ርሑስ በዓል ትንሳኤ ይግበረልና !!

2020-04-18 19:11:49 Written by  ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1859 times

easter greetings 2020 Arabic

ብምኽንያት በዓል ፋሲካ (ትንሳኤ)፣ ንኹሎም ኤርትራውያን ኣመንቲ ክርስትና ብፍላይ፣ ንኣመንቲ ክርስትና ኣብ ዓለም ድማ ብሓፈሻ፣ እንቋዕ ጾመ ልጓም ፈታሓልኩም ብምባል ርሑስ ብዓል ትንሳኤ ክኾነልና ባዊ ምንዮትና ንገልጽ። ዝመጽእ በዓልታትና፣ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ይኹን ዞናናን መላእ ዓለምን፣ ሰላምን ርግኣትን ኣብ ዝሰፈነሉ ኩነታት ምስ እንፈትዎም ቤተ ሰብናን ፈተውትናን ክነብዕሎ ተስፋ ንገብር። ከምኡ’ውን ኣብ ዓለም ተዘርጊሑ ካብ ዘሎ ለበዳ ክሮና ንህዝብናን ኣህዛብ ዓለምን፣ ልዑል ፈጣሪ ክሕልወና ንልኖ።

ርሑስ በዓል ትንሳኤ !!

ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ

18ሚያዝያ 2020

Last modified on Saturday, 18 April 2020 21:14