ቂም፡ ሕነ-ምፍዳይ፡ ምድንጋርን ኢድ ምትእትታውን ዝሕላገቱ ቃለ-መሓትት ፕ/ኢሳያስ ኣፍወርቂ

2020-02-11 08:23:31 Written by  ብብርሃነ ኣብርሃ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1982 times

ቀዳማይ ክፋል

ብብርሃነ ኣብርሃ

ኣደ ዘለዋ ትበኪ፡ ነደ ዘይብላ ከተብኪ

ኣብ ኢትዮ 360 (Ethio 360) ዝብሃል መስኮት ተለቪዥን ክሰምዕ ከለኹ፡ ኤርምያስ ለገሰን ሃብታሙ ኣያለውን ዝተባህሉ ክልተ ኢትዮጵያውያን ጋዜጠኛታት፡ ኣባላት ፓርላማ ኢትዮጵያ ናብ ቀዳማይ ሚንስተር ዘቕርብዎ ሕቶታት ብብዙሕ ናይ ምጽራይ መስርሕ ሓሊፉ’ዩ ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝበጽሕ ዝብል ነቐፌታ ክገብሩ ተዓዚበ። ቀዳማይ ሚኒስተር ከኣ ምስ በጽሖ፡ ነቲ መልሲ ዝኸውን መጽናዕትን ሓበሬታን ካብ ሚኒስትሪታቱን ክኢላታትን ሰሚዑን ኣንቢቡን’ዩ ኣብ ቅድሚ ፓርላማ መልሲ ዝህብ። ብሃውሪ ዝሕተትን ዝምለስን ነገር የለን ኢሎም ብምስቍርቋር ክምድሩ ሰሚዐ። እዚ ምሰማዕኩ ናብ ኣእሙሮይ ዝመጸ ሓሳብ “ኣደ ዘለዋ ትበኪ፡ ነደ ዘይብላ ከተብኪ” ዝብል ምስላ ነበረ።

ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኣገባብ እንተዝሰምዑ’ኸ እንታይ ኰን ምበሉ!!!? ኣብ ኤርትራ፡ ካብ ሚኒስተራት፡ ኣባላት ናይ’ቲ ነዊሕ ዕድመ ዘይነበሮ ፓርላማን ጋዜጠኛታትን ንዝቐርበሉ ሕቶታት፡ በቲ ናይ ጸጥታን ቍጽጽርን ትካላት (ከም በዓል ኣብርሃ ካሳ፡ ተስፋልደት ዝኣመሰሉ ኣማኸርቱ) ኣቢሉ ኢዩ ናብ ፕረሲደንት ኢሳያስ ዝበጽሕ። ንሳቶም ነቲ ክተርፍ ኣለዎ ዝብልዎ ኣትሪፎም ናብ ኢሳያስ ይልእክዎ። ኢሳያስ ግን፡ ከም’ቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዝገብሮ፡ ናብ ሚኒስተራትን ክኢላታትን ሰዲዱ ርእይቶታቶም ክፈልጥ ኣይፍትንን ኢዩ። ኢሳያስ፡ ነቲ ክምልሶ ዝደሊ ሕቶታት ባዕሉ ኣዳልዩ ኢዩ ነቶም ሓተቲ ሕቶታት ዝህቦም። ምኽንያቱ ንሱ ኵሉ ዝከኣሎ ሰብ ኢዩ፡ ብዛዕባ ኵሉ’ዩ ዝፈልጥ መታን ክበሃል ዝገብሮ ተዋስኦ ኢዩ። ኢሳያስ፡ መምህር ኢዩ፡ ሳይንቲስት ኢዩ፡ ናይ ጠፈር ተመራማሪ ኢዩ፡ ናይ ሕርሻ፡ ሃብቲ ዓሳ፡ ቍጠባ፡ ሕብረተ-ሰብ፡ ሕጊ፡ ውግእ፡ ዲፕሎማሲ፡ መካኒክ፡ ኢንጂኔር ….ኮታ ኵሉ ዝፈልጥ ኰይኑ ክቐርብ ስለዝደሊ፡ ካብ ስራሕ መካኒክ ኣትሒዝካ ክሳብ ናይ ጠፈር ምርምር ዘሰልቹ ዝርዝር መግለጺ ክህብ ኢና ንሰምዖ። ከም’ዚ ስለዝዀነ፡ ሚንስተራት ብዛዕባ ዝመርሕዎ ቤት ጽሕፈት ተሓቲቶም መልሲ ክህቡ ኣይስምዑን ኢዮም። ባዕሉ’ዩ ፕረሲደንት ባዕሉ ኢዩ ሚኒስተር። ሚኒስተራት፡ ዝተባህሎም ምግባር እምበር፡ ቤት ጽሕፈቶም ዝጠልቦ ስራሕ ይኹን ክእለቶምን ትምህርቶምን ኣብ ግብሪ ንምውዓል ኣይክእሉን ኢዮም። ንበዓል ኤርምያስን ሃብታሙን ድማ ካብ ናትኩም ዝኸፍአ ናትና ኣሎ’ሞ፡ ካባና የድሕንኩም ጥራሕ ኢየ ክብሎም ዝኽእል!!!

  1. ተክኒካዊ ትዕዝብተይ፡ ብዛዕባ’ቲ ፕ/ኢሳያስ፡ ብዕለት 7 ለካቲት 2020 ምስ ጋዜጠኛታት ሱሌማን ዑስማን ዓበን ጳውሎስ ነታባይን ዝገበሮ ቃለ መሓትት፡-

እቲ በዞም “ጋዜጠኛታት” እዚኣቶም፡ ዝቐረበ ሕቶታት ናቶም ዘይኰነስ፡ ብፕ/ኢሳያስ ክትሓትዎ ኣለኩም ተባሂሎም ዝተዋህቦም ሕቶታት ምዃኖም ኢየ ካብ ዝሓለፈ ተመኵሮታተይ ዝርዳእ። ምኽንያቱ ድማ፡ ሓንሳብ ሕቶ ምስ ኣቕረቡ፡ ድሕሪኡ ኣብ መንጐ ኣትዮም ካልእ መስቀላዊ ሕቶ ክሓቱ ኣይትርእዮምን ኢኻ። ሓንቲ ሕቶ ኣቕሪቦም ምስ ወድኡ፡ ፕረሲደንት ኢሳያስ ከም ድላዩ ዝሩብን ዘይዝሩብን ኣምጺኡ ክዕንድር እንከሎ፡ ጽን ኢሎም ኢዮም ዝሰምዕዎ። እቶም ጋዜጠኛታት ኢሳያስ ክሳብ ዝውድእ ብዘይካ ኣዒንቶም ካልእ ክንቀሳቐስ ኣይትርእን ኢኻ። ንቃለ-መሓትት ኢሳያስ ኣፍወርቂ ኣብ ቲቪ ኤረ ሰሚዑ/ርእዩ ዘይፈልጥ ጋሻ ተዓዛባይ፡ “እዚኦም ሰብ ድዮም ወይስ ባምቡላ” ክሳብ ዝብል ናይ ምጥርጣር ሕቶ ከቕርብ ዝደፋፍእ ምርኢት ኢዩ። ናይ ኣባታዊ መምህርን ተመሃራይን ዝምድና’ዩ ዝመስል። ኢሳያስ ይምህር፡ እቶም ጋዜጠኛታት ድማ ይሰምዑን ይምሃሩን። ንምዃኑ’ኸ ብናይ ጋዜጠኝነት ትምህርቲ ይሓልፉ’ዶ ይዀኑ? ወይስ ደይ ዝተባህልዎ ኢዮም ዝገብሩ፡ እንታይ ትምህርቲ ኣድልይዎም ተባሂሎም ዝምረጹ ምእዙዛት ሰባት ኢዮም።

ካብ’ዚ ሓሊፉ፡ ፕረሲደንት ኢሳያስ፡ ባዕሉ ዝሃቦም ሕቶታት ምዃኑ ንምፍላጥ ብዙሕ ምምርማር ዘድልዮ ኣይኰነን። ኣብ ኵሉ ዝገብሮ ቃለ-መሓትት “ብዛዕባ’ዚ እኳ ድሓር ክንመጾ እንዲና” ዝብል ዘረባ ክደጋግም ኢና ንሰምዖ። ሎሚ እውን ከምኡ ኢዩ ኢሉ።

ካልእ ዝተዓዘብክዎ ጕዳይ እቲ ቃለ-መሓትት ቅድሚ’ቲ ዝተፈነወሉ ዕለት ማለት ቅድሚ ዕለት 7 ለካቲት 2020 ዝተቐርጸ ምዃኑ ኢዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ እቲ ቃለ-መሓትት ህያው ወይ ሽዑ ኣብ’ቲ ናብ ህዝቢ ዝፍነወሉ ዝነበረ እዋን (Live) ብቐጥታ ዝተመሓላለፈ ኣይኰነን ነይሩ።

ናብ’ዚ መደምደምታ ዘብጽሓኒ፡ ኣብ ምቕራጽ ወይ ምስጃል ናይ’ቲ ቪድዮ፡ ንገለ ዝተባህለ ግን ክወጽእ ዘይተደልየ ቃል ወይ ሓሳብ ንምስራዝ ተባሂሉ ዝግበር ዝነበረ ምቍርራጽ ምንባሩ፡ ኵሉ ነቲ ፈነወ ዝተኸታተለ ሰብ ክሰምዖን ክርድኦን ዝኸኣለ ጕዳይ ኢዩ። ገለ ካብ ቃላት ኢሳያስ ከይሰማዕናዮም ተቖሪጾም ወይ ተዋሒጦም ከምዝተረፉ ብዘየካትዕ መንገዲ ተዓዚብና። ብሞያውያን ዝተቐርጸ ቪድዮ ድማ ኣይመስለንን። ስለ’ዚ እቲ ቪድዮ ህያው (Live) ኣይኰነን፤ ኣቐዲሙ ዝተገብረን ዝተመስርሐን ቃለ-መሓትት ኢዩ ናብ ህዝቢ ዝመሓላለፍ ዝነበረ።

እቲ ናይ መወዳእታ ትዕዝብተይ ድማ፡ ብዛዕባ ውሽጣዊ ሃለዋት ኤርትራ ዘዛርብን መዓት ህዝቢ ኤርትራ ክፈልጦን ክሓተሉን ዝደሊ ማእለያ ዘይብሉን ጕዳያት እንከሎ፡ ንዘቤታዊ ጕዳያት ካልኣይ ቦታ ሂብካ፡ ብናይ ወጻኢ ጕዳያት ምጅማር ዝዀነ ይኹን ዘዕግብ ምኽንያታት ክውሃቦ ኣይክእልን ኢዩ።

ኣብ’ቲ ስዒቡ ከነስምዓኩም ኢና ዝበሉና ዘቤታዊ ጕዳያት ዝምልከት ቃለ-መሓትት፡ እቲ ቅድሚ ሕጂ ዝብሃል ዝነበረ ከምዝድገም ኣይጠራጠርን ኢየ። ብዙሕ ዝተሳለጠ የለን፡ ግን እዚ ኣኪብናዮ ዘሎና ተመኵሮ፡ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ከም መንጠሪ ክዀነና’ዩ ዝዓይነቱ መልስታት ኢና ክንሰምዕ።

ይቕጽል ……..

Last modified on Tuesday, 11 February 2020 09:25