ብር ኢትዮጵያ ተቐይሩ፤ ናይ 200 ሓዲሽ ናይ ወረቐት ገንዘብ ተኣታትዩ

2020-09-14 12:29:19 Written by  BBC/ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1776 times

ብር ኢትዮጵያ ተቐይሩ፤ ናይ 200 ሓዲሽ ናይ ወረቐት ገንዘብ ተኣታትዩ

ሓድሽ ባጤራ ኢትዮጵያ

መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓድሽ መተዓዳደጊ ብር [ባጤራ] ኢትዮጵያ ከም ዘተኣታተወ ቐዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ሕመድ ብትዊተር ኣፍሊጡ።

በዚ መሰረት ናይ 10፣ 50ን ሓደ ሚኢቲ ብርን ክቕየሩ እንከለው፡ ሓድሽ ናይ 200 መተዓዳደጊ ናይ ቀረቐት ገንዘብ ከም ዝሓተመ ገሊጹ።

እቲ ሓድሽ ቅርሺ /ጤራ ዘይሕጋዊ ዝውውር ገንዘብ፣ ብልሽውናን ኮንትሮባንድን ኣብ ምቁጽጻር ክሕግዝ እዩ ኢሉ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ኣገልግሎት ዝርከብ ናይ ወረቐት ብር ቅድሚ 23 ዓመት ብ1990 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ድሕሪ ኢትዮ-ኤርትራ ተቐይሮም ናብ ስራሕ ከም ዝኣተው ይፍለጥ።

ካብ ስርዓት ሃይለስላሰ ጀሚሩ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ስራሕ ዝነበሩ ናይ ወረቐት ኖታት ኣብ ዝተፈላለዩ ጊዜያት ዝተቐየሩ ኮይኖም፡ ናብ 50 ዓመታት ኣብ ዝጽጋዕ ናይ ስልጣን ግዜ ኣርባዕተ ግዜ ተቐይሩ'ዩ።

ወተሃደራዊ ስርዓት ደርግ ነቲ ሃጸያዊ ስርዓት ኣወጊዱ ስርዓት ምስ ሓደ ብ1969 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ምስሊ እቲ ንጉስ ዝነበሮ ቅርሺ ክቕሩ ገይሩ።

ብተመሳሳሊ ኢህወደግ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ ንሸውዓተ ዓመታት ኣብ ስራሕ ዝጸንሐ ገንዘብ ድሕሪ ኲናት ኢትዮ- ኤርትራ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ክቅየሩ ምግባሩ ይፍለጥ።

ባጤራ ምቅያር ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዝርአ ኮይኑ፡ ኤርትራ ነቲ ኣቐዲማ ትጥቀመሉ ዝነበረት ባጤራ ኣብ 26 ታሕሳስ 2015 ከም ዝቐየረቶ ዝዝከር እዩ።

ብዝለዓለ ዝቕባበ ዋጋ ዝተሃሰየት ሃገረ ቬነዝወላ'ውን፤ ኣብታ ሃገር ኣጋጢሙ ዘሎ ቑጠባዊ ቅልውላው ንምፍዃስ ን2017 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ስማዊ ባጤራ ዕላዊ ገይራ'ያ።

እቲ ሓድሽ ብር፡ ብጸጋታት ነዳዲ፣ ጋዝ፣ ወርቅን ኣልማዝን ከም ዝሕገዝ'ዩ ተገሊጹ ነይሩ።

ኣብ ኤዥያ'ውን ህንዲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ዘይሕጋዊ ምክዕባት ገንዘብን ብልሽውናን ንምቅላስ ናይ 500ን ሓደ ሽሕን ሩፒ ኣብ ሓደ ለይቲ ክቅየር ምግባራ ይዝከር።

ኣብ መወዳእታ 2019 ኬንያ'ውን ኣብ ዕዳጋ ዝነበረ ሽሊንግ ብምእካብ፡ ናይ 50፣ ሓደ ሚኢቲን ሓደ ሽሕን ባጤራ ቐይራ'ያ።

Last modified on Monday, 14 September 2020 14:37