ናበይ ኢና ንኸይድ ዘለና

2019-12-15 15:03:03 Written by  ተስፋይ ካሕሳይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1484 times

ታሪኽና ምልስ ኢልና ንድሕሪት ምስ እንጥምት ሰንሰለታዊ ባዕዳዊ መግዛእትን ንዕኡ ንምግጣም በብመድረኹ ዝተኻየደ ተጋድሎ ኢዩ ዝነግረና። ሰውራ ኤርትራ እውን ሓደ ካብ'ቲ ብጥርኑፍ  እንቢ ፥ ይኣክል ንመግዛእቲ ኢሉ ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ድማ መንእሰይ ኤርትራ ንሜዳ ወጺኡ ድሕሪ መሪር ቓልሲ ነታ ዝበሃጋ ሃገር ክውንቲ ክገብራ ኣኸኣለ።

  ገድሊ ኤርትራ ከም'ዚ ሎሚ ህዝቢ ብደቁ እናተረግጸ  ትም እናተበደለ ትም ፡ መንእሰይ ንስደት ዝጽርገፈሉ ከይኮነ ነቲ ዝፈከረ መግዛእታዊ መስፍናዊት ኢትዮጵያ ሕሪ-ሕራይ ኣቢሉ ልዕላውነት ሃገር ክፈጥር ክኢሉ።

 ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጥሚታት ዝለዓል ነጥብታት ወይ ዘረባታት ብፍላይ በቶም ነቲ ስርዓት ዝደናገጹ ዜጋታት ንሕና ደለይቲ ለውጢ ከም ውልቓዊ ጽልኢ ኣብ ልዕሊ ኢሰያስን ህዝባዊ ግንባርን ዘለና ብእኡ መሰረት ካብ ጽልኢ ዝብገስ እንበር ዕላማ ዘለና ኮይሱ ኣይስምዖምን። ነዚ ንምብራህ እንበኣር ንሕና ኣንጻር ዝኾነ ሰብ ይኹን ውድብ ኣይኮናን እንታይ ደኣ ንፍትሒ ምንጋስ ጥራሕ ምባል ኣብ ቦታኡ እዩ። ክዝከር ዘለዎ እዚ ሒዝናዮ ዘለና ኣብ ሓደ ግዜ ድሕሪ ነጻነት፡ ድሕሪ ባድመ ውግእ፡ ምስ ምእሳር ጉጅለ -15 ዝተላዕለ ኣይኮነን። እዚ መቐጸልታ ናይ'ቲ ሰውራ ኤርትራ ዘበገሶ " ኤርትር  ነጻ ምግባር ካብ መግዛእቲ ፡ኣብ'ታ ነጻ ዝኾነት ሃገር ድማ ዜጋታታ ሓራ ክኾኑ " ኢዩ ዝነበረን ዘሎን።

  እሞ እታ ናይ ጽባሕ ኤርትራ ህግደፍ ዘይብላ እንታይ ትመስል ኢልና እንተሓሊምና ቕዋማዊ ምሕደራ ፡ ዲሞክራስን ፍትሕን ዝነግሰላ፡ ህዝባዊ ምርጫ ዝካየደሉ ብድሌቱ ህዝቢ ነቲ ኣብዝሓ -ሰልፍታት ኣምር ተጠቒሙ  / ተኸቲሉ ሰልፍታት ተወዳዲረን ሃገር ዘመሓድራ፡ ዝተሳዕረት ሰልፊ ስዕረታ ተቐቢላ ኣብ ውሽጣ ጉድለታታ ገምጊማ መሪሕነታን ፖለቲካዊ መልእኽታን ኣመሓይሻ ክትቐርብ ዝሕግዝ ወዘተ. ዝኣመሰሉ ገለ ምጥቓስ ይከኣል ።

 ኤርትራ ከም'ቲ ታሪኽ ዝምህረና ጥልያን ንመግዛእቱ ኢሉ ዝመስረታ ካብ ኮነ፡ንሕና ድማ ነታ ኤርትራ ክውንቲ ዝገበርናያ ፡ ኤርትራ ሓንቲ እያ። እዚ ማለት ዝተፈላየ ግዝኣታት ተሰማሚዐን ሓንቲ ኤርትራ ንፍጠር ኢለን ኣብ ታሪኽ ሰሚዕና ስለዘይንፈልጥ ፈደራላዊ ምሕደራ እዩ ንኤርትራ ዝብል ባይታ ዘለዎ ኣይመስለንን።

 ኣብ'ዚ ከም ኣብነት ኣብ'ዚ ሰሜን ኣመሪካ እንተ ርኢና ዝተፈላለያ ግዝኣታት ዝነበራ ኣብ ሓንቲ ሃገር ካናዳ ብመጀመርታ ኣርባዕተ ብፈደራላዊ ስምምዓት ክኣትዋ ኸለዋ እተን ዝተረፋ በብግዜኡ ዝተጸንበራ፣ ብኸምኡ ተመሳሳሊ መንገዲ እውን እዛ ሎሚ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኢለን ዝመስረታ ካብ 13 ክሳብ ሕጂ 50 ስተይትስ ( ግዝእታት) በጺሐን እየን። ኣብ'ዚ ክጥቐስ ዘለዎ ኣብዘን ክልተ ሃገራት ካናዳን ኣመሪካን እቲ ቕዋም ንጹር ቕዋማዊ ስልጣናት ናይተን ኣውራጃታት ከምዘሎ ኢና እንዕዘብ። ከም ኣብነት ክጥቐስ ዝከኣል ቐጥታ ግብሪ ፣ትምህርቲ፣ ሆስፒታል፣ ጽርግያታት፣ ቤት ማእሰርቲ፣ ፍርዲ፣ህዝባዊ ኣገልግሎት ወዘተ ሓልፍነት ኣውራጃ እዮም። ኢቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ድማ ከም ግብሪ፣ ባንክ፣ ንግድ፣ ምክልኻል ሓይሊ፣ ወጻኢ ጉዳይ፣ ባጤራ ዝኣመሰሉ ስልጣናት ይህልዎ።

 ሓንቲ ኤርትራ ክንብል ከለና ኣሃዳዊ ስርዓት ( Unitary System ) ሃልዩዋ እቲ ብዙሑነታ ከም ናይ ሃይማኖት፥ ባህሊ፣ ቛንቛ ፣ ብሄር ወዘተ ከም ጸጋ ደኣንበር ዕንቅፋት ከምዘይኮነ ብምግንዛብ ኣብ ፍትሕን ዲሞክራስን ዝተመርኮሰ ህዝቢ ኤርትራ በቲ ጆግራፊካዊ ኣቐማምጣኡ ኣብ እተን ንቡራት 8 ኣውራጃታት ምምሕዳራት ተወጋጊኑ ካብ ዓዲ - ኣውራጃ ሃገር ዝብል ጸፍሕታት በቲ ዘይምእኩል ምሕደራ ኩሉ ቕዋማዊ ስልጣን ኣብ'ቲ ማእከላይ መንግስቲ ዝተወሰነ ኮይኑ ምስ ዕብየትን ምምዕባል ናይተን ኣውራጃታት ኣብ ንሰን ብዝያዳ ከድምዓሉ ዝኽእላ ከም ምግፋፍ ዓሳ፥ ሕርሻ ወዘተ ስልጣን ክወስዳ ይኽእላ።

 ኣብ'ዚ እቲ ፈደራልዝም ኣብ ምምቕቓል ቕዋማዊ ስልጣናት ሕማቕ'ዩ ማለት ኣይኮነን። የግዳስ ኣብ ኤርትራ ታሪኽ ስለዘይብሉ እቲ ተደላይነቱ ካብቶም ዘልዕልዎ ነዚ ኣርእስቲ ካብ ፍርሒ፥ ዕብለላ ናይ ሓደ ሸነኽ ብፍላይ ነቲ ትግርኛ ተዛራባይ እንተድኣ ኮይኑ እቲ ፍታሕ ካልእ መንገዲ ክህልዎ ይኽእል።

 እዚ ብፍላይ ኣብ ጎረቤትና ሃገር ዝረኣናዮን እንሪኦ ዘለንና ተመክሮ ናይ ኤትኒካዊ ( ብሄራዊ) ፈደራሊዝም ምሕደራ ከም ዘይሰርሕ ብተግባር ንሪኦ ስለዘለና ሎሚ ዘካትዕ ኣይኮነን ዝብል እዩ፡፡ እዚ ኣብ ውሽጢ ደንበ ተቓውሞ ነዚ ናይ ጎረቤት ተለቒሖም ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ጽዑቕ ክትዓት ኣብ ውሽጢ ደንበ ተቛውሞ ከም ዝተኻየደ ብፍላይ ኣብ ፓልቶክ ሶሽያል መድያ መብዛሕትና እንዝክሮ እዩ።

 እዚ ኣርእስቲ ናይ ኤትኒክ ፈደራልዝም ነቲ መሰረታዊ ናይ ሓደ ዜጋ መሰል ዝሕመረቱ ዝሰሓተ ስለዝኾነ ነቲ ንሕና ኤርትራውያን ኣብ ፍትሕን ዲሞክራስን እንምርኮሰሉ ዝጻረር ወይ ዘየኽብር፡ ኮይኑ ነቲ ክልል ( ምምሕዳር )ኣብ ክንዲ ብጆግራፊካዊ ሸነኹ ዝረአ  ነቲ ሓደ ህዝቢ ወይ ብሄር ከም ሓደ ኣተኣሓሳስባን ድሌትን ዘለዎ ተራእዩ መሰል ሓደ ውልቐ- ሰብ ከም ቐዳምነት ዘይሰርዕ እዩ።

 ኣብ'ቲ ናይ ኤርትራ ፖለቲካ ምልስ  ኢልና ነቶም የሕዋትና ንሕቶ ርእሰ ውሳኔ ክሳብ ምግንጻል ዝብሉ ነቲ ምምሕዳር ብብሄር ጠሚትና ካርታ ኤርትራ ጥውይውይ ከነብሎ ጽቡቕ ኣይመስለንን፡እታ ኤርትራ እውን እትቑረጽን እትሽርፈፍን ኣይኮነትን።  ንምንታይ እንተ ኢልና፡  ኤርትራ ንኹላትና ትኣኽለና እያ።ኣብ ኤርትራ ሓደ ዜጋ መሰል ዝህልዎ ካብ መን ስድራ- ቤት ይውለድ ብዘየገድስ፡ እንታይ ቛንቛ ይዛረብ፡ እምነት ዝመረጾ ም  ኩላትና ሓደ ኢና ኢልና ክንኣምን ይግብኣና። ስዒቡ ኩሉ ዜጋ ብዘይኣፈላላይ ዝኣክል ትምህርትን ሕክምናን እንተረኺቡ ብቑዕ ዜጋ ምዃኑ ስለዘይተርፍ ኣብ ጉዳይ ሃገሩ ተሳቲፉ ኣብ ምምራሕ ዝበጽሕ መን ብዘየገድስ ድሉዋት ክንከውን የድሊ። እዚ ማለት ኣብ ሓንቲ ብቕዋም እትመሓደር ሃገር ዲሞክራስያዊ መሰላት ከም መትከል እንድሕሪ ተቐቢልናዮ፡ ነቲ መሰላትና ዝግህስ መንግስቲ  ኣየውርድ ዝብል እንተ ረኺብና ድማ ፍትሓውነት እንረኽበሉ ኣብ ቤት ፍርዲ  ክንማጎት ንኽእል።

  ንምጥቕላል መንገድና እዚ ካብ ኮነ፡ ክፉት ክትዓት ብምክብባር ልፉት ክትዓት ክያድ ከድልየና እዩ።  ግን ነዞም ጉዳያት ሕጂን ምስ ምምስራት መሰጋገሪ መድረኻት ክንፍትሾም ዘለና እዩ እሞ፡  ጥራሕ ይኣክል ይኣክል ምባል ተሪፉ ኣብ ሓደ ዝተጠርነፈ ሓሳባት እንተበጻሕና ኣገዳስነት ኣለዎ ንምባል እዩ። እቶም ፍሉጣት ፈንጣሕትን ዘረግትን ነቲ መባእታዊ  ሃ ሁ ፖለቲካ ስሒቶም ኣብ ንምፍራስን ንምንሻውን ሰልፍታትን ዝውዕሉ ብዙሕ ኣቕልቦ ከይሃብናሎም ናብ ሓሳባት እንበር ናብ ሰባት ኣይንርአ እናበልኩ ጉዳይና ብባዕልና።

Last modified on Sunday, 15 December 2019 16:05