ቃል ቤት ጽሕፈት ፍራንክፈርት ሰዲህኤ ኣብ ዝኽሪ ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ትግራይ

2020-02-18 07:51:00 Written by  EPDP Frankfurt Office Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1785 times

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ኣካየድቲ ማሕበር ተጋሩ ኣብ ጀርመን፤

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ኣሰናዳእቲ በዓልን መላእ ኣባላት ማሕበር ተጋሩን፤

ክቡራትን ክቡራንን ዕዱማት ኣጋይሽን ተሳተፍቲ ናይዚ በዓል ብሓፈሻን፤

ኣቐዲመ ኣብዚ ክቡር በዓል፡ መበል 45 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ትግራይ፡ ንኽንሳተፍ ንዝገበርኩምልና ዕድመ ብምጥቃስ፡ ብስም መሪሕነትን ኣባላትን ሰዲህኤ ልባዊ ምስጋና አቕርብ። ቀጺለ ከኣ በዓልኩም ብዓወት ክድምደም ዘለና ሰናይ ትምኒት ክገልጽ እፈቱ።

ዝኸበርክንን ዝኸርኩምን፡

ሎሚ መበል 45 ዓመት ዝኽሪ ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ትግራይ ክንዝክር እንከለና፣ ሓርነትን፡ ዲሞክራስያን፡ ራህዋን ብልጽግናን ዕብየትን ህዝቢ ትግራይ ንምርግጋጽ፡ ብ11 ለካቲት 1975 ኣብ ደደቢት ንዝተወልዓት ሽግ ቃልሲ ኢና ንዝክር ዘለና። ህዝቢ ትግራይ ኣብዛ መዓልቲ’ዚኣ ነዚ ናይ ተስፋን ጽንዓትን ብረታዊ ቃልሲ ከበግስ ከሎ፣ ነቲ ኣብ እንግድዕኡ ተጻዒኑ ሸሸ ዝብል ዝነበረ ናይ ጥፍኣትን ጭቆናን መስፍናዊ ኮነ ዲክታቶርያዊ ስርዓታት ስዒሩ መስል ርእሰ ውሳኔኡ ንምርግጋጽ ዝነበሮ ባግህን ድልየትን ዘንጸባርቕ እዩ። ብረት ምዕጣቕ፡ ናብ ውግእ ምእታውን ኣብ በረኻ ምስፋርን ዝመረጾ፡ ታሪኻዊ ተደላይነት ዘምጽኦ ወድዓዊ ጠለብ ብምዃኑ እምበር ወኒ ወግእ ስለዝነበሮ ኣይኮንን።

ዕላማ 11 ለካቲት እምበኣር፡ ንምልኪ ብስርዓተ ዲሞክራስን መሰል ርእሰ ውሳኔን፡ ንድኽነት ብዕብየትን ልምዓትን፡ ንድንቁርና ብፍልጠትን ትምህርትን፡ ንሕማምን ሽግርን ጥዑይ ሕብረተሰብ ብምህናጽ ዕላማኡ ገይሩ ዝተበገሰ ቃልሲ ብምዃኑ ኢና ንዝክሮን ነኽብሮን ዘለና። እንቋዕ ናብ ዓወ ት በጽሐ፡ ኣንቋዕ ድማ ነዚ ታሪኻዊ ዝኽሪ ከንብዕል ኣብቅዓና።

እዚ ንቕዱስ ረብሓ ሓፋሽ ትግራይ ዘማዕደወ ዕላማታት ብቀሊሉ ክረጋገጽ ከምዘይከኣል ዝተፈልጠ እዩ። ህዝቢ ትግራይ ግን ነዚ ንምዕዋት ኣብ ጉዕዞ ቃልሱ፡ ሓደ ድሕሪ ሓደ እንዳኣሰለፈ፡ ደቁን ንብረቱን ሃብቱን ገቢሩ እዩ። ምስ ሰውራኡ ብሓደ ተጠማሚሩ ብበረኻን ብዓድን ተደጋጊፉ ዘይስገር ንዝመስል ዝነበረ ዓቕሚ ሓያላት ኣብ ምግጣም ብሉጻት ዜጋታቱ ኣደዳ መስዋኣትን ስንክልናን ገይሩ። ዓድታቱ ብሓውን ናይ ነፈርቲ ጋዛትን ባዲሙ፡ ብጅምላ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ተሓይሩን ተገፊዑን እዩ። በደልን ግፍዕን ገዛእቲ ሓይልታት ጸብጺብካ ዝውዳእ ከምዘይኮነ ርዱእ ወሲድና ግን፡ ህዝቢ ትግራይ ብመስዋእቲ ኮነ ስንክልና ደቁ፡ ወይስ በቲ ኣብ ርእሲኡ ዝወርድ ዝነበረ ጭቆና ከይሰንበደ፡ ሰውራኡን ነብሱን ገጥ ኣቢሉ ብጽንዓትን ተወፋይነት ስለዝመከተ ክዕወት ክኢሉ።

ህዝቢ ትግራይ ኣብ ርእስቲ ናይ ባዕሉ ሓያልነት፡ ምስ ናይ ቃልሲ መሓዝኡ ዝዀነ ህዝቢ ኤርትራ ዘጥረዮ ዝምድናን ምትሕብባርን እውን ብቀሊል ዝግመት ኣይኰነን።  ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ትግራይን ልዕሊቲ ካልእ ክህልዎ ዝኽእል ተመሳሳልነት፡ ንመግዛእታዊ ሕቶ ኤርትራ ንመጀመርታ ግዜ ዝኣመነ ኢትዮጵያዊ ሓይሊ መሪሕ ህዝቢ ትግራይ ወያኔ እዩ። ንመሰል ርእሰ ውሳኔ ህዝቢ ትግራይ ብልቢ ኣሚኑ ዝደገፈን ዝተቐበለን ድማ ሰውራ ኤርትራ እዩ። ነዚ ዝተጠቕሰ ዕላማታት ንምዕዋት ዝተኻየደ ቃልሲ ድማ’ዩ፡ ከም ክልተ ህዝቢ ንዝምድናታቶም ዝያዳ ኣገዳሲ ክገብሮ ዝጸንሐን ዝገብሮ ዘሎን።

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ተሳተፍቲ በዓል፡

ንሕና ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ምዕባሌታት ንከታተል ኣሎና። ህዝቢ ትግራይን መሪሕ ውድቡ ህወሓትን፡ ንናጽነትን ልዑላውነትን ኤርትራ ስለ ዝፈለጡ ጥራይ ዘኸፈልዎ ከቢድ ዋጋ ንፈልጥ ኢና። ኤርትራ ኣህጉራዊ ተፈላጥነት ዘለዋ ልዑላዊት ሃገር ክትከውን ዘካየድዎ ቃልሲ እውን ንርዳእ ኢና። ሕጂ ኣብ ኢትዮጵያ ነቲ ብቃልሲ ህዝብታት ዝተረጋገጸ ልዑላውነት ኤርትራ፡ ንድሕሪት ከመልሱ፡ ንኤርትራ ከም ብሓድሽ ከጐብጡን ዝመጣጠሩ ከም ዘለዉ እውን ንዕዕዘብ ኣሎና። ታሪኽ ነድሕሪት ክምለስ ኣይኰነን። ግናኸ፡ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ፡ ህልም ዝበለ ምልካዊ ስርዓት፡ ንልዑላውነት ኤርትራ ብዝህድድ መንገዲ ኣብ ዘይቅዱስ ሽርከነታት ይኣቱ ኣሎ። እቲ ሓደጋታት ከንጸላልወና ድማ ግድን ከይኑ። ኣብዚ መስርሕ’ዚ እቶም ክጥቅዑ ዝድለዩ ዘለዉ ሓይልታት፡ ብኤርትራ ሸነኽ እቶም ንልዑላውነት ኣባ ዋጋ ዕዳጋ ዘየእትዉ ክዀኑ ከለዉ፡ ብኢትዮጵያ ሸነኽ ድማ እቶም ንናጽነት ህዝቢ ኤርትራ ከከላኸሉን ክምክቱን ዝጸንሑ ፖሊቲካዊ ሓይልታት። ብሓጺሩ ደምበ ክልል መንግስቲ ትግራይን ደምበ ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያንን እዮም። ኣብ ክሊ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ምድኻም ህዝብን ውድባትን ትግራይ ምድኻም ሃገራዊ ሓይልታት ኤርትራ እውን ምኻኑ ኢና እንኣምን። በዚ መሰረት፡ ከም ሰልፊ ኣብ ደምበ ደልይቲ ፍትሒ፡ ብምሉእ ሓይልናን፡ ብኩሉ እቲ እንውንኖ ዓቕምን ምስ ህዝቢ ትግራይ ጠጠው ክንብል ኢና። ህዝቢ ትግራይን ውድባቱን ከይተዳኸመ ክቕጽልን ክዓብን ናትና ረብሓ እውን እዩሞ ዝለዓለ ምትሕብባር ክህልወና ንብህግ።

ክቡራትን ክቡራንን፡

ሓድሽ መድረኽ ይገሃድ ኣሎ፡ ብሓድሽ ተረድኦን ብዘሳርሕ መደባትን ክንጐዝ ድማ የድሊ። ኣብ ታሪኽና ኣሉታ ኣይነበረን ማለት ኣይኰነን። እወ ኣብ ኣኽሳሪ ውግኣት ተኣትዩ፡ ብሚእቲ ሽሕ ዝቆጸር መንእሰይ ኢትዮጵያን ኤርትራን ጠፊኡ፡ መዕቀኒ ዘይርከቦ ንብረት በሪሱ፡ ህዝብታትና፡ ብፍላይ ኣብቲ ቦታ ውግኣት ዝነብር፡ ሓሪሱ ደቁ ከየዐንግል መሬቱ መዕንደሪ ወታሃደራት ኮይኑ ቀታሊ እሸኽ ተዘሪእዎ ነይሩ እዩ። ግን ኣብዚ ዝኽሪ ተቈሪንና ኣብ ምስትንታን ክንነብር የብልናን። ዝሓለፈ ሓለፈ፡ ኣይትድገመኒ ብዝተረፈ፡ ከምዝበሃል፡ ባወንታዊ ዕዮ ክንፍውሶ የድልየና እዩሞ፡ ንኣስተምህሮ ኣብነታት እንተዘይኮይኑ፡ ብሕጋዊ መዕለቢታት ስለዝተደምደመ፡ ናይዚ እሱራት ክንከውን ኣይግባኣናን እዩ።

እቲ ሓቂ ምስ ኢትዮጵያ ዘዳውብ መሬት ኤርትራ፡ ዝበዝሐን ዝነውሐን ክፋሉ ምስ ክልል ትግራይ እዩ። እዚ ዶባትና ዚ ንሃዋሩ ከማኡ ኢሉ ዝነብር እዩ። ብድሌት ወይ ብምርጫ ሰባት ክቕይየር ዘይክእል ነባሪ ሃለዋት እዩ። ምርጫና ደኣ እንታይ እዩ እንተ ኢልና፡ ንዓይነትን ባህርን ዝምድና ህዝብታትና ዝምልከት ጥራይ እዩ ዝኸውን። እቲ ምርጫ እምበኣር ሰላምን ሕውነትን ዝዓዘዞ፡ ናይ ክልቲኡ ረብሓታት ዝከላኸል፡ ናይ ክልቲኡ ህላዌን ቀጻልነትን ውሑስ ዝገብር ተረዳኦን ኣምነት ብዕምቈት ምውናን እዩ። ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ነዚ ሓቂ’ዚ ስሒትዎ ኣሎ፡ ኮታ እቲ ቀንዲ ባእሱ ምስ ክልል ትግራይ ይገብሮ ኣሎ። ንወድዓዊ ሓቅታት ዝርዳእ ኣኣምሮ ከም ዘይብሉን፡ ነቲ ሓቂ ዓፊኑ ክቕጽል ከም ዝደልን በሪሁ እዩ። ይኹን’ምበር እቲ ንዕኡ መሪር ዝኰነ ካልእ ተወሳኺ ሓቂ፡ ከምዚሉ ንነዊሕ ከቐጽሎ ዝኽእል ትንፋስ እውን ዘይብሉ ምዃን እዩ። ዝምድና ህዝብታትና ናብ ንቡር ክምለስ ግድነት እዩ።

በዚ መሰረት ወዓል ሕደር ከይበልና፡ ዝምድናታትና ኣደልዲልና፡ ብምትሕብባር ናብ ዝሓየለ ብርኪ ክንሰግርን፡ ከም ሰዲህኤ ተራና ክንዓምምን ምዃንና ነዚ በዓል’ዚ ምኽንያት ብምግባር ቃልና ነሐድስ።

ዝኽሪ ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ትግራይ ንዘልኣለም ይንበር!

ዝምድና ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ትግራይን ይደልድል!

የቐንየለይ!

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ

ጽሕፈት ፍራንክፎርት፡ ጀርመን

15 ለካቲት 2020

Last modified on Tuesday, 18 February 2020 09:03