መግለፂ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት

2019-10-18 19:02:05 Written by  ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1690 times

ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ካብ መስከረም 26 ክሳብ ጥቅምቲ 2 ንተኸታታሊ 7 መዓልቲ ኣብ ዘካየዶ ስሩዕ ኣኼባ ኣብ 2011 ዓ.ም ዝተታሓዙ መደባት ልምዓት፣ ሰናይ ምምሕዳር፣ ውድባውን ፖለቲካውን ስራሕትን ኢሉ እውን ኣብዚ ሓድሽ ፖለቲካዊ መድረኽ ህልውናን ድሕንነተን ህዝቢ ትግራይ ንምውሓስ ዝተኻየደ ኩለ መደያዊ መኸተን ቃልስን ነዚ መሰረት ገይሩ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ብዝርዝር ገምጊሙ ኣሎ። ከምኡ እውን ኣብዚ ፉሉይ ናይ ቃልሲ ምዕራፍ ዝተራኣዩ ጥንካረታትን ጉድለታትን ብልክዑ ገምጊሙ ካብዚ ክወስድ ዝኽእል ትምህርቲ ብምፍላይ ኣብዚ ዓመት ክስርሑ ዝግበኦም ልምዓታውን ፖለቲካውን መደባት እውን ኣፅዲቑ ኣሎ። ካብዚ ብተወሳኺ ሕዚ ዘሎ ጭቡጥ ሃገራዊ ኩነታትን ምዕባለታቱን ብምግምጋም ኣብ ቀፃሊ ንዝህሉ ቃልሲ መሰረት ዝገበረ ናይ መኸተን ድሕንነትን ኣንፈታትን መደባትን ብዝርዝር ተማይጡ ኣብዚ ዓመት ክህሉ ዝኽእል ኩለ መደያዊ ቃልስን ርብርብን ናብ ልዑል ብርኪ ንምስግጋር ዘኽእል ውሳነታት ብምሕላፍ ኣኼብኡ ዛዚሙ ኣሎ።

ኣብ ሕሉፍ ዓመት ዝሓዝናዮም መደባት ልምዓት፣ ሰናይ ምምሕዳርን ሰላምን ብቀፃልነት ንምስፋሕን ንምጉልባትን ዘኽእል ኩለመደያዊ ርብርብ እናተኻየደ ፀኒሑ ኣሎ። ካብቲ ዝጀመርናዮ ፀረ ድኽነት ቃልሲ ንፃት እውን ከይተዘናጋዕና ኣብ ቀንዲ ውራይና ክንረባረብ ዘኽእል ኣንፈት ሒዝና ኣብ ሰፊሕ ርብርብ ፀኒሕና ኣለና። ብናይ ህዝብና ዝተወደበ ቃልስን ምንቅስቓስን ካብታ ቅንዕቲ መንገድና ከይወፃና ኣብ ናይ ልምዓት ተግባራትና ፀኒሕና ኣለና። ኩሉ ቅኒት ምውፋርናን ርብርብናን ብመንፅር ድሕንነትን ሃላዋትን ህዝብና ሰሪዕና፣ መእሰሪ ኩሉ ነገር ልምዓትን ተጠቃምነት ህዝብና ምርግጋፅን እዩ ኢልና ደድሕሪ እቶም ኩሉ ገዲፎም ኣጫሂዮም ናብ ጥፍኣት ዝኣተው እሞ ድማ ናዓና እውን ጎቲቶም ካብ መንገድና ከውፅኡ ዝፅዕሩ ከይተደናገርና ኣብ ስራሕና ፀኒሕና ኣለና። ኣብ ትግራይ ልምዓታውን ዴሞክራስያውን መስመርና ዓትዒትና ሒዝና ተጠቃምነት ህዝብና ንምርግጋፅ ብፍላይ ካዓ ተጠቃምነት መናእሰይን ደቂ ኣንስትዮን ንምስፋሕ ዝሕግዙ ተግባራት ክፍፅሙ ገይርና ኢና።

ህዝብና በቢእዋኑ ዘልዕሎም ናይ ሰናይ ምምሕዳር ፀገማት ንምፍታሕ ፃዕሪ ይግበር ኣሎ። ኣብ ሰናይ ምምሕዳር መሰረታዊ ለውጢ ንምምፃእን በዚ መዳይ ዝፀንሐ ሽግር ፈቲሕና ናይ ህዝብና ጠለባት ንምምላስ መሓውር ጣብያ ንምትዕርራይ ዝተጀመረ ናይ ሪፎርም ስራሕቲ ተስፋ ብዝህብ ደረጃ ናብ ተግባር ኣትዩ ኣሎ። ስዒቡ እውን ሰፊሕን ዓሚቕን መፅናዕቲ እናተገበረ ፀኒሑ ኣብዚ ዓመት ናብ ሙሉእ ተግባር ዝሰግር ናይ ወረዳ ሪፎርም ንልምዓትን ንናይ ህዝብና ስሉጥ ኣገልግሎት ብዝጥዕም ንምትዕርራይ ልዑል ትኹረት ረኺቡ ክፍፀም ምንቅስቓስ እናተገበረ ፀኒሑ እዩ። እዚ ኣብ ቀፃሊ ንዝህልወና ስራሕቲ ሓደ ዓብይ መበገሲን ርኡይ ለውጢ ንምምፃአ ክሕግዝን እዩ።

እንተኾነ ግን ኣብ ናይ ልምዓት ስራሕትና በቲ ዝድለ መጠንን ስፍሓትን ትፅቢት ዝግበረሉ ውፅኢት ዘየመዝገብናሉ መደያት ኣሎ እዩ። ብዓብይኡ ድማ ኣብ ሰናይ ምምሕዳር ሕዚ እውን ፀገማትና ሰፋሕቲ ምዃኖም ርኢና ኢና። ብምኽንያት ተዋሂሊሎም ዝፀንሑ ፀገማትን ናይ ምፍፃም ዓቕምና ምጉዳልን ዘይፈታሕናዮም ናይ ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን ሽግራት ከምዘለው ተገንዚብና ኢና። ብፍላይ ኣብ ተጠቃምነት መናእሰይን ደቂ ኣንሰትዮን ሕዚ እውን ሰፊሕ ሽግር ከምዘሎ፣ ኣብ ገጠር ይኹን ኣብ ከተማ ዝረአ ዘሎ ናይ መሬት ምሕደራ ሽግር፣ ኣብ ኣገልግሎት ኣዋሃህባ ዝኒሀ ፀገምን ምንግልታዕን፣ ንልምዓት ምችው ኩነታት ኣብ ምፍጣር ዝራኣዩ ምድንጓያትን ምትዕንቅቓፍን ካልኦት ተዛመድቲ ሽግራትን ማእኸላይ ኮሚቴ ብዝርዝር ዝራኣዮም ጉዳያት እዮም። ብምዃኑ እውን ኣብዚ ዓመት እዞም ፀገማት ብግዜ የለን መንፈስ ክፍትሑ ልዑል ፃዕርን ርብርብን ከምዘድሊ ተቐሚጡ እዩ። ስራሕቲ ልምዓት ንዘላቒ ሃለዋትናን ድሕንነትና ኢልና ክንወፍርን ክንምርሽ ይግባእ። ካብቲ ዝህሉ ናይ ልምዓት ምንቅስቓስ ተጠቃምነት መናእሰይን ደቂ ኣንስትዮን ንምርግጋፅ ርብርብ ክግበር እዩ ጥራሕ እንተይኮነ ማእኸል ናይቲ ምንቅስቓስ እውን እዚ ክኸውን እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ከባቢታት ብዘለወን ፀጋ ኣብ ግምት ዘእተወ ናይ ልምዓት ኣወዳድባን ምውፋርን ክግበርን ኣብዚ ዝምስረት ገጠር ይኹን ከተማ ናብ ሓድሽ ምንቅስቓስ ልምዓት ዘእቱ ኣንፈታት እውን ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ኣነፂሩ ኣሎ። ዝጀመርናዮ ናይ ጣብያን ወረዳን ሪፎርም ስራሕቲ ተጠናኺሩ ናብ ተግባር ክኣቱን በዚ ኣቢሉ ኣብ ሰናይ ምምሕዳር መሰረታዊ ለውጢ ንምምፃእ ምንቅስቓስ ክግበር ማእኸላይ ኮሚቴ ኣንፈታት ኣነፂሩ እዩ።

ዝኸበርካ ህዝቢ ትግራይ

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብሓደ ገፅ ፀረ-ድኽነት ቃልሲ በቲ ካሊእ ገፅ ድማ መኸተ ኣንፃር ሓይልታት ትምክሕቲ እናካየድና ፀኒሕና ኣለና። ህዝቢ ትግራይን ህወሓትን ንምስኳን ካብ ኩሉ ሸነኽ ክጋጥመና ዝፀንሐ ፈተና ቀሊል ኣይነበረን። ምሕላፍ ዝኸልአና ከምድላይና ከይንኸውን ኩርኳሕ ዝኾነና ዘሎ ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን እዩ ኢሎም ማእለያ ዘይብሉ ሽርሕን በደልን ክፍፅሙ ዘይፈተንዎ ፀረ ህዝቢ ተግባር ኣይነበረን። ይኹን እምበር ዕላማኦምን ባህጐምን እዚ ምዃኑ ስለዝተረደአና ኣብ ቅኑዕ መንገድን ፍትሓዊ ቃልስን ተመስሪትና ዘካየድናዮ መኸተ ንሕልምን ባህግን ፀላእትና በዲህና ንቅድሚት ንስጉም ኣለና። ሳላ ናይ ህዝብና ፅኑዕ ሓድነትን ስምረትን፣ ሳላ ብሱል ንቐሓትን ምኽንያታዊ ቃልስን፣ ሳላ ዘይነፅፍ ሓቦን ፅንዓትን፣ ሳላ ዓቕልን ትዕግስትን ህዝብናን ውድብናን ሃለዋትን ድሕንነትን ዘረጋግፅ ዕውት መኸተ እናካየድና ፀኒሕና ኣለና። ህዝቢ ትግራይ ካብ ናሃትካ ፃዕርን ትዕግስትን ወፃኢ ከምዚ ኣይምኾነን። ኣብ መዋእል ታሪኽካ ካብ ቃልስካን ፃዕርኻን ወፃኢ ፈቒዱ ዝህበካ መሰልን ረብሓን ኣይነበረን ሎሚ እውን ኣይህሉን። ኩሉ ግዜ ንፍትሒ ንማዕርነት ደው ምስበለካ፣ መስመርካን ዕላማኻን ሒዝካ ብፅንዓት እናተቓለስካ ኣብ ኩሉ ምዕራፋት ቃልሲ ዘጋጥመካ መሓልኻን ዕንቅፋትን እናጋላሕኻ ትቕፅል ኣለካ። ንቅድሚት እውን ብሕታዊ መንገዲኻ እዙይን እዙይን ጥራሕ እዩ። ኣብዚ ህልኽካ ዘወድእ ምዕራፍ ቃልሲ ንዘካየደካዮ ፅኑዕ መኸተ ህዝቢ ትግራይ ብሓፈሻ መናእሰይ ትግራይ፣ ሰብ ሃፍቲ ትግራይ፣ ምሁራት ትግራይ፣ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ድማ ብፍላይ ንዝፍፀምኩምዎ ዘሕብን ተግባር ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ዝተሰመዖ ክብርን ሓበንን በዚ ኣጋጣሚ ክገልፀልኩም የፈቱ።

ህዝብና ንድሕንነትካን ሃላዋትካን ኢልካ ትገብሮ ቃልሲ ሕዚ እውን ከም ቀደምካ እኳ ዳኣስ ካብ ሕሉፍ ብዝበለፀ ኣጠናኺርካ ክትቅፅል ይግባእ። ኩነታት እናኸበደን እናኸፍአን እዩ ዝኸይድ ዘሎ። ክገጥምና ዝኽእል ፈተና፣ ነዚ ፈተና ንምስጋር ዝሓተና ፅዕርን ቃልስን ኣዕርዩ ክዛይድ እዩ። ንቅድሚት ምኻድ እንተኣብዮም፣ ብናይ ባዕሎም ሕመቕን ፀረ ህዝቢ ተግባርን ፈተና እንተበዝሖም ናብ ካሊእ ወገን እናለጠፉ ምድንጋርን ዕድመኦም ንምንዋሕን ይፅዕሩ ኣለዉ። ሓድነትካን ፅንዓትካን ንምዝራግ ኣብ ውሽጥና ዝራኣዩ ፀገማት ከምዕድል ተጠቒሞም ክረባረቡ እውን ይፍትኑ ኣለዉ። ዝረአ ዘሎ ከባቢያውነት፣ ብሽም ሃይማኖት ካብ ውሽጥን ካብ ደገን ክፍጠር ዝድለ ዘሎ ነቓዕ ናይ ምፍጣር ተግባር፣ እዚ ኩሉ ክፍፅም ተዓሲቡ ዝለኣኽ ባንዳ ቀሊል ግምት ዝዋሃቦ ኣይኮነን። እዚ ከምዝኸውን ተገንዚብካ ከምታ ናይ ቀደምካ ሓድነትካ ኣስጢምካ፣ ኣብ ሓደ ሰሚርካ ንዝለዓለ ቃልሲ ተዳሎ። ውሕስናኻን መንገዲ ዓወትካን ሓፂናዊ ስጡም ሓድነትካ፣ መስመርካን ፅንዓትካን እዩ። መናእሰይ ትግራይ፣ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ፣ ሰብ ሃፍቲ ትግራይ፣ ምሁራት ትግራይ ከምቲ ዝሓለፈ ኣብ ሓደ ሰሚርኩም ንዝህሉ ቃልሲ ብዝለዓለ ደረጃ ክትዳለው ይግባእ። መላእ ኣባላትን ኣመራርሓን ውድብና እውን ነዚ ልዑል ፅንዓትን ተወፋይነትን ዝሓትት ምዕራፍ ቃልሲ ህዝብና ሒዝና ናብ ዘላቒ ዓወት ንምምራሽ መሪሕ ተራኹም ክትፍፅሙ ይግባእ። ካብዚ ሓሊፉ ንምርግጋፅ ሃለዋትን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝግበር ቃልሲ ናይዚ ቃልሲ ዝፀንሐ ኩሉ ዓቕምታት ንምንቅስቓስ ክስራሕ እዩ። ኣብ ትግራይ ምስ ዘለው ውድባትን ሲቪክ ማሕበራትን እውን ብሓባር ንምስራሕ ህወሓት ዝተፈለየ ትኹረት ሂቡ ከምዝሰርሕ ከረጋግፅ ይደሊ።

ዝኸበርካ ህዝቢ ትግራይ

ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ብስፍሓት ካብ ዝራኣዮም መሰረታዊ ጉዳያት ኣብ ሃገርና ዝረአ ዘሎ ቅልጡፍ ሓደጋን ንቅደሚት ክምዕብል ዝኽእል ኣጠቓላሊ ኩነታት ዝምልከት እዩ። ኣብዚ እዋን ኩነታት ሃገርና ካብ ግዜ ናብ ግዜ ፀገማት እናተበራኸቱ፣ ጥፍኣት ኣብ ልዕሊ ጥፍኣት እናተደረበ ስፍሓትን መጠንን ናይቲ ሓደጋ በቢማዓልቱ እናወሰኸ ናብ ዝኸፍአ ሃገር ናይምብታን ደረጃ ይበፅሕ ኣሎ። እዚ ሓደጋ ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ክኸይድ ካብ ዝገብር ዘሎ ሓደ ምኽንያት ኣብዚ እዋን ዝግበር ዘሎ ውህድ ፓርቲ ናይ ምምስራት ምንቅስቓስ እዩ። ናይ ውህድ ፓርቲ ሕቶ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ኣብ ውሽጢ ኢህወዴግ እናተለዓለ ዝፀንሐን እዚ ንምግባር ክማልኡ ዝግበኦም መሰረታዊ ጉዳያት ክራኣዩን ኣብ መፅናዕቲ ተመስሪትካ ክምልስ ምርድዳእ ዝተገበረሉን ጉዳይ እዩ። ህወሓት እውን እንተኾነ ብመሰረተ ሓሳብ ደረጃ ዝተፈለየ እምነት ኣይነበሮን። እንተኾነ ግን እዚ ክግበር ተኾይኑ ኣብ ኩሎም መሰረታዊ ሕቶታት ናይ መስመር፣ ፕሮግራም፣ ስትራተጂ ሓደ ዝጠምር ኣረኣእያን እምነትን ኣብ ኩሎም ኣሓት ውድባት ክፍጠር እንተኺኢሉ ጥራሕ እዩ ክትግበር ዝኽእል። ሓደ ዝገብር ናይ ሓባር ኣረኣእያን ናይ ተግባር ሓድነትን ኣብ ዘይብሉ እዋን ሓደ ውድብ ከምውድብ መጠን ህልውና ክህልዎ ኣይኽእልን። ቅድሚ ውህደት ዘዋሃህድ እምነትን ኣረኣእያን ክንፈሊ ኣለና። ካብቶም ኢህወዴግን ዓድን ዝብትኑ ዘለው ደባልን ዝተዓደጉን ኣረኣእያታት ዝፈልዩ መስመር፣ ሓፁር ብንፁር ከየቐመጥካን ከየፈለኻን ውህደት ምሕሳብ ኣይካኣልን። ኣብዚ ከምዚ ዝበለ ዝተዘረገ ኣረኣእያ፣ ብሓባር ክሰምሩ ዘይኽእሉ ሓዉን ሓሰርን ዝተሸከመ ኢህወዴግ ይትረፍ ውህድ ፓርቲ ክምስርት ከም ግንባር እኳ ክቕፅል ዘይኽእል ዝተበተነ ውድብ እዩ ዝኒሀ። ከምዚ ዝበለ ዝተበተነ ውድብ ናብ ሓደ ውህድ ፓርቲ ክመፅእ ኢልካ ምሕሳብ ንባዕሉ ነቲ ውድብ ካብ ምብታን ሓሊፉ ዓዲ ዝብትን ተግባር እዩ ክኸውን ዝኽእል።

ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ቀረባ እዋን ካብ እምነትን መተሓዳደሪ ደንቢ እቲ ግንባር ወፃኢ ሓደ ውህድ ፓርቲ ንምምስራት ዝግበር ዘሎ ጉያ እቲ ሽግር ክጋደድ ክቀላጠፍን ዝገብር ፀረ ዴሞክራስያዊ ኣካይዳ ይሰፍሕ ምህላው እዩ። እዚ ጥራሕ እንተይኮነ ክፍጠር ዝድለ ዘሎ ውህደት ናይ ቅርፂ ተይኮነስ ብትሕዝቶ ብዝሓዘ ፕሮግራም ብመሰረቱ ዝተለወጠ ሓድሽ ፓርቲ ንምምስራት እዩ ፃዕሪ ዝግበር ዘሎ። ከምዚ እንትኸውን ህዝብታት ኢትዮዽያ ኢህወዴግ ንዝሓዘ ፕሮግራም መሰረት ገይሮም ዝሃብዎ ዓዲ ናይ ምምራሕ ስልጣን የቋርፅ ኣሎ። ዓዲ ክመርሕ ሓላፍነት ዘይተዋሃቦ ሓድሽ ፓርቲ ክምስረት እዩ ዝግበር ዘሎ። ከምዚ ዝበለ ሓድሽ ፓርቲ ድማ ብሕጊ ምዝገባ ፖለቲካዊ ውድባት ሃገርና ዘይሓለፈ፣ ብናይ ህዝብታት ፍቓድ ኣብ ስልጣን ክፀንሕን ይኹን ስልጣን ክሕዝ ክወዳደር ዘይኽእል ዘይሕጋዊ ውድብ እዩ ክኸውን።

ብምዃኑ እውን ብሽም ውህደት ብፍፁም ፀረ-ዴሞክራስያዊ መንገዲ ሓድሽ ኣሃዳዊ ውድብ ክምስርት ኣይግባእን። ብኩሉ መዐቀንታት ሓደ ፓርቲ ንምዃን ዘኽእል መበገሲን ምኽንያትን ኣይብዘይብሉ ኢህወዴግ ኣፍሪስካ ካሊእ ፓርቲ ንምጥያሽ ምሕሳብ ዓዲ ዝብትን ተግባር እዩ። ሰለዚ ኢህወዴግ ከም ግንባር ተወዲቡ ፀገማቱ ብቓልሲ እናፈተሐ ዓዲ ክመርሕ ይግባእ። ብግዜ ኣንፃር እውን ክፀንሕ ዝግበኦ ጉዳይ እዩ። ኣጋር ውድባት እውን እዚ ብሽም ውህደት ዝግበር ዘሎ ምንቅስቓስ ህልውናኹም ዘጥፍእ ተግባር ምዃኑ ክትግንዘቡ ይግባእ። እንተኾነ ግን ኣጋር ውድባት ኣብ ኢህወዴግ ብሙሉእ ኣባልነት ኣቲኹም ብናይ ሓባር ቃልስን ፃዕርን ዓዲ ዘድሕን ተግባር ክትገብሩ ህወሓት ብፅንዓት ይኣምን። ካብዚ ወፃኢ ህወሓት ኣብ ከምዚ ዝበለ ዓዲ ዝብትን ተግባር ጨብረቕረቕ ክብል ከምዘይደሊ ክፍለጥ ይግባእ። መላእ ብሄር፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮዽያ ነዚ ብሽም ውህደት ኢህወዴግ ንምፍራስ ዝግበር ምንቅስቓስ ሓላፍነት ብዝተመልኦ ጉቡእ ቃልሲ ክትገብሩ ህወሓት ይፅውዕ።

ዝኸበርኩም ብሄር፣ ብሄረ ሰባትን ህዝብታትን ኢትዮዽያ

ሕገ-መንግስትን ሕብረ ብሄራዊ ፌዴራላዊ ስርዓትና ዝሽርሽር ዝጥሕስ ተግባራት በቢማዓልቱ ምርኣይ ዝተለመደ ተግባር ኮይኑ ኣሎ። ኣብዚ እዋን ሓይልታት ትምክሕቲ ብኣረኣእያን ብተግባራዊ ምንቅስቓስን ጉልበት ፈጢሮም ዓዲ ዝሕምስሉ ኵነታት ይረአ ኣሎ። ኣብ ቡዙሕ ከባቢታት ሃገርና ስእነት ሰላም እናተጋፈሓ፣ ሰላም ጠፊኡ መንግስቲ ዘይመርሖን ዘይቆፃፀሮን ከባቢታት እናተፈጠረ ይኸይድ ኣሎ። ንመሰሉን መንነቱን ዝተቓለሰ ህዝቢ ማእለያ ዘይብሉ ግፍዕን በደልን ዝፍፀመሉ፣ ዜጋታት ቀሲኖም ዘይነብሩሉ፣ ብመንነቶም ምኽንያት ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ግፍዒ ዝፈፀመሉ፣ ህይወቶምን ንብረቶምን ውሕስና ዝሰኣንሉ፣ ኣብ ታሪኽ እዛ ሃገር ተራእዩ ብዘይፈልጥ ጎንፅን ምፍንቓልን ዝተባራኸተሉ፣ መንግስቲ ናይ ዜጋታት ሰላምን ድሕንነትን ምኽባር እናተፀገመ ዝመፀሉ፣ ካብዚ ሓሊፉ እውን ላዕለዎት ወታደራውን ናይ ክልል ኣምሓራ መራሕትን ክሳብ ምንቕንፃል ዝኸደ ተግባር ዝፍፀመሉ፣ ካሊእ ተሪፉ ናይዞም ሙሩፃት ጀነራላት ቅትለት እኳ ብኣግባቡ ኣፃርዩ ንህዝቢ ግልፂ ምግባር ዘይተኸኣለሉ፣ ልዕልነት ሕጊ እናተጣሓሰ፣ ናይ ዜጋታት ሞትን ምፍንቓልን ክድሕን ዘይከኣለሉ መንግስትን ስርዓትን ይኸውን ኣሎ ጥራሕ ዘይኮነ እዚ ንምፍትሕን ንምዕጋትን እውን ቀንዲ ስርሑ ዘይገበርን ድልውነት ዘይብሉን ኮይኑ ኣሎ።

መሰረታዊ ሕቶታት ህዝቢ ንጎኒ ተገዲፉ ኣብ ካሊእ ዝዋዓለሉ፣ ኢኮኖሚ እናተዳኸመ ናብ ዓብይ ድቀትን ምንቁልቋልን ይኣቱ ኣሎ። ልምዓት ዝመርሖን ዝድግፎን ስኢኑ፣ ልምዓታዊ ዓቕምታት እናመኸነ፣ ሰራሕ ስእነት እናተጋደደ፣ ምኽባር ናብራ ህዝቢ ሰማይ እናተሰቐለ ይኸይድ ኣሎ። በዚ ምኽንያት እውን ሓደ ፀገም ኣብ ልዕሊኡ ካሊእ ፀገም እናተደረበ ይኸይድ ኣሎ። ዋሕስ ህዝብታት ዝኾነ ፌደራላውን ሕገ-መንግስታዊ ስርዓትና ብምፍራስ ኣሃዳዊ ሰርዓት ንምምላስ ዝሰርሕ ዘሎን ቀንዲ ናይዚ ሓደጋን ጥፍኣትን ዝፈጥርን ዝመርሖን ዘሎ ሓይሊ ትምክሕትን ኣብ ዙሪኡ ዝተኣከበ ፀረ ህዝቢ ሓይልን እዩ።

ኣብ ውሽጦም ዘሎ ሕመቕን ፀረ-ህዝቢ ተግባር ኣብ ክንዲ ምፍታሕን ምፅራይን ናይ ኩሉ ሽግር ሳልሳይ ወገን ኣለዎ ዝበሃል ዝፀንሐ ደርፊ ክደግምዎ ይረኣዩ ኣሎ። ንህዝቢ ኣምሓራ ዘይናሃቱን ዘይምስሉን እናተሓዙ ትምክሕቲ ተባሂልካ እናበሉ በዚ ተጎልቢቦም ኣብ መንጎ ህዝብታት ዝፀንሐ ዝምድናን ሕውነትን ክዘርጉ ይፅዕሩ ኣለው። ህዝቢ ኣምሓራ ንትምክሕቲ ተቓሊሱ ብማዕርነት ዝነብረላ ሓድሽ ዴሞክራስያዊ ኢትዮዽያ ክትመፅእ ዘይተካእ ተራ ዝተፃወተ ህዝቢ እዩ። ህዝቢ ትግራይን ህዝቢ ኣምሓራን ብናይ ሓባር ቃልሶም ትምክሕቲ ስዒሮም እዮም። ንቅድሚት እውን እንተኾነ ነዞም ህዝቢ ንህዝቢ ኣባሊዖም ኣጋጭዮም ኣብዚኣ ክነብሩ ዝደልዩ፣ ሓላፍነቶም ገዲፎም እዚኣ ኣብ ምግባር ዝተፀመዱን ዝተዋፈሩን ሓይልታት ብዝተወደበ መንገዲ ክትቃለሶም ይግባእ። መላእ ብሄር፣ ብሄረ ሰባትን ህዝብታትን ሃገርና እውን ሕብረ ብሄራዊ ፌደራላዊ ስርዓትና ንምድሓን ኣብ ዝግበር ወሳኒ ቃልሲ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ሃገርና ንምድሓን ክንረባረብ ይግባእ። ሕብረ ብሄራዊ ፌደራላዊ ሓይልታት ዝጀመርኩምዎ ቃልስን ሰፊሕ መድረኽን መማረፂ ከምዘይብሉ ተገንዚብኩም ቃልስኹም ኣጠናኺርኩም ክትቕፅሉሉን ይግባእ። ህወሓት ነዚ ዝተጀመረ ቃልሲ ናብ ልዑል ብራኸ ንምውሳድ ዝካኣል ኩሉ ከምዝገብር ከረጋግፅ ይደሊ።

በዚ ኣጋጣሚ ሕገ-መንግስቲ፣ ሰላምን ድሕንነትን ህዝብን ሃገርን ኣብ ምሕላው ዝለዓለ ሓላፍነት ዘለካ ሰራዊት ምክልኻል፤ ሃገርና ዘጋጥማ ዘሎ ሓደጋ ብጉቡእ ተገንዚብካ ካብ ጥፍኣት ንምድሓን ጥፍኣት ንምድሓን እትገብሮ ዘለኻ ርብርብ፣ ነዛ ፉሉይ ታሪኽን ክብርን ዘለዋ ሃገር ኣብ ምሕላውን ሉኣላውነትን ሰላምን ኣብ ምርግጋፅ ብዝለዓለ ህዝባዊ ሓላፍነት ትካላዊ ሓድነትካ ኣጠናኺርካ ኣብ ትገብሮ ኩሉ ዓይነት ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይን ህወሓትን ኣብ ጎንኻ ኮይኖም ካብኦም ዝሕተት ኩሉ ከምዝገበሩ ክነረጋግፅ ንፈቱ።

ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ሻድሻይ ሃገራውን ክልላውን መረፃ ኣብዚ ዓመት ብግዲን ክካየድ ዘለዎ እዩ። ብምዃኑ እውን መረፃ ብእዋኑ ክግበር ተደጋጋሚ ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን መርገፂኦም እናገለፁ ፀኒሖም እዮም። እንተኾነ ግን መረፃ ንምክያድ ዘኽእል ዝኾነ ዓይነት ምድላው ኣይግበርን ዘሎ። ብቑዕ ምድላው ኣይገበርናን ኢልካ መረፃ ንምንዋሕ ዝግበር ፃዕሪ ፉፁም ተቐባልነት ክህልዎ ኣይኽእልን። ኣብዚ ሃገር ዘለዉ ተነሓነሕቲ ውድባት ናይ ምውድዳር ዕድል ረኺቦም ህዝቢ ብነፃ ድልየቱ ዝመረፆ መንግስቲ ናብ ስልጣን ክመፅእ፣ ብናይ ህዝቢ ፉፁም ፍቓድ ኣብ ስልጣን ክፀንሕ ዝገብር ሕገ-መንግስታዊ መሰል ብጥብቂ ክኽበር ኣለዎ። እዚ ኣብ ዘይኮነሉ እዋን መላእ ህዝብታት ሃገርና መሰልኩምን ሕገ-መንግስታዊ ስልጣንኩም ኣብ ሓደጋ ዝኣቱ ዘሎ ምዃኑ ፈሊጥኩም ዝለዓለ ቃልሲ ክትገብሩ ኣብ ዘግድድ ዝተፈለየ ወቅቲ ኣለና።

ዝኸበርካ ህዝቢ ኤርትራ

ህዝቢ ትግራይን ህዝቢ ኤርትራን ንናይ ሓባር መሰልን ረብሓን ብሓደ ዝተቓለሱ ኣሓት ህዝብታት እዮም። ነቲ ዝነበረን ዘሎ ዝምድናን ምድግጋፍን ናብ ዘላቒን ዘተኣማምን ብርኪ ንምብፃሕ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተጀመረ ኣፋፍኖት ሰላም ኣብዚ ዓመት እውን ተጠናኺሩ ክቕፅል ይግባእ። ብሓባር ተደጋጊፍና ንዘላቒ ሰላምን ምድግጋፍን ክንሰርሕ ይግባእ። ዝጀመርናዮ ሓዱሽ ራህዋን ሰላምን ውሑስ ክኸውን ናይ ክልቲኡ ህዝብታት ምትእስሳርን ርክብን ክጠናኸር ክንሰርሕ ኣለና። ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን እዙይ ንምጥንኻር ካብኦም ዝድለ ኩሉ ከምዝፍፀሙ ደጊምና ክነረጋግፀልካ ንፈቱ።

ዘይንሰግሮ ፈተና ኣይህሉን!!

ዘልኣለማዊ ክብርን ሞጎስን ንስውኣትና!!

ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት

4 ጥቅምቲ 2012 ዓ.ም

መቐለ፤

Last modified on Friday, 18 October 2019 21:29