ኤርትራዊ ልኡላውነት’ሞ፡ ንድሕሪ ኣይክምለስን’ዩ!

2020-04-21 06:17:47 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1866 times

ኤርትራ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣገዳሲ ቦታ ዘለዋ፡ ብቀይሕ ባሕሪ፡ ብኢትዮጵያ፡ ብሱዳንን ብጅቡትን እትዳወብ ኣስታት 125 ሽሕ ትርብዒት ኪሎሜትር ዝስፍሓታ ዝተፈላለዩ መልከኣ ምድራዊ ኣቀማምጣ፡ ርቡሕ ተፈጥሮኣዊ ሃብትን ህርኩት ህዝብን እትውንን ልኡላዊ ሃገር እያ። እዚ ተበሃጊ ኣቀማምጠኣን ስፍሓታን ከም ኩለን ሃገራት ኣፍሪቃ ድሕሪ መወዳእታ ካለኣይ ውግእ ዓለም፡ ነቲ ኤውሮጳዊ ሓይልታት ንኣገዛዝኦም ክጥዕሞም ዝተኸተልዎ ኣካልላ ኣድሚቓ ዝወነነቶ እዩ። ከከም ቀዳምነት ብኤውሮጳዊ ሓይልታት  ተወሪረን ዝተታሕዘኦ፡ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ እዚ ሕጂ ሒዘነኦ ዘለዋ ቅርጺ ሒዘን፡ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ዝጸንሓሉ ንውሓት ግዜ ዝተፈላለየ እዩ። ንኣብነት ኤርትራ ኣስታት 50 ዓመታት ነዚ ክሳብ ሎሚ ሒዛቶ ዘላ ቅርጻ ሒዛ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ጸኒሓ።  ኢትዮጵያ ድማ ካብ ኤርትራ 45 ዓመታት ድሒራ እያ እዚ ሎሚ ሒዛቶ ዘላ ቅርጺ ሒዛ፡ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ኢጣልያ ን5 ዓመታት ዝኣክል ግዜ ዝተመሓደረት። ብመዕቀኒ፡ ናይ “መን ኣቐዲማ ነዚ ሕጂ ሒዛቶ ዘላ ቅርጺ ሃገርነት ሒዛ”፡ ኤርትራ ንኢትዮጵያ ብ45 ዓመታት ከም እትዓብያ፡ ዘመናዊ ታሪኽ የረደኣና።

ኤርትራዊ ሃገራውነት፡ ብርዱእ ምኽንያት ድሕሪ ስዕረት ኤውሮጳዊ ወራር ኣብ ኣፍሪቃ፡ ብኡንብኡ ክረጋገጽ ዝግበኦኳ እንተነበረ፡ ብዝተፈላለዩ ናይ ሸፈጥን ውዲትን ምኽንያታት ኣይተተግበረን። ካብቶም ነቲ መስርሕ ዝሓላለኽዎ ምኽንያታት፡ ናይ ሽዑ ገዛእቲ ኢትዮጵያን ዝተፈላለዩ ናይ ግዳም ናይ ረብሓኻ መሻርኽቶምን፡ ታሪኽዊ ተቐባልነቱ ዝሓለፈ ኣረጊት ተረኽቦታት መዝሚዞም፡  ነቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ዘጽደቐኦን ክሳብ ሕጂ ሒዘነኦ ዘለዋን ልኡላዊ ዶባት ክቕበልዎ ቅሩባት ኣይነበሩን። ኣሜሪካዊ ዲፕሎማት ጆን ኤፍ ዱለስ “እስትራተጅያዊ ረብሓ ሕቡራት መንግስታት ኣሚሪካ ኣብ ከባቢ ቀይሕ ባሕርን፡ ናይ ዓለም ሰላምን ዘውሕስ ስለ ዝኾነ፡ ኤርትራ ምስታ ምሓዛና ኢትዮጵያ ክትቁረን ኣድላይ እዩ” ዝበሎ  ምዝካሩ ከኣ ኣገዳሲ እዩ።

ነቲ ቅደመ-ምምጻእ ኤውሮጳውያውን ወረርቲ ናብ ኣፍሪቃ ዝነበረን ደሓር ብኻልእ ውሳነ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝተተከአን ዶባዊ ስምምዕ ንቕድሚት ኣምጺኦም ምክርኻሮም ከም ናይ እምቢታኦም ኣብነት ምጥቃስ ይከኣል። ነዚ ርትዓዊ ዘይኮነ ውዲት ብምእላም፡ ኤርትራዊ ሃገርነት ንዘይምቕባል ብዙሕ ብናይ ግዳም እስትራተጅያዊ ተረባሕቲ ዝተመረዘ ውዲታት ተማሂዙ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ኣብ ምክፍፋሉን ሕድሕድ ምትፍናኑን ዝዓለመ ናይ ሽዑ ውዲት ንምብዳህ፡ ቅድም ኣብ ፖለቲካዊ መዳይ ሓያል ቃልሲ ኣካይዱ። በዚ ኣገባብ ኤርትራዊ ሃገርነት ምድሓን ከምዘይተኽእለ ምስ ተረደአ ከኣ፡ መሪጽዎ ዘይኮነስ ካልእ መተካእታ ምስ ሰኣነ ተገዲዱ መሪር ጐነጻዊ ቃልሲ ኣካይዱን ሰፍ ዘይብል ዋጋ ከፊሉን ዋና ልኡላዊት ሃገሩ ክኸውን በቒዑ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ነቲ ኣብ ኤርትራና፡  ብሰንኪ ህዝቢ ዘየማእክልን ዘየሳተፍን ገስረጥ ምምሕዳር ህግዲፍ ዝረአ ዘሎ  ግዝያዊ ድኽነትን ምንቁልቋልን ብምምዝማዝ ንኤርትራዊ ሃገርነትን ልኡላውነትን ዝደናደን ረቂቕ ወስታታት ንዕዘብ ኣለና። እዚ ውሰታታት፡ ነቲ ምእንቲ ናጽነት ኤርትራ ዝተኸፍለ መስዋእትነት ካብ ምንእኣስን ምክፋእን ሓሊፉ፡ ካብቲ ሓድነት ዝመለለይኡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ዝተወሰነ ከባቢ ዝነብሩ ቆንጢርካ ናብ ጐረቤት ሃገራት ወሲድካ ብጸቢብ ረብሓታት ናይ ምውጋይ ትንዕምንዕ ንዕዘብ  ኣለና። ነዚ ንምትግባር ከኣ ዝተፈላለዩ ክትሰምዖም መዓር ዝጥዕሙ፡ ግና ሓድነት ህዝቢ ብምፍራስ ዝተቓመሙ ስብከታት ንሰምዕ ኣለና። እዞም ሰበኽቲ ብመልክዕ ብዙሓት ኮይኖም፡  ስብከታቶም ግና ኣብ መወዳእታ  ንሃገራውነት ኤርትራ ኣህሲሱ ንህዝባ ከም ስጋ ጉዚ ናብ ዝበታትን መርዛም ፈለግ ዝፈስስ እዩ። ከምቲ “ታሪኽ ንገዛእ ርእሱ ይደገም” ዝበሃል፡ እዚ ወስታዚ ነዊሕ ናብ  ግዳም ገጹ ዘስፋሕፍሕ ሱር ሰዲዱ ከም ዝኸውን ምጥርጣርን ተቓሊስካ ንምዕጻፉን ድልዊ ምዃን ኣገዳሲ እዩ።

እዞም በቲ ቅድሚ ሕጂ ተፈቲኑስ ዝተሳዕረ፡ ተመኩሮ ኣብ ክንዲ ዝመሃሩ፡ ሎሚ እውን ኣንጻር ኤርትራዊ  ሃገርነትን ሓድነት ህዝባን ውጥም ቅልቅል ዝብሉ ዘለዉን ንዝተወሰነ ከፋል ኤርትራ ቆሪስና እንተዘይወሰድና ኢሎም ዝደናደኑ ዘለዉን ኣካላት “መርተዖና” ኢሎም ዘቕርብዎም ስንኩፋት ምኽንያታት ኣለዉዎም። ኣብ ኤርትራን ኣብ ኢትዮጵያን ተመሳሳሊ፡ ቋንቋ፡ ባህልን ቅድመ ታሪኽን ዘለዎም  ወገናት ስለ ዘለዉ ይብሉ። ካብዚ ሓሊፎም ነቲ ቅድሚ ኤውሮጳዊ መግዛእቲ ናብ ኣፍሪቃ ምምጽኡን  ሃገራት ኣፍሪቃ ነዚ ሕጂ ሒዘነኦ ዘለዋ ቅርጽታት ምሓዘንን ዝነበረ ቅድመ-ታሪኽ ንቕድሚት ምምጻእ እውን “መርተዖና” ካብ ዝብልዎ እዩ። ኮታ ተመሳሳሊ ቋንቋ እንዳሃለወካ ኣብ ዝተፈላለያ ልኡላዊ ሃገራት ምስፋር ኣባና ከም ዝተጀመረ ገይሮም ከቕርብዎ ይፍትኑ።

እዞም ኣግኣዝያንዶ እንታይዶ ዝብሉ ኣካላት፡ ብዛዕባ ሃገርነት ኤርትራ ክሳብ ክንድዚ ዘርባዕባዕ ክብሉ እንከለዉ፡ ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ኢትዮጵያ፡ ከም ናይ ኢትዮጵያ ቋንቋታት ዝዛረቡን ተመሳሳሊ ባህሊ ዘዘውትሩን ህዝብታት ከም ዘለዉኸ ይፈልጡ ድዮም? ቋንቋታት ኦሮሞኛ፡ ዓፋር፡ ንዉየርን ካለኦትን ናይዚ ኣብነት እዮም። ካብዚ ብዘይተፍለየ እቲ መምዘኒኦም፡ ኤርትራ ብዘበን እኒእኒ ኣካል ኢትዮጵያ ነይራ ዝብሉን ወለዶታት ዝጽብጽቡን ካብ ኮኑ፡ ናይ ቀደም ግዝኣት ኢትዮጵያ ደኣ ክሳብ የመንን ካለኦት ሃገራት ኣዕራብን ዝዝርጋሕ ነይሩ እንድዩ ዝበሃል። ዶስ ከምቲ “በትሪ ሃበኒ’ሞ ዘሕምቖ ኣለኒ” ዝበሃል፡ ንኤርትራ ብቲ ግዚያዊ ጸገማ ደንዲነሙዋ እዮም ምዩቕዩቕ ዝብሉ ዘለዉ። እቲ “ንኤርትራ ዝተንከፈ ወይልኡ” ዝብል ኒሕ  ቦታኡ ከምዘይለቐቐኸ ዘንጊዐሞ ኣለዉ ማለት ድዩ?

እቲ ኣዝዩ ዘገርም ከኣ ድሕሪ ኤርትራ ብቃልሲ ህዝባ ናጻ ምስ ወጸት፡ ብድምጺ ህዝባ ልኡላዊ ግርማ ምስ ለበሰት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ወሲኽካ ኩለን ሃገራት ዓለምና፡ ሉኣላዊ ሃገርነታ ምቕባለንን ኣባል ሕቡራት ሃገራት ዓለም ኮይና ምስተመዝግበት፡ ከምዚ ዓይነት ጠላም  ኣተሓሳስባ እሞ ድማ ብኤርትራውያን ምንቃሉ፡ ክንደናይኳ ከይዕወት ግና ኣዝዩ ዘተዓዛዝብን ጽባሕ ዘጸባጽብን ሃቐነ እዩ። ተፈትወ ተጸልአ ሎሚ ኤርትራ፡ ብቋንቋዊ፡ ባህላውን፡ ሃይማኖታውን ብዙሕነት ዝወቀበ ሓደ ህዝቢ ዘለዋ ሃገር እያ። ካብዚ ውሁድ ህዝቢ ቆንጢርካ ንሓንሳብ ናብ ደቡብ ንሓንሳብ ድማ ናብ ምዕራብ ክትምጡ ምሽራኽ ከኣ፡ ካብ ምስ እምኒ ዓረ ምርጻም ሓሊፉ ካልእ ክኸውን ኣይክእልን እዩ።

እዞም ኣብ ዘይሰልጦም ግና ዘተዓዛዝብ ዕዳጋ ወሪዶም ዘለዉ ኣካላት “ንህግዲፍ ንቃወሞ ኢና“ ክብሉ ይስምዑ እዮም። ማእከል ናይቲ ህግዲፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ከውርዶ ዝጸንሐን ዘሎን በደል፡ ህዝቢ ኤርትራ ብዘይፈቐዶን ዘይፈልጦን መንገዲ ምጉዓዙ እዩ። እዚ ካብ ኮነ፡ እዞም ንዛረበሎም ዘለና፡ ህዝብና ሓድነቱ ኣጽኒዑ ብቕምጡ  ካብኡ ቆንጢሮም ክወስዱ ዝፍትኑ ወገናት ካብ ህግድፍ ዝኸፍኡ ካብ ምዃን ሓሊፎም ናበይ ክሃድሙ ይኽእሉ። ኤርትራዊ ልኡላውነት ግና ብዘይ ፈቓድ ህዝባ፡  ግዝያዊ ጸገማታ መዝሚዝካ ዝሃስስ ዘይኮነ፡ ንዘልኣለም ነባሪ’ዩ።

Last modified on Tuesday, 21 April 2020 08:22