መገዲ ደሓን ምፍላጥ: ካብ ምስ ኮነ ምዕልባጥ

2020-07-08 17:11:13 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1363 times

 ኣብ ልዕሊ  ኤርትራ፥ ብሰንኪ እቲ ኣዕናውን ደ ወነናውን ስልጣን ዝጨበጠ ጨቋኒ ስርዓት ዝፍጸም ገበናት፥ ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ሕጂ ንሰላምን ራህዋን ብማዕዶ ኢዩ ዝጥምተን ዘሎ። ንሕና ኤርትራውያን፡ ከም’ቲ "ዓሳ ነቲ ዝብላዕ እምበር ነቲ መጻወድያ ኣይርእዮን" ዝበሃል ምስላ፥ ዝተጋገናዮን ጌና ውን ብቐጻሊ እንጋገዮን ዘለና፥ ኣብ ደልሃመት ኣእትዩ ኣገልገልቱ ክንከውን ገይሩና ዘሎ ኣይነስተብህለሉን ዘለና። ወዲ ሰብ ብግዝያዊ ረብሓ ጥራሕ ተታሊሉ፡ ኣዚሩ ክሓስብ ዘይክእል፡ ዝጠቕሞን ዝጐድኦን መምዩ ዘይፈልጥን እንተኾይኑ፥ ሃገር ኣይትምዕብል፡ ህዝቢ ኣይብልጽግ፡ ወትሩ ተጨቊኑን ተገዛኣን ኮይኑ እዩ  ዝነብር። ነዚ ኣብነት ክኾነና ዝኽእል፡ ካብ ምሁራትና ንኹኑ ዘይተመሃርና፥ ኣብዝሓለፈ ተመኩሮና ‘መግዛእታዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጥራይ ደኣ ካብ ሃገርና ይውጻእ እምበር፡ ናይ ደሓራይሲ ሽዑ ነርክበሉ’ ካብ ዝብል ኣተሓሳስባ ብዛዕባ መጻኢና ኣርሒቕና ዘይምጥማት ነይሩ እዩ። ሽዑውን እንቋዕ ዳኣ ካብ ሃገርና ወጸ እምበር ካብ ዝብል ንጹህን ግሩህን ሓሳብ፥ ነቲ ድሒሩ ክመጽእ ዝኽእል ምናልባታት ፈጺሞና ክንሓስበሉ ዘይደለና ኔርና ኢና። ዋግኡ ድማ ክሳብ ሕጂ ንፍደዮ ኣለና።

ናጽነት ተረኺቡ ኢልካ፡ ነቶም ኣብ ሰውራና ዝተኸስቱ ኣሉታት ብድብድቡ ኵዒትካ ብምቕባር፡ ብኣወንትታትካ ጥራይ ክትዝምር ምውዓል መፍትሒ ከምዘይኮነ፡ ሎሚ ንሓልፎ ዘሎና ታሪኻዊ ኲውንነትዝምስክሮ’ዩ። ንኣብነት ገለ ካብቲ ዝተፈጸመ ዓበይቲ ጌጋታት ክጥቀስ ዝኣክል፥ ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ፖለቲካዊ ውድባት ዝነበረ ፍልልያት ብልዝብ ልቦናን ክፍታሕ ዝግባኦ እዃ እንተነበረ፡ ምስ  ደጋዊ ሓይሊ ተመሓዚኻ ብሓይሊ ንምፍታሑ ዝተፈጸመ ናይ ሻዕብያ ገበናዊ ተግባር ኢዩ።፡  ሎሚ ድማ፡ ኢሳያስ ምስ ኣብዪ ተመሓዝዩ፡ ኣብ ውሽጣዊ ጕዳያት ናይ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝገብርዎ ዘለዉ ጣልቃ ምትእትታው፡ ዕሽሽ ኢልካ ምሕላፍ ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ደድሕሪኡ ኰንካ ከበሮ ምህራም፡ "ገ እናበሉኻዶ ትጋገ" ዘብል ታሪኽ ዘይምሕሮ ዳግማይ ገበን ኢዩ። ናይዚ ኣሉታዊ ምሕዝነታት እዚ ሳዕብየን፣ ንሃገርና ኤርትራን ህዝባን ኣብ ዝኸፍአ ዓዘቕቲ ዘእቱ ከምዝኸውን ድማ ዝሳሓት ኣይኮነን።

ደምበ ተቓውሞ እንተኮነ እውን፡ ምስ ደጋዊ ሓይሊ ተመሓዚና ንስርዓት ኢሳያስ ንምውዳቕ ንሓልም እንተሊናውን፣  ኣብ ሰፍ ዘይብል ኪሳራ ከእትወና ከምዝኽእል ክንግምት የድሊ እዩ። ምውዳቕ ስርዓት ኢሰያስ እምበኣር ሓላፍነትን ዋኒንን ናይ ህዝቢ ኤርትራን ኤርትራውያን ፖለቲካዊ ሓይልታትን ኢዩ። ፈተውቲ ኤርትራን ህዝቢ ኤርትራን ድማ ብፖለቲካውን ሞራላውን ደገፍ ከሰንይዎ እምበር፡ ኣብ ክንዲ ህዝቢ ኤርትራን ፖለቲካዊ ሓይልታቱን ኰይኖም ስርዓት ኣብምቕያር ኢዶም ከእትዉ ቅቡል ኣይኰነን። ካብ’ዚ ሓሊፉ፡ ምስ ስርዓት ኣብዪ ኰንካ ንትግራይ ምጥቃዕ ኮነ ምስ ህወሓት ኰንካ ንስርዓት ኢሳያስ ምጥቃዕ፣ ንዝሓለፈ ኣሉታዊ ታሪኽ ምድጋም ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ህዝብና ኣብዘይሓለሞን ኣብዘይእንታዩን ዝኮነ ህልቂትን ጥፍኣትን ምንቋት ኢዩ ክኸውን። እቶም ኣብ ኤርትራ ሰላም፡ ደሞክራስን ፍትሕን ክነግስ ዝደልዩ ፈተውቲ ሃገራት፡ መንግስታትን ኣህዛብን፡ ነቶም ደለዪቲ ፍትሒ ዝዀኑ ኤርትራውያን ሓይልታት ሞራላውን ንዋታውን ደገፍ ከበርክቱን ክታሓባበሩን ምስዝኽእሉ እዩ ቅቡል ዝኸውን።  ካብኡ ብዝተረፈ ኣብ ጉዳይ ክልተ ኣህዛብ ኢድ ምትእትታው ይትረፍ፣ ዝግበር ምድግጋፎምውን ኣብምንታይን ነየናይ ዕላማ ንምርግጋጽን ምዃኑውን ክንመራመረሉ የድሊ።  ልዕሊ ኩሉ ንሃገርናን ህዝብናን ዝሃሲ ከይከውን ኣንዊሕና ምርዳእውን ይሓትት።

እወ! ሰውራ ኤርትራ፡ ብወሳኒ ተራ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ንባዕዳዊ መግዛእቲ ስዒሩ ናጽነቱ እኳ እንተተጐናጸፈ፤ እቲ ካብ ፈተውቲ ሃገራትን ኣህዛብን ዝረኽቦ ዝነበረ ምትሕብባር ይኹን ንዋታውን ሞራላውን ደገፍ ኣቃሊልካ ዝርአ ከምዘይኰነን ዝሳሓት ኣይኮነን። ስለዝዀነ ድማ፡ ደጋዊ ደገፍ ብዋጋ ህዝቢ ንኸይከውን ኣብ ምንታይን ንምንታይን ዕላማ ምዃኑ ምምርማር ኣገዳሲ ኢዩ።

እቲ ቅድሚ ሎሚ ዝተፈጸመ ምምሕዛውን ኢድ ምትእትታውን ንተሓኤ ንምስዓር ዓሊሙ፡ ልኡላውነት መሬት ኤርትራ ኣሕሊፉ ዝሃበ መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር፡ ድሕሪ ናጽነት ዝተወረ መሬትና ንምምላስ ብዝብል ምስምስ ውግእ ብምብራዕ ናይ ዓሰርተታት ኣሽሓት ህይወት ኣጥፊኡን ማእለያ ዘይብሉ ህዝቢ ኣፈናቒሉን ኢዩ። በሰላን ኣሰርን ናይቲ ዝተፈጸመ ኢድ ምትእትታውን ምሕዝነትን እምበኣር ዘይሩ ዘይሩ ሰላም ቅሳነትን ራህዋን ዝፈጥር ዘይኮነስ ዝመጽኦ መዘዝ ከምዘለዎ እኹል ተመኩሮ ኣሎና። ካብ ወያኔ ሓገዝ ምርካብ ዝጽላእ ኣይኮነን፡፡ እቲ ሓገዝ ግን ነቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን  ዝተበጽሐ ውዕል ኣልጀርስን ብይን ኣህግራዊ ቤት ፍርድን ንኸይፈሓቚ ዝሕሉ ክኸውን ይግባእ። እዚ ንሓዋሩ ፍታሕ እንተዘይረኺቡ ናይቲ ስርዓት ጉዳይ ኢዩ ኢልካ ሸለል ኢልካ ምሕላፍ፡ ድጉል ሓዊ ኮይኑ ንውሉድ ወለዶ ዘሳቒ እዩ ክኸውን። ስለዚ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ብዘለዎ ዶባት ጣልቃ ኣእታውነት ዘይብሉ፡ ኣብ ሓባራዊ ረብሓን ሰላምን ብልጽግናን ሓቢርካ ናይ ምዕማርን ዝተሰረተ ምስዝኸውን ኢዩ፣ እቲ ምትሕግጋዝ ንጥምረትን ሓድነትን ህዝቢ ኤርትራ፡ ሰናይ ጕርብትና ዝምድናን ምስ ኣብ ከባቢኡ ዘለዉ ህዝብታት ዝረጋገጽ።

Last modified on Wednesday, 08 July 2020 19:14