ኣሜሪካ: ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሴ ንምዝርራብ ንሚ/ጉ/ወ ግብጺ: ሱዳንን ኢትዮጵያን ምዕዳማ ተፈሊጡ

2019-10-25 20:59:40 Written by  ቪኦኤ ዜና ገብረ ገብረመድህን Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2033 times

ጥቅምቲ 25, 2019


ግድብ ህዳሴ

ምምሕዳር ትራምፕ ብዛዕባ ግድብ ዓብዪ ህዳሴ ንምዝርራብ ንሚንስትራት ጉዳያት ግብፂ፣ ኢትዮጵያን ሱዳንን ናብ ዋሽንግተን ከምዝዓደሞም ተፈሊጡ። ግብፂ ነቲ ዕድመ ተቐቢላቶ’ላ።

እቲ ብናይ ኣሜሪካ ሚንስትር ገንዘብ ስቲቨን ምኑቺን 21 ጥቅምቲ 2019 ዝተጻሓፈን ኣብ ኢድ ድምጺ ኣሜሪካ ዝኣተወን ደብዳቤ ንሰለስቲአን ሃገራትን ፕረዚደንት ባንኪ ዓለም ዴቪድ ማልፓስን ዝተፅሓፈ እዩ።

ብ5 ቢሊዮን ዶላር ይህነፅ ዘሎ ግድብ ዓብዪ ህዳሴ 70 ሚእታዊት ተዛዚሙ’ሎ።100 ሚሊዮን ህዝቢ ንዘለዋ ኢትዮጵያ ኣዚዩ ዘድልያ ሓይሊ ኤለክትሪክ ከማልአላ ትደሊ።

ካይሮ እቲ ግድብ ብቕልጡፍ እንተመሊኡ ካብ ናይል እትረኽቦ ማይ ክቕንስ ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ኣለዋ።

ናይ ግብፂ ፕረዚደንት ዓብደል ፋታሕ አልሲሲ ኣብ ስምምዕ ከይተበፅሐ እቲ ግድብ ከምዘይምላእ ካብ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ መረጋገፂ ይደልዩ።

ንልዝብ ክልቲኦም ሃገራት ድማ ናይ ወጻኢ መንጎኛ ንነዊሕ እዋን ክትሓትት ዝፀንሐት ግብፂ 6 ሕዳር 2019 ኣብ ዝካየድ ልዝብ ክትሳተፍ ንዝቐረበላ ዕድመ ተቐቢላ’ላ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ኒው ዮርክ ኣብ ዝተኻየደ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ብሰንኪ ዓብዪ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ዝተፈጥረ ግጭት ክሽምግሉ ናይ ግብፂ ፕረዚደንት ንፕረ. ትራሞፕ ከምዝሓተቱዎም ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ምምሕዳር ትራምፕ ኣረጋጊፁ’ሎ።

ካይሮ ነቲ ኩነታት ከም ጉዳይ ሃገራዊ ድሕነት ገይራ ጌራ ትርእዮ። ናይ ግብፂ ደገፍቲ መንግስቲ ሚዲያታት ወታደራዊ ስጉምቲ ክውሰድ ክፅውዑ ፀኒሖም እዮም።

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣብ ቀረባ ንፓርላማ ሃገሮም ኣብዝሃብዎ ርእይቶ ምስ ግብፂ ዘሎ ደውታ ክፍታሕ ዝኽእል ብልዝብ ጥራሕ ምዃኑን ናብ ኲናት ዘእትው እንተኾይኑ ግን ሃገሮም ሚሊዮናት ክተሰልፍ ትኽእል እያ ክብሉ ኣጠንቂቖም።

ምምሕዳር ትራምፕ ክሽምግሉ ንምኑቺን ምሻሞም ቅድም ኢሉ ሒዙዎ ዝነበረ ብቐጥታ ናይ ዘይምእታው ዝብል ፖሊሲኦም ዝቕይር እዩ።

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ምስ አልሲሲ ድሕሪ ምርኻቦም ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ ናይ ወፃኢ ኣካላት ዝዋስእሉ ፖለቲካዊ ሽምግላ ከምዝቕበሉ ገሊፆም ኣለው። ኢትዮጵያ ቅድሚ ሎሚ እቲ ልዝብ ኣብ ሰለስቲአን ሃገራት ክድረት ኣለዎ ዝብል ዝነበራ መርገፂ ዝለወጠት ትመስል። ግብፂ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ባንኪ ዓለም ኣብቲ ሽምግልና ክኣትው ንዘቕበቶ ፃውዒት ኢትዮጵያ ነፂጋቶ ነይራ።

Source=https://tigrigna.voanews.com/a/ኣሜሪካ-ኣብ-ጉዳይ-ግድብ-ህዳሴ-ንምዝርራብ-ንሚ-ጉ-ወ-ግብጺ-ሱዳንን-ኢትዮጵያን-ምዕዳማ-ተፈሊጡ/5139852.html

Last modified on Friday, 25 October 2019 23:05