ህግዲፍ ዝኣመነን፡ ማይ ዝሓቖነን

2020-03-21 09:07:25 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1517 times

ህዝቢ ኤርትራ እምነቱ ኣብ ልዕሊ ህግዲፍ ካብ ዝስሕብ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ከምዚ ዓይነት ውዱእ መርገጽ ክሕዝ ዝተገደደሉ ምኽንያት ሰፊሕ ዝርዝር ዘለዎ ኮይኑ፡ ቀንዲ ሕመረቱ፡ ህግዲፍ ኣብ ዝወዓሎ ዘይሓድር፡ ቃሉ ዘየኽብርን ሕድሪ ሰማእታት ዝጠልምን ብምዃኑ እዩ።

ህግዲፍ ቃል ዝኣተወሎም እሞ ዝጠለሞም መብጸዓታት ካብ ምዝርዛር “ዋላ ሓንቲ ዘኽበሮ ቃል የለን” ኢልካ ምድምዳም ከም ዝቐልል ርዱእ እዩ። ምናልባት ሓደሓደ መዘኻኸሪ ንምጥቃስ ዝኣክል፡ ጉጅለ ህግዲፍ፡ ንኤርትራ ኣብ ቁጠባ ከም ሲንጋፖር ከዕብያ እየ ኢሉ ኣብ ጥራይ ጐልጐል ተጃሂሩ። ሃገራዊ ኣገልግሎት 18 ኣዋርሕ ከም ዝኸውን ተጠሊዑ ኣዊጁ። ዘመናውን ምዕቡል ሕርሻ ከተኣታቱ እየ እንዳበለ፡ ናይ ክንደይ ሓረስቶት ስቡሕ መሬት መንዚዑ። ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ናጻ ገንዘባዊ ዞና ከተኣታቱ እየ ኢሉ። ሕገመንግስታዊ ስርዓት ከተኣታቱ እየ ኢሉ ኢሉ ከብቅዕ፡ ነቲ ሓደ ሰነድ ከባኽን፡ ንምንዳፍ ሓድሽ ሕገመንግስታዊ ሰነድ ዘይትግበር ቃል ኣትዩ። በመሰረት ዓለም ለኻዊ ናይ መወዳእታን ቀያድን ውሳነ ኮሚሽ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ወሰን ክጥርር እየ ኢሉ ከምዘይፈከረ፡ ሎሚ ቃሉ ዓጺፉን መብጸዓኡ ጠሊሙን፡ ነዚ ዛዕባዚ ንዘልዕሉ ወገናት “ዘረግቲ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን እዮም” ኢሉ ይውንጅሎምን የፈራርሖምን ኣሎ። ቦንድ ግዝኡ እሞ፡ ኣብ ኤርትራ መስርሒ ኣባይቲ ዝኸውን መሬት ክትወስዱ ኢኹም ኢልዎም ከብቅዕ፡ ዝጠለሞም ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ንህግዲፍ ኣሚኖም ማይ ሓቚኖም ዝተረፉን ዘቑረምርሙ ዘለዉን ኤርትራውያን ብዙሓት እዮም። ጉዳይ ግዱድ ክፍሊት 2% ከኣ ኩልና ዘይንዝንገዖ  ዘይምኽኑይ ራስያ እዩ።

ሎሚ ንኤርትራና ክንዕዘባ እንከለና፡ ክልተ ሻብ ተራእያ፡ ግዳይ ጥልመት ናይዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ መብጸዓታት ህግዲፍ ኮይና ከምዘላ ምርዳእ ዘጸገም ኣይኮነን። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ናብ ባርነት ዝማዕበለን ሓደ ካብ ጠንቅታት ስደት ዝኾነን መውዳእታ ዘየብሉ ግዱድ ዕስክርና ህያው ኣሎ፡ ቁጠባዊ ውድቀት ኤርትራ ከምዚ እዩ ኢልካ ክትገልጾ ኣብ ዘጸግም፡ ኣዝዩ  ዝተሓተ ደረጃ ተነቚቱ ኣሎ፡ ፍልሰት ኤርትራዊ ሓደ ካብ ናይ ዓለምና ናይ ስግኣት ዛዕባታት እዩ፡ ከም መርኣያ ብኩራት ኩሉ መንግስታዊ ትካላት ስልጣን ኣብ ኢድ ሓደ ውልቀ-መላኺ ወዲቑ፡ ዝኣመሰሉ ተርእዮታት ሳዕሪሮም ከም ዘለዉ ኢና እንርዳእ። ህግዲፍ ሕሉፍ ሓሊፉ ነዚ ጥልመታቱ ኣዝዩ ብዘራጉድ ደረጃ ንኤርትራዊ ልኡላውነት ኣብ ሓደጋ ናብ ምውዳቕ ይመጣጠር ኣሎ። እዚ ሕዱር ሕልሙን ናይ ነዊሕ ግዜ ጉርሕን ሸርሕን እምበር፡ ናይ ግርህነት ከምዘይኮነ ብዙሓት ይምስክሩ ኣለዉ።

ጉጅለ ህግዲፍ ነዚ መርዛም ናይ ጥልመት ተግባራቱ ከቃምም ነዊሕ ግዜ ወሲድሉ። እዚ ዘለናሉ ኣብ ቅድሚኡ ብዙሓት በዳህቲ ፈተነታት ዘለዉዎ፡ ግዜዚ ንህግዲፍ ዝባኸነ ኣይኮነን፡ ምኽንያቱ ንሱ ህዝቢ እንዳደሃኸ፡ ነቲ ግዜ ዝደልዮ እዩ ክሰርሓሉ ጸኒሑ። ነቶም ኤርትራ ልኡላዊት፡ ብልጽግቲ፡ ሰላማዊት፡ ፍትሓዊትን ዲሞክራስያዊትን ክትከውን እንብህግን ምእንታኡ እንቃለስ ዘለናን ግና ዝባኸነ ግዜ እዩ። ምኽንያቱ ኣንጻር ህግዲፍ ተቓሊስና ከነድመዓሉ ዝግበኣና ዝነበረ ግዜ ክነሱ፡  ውጽኢት ቃልስና ትሕቲ ትጽቢትና ብምዃኑ። ሎሚ ነዚ ህግዲፍ ብሓሶትን ጥልመትን ክዕንድረሉ ዝጸንሐ ግዜ እንመሃረሉ እምበር፡ ንድሕሪት ኣይንመልሶን ኢና። ኣብ መጻኢ ተመሳሳሊ ግዜ ከይነባኽን ግና ክንሰርሕ ይግበኣና። ህዝቢ ኤርትራ እውን ወዮ መዕንደሪ ጥልመት ህግዲፍ ኮይኑስ፡ ከምቲ “ክሰርቀኒ ዝረኣኹዎስ ክመልሰለይ ኣይኣምኖን” ዝበሃል፡ ድሕሪ ሕጂ ብናይ ህግዲፍ ዘይትግበር መብጸዓ ክዕሸውዩ ዝብል ግምት የብልናን።

እዚ እተጠቕሰ ህግዲፍ ዓይንና እንዳረኣየ እዝንና እንዳሰመዐ ክፍጽሞ ዝጸንሐ ጥልመት እዩ። ካብዚ ዝኸፍእ ተሓቢኡ ክፍጽሞ ዝጸንሐን ዘሎን ገበናትን ውዲታትን እውን ኣሎ። ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ፡ ነቲ ሓደ ወተሃደራዊ መደበር ክኸፍት፡ ነቲ ካልእ ስዉር ወተሃደራዊ መዕለሚ ክፈቅድ፡ ካብዚ ሓሊፉ ንናይ ግዳም ሓይሊ ባሕሪ መደበር ክምድምድ ትንዕምንዕ ዝብሎ ዘሎ ምስቲ ዝተጠቕሰ ናይ ጥልመት ዝርዝር ዝድመር እዩ። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ከኣ ወተሃደራዊ መራክብ ግብጺ ኣብ ደሴት ዳህላክ ብፍላይ ከኣ ኖራ ኣብ እትበሃል ቦታ ክዕርዳ እየ፡ ዝብል ብዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ክነፍስ ንሰምዕ ኣለና። ኣብዚ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ግብጽን ብዛዕባ ዓብይ ሓጽቢ ኣግእዞ ኢትዮጵያ ምውጣጥ ኣብ ዝተባለሓሉ፡ ናይዚ ጉዳይ ትርጉም እንታይ ምዃኑ ምርድኡ ዘጸግም ኣይኮነን። ዋላኳ ነቲ ናይ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ቀዳማይ ሚኒስተር ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድን ተሪር ሽኻል ዘየብሉ ወኻዕካዕ ርእዮም “ኢሳያስ ነዝስ ኣይውዕሎን ግዲ” ዝብል ግምት እንተለዎም፡ ወይለኦም ደኣ ነቶም ንዓኡ ዝኣመኑ እምበር፡ ንኢሳያስስ ናብ ዝያዳ ዘኽስበካ ጽግዕ ምባል ዘሕንኾ ኣይኮነን።

ኩሉቲ ኢሳያስ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ኣንጻር ጐረባብቲ ሃገራት ሱዳን፡ የመን፡ ጅቡትን ኢትዮጵያን ክጽሕትሮ ዝጸንሐ ውግእን ህውከትን መንቀሊኡ እቲ ኣብ ኤርትራ ዝሳዕረረ በደል እዩ። ሕጂ ከኣ ነቲ ኣብ ኤርትራ ከዘውትሮ ዝጸንሐ ጥልመት ኣብ ልዕሊ ካለኦት ዘይፍጽመሉ ምኽንያት የለን። ብፍላይ ከኣ ነቲ ኢሳያስ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ንኢራን ዝሸምጠጠ ሸምጢጡ ጠንጢንዋ፡ ኣብ ቅድሚ መንግስታት ስዑድዓረብን ኤምረትን ጭርኡ ክዘርግ ንዝተዓዘበ ኣካል እዚ ዝስማዕ ዘሎ ኣብ ከባቢ ኖራ ምስውስው ምባል ክሕደሶ ኣይክእልን እዩ። ኮታ ጠመተ ኣዒንቲ ኢሳያስ ኩሉ ግዜ ናብ ርትዕን ፍትሕን ዘይኮና ናብ ጁባኻ እንዳመልኡን መዳልያ እንዳሃቡን ዕድመ ስልጣን  ዘናውሑልካ ኣካላት እዩ። ድሕሪ እዚ ከኣ ከምቲ “ዝበለዐት ከብዲ” ወይ “ዝሃበ ይልእኽ” ዝበሃል፡ ቆላሕታኡ ንፋስ ናይቶም መዳልያን ዶላርን ዝህብዎ ነገስታት ምኽታል እዩ። ስለዚ ትማሊ ዝሸምጠጠ ሸምጢጡ ንኢራንን ንካለኦትን ሕቖኡ ዝሃበ ሰብኣይ፡ ሎሚ ኣብ ኢትዮጵያ እንተደገሞ፡ ነቶም ዘይፈልጥዎ እንድዒ፡ ንዓና ግና ኣይክሕደሰናን እዩ። እቲ ጥልመቱ ኣብቲ መበቆሉ ኤርትራ እንተዘይተማሕዩ ከኣ ግዜን ኩነታትን እንዳመረጸ ናብ ደገ ምግንፋሉ ዘይተርፍ እዩ። እቶም ኢሳያስ ንህዝቢ ኤርትራኳ ከምዘይኮኖ እንዳረኣዩን እንዳሰምዑን፡ “ሰብ ረኺብና” ኢሎም መኻይዲ ክኾኖም ዝሓርይዎ ከኣ የወኣዮም።

እምበር እቲ ቀንዲ ቁምነገር፡ ምርዳእኳ ባዕሉ ይረዶ እንድዩ፡ ህዝቢ ኤርትራ “ህግዲፍ ዝኣመነን ማይ ዝሓቖነን ኩሉ ሓደ” ምዃኑ በዚ ኣጋጣሚ ንምዝኽኻሩ’ዩ።

Last modified on Saturday, 21 March 2020 10:10