ግደ ኤርትራዊ ዲያስፖራ ኣብ ለውጢ

2019-12-20 09:36:33 Written by  ሓደ ኣባል ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1627 times

"ከፊ ኣሎ! ለውጢ ክመጸልና ኣብ ውጻኢ ካብ ዘለዉ ደቅና ኢና ንጽበ" ኣብ ውሽጢ ካብ ዘለዉ ዝስማዕ ዘረባ።

" ኣብዚ ኮንኩም እትገብርዎ ሰላማዊ ሰልፍታት፡ እተስምዕዎ ጭርሖታት ሓንቲ ኣይገብርን ኢዩ፡ ብኣኹም ዝመጽእ ለውጢ የለን። ለውጢ ካብ ውሽጢ ኢዩ" ኣብ ዲያስፖራ ብዘለዉ ዝስማዕ ዘረባ።

እዚ ኣበሃህላታት'ዚ፡ ኩሉ ሸነኽ፡ ንግደታቱ ንዒቑ ወይ ውን ረሲዑ፡ ካብቲ ካልእ ሸነኽ ተጸባይ ክኸውን ዝገበር ኢዩ። ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝነብር ይኹን ኣብ ዲያስፖራ ዝነብር ህዝብና ነናቱ ብርታዐን ነናቱ ድሩትነትን ኣለዎ። ብምኽኒያት ዘለዎ ድሩትነት ግን፡ ለውጢ ብኻልእ ከመጸሉ ክሓስብን ክጽበን የብሉን። ኣብ ድያስፖራ ዘለዉ ደለይቲ ፍትሒ ለውጢ ብኣና ኢዩ ዝመጽእ ኢሎም ክኣምኑ ኣለዎም። ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘለዉ’ውን ለውጢ ብኣና ኢዩ ዝመጽእ ኢሎም ክኣምኑ ኣለዎም። ነዚ እምነት'ዚ ዓቲሮም ኣብ ዝቃለስሉ መስርሕ ኢዩ ድማ፡ እቲ ምምልላእ፡ መላግቦታትን ድንድላትን ክፍጠር ዝኽእል።

ኣብ ዲያስፖራ ዝካየድ ቃልሲ ከም መቃላጠፊ ( catalist) ጥራይ ዝኾነ፡ እቲ ወሳኒ ግን ኣብ ውሽጢ ዘሎ ከምዝኾነ ብተደጋጋሚ ክግለጽ ይስማዕ ኢዩ። እዚ ብመጽናዕቲ ዝተበጽሐ መረዳእታ እንተኾይኑ ቅቡል ኣበሃህላ ኢዩ። እንተዘይኮይኑ ግን፡ ንግደ ዲያስፖራዊ ሓይሊ ኣናኢሱ፡ ተጸባያይ ከይገብሮ ዘሰክፍ ኢዩ።

ኣብ ውሽጢ ዝነብር ህዝብና፡ ኣብ ቃልሲ ለውጢ ሓያል ጎድንታትን ድሩትነታትን ኣለዎ። እቲ ኣብ ዲያስፖራ ዝነብር’ውን ከምኡ። ነዚኦም ሓደ ብሓደ ኣውጺእካ ድሕሪ ምጽንዖም ተራ ናይ ዲያስፖራዊ ሓይሊ ኣብ ለውጢ ክልለ ይከኣል ኢዩ።

ተራ፡ ኤርትራዊ ዲያስፖራ ኣብ ለውጢ በቲ ውሽጣውን ግዳማውን ትሕዝቶታት ኣብ ሓደ ነገር ኣብ ምውሳን ዘለዎም ግደ ክጥመት ዘለዎ ኣይኮነን። ኢርትራዊ ዲያስፖራ ከም ግዳማዊ ትሕዝቶ፡ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ድማ ከም ውሽጣዊ ጥሕዝቶ ቆጺርካ፡ ብስነ- መጎት እቲ ወሳኒ ኣብ ምዕባለ ውሽጣዊ ትሕዝቶ ስለዝኾነ፡ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ወሳኒ ኢዩ ናብ ዝብል ምብጻሕ ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ክውንነት ከንጸባርቕ ዝኽእል ኣይኮነን።

ብመሰረቱ ኣብ ዲያስፖራ ዝቕመጥ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዝህልዎ ጽልዋ ከም ናይ ግዳማዊ ሓይሊ ግደ፡ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ድማ ከም ናይ ውሽጣዊ ሓይሊ ግደ ጌርካ ምውሳድ ልክዕ መሲሉ ኣይረኣየንን። ህዝቢ ኤርትራ፡ ከም ወሳኒ ሓይሊ ናይ ምዕባሌኡ፡ ኣብ ውሽጥን ግዳምን ይነብር ኣሎ። እዚ ማለት ከኣ እቲ ወሳኒ ሓይሊ ኣብ ምዕባለ ኤርትራ፡ ኣብ ውሽጥን  ኣብ ግዳምን (ዲያስፖራ) ተዘርጊሑ ዝነብር ዘሎ ህዝቢ ኢዩ። ብመሰረት ጂኦግራፍያዊ ኣቀማምጣኡ፡ ርሕቀቱን ቅርበቱን ፍሉይ ኩነታቱን ድማ ተራኡ ኣብ ለውጢ ክበዝሕን ክንክን ይኽእል።

ኤርትራዊ ዲያስፖራ ከም ኣቀላጣፊ ለውጢ ( catalist) ጥራይ ዘይኮነስ ከም ዓቢ ተዋሳኣይ ለውጢ ዝኾነሉ ብዙሕ ምኽኒያታት ኣለዎ። ቀዳማይ ነገር በዓል ጉዳይ ኢዩ። “ኣነ ባዕለይ ኣሎኹዎ ንስኻ ኣብኡ ጽናሕ” ዝብሎ ቅድሚኡ ንነብሱ ዝሰርዕ ኣካል የለን። እንተልዩ ብማዕረኡ ዝሰርዕ ጥራይ ኢዩ ክኸውን ዝኽእል።

እንታይ ኢዮም እቶም ንኤርትራዊ ዲያስፖራ ከም ሓያል ሓይሊ ለውጢ ዝገብርዎ ረቓሒታት?

ብዝሒ ህዝቢ ኤርትራ ብልክዕ ዋላ ዘይፍለጥ እንተኾነ ካብቲ 4 ሚልዮን ዝግመት ህዝቢ ልዕሊ ሓደ ሲሶ ኣብ ወጻኢ ዝቕመጥ ኢዩ። መብዛሕትኡ ናይዚ 30% ናይ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ብዝሒ ከኣ መንእሰይ ኢዩ። መንእሰይ ድማ ሕኑን ናይ ለውጢ ሓይሊ ኢዩ።

ኤርትራዊ ዲያስፖራ ዘለዎ ዕድል ናይ ምንቅስቓስን ምውዳብን ካብቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ኣብ ዝበለጸ ቦታ የቐምጦ።

ናይ ርክብ መሳለጢታት ከም ድላዩ ክጥቀም ዘኽእሎ ኩነታት ምርካቡ። እዚ ውን ኣብ ዝሓሸ ቦታ የቐምጦ።

ብዙሓት ብዛዕባ ዝተፈላለየ ሜዳታት ዝተማህሩ ኤርትራውያን ኣለዉ። እቲ ዝርካቡ ዓቕሚ ምሁር ኤርትራዊ ኣብ ዲያስፖራ ኢዩ ዘሎ። ምሁራት ኣብ ለውጢ ዕዙዝ ተራ ክጻወቱ ዝኽእሉ ኢዮም።

ኣብ ክብርታት ዲሞክራስን ፍትሕን ሰብኣዊ መሰላትን ዝኽበረለንን ዝዝውተረለንን ሃገራት ዝነብር ኤርትራዊ፡ ባህላዊ ኣተሓሳስባኡ ዝሓሸ ክኸውን ስለ ዝኽእል ንለውጢ ድሉው ኢዩ። እዚ ውን ሓለፋ ኢዩ ምስ ናይ ውሽጢ ኤርትራ ክዛመድ ከሎ።

ኤርትራዊ ዲያስፖራ ብቁጠባዊ መዳይ ዝሓሸ ዓቕሚ ኣለዎ። ቁጠባ ኣብ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ዘለዎ ተራ ዓቢ ስለዝኾነ፡ ብክንዲቲ ዘሎካ ቁጠባ ኢዩ ፖለቲካዊ ውደባን ምንቅስቓስን ዝዓቢ። ዝርጋሐ ኤርትራዊ ኣብ መላእ ዓለም ንባዕሉ መኽሰብ ኢዩ። ኣብ ሓደ ሰዓት ንሙሉእ ዓለም መልእኽትኻ ከተብጽሕ ትኽእል።

እዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ገለ ካብቶም ሓገዝቲ ረቃሒታት ንኤርትራዊ ዲያስፖራ ኣብ ለውጢ ወሳኒ ዝገብርዎ ኢዩም

ኣብ ውሽጢ ሃገር ንዘሎ ወሳኒ ዝገብርዎ ምኽኒያታት ከኣ ንርአ።

እቲ ምልኪ፡ ጭቆና፡ ብልሹው ምሕደራን ኣደራዕን ብቀጥታ ዝወርዶ ህዝቢ ስለዝኾነ ክንድር ክቑጣዕ፡ በዚ ተላዒሉ ድማ ካብዚ ንክናገፍ ንለውጢ ክቃለስ ባህርያዊ ስለዝኾነ።

ምሕደራ ምልካዊ ስርዓት ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ስለዘሎ። እዚ ደምሲሱ ድማ ባዕሉ እቲ ህዝቢ ዝርክቦ ስለዝኾነ።

ናይቲ ስርዓት ፡ መድባቱን ተንኮላቱን ንክፈልጥ ዝሓሸ ዕድል ኣለዎ።

እንተላይ ሰራዊትን ሓይሊ ፖሊስን ወሲኹ ዝበዝሐ ህዝቢ ኣብ ውሽጢ ስለዝርከብ፡ ሰራዊትን ፖሊስን ኣብ ጎኒ ህዝቦም ጠጠው ክብሉ ዕድል ስለዝህሉ።

ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ደላይ ለውጢ ዝግባእ ግደኡ ከይጻወት ዓበይቲ ብድሆታት ኣለዎ።  እቲ ጨካን ስርዓት ንምውዳብን ንናጻ ምንቅስቓስን ዘፍቅድ ኣይኮነን። ብራዕድን ሽበራን ዝመርሕ፡ ቀንዲ ሓይሉ ድማ ኣብ ጸጥታን ስለላን ስለ ዝኾነ ንምንቅስቓስ ደለይቲ ፍትሒ ዘጻብብ ኢዩ። ናይ መራኸቢ ብዙሓን መሳለጥያታት፡ ኢንተርነታት ህዝቢ ከም ድላዩ ከይራኸበለን ኣዚየን ድሩታት ኢየን። ብቁጠባዊ ሕጽረታት ዝቦኩር ስራሓት ብዙሕ ከምዝኸውን’ውን ንምግማት  ዘሸግር ኣይኮነን።

እምበኣር ኤርትራዊ ዲያስፖራ ኣብ ቃልሲ ለውጢ ተርኡ ንክጻወት ዘለዎ ዕድላት ካብቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ዝሰፍሐ ምዃኑን ኣድማዒ ግደ ክጻወት ከምዝኽእልን ኣቐሚጠ ኣሎኹ።

ካልእ ንጹር መረዳእታ ክግበረሉ ዘለዎ ሕቶ፡ ምስዓር ዉልቀ-መላኺ ስርዓት ክበሃል ከሎ እንታይ ማለትና ኢዩ። ንኢስያስ ኣብ ዓዲ ሃሎ ከቢብካ ምሓዝ? ምቕታል? ድምጺ ሓፋሽ ኣብ ቁጽጽር ኣእቲኻ፡ ብኣኣ ድምጺ ህዝቢ ምቕላሕ? ንሰራዊት ኣብ ትሕቲ ትእዛዝካ ምእታው? ወዘተ..... ብርግጽ እዚ ኩሉ መግለጺ ናይቲ ስርዓትን ስዕረት፡ ናይ ህዝቢ ዓወት ኢዩ። እዚ ክኸውን ከሎ ድማ ዝያዳ ኣተኣማማኒ ኢዩ።

ኣብ ውግእ ወይ ኣብ ቃልሲ ሓደ ተዓዊቱ ንክበሃል፡ ናይ ግድን ኣይኮነን ሰራዊት ጸላኢኡ ቀቲሉ ክጭርስ ወይ ነቲ መራሒ ጀነራል ክቕትል። ኣብ ካልእ ከይከድና፡ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝተዓወተ ሰራዊት ኢትዮጵያ ስለዝተጨረሰ ወይ መንግስቱ ሃይለማርያም ስለዝተማረኸ ኣይነበረን። እታ ሓንቲ ምኽኒያት፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ክዋጋኣሉ ዘይክእል ኩነታት ስለዝኣተወን፡ መንግስቱ ሃይለማርያም ድማ ከም መራሒ ሃገር ኣብ ክመርሓሉ ዘይክእል ኩነታት ስለዝኣተወን ኢዩ ዓወት ተረጋጊጹ።

ከም ደለይቲ ፍትሒ፡ ንውልቀ-ምልካዊ ስርዓት ክንስዕሮ ኢና ማለት ኢስያስ ኣፈወርቅን ተለኣኽቱን ንኤርትራ ክመርሕዋ ኣብ ዘይክእልሉ ደረጃ ኣእቲና ኩነታት ምቁጽጻር ኢዩ። ሕጂ ውን ኢስያስ ኩነታት ሃገር ካብ ምቁጽጻር ወጻኢ እናኾነቶ ትኸይድ ከምዘላ እንዕዘቦ ዘሎና ኢዩ። ኤርትራ ናብ ተርታ ውዱቓት ሃገራት (failed states) ክትጽጋዕ ከላ ሃገር ይመርሕ ኣሎ ከብል ዝኽእል ኣይኮነን። እቲ መረዳእታ ንኢስያስ ምውዳቕ ማለት ሃገር ክመርሕ ኣብ ዘይክእለሉ ኩነታት ምብጽሑ ማለት ካብ ኮነ፡ ኣብ ዲያስፖራ ዘሎ ሓይሊ ነዚ ክገብሮ ይኽእል ኢዩ።

ደለይቲ ፍትሒ፡ ዉልቀ-መላኺ ኣሰያስ ኣብ ኣዚዩ ዝግደሰሉ ቦታ ይነብሩ ከምዘለዉ ከስተውዕሉ ይግባእ። ስርዓት ኢሰያስ ብሰደድ ኣቑሑት (ኤክስፖርት) ጌሩ ዘእትዎ ወጻኢ ሸርፊ ውሑድ ኢዩ። ካብ ኤርትራውያን ኣብ ዲያስፖራ ብዝተፈላለየ ምኽኒያት ክእክቦ ዝጸንሐ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ሕጂ ድኣ ምስ ተቐባልነቱ እናጎደለ መጺኡምበር ቀሊል ኣይነበረን። ሓደ ሲሶ ናይ ጠቕላላ ዘቤታዊ ፍርያት (GDP) ናይ ዓመት ኣብ ኤርትራ ካብ ኣብ ውጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን ናብ ቤተ-ሰቦም ዝስደድ ገንዘብ ኢዩ። ብዘይዚ ንስድራቤታት ዝለኣኽ ሓገዛት፡ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ኣማሓድራ ኢሰያስ እንታይ ምመሰለት ንምግማቱ ኣጸጋሚ ኣይከውንን።

ኢሰያስ ካብ መንግስታት፡ ኣህጉራውን ዞባውን ትካላትን ማሕበራትን ብዝረኽቦ ሓገዛት ገይሩ ኢዩ፡ ዕድመ ጨቋኒ ስርዓቱ ዘናውሕ ዘሎ። ንኹሉ መናውሕ ዕድመኡ ዝኾነ ሓገዛት ክቑረጽ፡ ኣበየ ሃገሩ ዝነብር ደላይ ፍትሒ ክዓዪ ይግባእ። ኤምባሲታቱን ናይ ስለያ ትካላቱን ኣብ ዘይሰርሕሉ ኩነታት እንተበጺሖም፡ ኢሰያስ ኣብ ዲያስፖራ ተሳዒሩ ማለት ኢዩ። ከይዱ ከይዱ ድማ ሙሉእ ስዕረት ምልካዊ ስርዓት ምርግጋጹ ዘይተርፍ ኢዩ።

ብናይ ይኣክል ምንቅስቃስ ተጠራኒፉ ዝጉዓዝ ዘሎ ባይቶታት ንምንቅስቓሳትን መደባትን ዉልቀ-ምልካዊ ስርዓት ኣብ ዲያስፖራ ንምስዓር ትልምታት ኣውጺኡ ክንከጥፍ ኣለዎ። ካብ ክሕዞ ዝግብኦ ትልምታት ድማ፡

ብቐዳምነት ድምጺ ይኣክል ንምስፋሕ፡ ጠጠው ዘይብል ብዝተፈላለየ መንገድታት ጎስጋሳት ምክያድ። ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ድምጺ ከም ዝኸውን ምግባር።

ካልኣይ፡ ኣብ ሃሃገሩ፡ ስርዓት ኢስያስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽሞ ዘሎ በደላት ናብ ኩሉ ከምዝበጽሕ ምግባርን ምንቅስቓሳቱን መደባቱን ከምዝፈሽል ምግባር።

ሳልሳይ፡ ኣብ ቅድሚ ጽልዋ ኣለዎም ዝበሃሉ መንግስታትን ኣህጉራዊ ትካላትን ወጺእካ ኣውያት ህዝብኻ ምስማዕ

እዚ ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ብፖለቲካዊ ውድባት፡ ጽላላትን ምንቅስቓሳትን ተጀሚሩ ዘሎ ብሓባር ኮይንካ ምድማጽ፡ ንተደላይነት ሓቢርካ ምስራሕ ኣጕሊሑ ዘርኢ ኢዩ። ካብ ዘለዎ ንላዕሊ ክብ ኢሉ፡ ዕድመ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኣብ ምሕጻር ግደኡ ክጻወት ድማ ተስፋ ይግበረሉ።

Last modified on Friday, 20 December 2019 10:39