥፍእ ተገዲዱ እዩ። ኣብቲ ምጥፋእ ዘዝተባረዐ ሓዊ ከኣ ክቡር ዋጋ ክኸፍል ግዱድ ነይሩ። ዋጋ ብዋግኡ ከኣ ኣዝዩ ክቡር ህይወት ደቁ፡ ዕንወት  ንብረቱን ስደትን እዩ ኣጋጢምዎ። ኣብ መንጎ ኤርትራን ጐረባብታን ዝተኻየደ ክሳብ ሕጂ ስንብራቱ ዘይሓወየ ብዙሓት ተመራመርቲ “ትርጉም ዘይነበሮ” ዝበልዎ ውግኣት ናይዚ ኣብነት እዩ። እዚ ኣዕነውቲ ሓዊ ንክእጐድ ኣሉታዊ ብጽሒት እቲ ጉጅለ ቀሊል ከምዘይነበረ፡ ሻራ ብዘይብሎም ኣጻረይት’ውን ከይተረፈ ተመስኪሩ እዩ። እቲ እከይ ግባሩ ዝፈልጥ ጉጅለ ከኣ እነሆ ክሳብ ሕጂ በዚ ጉዳይ ምእንቲ ከይሕተት፡ ካብቲ ሃዳሚ መንገዱ ኣይወጸን።

ሎሚ እውን ህዝቢ ኤርትራ ካብዚ መወዳእታኡ እንታይ ከም ዝኸውን ምግማቱ ዘጸግም፡ ናይ ውረድ ደይብን ሻቕሎትን ሃለዋትን ኣይደሓነን። ብፍላይ ኣብዚ ዓለምና ኣብ ትሕቲ መዓት ዝዘነብ ጸሊም ደበና ኮቪድ-19 እትሕቆነሉ ዘላ ህሞት፡ እቲ ካብ ቅድም እውን ኣብ ደሓን ዘይጸንሐ ኩነታት ህዝብና ኣበየናይ ዘየደቅስ ደረጃ ከም ዝርከብ ብሩህ እዩ። ምናልባት ነዚ ዘበን ኮቪድ-19፡ ኣባና ጥራይ ስለ ዘይኮነ፡ ብእንዳ ህግዲፍ “ደሓን ምስ ሰብካ መዓትስ ዳርጋ ገዓት” ክበሃል ይድለ ይኸውን። እንተኾነ እዚ ለበዳ ኣብ ኩሉ ዘጋጠመኳ እንተኾነ፡ ኣብቲ ንምክልኻሉ ዝግበር ጻዕሪ ሳዕቤኑ ካብ ሃገር ናብ ሃገር ክፈላለ ከም ዝኽእል ንዕዘቦ ዘለና ሓቂ እዩ። ከምቲ ኣብ ካልእ ዛዕባ ዝረአ፡ ኣብ ኣገጣጥማ ኮቪድ-19 እውን፡ ናይቶም ከም ጉጅለ ህግዲፍ ዝኣመሰሉ፡ ጉዳይ ህዝቢ ዘይጉዳዮም፡ ምምሕዳራዊ ባህሊ ተሓታትነት፡ ግልጽነትን ትካላዊ ኣሰራርሓን ዘየዘውትሩ፡ ምስ ናይቶም ልዕልና ህዝቢ ዝኣምኑን ኣብ ቅድሚኡ ዝሕተቱን ትካላዊ መዛርዕ ዘለዎም ምምሕዳራት ክርአ እንከሎ ሓደ ኣይኮነን።

ጉጅለ ህግዲፍ ነዚ ለበዳ ሕማም ብዝምልከት ዝወሰዳ እውጅቲ ስጉምቲ ሓንቲ እያ። ንሳ ከኣ “ምዕጻው” እያ። ጉዳይ ኮቪድ-19 ካብ ዘሻቐለን ለገስቲ ሃገራት ንህዝቢ ኣፍሪቃ ካብ ዝተዋህበ ናይቲ ሕማም መከላኸሊ ናውቲ፡ ጉጅለ ህግዲፍ ንብጽሒት ህዝቢ ኤርትራ ከም ዝተሓስሞ፡ ከኣ እቲ ቫይረስ ድሕሪ ምኽሳቱ ኣብ ሃገርና ዝተዓዘብናዮ ዘስደምም ተረኽቦ እዩ። እቲ ብሰንኪ ንህዝቢ ኣብ ገዛ ምዕጻው ከጋጥም ዝኽእል፡ ሕጽረት ምናልባት እውን ስእነት፡ መግቢ፡ ማይ፡ መብራህትን ካልእ ናይ መዕንገልን ጽሬትን ቀረባትን ብኸመይ ይማላእ? ዝብል መሰረታዊ ጉዳይ ንምምሕዳር ህግዲፍ ጉዳዩ ከምዘይኮነ ብግብሪ ተራእዩ እዩ። እቲ ጉጅለ ነዚ ሕቶዚ ኣይመለሶን ጥራይ ዘይኮነ፡ ከም ሓደ ኣገዳሲ ዛዕባ ኣብ መስርሕ ምክልኻል እቲ ሕማም እውን ኣይተዛረበሉን።

ምናልባት እዚ ምጽቃጥ ኣካል ናይቲ ህግዲፍ ካብ ክውንነት ክሃድም እንከሎ ዝጥቀመሉ፡ “ዘይተዛረብና ዝዝረብ ስኢና ዘይኮነስ፡ ክንዛረብ ስለ ዘይደለና ኢና” ዝብል ዕባራ ምኽንያት ክኸውን ይኽእል። ምናልባት እውን እቲ “ንኺድ ጥራይ” ዝብል ናበይ ከምዝኽየድ ግና ዘየነጽር ጭረሖኡ፡ ሎሚ ድማ ናብ መተካእታ ዘየብሉ  “ንዕጸው ጥራይ” ማዕቢሉ ኣሎ ማለት እዩ።

“ክሳብ ሕጂ ብምኽንያት ኮቪድ-19 ዝሞተ የብልናን” ኢልካ እንዳፈከርካ፡ ህዝቢ ብሰንክ’ቲ “ነዚ ተላባዒ ሕማም ንምክልኻል” ብዝብል ሸፈጥ ዝተኸተልካዮ መንገዲ ዘይሓላፍነታውን መገላባጢ ዘየብሉን  ምዕጻው ሰብ እንተ ሞይቱኸ ምስ ምንታይ እዩ ክቑጸር። እቲ መኽሰብን ክሳራንከ ብኸመይ እዩ ክወራረድ። ኣብዚ እዋንዚ እዚ ብሰንኪ ህግዲፍ ንነዊሕ ግዜ ኣብ ኤርትራ ኣሳፊሑ ዝጸንሐ ጥሜት፡ ጽምኢ፡ ጸልማትን ሕማምን ሎሚ፡ ገጠራትን ከተማታትን ኤርትራ ዝምድናአን ኣብ ዝተበትከሉ ኩነታት ኣበየናይ ደረጃ ዓሪጉ ከም ዘሎ ብዙሕ ዘዛርብ ኣይኮነን። ኣብ ርእሲዚ ወራር ኣንበጣን ዘይልሙድ ዓቐን ዝናብ ዘስዓቦ ውሕጅን ክውሰኾ እንከሎኸ። ወዮ ደኣ ብሰንክቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዕጹው ፖሊሲ፡ ርጉጽ ሓበሬታ ምርካብ የጸገምዩ እምበር፡ ዝተፈላለዩ እዚ ዛዕባ ዘተሓሳሰቦም ወገናት ኣብ ኤርትራ ህጻናት ብሰንኪ ዋሕዲ መግቢ ኣብ ኣፍ ሞት ብምብጸሖም ሻቕለቶም ይገልጹ ኣለዉ። ብዛዕባ ጸገምን ኣገጣጥምኡን ክንዛረብ እንከለና፡ “ህዝቢ ኤርትራ ጽኑዕን ኩሉ ጸገም ዝጸውርን እዩ” እንዳበልና በቲ ጽንዓቱን ጹረቱን ንሕበንን ንንየትን ኢና። እንተኾነ ጹረትን ጽንዓትን እውን ደረት ከም ዘለዎ  ክንዝንግዕ ኣይግበኣናን።

ስለዚ ነቲ ንዝተወሰነ ግዜ እምበር ንሓዋሩ ዘይጽወር ብህግዲፍ ክወርድ ዝጸንሐ፡ ሎሚ ከኣ መሊሱ ዝገድድ ዘሎ ጸገም፡ ህዝብና ርዒሙ ክጸሮ ዘይኮነ፡ ሓቢርና ክንቃለሶ’ዩ ዝግበኣና። ንኤርትራን ህዝባን ከኣ ከምቲ ዘለዉዎ ምስ ጸገሞም ክንቅበሎም ዘይኮነ፡ ጠንቂ ሞት ኣብ ሃገርና ኮቪድ-19 ጥራይ ከምዘይኮነ ኣስተብሂልና፡ ናብቲ ክኾንዎ ዝግበኦም ከነበርኾም ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ከነሕይል ግድን እዩ።

Last modified on Tuesday, 29 September 2020 10:23