ጉዕዞ ነጻነትን ጥልመትን

2020-05-28 19:32:15 Written by  ዓንደጽዮን ግርማይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1517 times

ህዝቢ ኤርትራ ብረታዊ ቃልሲ ዝጀመረሉ ምኽንያት፡ ንሃገራዊ ነጻነትን ማሕበራዊ ፍትሕን እምበር፡ ንእዋኑ ዝሓለፈ ባርነት ኣይነበረን። ነዚ ዕላማ‘ዚ ንምዕዋት እዩ ከኣ፡ ክትሰግሮስ ይትረፍ ክትሰምዖ‘ውን ዘደንቕ ማእለያ ዘይነበሮ ተጻብኦታት ሰጊሩ፡ ካብ ዝግባእ ንላዕሊ መስዋእትን ዕንወትን ከፊሉ ነጻነቱ ክጭብጥ ዝበቕዐ። ንከምዚ ዝኣመሰለ ትርጉምን ክብርን ነጻነት ተረዲኡ፡ በዅሪ ወፍዩ ሕሳስልደ ዝደግም ጅግናን ንኩሉ ዝጸውርን ህዝቢ ሓለፋስ ይትረፍ፡ ዝግብኦ ዋጋ ነጻነቱን ጸጋ መሬቱን ዘይገሃስ ሰብኣዊ ክብሩን ዕድል ክረክብ ምግባሩ ዝግብኦ‘ምበር ግንዖ ኣይኮነን።

እንተኾነ ከምቲ ዘይሓሰብካዮ ርኸብ ኣይመርገም ኣይምርቓ ዝበሃል ምስላ ኣበው፡ ምስቶም ሰውራ መሪሖም ዓወት ዘረጋገጹ ጀጋኑ ተጸጊዑ ዝኣተወ ጸላእ ሰናያት ብዝሓደሮ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፡ ነጻነትና ተጨውያ ብልጭ ኢላ ስለ ዝዓረበት፡ ክሳብ ሎሚ ንሳቐ ኣሎና። ከም ውጽኢቱ ከኣ ኤርትራ ሎሚ ብዘለዋ ኩሉ መዳያዊ ጸጋን ዓቕምን፡ ኣብ ውሽጢ‘ዘን ናይ ነጻነት ዓመታት ሓጥያታ ተወዲኡ፡ ምስ ምዕቡላት ሃገራት ክትስራዕ ዝግብኣ፡ ናይ ድሕረትን ዕንወትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ናይ ሕማቕ መመሰሊ ኰይና‘ላ።

ሎሚ ጠንቂ ናይ‘ዚ ኩሉ ሕሰምናን መከራናን ብቀዳምነት ዝሕተተሉ ኣካል ኢሳያስ እኳ እንተኾነ፡ ከም ድላዩ ክዘርግ ዘፍቀደ ግን፡ እቲ ኩሉ ከፊሉ ነጻነት ዘምጽአ ህዝብና ምዃኑ ክእመንን፥ ሕጂ‘ውን ሕሉፍ ናይ ዓወታት ታሪኹ ዳግማይ ክደግሞ ዝግብኦ ባዕሉ‘ምበር ዝትኰብ ወይ ዝምጽወት ኣይኮነን። ከምኡ ስለ ዝኾነዩ ድማ እቲ ድሕሪ ዘይቅዱስ ቃል ኪዳን ዶ. ኣብይን ኢሳያስን ዘርእየና ክሕደትን ነጻነት ኣሕሊፍካ ምሃብን ዝፈጠሮ ፍሉይ ናይ ይኣክል ተበግሶ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነት ብናህሪ ክቕጽል መተካእታ ዘየብሉ ኣማራጺ ዝኸውን።

ልክዕ‘ዩ ሰብ ኣማሚ እዝጊ ፈጻሚ ከም ዝበሃል፡ እዚ ይኣክል ኢሉ ነዲሩ ዝተበገሰ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኩሉ ድኽመታቱ ኣመሓይሹ፡ ዓቕምታቱ ኣስሚሩ፡ ነዚ ገበነኛ ስርዓት ኣልጊሱ፡ ነዛ ሎሚ ዘብዕላ ዘሎ ስማዊት ነጻነት ናብ ግብራዊት ነጻነት ለዊጡ ከብዕላ ባህግን ድልየትን ነይሩዎ‘ዩ። ኣምላኽ ዝመደቦ ግን ንብዓለማ ዘጨንቕን ቀዛፍን ሕማም ኣውሪዱ፡ ደቂ ሰባት ብሓደ ክሰርሑስ ይትረፍ ካብ ገዛ ከይወጹ ዝእግድ ኩነታት ብምፍጣሩ፡ ቃልስና ክተዓናቐፍ እኳ እንተኸኣለ፡ ዕላማና ካብ ምዕዋት ክዓግተና ከም ዘይክእል ዝእምቱ ግን ሓያለይ ምልክታት ምቕራብ ይከኣል‘ዩ።

ካብ ብዙሓት ብውሑዱ፡-

1 - ዕብዳንን ጽላለን ኢሳያስ ካብ ዝተሓብኣሉ በዓቲ ኣብ ቃልዕ ምውጽኡ፤

2 - ብመስዋእቲ ብሉጻት ደቃ ዝተረጋገጸት ነጻነትና ምኽሓዱን፡ ኣሕሊፉ ኣብ ናይ ምሃብ ሕሱርን ዘይትግበር ተዋስኦ ምጽዋቱን፤

3 - ብህዝቦምን ሃገሮምን ዝግደሱ መራሕቲ ዓለምና ኣንጻር ለበዳ ሕማም ኮረና ፍሉይ ባጀት መዲቦም ንህዝቦም ዘድሊ ገንዘባውን ንዋታውን ሞራላውን ሞያዊ ምኽርን ብምሃብ ምስ ህዝቦም ክረባረቡ ከለዉ፡ ንሱ ግን ነታ ዝተሓተት መሰረታዊት ቀረብ ማይ‘ኳ  ከቕርብ ዘይምኽኣሉ፤

4 - ደቂ ሰባት ኣብ ቤቶም ተዓጽዮም ኣብ ዘለዉሉ እዋን፡ ንኢትዮጵያ ከይዱ መስኖ ልምዓት እንዳማቱ ክምርቕ ምርኣዩን፤

5 - ህዝቢ ኤርትራ ካብ መራሒኡ ዝነበሮ ትጽቢት መሬት ዘቢጡ፡ ንህላወኡ ሓላፍነት ክወስድ ከም ዘለዎ ዘመልክት፡ ንሕማም ኮረና ንምክልኻል ኢድንኢድ ተተሓሒዙ ነዛ ሕማቕ እዋን ክሰግራ ብዘርእዮ ዘሎ ናይ ኣሎና ዘስምዕ ግብረመልሲ፡ ካብ ደገን ውሽጥን ዝልገስ ዘሎ ዝምስገን ወፈያታትን ምጥቃስ ይከኣል።

እዞም ልዒሎም ተዘርዚሮም ዘለዉ ሓቅታት ዘነጽርዎ ሓቂ እንተልዩ፡ እዚ ኣብ ጐዳጉድ ሳሕል ተሓቢኡ ገበኑ ሸፊኖም ኣብ ስልጣን ንክበጽሕ ልዑል ኣበርክቶ ዝነበሮም ጀጋኑ እናበልዐ፡ ካልኦት ብዝፈጸሙዎ ታሪኽ ተጐልቢቡ ንስልጣኑ ዝቃለስ ዝነበረ ጋኒን በዓቲ ዓምበርበብ ኢሳያስ፡ ሃገር ክመርሕን ከመሓድርን ፍጹም ብቕዓት ዘየብሉ ፍሹል ውልቀመላኺ ምዃኑ‘ዩ።

ዘይሕረስ ጥንስን ዘይቅላዕ ጉድን ስለ ዘየሎ ድማ‘ዩ፡ ነቶም ተሰኪሞሞን ሰቲሮሞን ዝነበሩ ብጾቱ ሚንስተራት ምስ ኣሰሮም ዕርቃኑ ወጺኡ መኣዝኑ ስሒቱ፡ ኣብዚ ሓልዮትን ሓላፍነትን መራሕቲ ዝፍተነሉ እዋን ኣስቂጡን ተሓቢኡን ዝሓልፎ ዘሎ። እዚ ምሕባእ‘ዚ ግን ከምቲ ልሙድ ናይ ክፍኣት ኣመሉ፡ ንህዝቢ ዝስተ ማይ ዘይቀረበስ ብምኽንያት ኣንበጣን ሕማም ኮሮናን ክዝቲ ኣመኽንዩ ንኢትዮጵያ ከይዱስ ፕሮጀክት ልምዓት ኢትዮጵያ ክምርቕ ምርኣዩ ንዘይፈልጡኻ በሎም፡ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ግን ከምዚ ዝበለ  ሽጣራ ዝወሃብ፡ መልስና ግን “ንዓይ ነንጭዋስ ኣብ ለቖታ“ እዩ። ምስጢር ናይ‘ቲ ዘይቅርዑይ ሽጣራ እንታይ ምዃኑ ስለ ንፈልጥ ከኣ፡ ካብዚ ኣንጊህና ዝቐበጽናዮ ናይ 1991 ሓደጋ ኮሮና ዝኾነ ሳዲስት ኢሳያስ ከይተጸበና፡ ኣብ ኣምላኽናን ውሽጣዊ ዓቕምናን ተመርኲስና፡ ናይ ውሽጥን ናይ ደገን ዓቕምና ብሓደ ጸሚድና ንኩሉም ጸገማትና ጉሒፍና ሰላም ከነንግስ ኢና።

ናይዚ ጭቡጥ መልሰተግባር ከኣ፡ እዚ ብግዜ ራዕዲ ዝጭክን ብግዜ ጸገም ዘይደንን ሓርበኛን ሓቦኛን፡ ካብዚ ፈታኒ ደረት ኣልቦ ለበዳ ሕማም ኮሮና ንምስዓር ዝውሕዝ ዘሎ ዘደንቕ ገንዘባውን ንዋታውን ሞራላውን ወፈያታት እኹል ምስክር‘ዩ። እዚ ከኣ ነቲ ጉዳዩ ገዲፉ ኣብ ጉዳይ ካልኦት ኣትዩ ዝምድርን ህውከት ዝጽሕትርን፡ ኣብ ሰላምን ራህዋን ክነብር ውሽጣዊ ባህርያቱን መዘና ኣልቦ ገበናቱን ንዘይፈቕደሉ ጕሒላ ኢሳያስ ዓቢ ፖለቲካውን ሞራላውን ጽፍዒት‘ዩ።

ኣብዚ እዋንዚ ንኩለን ነዚ ፋሉል ጉጅለ ዝሕግዛ ሰብ ጸጋ ሃገራት፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ገበን ይፍጽማ ምህላወን ኣሚነን እቕሬታ ክሓትታን፡ ካብ ዘለዎ ሕሱም መግዛእቲ ንክገላገል፡ ምስ ደለይቲ ፍትሒ ወጊነን ዓጸፋ ክኽሕስኦን ታሪኻዊ ሓላፍነተን ክስከማ ብኣኽብሮት ንሓተን። እቲ ንምንዋሕ ገበን ኢሳያስ ዝወሃብ ሓገዝ ንደምበ ፍትሒ እንተፈሲሱ ግን፡ ህዝቢ ኤርትራ ካብ መዓት ስለ ዝገላገል ንእኣተን ክብሪ ካብ ህዝብና ድማ ምስጋናን ሞጐስን ከም ዝረኽባ ክፈልጣ ይግባእ። በዚ ከኣ ኩሉ ብጉጅለ ህግደፍ ዝሓዘነ ህዝቢ ክድበስ፡ ዝተረመሰ ህይወት ክሕደስ፡ ዝዓነወት ሃገር ናብ ንቡር ሂወት ክትብገስ፡ ዝተበተኑ ደቃ ሓቚፋ ንዝመጽእ ዓመት ጽንብል ነጻነት ብሓባር ክንሕጐስ ዝህልዎ ኣስተዋጽኦ መዘና ኣይህልዎን። እዚ ዝፈጠሮ ሓቀኛን ግብራውን ሓርነት ከኣ ንዕቑር ጸጋ ሃገርና በርቢርናን ኣፍሪናን ነብስና ክኢልና፡ ካብ ምጽወታ ተገላጊልና ክንልግስ ኣብ እንኽእለሉ ቦታ ናይ ምስግጋርና ዝህልዎ ተኽእሎ ዘጠራጥር ኣይኮነን።

ነዚ ብሩህ ተስፋ እናጠመትና ኢና ድማ፡ ነዛ ናይ 2020 መወዳእታ ዕድመ ህግደፍን ድልዱል መሰጋገሪት ፍጹም ሓርነትናን ንምግባራ ቃልስና ብምሕዳስ ነብዕል ዘሎና። ኣብዚ ምስ እንዕወት ከኣ ኣኺሉ ንዝተርፍ ሽሻይናን ጻዕራምን ተበላሓትን ዓቕሚ ህዝምና ተጠቒምና፡ ሓንቲ ብልጽግትን ኩሉ ዝብህጋን ፍትሓዊትን ደሞክራስያዊትን ሃገር ሃኒጽና፡ ምስተን ዝማዕበላ ሃገራት ክንስራዕ ዘሎ ተኽእሎ ዘካትዕ ኣይኮነን። ነዚ ዓቐብዚ ንምድያብ ግን፡ ቅኑዕን ውሁድን ኣሳታፍን ሕጋዊ ውክልና ዘለዎ መሪሕን ዝምርሓሉ መገድን ምሕንጻጽ፡ ኣብ ቀዳማይ ቦታ ዝስራዕ ኮይኑ ብቕዓት ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን ዝፍተናሉ መድረኽ‘ዩ። ተሳትፎ ዝተፈላለያ ሲቪካዊ ማሕበራትን፡ ሞያውያን ትካላትን ምሁራትን፡ ኒሕን ሓቦን ንቕሓትን ዝዓጠቐ ተሳትፎ ህዝብን ከኣ፡ ልዑል ተራ ከም ዘለዎ ክዝንጋዕ ዘይግብኦ‘ዩ። እዚ ማለት ግን ተደራቢ ሓይሊ ናይቲ ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ዝሑልን ውዑይን ኩነታት ዋልታ ኮይኖም ብጥራሕ ከብዶም ሃገር ዝሕልዉ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ‘ምበር መተካእታ ከም ዘይከውን ብምርዳእ፡ ብልቦና ክተባብዑን ክምኮሩን እምበር ክዋሰኑ ኣይግባእን። እኩብ ድምር ናይዚ ኩሉ ዓቕምታት‘ዚ ከኣ፡ ነታ ኣብ ከውሒ ዝተሰረተትን ኩልና እንብህጋን፡ ወሊድና ነዕብየላን ዘሪእና ነፍርየላን፡ ሜትና እንቕበረላን፡ ቀሲንና እንሓድረላ ፍረ ሰማእታትናን ጻማ ጻዕርናን እነስተማቕረላ ሓራ ሃገር ከነረጋግጽ ዘብቅዓና።

ኣብ መደምደምታ ነዛ ሎሚ ብጐቦ ልብና እነብዕላ ዘሎና ዕለት ነጻነት እንቋዕ ኣብቅዓና፡ከምኡ‘ውን ንኩሎም ኣመንቲ ምስልምና ዒድ ሙባረክ እናበልኩ፡ ንዝመጽእ ዓመት ንኩሉ ብድሆታት ሰጊርና ማንም ዘይሽቝረረላ ከም ባህግናን ድሌትናን ምስ ምሉእ ጥዕና እነብዕላ ኤርትራ እምነ። ነዚ ልግሲ ዝኣመሉ ለዋህን ሓላይን ዝኾነ ህዝብና ብዝገብሮ ዘሎ ልዑል ወፈያ ክብርን ኣድናቖትን እናሃብኩ፡ ትሕዝቶ ኢድካ ይባርኽ ድሕሪ ምባል፡ ክሳብ እዚ ቀዛፊ ለበዳ ሕማም ዝስገር ነቲ ዝወሃብ ናይ ሕክምና ሞያዊ ምኽሪ ብጥብቂ ክትከታተል እመክር።

ኣብ መወዳእታ ንኩሎም በዚ ቀዛፊ ሕማም ህይወቶም ዝሰኣኑ መንግስተሰማይ፡ ንቤተሰቦምን ፈተውቶምን ጽንዓት፡ ንመላእ ህዝቢ ዓለም ከኣ ምሕረትን ድሕነትን እምነ።

ክወግሕዩ ሻማሻማ ክሳብ ሙሉእ ናጽነት!

ዓወት ንፍትሓዊ ቓልስና

ውድቀት ንሓይልታት ጭቖና።

ዓንደጽዮን ግርማይ

ጀርመን 22.05.2020

Last modified on Thursday, 28 May 2020 21:51