“ወሓጥዮ ተበልኩዋስ፡ ትጐስሞ”

2019-10-13 09:57:11 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2039 times

ቅድሚ ዓመትን ፈረቓን ኣቢሉ ይኸውን፡ ኣብቲ ሓድሽ ዕርክነት ዲክታቶር ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊን ዝተጀመረሉ ግዜ፡ ወዮ ዲክታተር ኣብ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን፡ ኣይኮነንዶ ናይ መራሒ ሃገር፡ ናይ ሓደ ተራ ጥዑይ ሰብ ክትብሎ ዘይትኽእል መደረታት ኣስሚዑ ነይሩ። ኣብቲ መደረታቱ ቀንዲ ካብ ዘጉለሖም ሓረጋት ከኣ “ድሕሪ ሕጂ ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ ህዝቢ እዮም ዝብሉ ነቲ ሓቅን ታሪኽን ዘይፈልጡ እዮም፡ ደጊም ጉዳይ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘልዕሉ ወገናት ነቲ ምስ ኢትዮጵያ ጀሚርናዮ ዘለና ሰላም ክስምሙ ዝደልዩ እዮም፡ ኣብቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘካየድናዮ ደማዊ ውግእ ኣይከሰርናን፡ ካብ ሕጂ ንድሕሪት ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ክመርሓና ወኪለዮ ኣለኹ …..ወዘተ” ዝብሉ ነይሮም። ገለ ነዚ ሰሚዖም ኣእዛኖም ምእማን ዝሰኣኑ ደግፍቱ፡ “እዋእ መሊቑዎ እንተዘይኮይኑ ካብ ልቡ ኣይኮነን” ዝብል ግምት ነይርዎም። ንሱ ግና “ከምዚ ዝብል ዘለኹ ንቃለ-ዓለም ዘይኮነ ናይ ብሓቀይ እየ” ብዝብል መሊቑዎ ዘይኮነስ ናይ ብሓቁ ምዃኑ ኣረጋጊጽሎም። ድሕሪ እዚ ካብ ቀደሙ እውን ብኣኡ ሕጉሳት ዘይነበሩ ኤርትራውያን፡ በዚ ብንዕቀትን ብደዐን ዝተላዕጠጠ መደርኡ ኣዝዮም ሓዚኖም። ምሕዛን ጥራይ ዘይኮነ ተቖጢዖም። እቲ ቁጠዐ ከኣ እነሆ ነቲ ኣንጻሩ ክካየድ ዝጸንሐ ናይ ለውጢ ቃልሲ ዘህጥር ጭረሖ “ይኣክል” ተወሊዱ።

ከምቲ “ወዮ ዘይገልባስ ደርጓዕ ኣብለለን” ዝበሃል፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ናይ ኢሳይያስ ዘርባዕባዕ ምስ ተዓዘበ፡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ኣፉ መሊኡ፡ “ምናልባት ናይ ኤርትራ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ኮይነ እንተሰራሕኩ ሓድሽ ከይኮነኩም ኢሳይያስ ሓላፍነት ሂቡኒ እዩ” ኢሉ። ዘረባ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ኤውሮጳ ከይዱ ክሳብ ብስም ኤርትራን ኢትዮጵያን ውዕላት ናይ ምኽታም ስጉምቲ ወሲዱ። ጽንሕ ኢሉ ከኣ እንታይ ማለቱ ምዃኑ ምርድኡ ብዘጸገም “ኣነን ኢሱን ክንድመር እንከለና ዓሰብ ንኸውን” ዝብል በዚ መጸ ዘይተባህለ፡ ናይ ሕሳብ ቀጥዒ ኣስሚዑና።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ በዚ ኣየብቀዐን፡ ኣብ ቤተመንግስቲ ካለኣይ ንጉስ ምነሊክ ኣዲስ ኣበባ፡ መናፈሻ ኣስሪሑ ብ10 ጥቅምቲ 2019 ከመርቕ እንከሎ፡  መራሕቲ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዓዲሙ፡ ነቶም ኣብቲ ኣጋጣሚ ዝተሳተፉ መራሕቲ ሃገራት ከላሊ እንከሎ፡ ኣብ ኤርትራ ምስበጸሐ            “ንኤርትራ ዝምልከት ኢሳይያስ ንስኻ ወኪልካ ቃል ኣስመዓለይ ኢሉኒ እዩ” ኢሉ ብስም ኤርትራ ከኣ በቲ ዝጥዕሞ ኣገባብ ሓጺር መደረ ኣስሚዑ።

ብዙሓት ነዚ ዝተዓዘቡ ወገናት ከኣ “ሕራይ ንሱስ ኣይምጻእ ስለምንታይ፡ ከምቲ መራሒ ጅቡቲ ዝገበሮ በቶም ናቱ ተለኣኽቲ ሚኒስተራትከ ዘይውከል?፥ ካብኡ ሓሊፉኸ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክልተ ኣንበሳድራት፡ ሰመረ ርእሶም ኣንበሳድር ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያን ዶ/ር ኣርኣያ ደስታ ኣንበሳደር ኤርትራ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃን እንዳሃለዉስ ብሓዲኦም ዘይውከል? ምናልባት ክሊትኦም እንተዘይሃለዉኸ ኣብቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣሎ ዝበሃል ኤምባሲ ዝተመደቡ፡ ኤርትራከ የለዉን ድዮም?” ዝብሉ ሕቶታት የቕርቡ ኣለዉ። ነዚ ሕቶዚ ዘቕርቡ ኤርትራውያን፡ ወዮ ዲክታቶር ካብቲ ሓንሳብ ዝጀመሮ ጽላለ ኮንደኾን ናብ ልቡ ይምለስ ዝብል ተስፋ ዝነበሮም እዮም። ነቶም ኮነ ኢሉ ኤርትራዊ ክብሪ ከራኽስ ዘንቀደ ንድሕሪት ዘይምለስ ዕብዳን ዘንጸላልዎ ዘሎ ምዃኑ እንግንዘብ ግና፡ በዚ ናይ ዶ/ር ኣብይ ናይ ውክልና መደረ “ወረ ጋና” ደኣ ንብል እምበር ኣይተገረምናን። ብዛዕባዚ ተረኽቦ ብዙሕ ከም ዝበሃል ርዱእ ኮይኑ፡ በቲ ፊትንፊት ዝረአ ትርጉሙ፡ ኢሳይያስ ካብዞም ዝጠቐስናዮም ኤርትራውያን ንዶ/ር ኣብይ ዝኣምንን ዘቕርብን ምዃኑ ዘማትእ ኣይኮነን።

እዚ ተግባር ብመጀመርያ፡ ከምቲ ሓደ ኣባል ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ኣብዚ ቀረባ ግዜ “ተናዒቖም ህዝቢ ዘንዓቑ ሰበ-ስልጣን ኤርትራ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ፡ “ እቲ ንመጀመሪያ ዝተሃርመ ውሳኔ፡ ናይ ህዝባዊ ግንባር ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤ ውሳኔታት ኢዩ።” ዝበሎ፡ ነቶም ከም መራሒ ህግዲፍ “ናትና እዩ” ኢሎም ዝስዕብዎ ዘለዉ ወገናት ኣዝዩ ዘሕፍር እዩ። ብዓብይኡ ከኣ ነቲ ፍረቃልሱን መስዋእቲ ደቁን ዝተጠልመ፡ ህዝቢ ኤርትራ ዘዋርድ እዩ። ከምቲ “ዓሻ ሰበይትስ ወዲ ሓሙታ ዘይወዳ ይመስላ” ዝበሃል፡  ደቁ ስለ ዘይሞቱ “ኣይከሰርናን” ዝበሎ ከይኣኽሎ፡ ሎሚ ድማ ብኸምዚ ዓይነት ውርደት ክድብሶ እንከሎ መዓንጣኡ ዘይሓርርን ዘይሓፍርን ኤርትራዊ የለን ዝብል እምነት ኣለኒ። ናይ ወለዶ ሓረግ ብምምዛዝ ዘይኮነ፡ ብኣተሓሳስባ “ዲክታቶር ኢሳይያስ ኤርትራዊ ኣይኮነን” ምባል ነቲ ኩነታት ብግቡእ ዝገልጾ እምበር ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ጸለመ ኣይኮነን።

እዚ ኣብ ቅድሜና ተገቲሩ ዘሎ ኩነታት፡ ከቢድ ንምቕያሩ ዝግበር ቃልሲ ከኣ መሪር ምዃኑ ዘመልክትን ከቢድ ሓላፍነት ዘሰክመናን እዩ። ኢሳይያስ ቀጻልነቱ ንምርግጋጽ ሓሓሊፉ ዘይኤርትራዊ ማዕጾታት ይኩሕኩሕ ከም ዘሎ ዘመላኽት’ውን እዩ። ንኤርትራዊ ልኡላውነት እንዳጓሰየ ኣብ ከባቢና ስጋ ከም ዝረአየ ሽላ ክዝንቢ ዝውዕል ዘሎ እውን ናይ ጥዕና ኣይኮነን። ብመንጽር እዚ ንሱ ርኹስ ዕላማኡ ንምዕዋት ስርሑ እዩ ዝሰርሕ ዘሎ። ንሕና ነዚ ክንምክቶ እንኽእል ከኣ፡ ናቱ ቆጺርካ ዘይውዳእ በደላት ብምጽብጻብ ዘይኮነ፡ ንዓና ዝምልከት ብምስራሕ ጥራይ እዩ። ስለዚ ብዙሓት ክንስና ሓደ ኮይና ክንትንስእ ኩነታት ደጋጊሙ ይጠልበና ከምዘሎ ነስተውዕል።

Last modified on Sunday, 13 October 2019 11:59