ኤርትራውያን፡ ናብ መበል 44 ኣኼባ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት - ጀነቫ ስምዕታ ኣቕሪቦም

2020-05-19 07:33:26 Written by  ኤርትራውያን ፖለቲካዊ ሓይልታት Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1745 times

ናብ ፡ ክቡራት ልኡኻት 47 ኣባል ሃገራት

መበል 44 ኣኼባ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ዝሳተፋ 47 ኣባል ሃገራት፣

ፓላይስ ጀነቫ

 ናብ ክብርቲ ወ/ሮ ሚቸላ ባቸለት፤

ላዕለወይቲ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰል ሕሃ፣

ፓላይስ ጀነቫ

 ርእሰ ጉዳይ፡ ምንዋሕ ግዜ ሓላፍነት ፍልይቲ ተኻታትሊት ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ፤

 15 ጉንበት 2020

ክቡራት ተሳተፍቲ መበል 44 ጉባአ ሰብኣዊ መሰል ሕ.ሃ.

ክብርቲ ላዕለወይቲ ኮሚሽነር ባቸለት

እዞም ኣብ ታሕቲ ከቲምና ዘለና፡ ተገዲድና ኣብ ወጻኢ እንዋሳእ ኤርትራውያን ፖለቲካዊ ተቓወምቲ፡ እዚ መልእኽቲ እዚ ብሓባር ከነቕርበልኩም እንከለና ሕጉሳት ኢና። ዕላማ መዘክርና ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ መወዳእታ ዘይብሉን ዘይቅየርን ሰብኣውን ፖለቲካውን ኩነታት ብዝምልከት፡ ኣብ ልዕሊ ህልዊ መንግስቲ፡ ናይዚ ባይቶ ኣባል ዝኾነት ሃገረ ኤርትራ፡ ግቡእ ስጉምቲ ንኽትወስዱ ንምዝኽኻርኩም እዩ።

መጀመርያ ንባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ወርሒ ጉንበት 2012 ንመጀመርያ ግዜ ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ ዝከተተላ ኮሚሽነር ሕቡራት ሃገራት ምምዛዙ፡ ዕቱብ መግለጺ  ተገዳስነቱ ንጉዳይ ኤርትራ ብምዃኑ፡ ልዑል ኣኽብሮትና ንገልጽ።  እዚ በብዓመቱ ክሕደስ ዝጸንሐ ምምዛዝ ተኻታታሊ ኣካል፡ ነቲ ዓማጺ መንግስቲ ንምቁጽጻርን ግህሰት ኤርትራዊ ሰብኣዊ መሰል ንምክትታልን ዘኽእል ብምዃኑ፡ ባይቶ ሕ.ሃ. ንኤርትራውያን ግዳያት ዓመጽ ዘበርከቶ ኣገልግሎትን፡ ዝሃቦ ዕቱብ ቆላሕታን ዘመልክት እዩ።

ላዕለዎት ሰብ መዚ ኤርትራ፡ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ዘሕለፎም ውሳነታትን መተሓሳሰብታትን ንከይትግበሩ፡ ንዝሓለፈ ሸሞንተ ዓመታት ክጻረሩ፣ ነተን ሰብኣዊ መሰል ክከታተላ ዝተመዘዛ ኮሚሽነር ድማ መእተዊ ክኸልእወን ከም ዝጸንሑ ርዱእ እዩ። ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ክሳብ ሕጂ ንኩነታት ኤርትራ ብዝምልከት፡ በተን ባዕሉ ዝመዘዘን ላዕለወይቲ ኮሚሽነር፡ ቅድም ንሽዱሽተ ዓመታት ዝኣክል ብወ/ሮ ሸይላ ኪታሩዝ ቀጺሉ ከኣ ንክልተ ዓመታት ብወ/ሮ ዳኒየላ ክራቨትዝ ዝቐርበሉ ናይ ቃል መግለጽን ጸብጻባትን እዩ ሓበሬታ ክረክብ ጸኒሑ።

ክቡራትን ክቡራንን

ኤርትራ ህዝባ ብኣዝዩ ዝኸፈአ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ዝሳቐየላ፡ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰልን፡ ባይቶ ሰብኣዊ መሰልን ከኣ ኣዝዮም ዝሸቐሉላ ሃገር ኮይና እያ ጸኒሓ። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኣዝዩ ዘሕዝንን ዘሻቕልን፡ ፖለቲካዊ፡ ማሕበራዊ፡ ቁጠባውን ሰብኣውን ኩነታት ካብቲ ዓሚ ዝነብሮ፡ ኮታ ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመታት፡ ብዉሑዱ ንዝሓለፉ ክልተ ዓሰርተ ዓመታት ከይተቐየረ እዩ ቀጺሉ። ኩነታት ከምዚ እንከሎ ደኣ፡ ስለምንታይ እዮም ካብተን 47 ኣባል ሃገራት፡  ናይ ገለ ሃገራት ልኡኻት ኣብ ምንዋሕ መዝነት ናይተን ኩነታት ኤርትራ ዝከታተላ ኮሚሽነር ዘይግደሱ? ወይ ይናዋሕዶ ኣይናዋሕ ኣብ ዝብል ምውልዋል ዝኣትዉ? ዘገርም እዩ።

ንሕና እዞም ብሓባር ነዚ መዘክር’ዚ ነቕርብ ዘለና፡ ኣብ ውሽጢ ሃገርና ኰይንና ከይንዋሳእ ዝተሓረመና ፖለቲካዊ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ፡ ናብ ኩሎም ተሳተፍቲ ልኡኻት መበል 44 ጉባአ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ነዚ መዘክር ነቕርብ ኣለና። በዚ መዘክርና ከኣ እዚ ባይቶ ንመዝነት ወ/ሮ ዳኔላ ክራቨትዝ ብምንዋሕ ኣቢሎም፡ ንሽዱሽተ ሚልዮን ህዝቢ ኤርትራ እቲ ዝተሓተ ደገፍን ሞራላዊ ምትብባዕን ክገብረሉ ንጽውዕ።

ክቡራት ተሳተፍቲ መበል 44 ጉባአ ሰብኣዊ መሰል ሕሃ

ክብርቲ ላዕለወይቲ ኮሚሽነር ባቸለት

ብዛዕባ ኤርትራ ግቡእ ኣፍልጦ ከም ዘለኩም ርግጸኛታት ኢና። ደጊምካ ንምዝኽኻርኩም ዝኣክል ግና፡ ወያ ንዝሓለፈ 29 ዓመታት ኣህጉራዊ ተፈላጥነት ረኺባ፡ ናይ ሕቡራት ሃገራትን ናይዚ ባይቶኹምን ኣባል ዝኾነት ኤርትራ፥

  • ሕገ-መንግስትን ግዝኣተ ሕግን የብላን፤
  • መንግስታዊ ትካላትን መንግስታዊ ኣካላትን የብላን፤
  • ንልዕሊ ርብዒ ክፍለ-ዘመን ምርጫ ኣየካየደትን፤
  • ናጽነት ሓሳብካ ምግላጽ፡ ሃይማኖታዊ እምነትን ምንቅስቓስን የብላን፤
  • ምብጻሕ እሱራት፡ ዋላ ብቀይሕ መስቀል ዘይፍቀደላ ሃገር እያ፤
  • መሰል ኣብ ቅድሚ መጋባእያ ቤት ፍርዲ ምቕራብ የብላን፤
  • ከምቲ ንስኻትኩም እውን እተፈልጥዎ እቲ ዝርዝር ነዊሕ እዩ፤

 

ከምቲ ንስኻትኩም እተፈልጥዎ ናይ ኤርትራውያን እሱራት ዕድል “ማእሰርቲ ክሳብ ሞት” እዩ። ከምቲ ቅድሚ ሒደት ዓመታት ወ/ሮ ኪታሩዝ ነዚ ባይቶኹም ዝሓበረኦ፡ እቲ መወዳእታ ዘየብሉ “ሃገራዊ ኣገልግሎት” ዝብል ስም ዝተዋህቦ ባርነት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ቦታኡ እዩ ዘሎ። በዚ መሰረት ሓደ ሲሶ ዝኸውን ካብ ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ባርነት ተቓዊሙ ካብ ሃገሩ ወጺኡ ብደረጃ ስደተኛ ክብሪ ኣብ ዘየብሉ ኩነታት ይነብር ኣሎ።

መልእኽትና ንምድምዳም፡ እዞም ኤርትራውያን ውድባት ጽቡቕ ፈቓድኩም ኮይኑ፡ ገለ ውሱን ለውጢ ኣብ ምምጻእ ይሕግዝዩ ኢልና ስለ እንኣምን፡ ናይተን ንኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ክከታተላ ዝተመዘዛ ልእኽቲ ኣብቲ መዝነት ዝጸንሓሉ ግዜ ከተናውሑለን ብትሕትና ንሓትት።

ኣኽበርትኹም

ኣቦመንበራት

  1. ኤርትራዊ ሃገራዊ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ (ኤሃባዲለ)
  2. ሃገራዊ ግንባር ኤርትራ (ኤሃግ)
  3. ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)
  4.  ውድብ ዲሞክራስያዊ ሓድነት (ውዲሓ)
  5.  ሕብረት ኤርትራውያን ንፍትሒ (ኤሕፍ)
  6.  ዲሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ (ዲውዓቀ)
Last modified on Tuesday, 19 May 2020 09:44