እንታይ ዶ: ተሪፉና እዩ?

2019-10-12 07:57:25 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2031 times

ህዝቢ ኤርትራ ካብቲ ቅድሚ ኣማእት ዓመታት ዝነበሮ ሃለዋት፥ ሎሚ ኣብታ ኣፎይ ኢሉ ኣስተርሕዩ ክነብረላ ዝነበሮ ግዜ ናጽነት፡ ኣብ ኣዚዩ ዝኸፍአን፥ ዝመረርን ኩነት እዩ ዝርከብ ዘሎ። ኣብቲ ቀደምሲ እቲ ባዕዳዊ መግዛእቲ ንህዝቢ ከብሳብስን፥ ኣርዒዱ ጂሆ ክሕዝን እትጽበዮ እዩ ነይሩ። ካብ መግዛእቲ እትጽበዮ መስተርሆት ስለ ዘየለ። ስለምንታይ ደኣ እዩ ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ ብደቁ ክመሓደር ኣብ ዝጀመረሉ ካብቲ ናይ ግዜ ባዕዲ ዝኸፍአ ጭቆናን ተራእዩን ተሰሚዑን ዘይፈልጥ ሕማቕ ምሕዳራን ዝሳቐ ዘሎ? ነፍሲ ውከፍ ኤርትራዊ ነዛ ሕቶ እዚኣ ክምልስ ክበቅዕ ኣለዎ። ድሕሪዚ እቲ መፍትሒ እንታይ ክኸውን ከምዝለዎ ክሓስበሉ ይግባእ።

ኤርትራ ሃገርና ደጊም ኣብ ጉዳይ ሓንቲ ዝተረፋ የብላን። ህዝቢ ብገዛእ ገንዘቡ ብቁንጣሮ ክስለዓሉ ካብ ዝተገብረ፡ ህዝቢ ጠምዩ ዘዕንግሎ ካብ ሰኣነ፥ ሓሚሙ ዝሕከመሉ ሃዋህው ካብ ዘየለ፡ እንታይ ተሪፍዎ ደኣ ክንብል ንኽእል። እታ ሃገር ብቑጠባ ከይትብልጽግ ኣብቲ ድሕሪ 1952 ዝነበረቶ ኣዝየኡ ዝደሓረ ምንቁልቋል እያ ትርከብ ዘላ። ካብ ኩሉ ዝኸፍአ ድማ ፥ እታ ራኢ ናይ ህዝብናን ሃገርናን ኣብ ኢድ እቲ ተካኢ ወለዶ ክንሳ፡ እግሪ ዝተኸለ ዘበለ ናብ ስድት የምርሕ ኣሎ። እዚ ከኣ ነታ ሃገር ደው ዘብላ ዓንዲ ይፈርስ ምህላው ዘመስክር እዩ።  ሃገር ብዘይ መንእሰያት ማለት ዘራእቲ ተሓሪሱ እቶት ዘይብሉ ቀውዒ ከም ማለት እዩ። እቲ ተካኢ ወለዶ ንርእሱን ነታ ሃገርን ህዝባን ናብ ዝሓሸ ከሰጋግር ዝኽእል ሓይልን ጉልበትን ዝውንን እዩ።

እዚ ማለት ግን መንእሰይ ነቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ዋጋ ከምዘይብሎም ገይሩ ዝርዳእን ከቆናጽብን ማለት ኣይኮነን። እንታይ ደኣ እቲ ተካእቲ ወለዶ፡ ነቲ ሓላፍነት ካብ ቅድሚኡ ዝነበሩ ክቕበልን ሓላፍነት ክወስድን ክጽዕሩ ይግበኦ። እዚ ተካኢ ወለዶ ዝበሃል ዘሎ  በቲ ንሱ ዘርከበሉ መድረኽ ናይ ምህዞን ምርምርን ኣቢሉ ነቲ በቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ዝተሰርሐ ታሪኽ ክመዝንን ክፈርድን እንተኮይኑ ግን ነፍሲ ወከፍ ነናቱ መድረኽ ከምዘለዎ ዘይምፍላጥ እዩ። መንእሰይ ወለዶ ንሃገሩን ህዝቡን ጠንጢኑ ንስደት ሃጽ ክብል ከሎ፥ ንሃገሩን ህዝቡን ንሓዋሩ ክርስዕ ኣይግበኦን። ዋላ እውን እቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ጉድለታትን ኣሉታታን እንተሃለወ፡ ብኡ ኣመሳሚሱ ኣብ ክንዲ ነታ ናቱ ራህዋ፡ ረብሓን ቅሳነትን መጻኢ ዕድሉ ዝሃንጸላ ሃገር ንኽምስርት  ብምሕሳብን ክቅላስን እዩ ዝግባእ። ወያ ሃገር ኣናተዳኸመት ትኸይድ ከምዘላ እናረኣየ፥ ካብቲ ድኽመት እቲ ከውጽኣ ኣብ ክንዲ ምጽዓር ምስቶም ቀዳሞት ኣያታቱ ጥራይ ክቆራቘስ እንተኾይኑ ግን መፍቶ እቲ መላኺ ስርዓትን ጥራይ እዩ ክኽውን።

ሎሚ ሃገርና ኤርትራ ናተይ እትብሎም ብጉልባብ ግዳማውን ዞባውን ዛዕባታት ነቐዝ ኮይኖማ፡ ዝደኸመት ሃገር ንኽትክውን ፍሕሶታትን ሸርሕታትን ይመሃዛ ከምዘሎ ክርደኣና ይግባእ። መጀመርያ እቲ ንህዝቢ ኤርትራ ዝገዝእ ዘሎ ስማዊ ስርዓት፡ እንታይ ተልእኾ ከምዘለዎ’ኳ እንተዘይፈለጥናዮ፥ ግን ድማ እቲ ምልክታት ንህዝቢ ኤርትራ ኣድኪኻ፥ እታ ሃገር ኣብ መዳያት ቁጠባውን ማሕበራውን ከምዘይትምዕብል ይገብራ ከምዘሎ ዝሕብር ወስታታት ንዕዘብ ኣለና።

እቲ ኣብ ኣስመራ ዘሎ ስርዓት  በቲ ባዕሉ ዝወለዖ ኲናት ፍርቂ መሬት ኤርትራ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝኣቱ ገይሩ፥ ህዝብና ሓሪሱ ከይዕንገል ዝፈጠሮ ሓደ ውዲት እዩ። እቲ ካልኣይ ውዲት ድማ፥ ዋላ’ኳ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ዶብ ንኸይሕንጸጽ ጅሆ እንተሓዘቶ፥ ኣብ ክንዲ እቲ ቀያድን ናይ መወዳእታን ብይን ዶብ ክትግበር ኣለዎ ኢሉ ዝንቀሳቐስ፡ ኪኖ ዶብ ክንጥምት ኣሎና ብዝብል ሸፈጥ ተፈላሲፉልና። ካብዚ ዝገደደ ድማ ንኣብይ ኣሕመድ ወኪለካ ኣሎኹ ንዝበሎ ድማ፥ ትማሊ ኣብ ናይ ፓርክ ምረቓ ኣብ ክንዳይ ኰንካ ክትዛረብ ወኪለካ ኣለኹ ኢሉ ምድጋሙ እዛ ኤርትራስ እንታይ ደኣ ተሪፍዋዶ ኣየብልን።

መንእሰይ ዓዱ ጠንጢኑ ካብ ወጸ፥ ኤርትራ ብቑጠባ መሬት ካብ ዘበጠት፥ እቲ ተካኢ ወለዶ ድማ ምስ ቅድሚኡ ዝነበሩ ወለዱ ክነሓናሕን ክጻረፍን ኢትዮጵያ ድማ ብቑጠባን ብዓለም ለኻዊ ዲፕሎማሲያዊ ርኽክባታን ኣማዕቢላ ጸላዊት ሃገር ንኽትከውን ትጽዕር ኣላ። ስለዚ መጻኢ ዕድል ኤርትራ እንታይ ኮነ ክኸውን እዩ? እቲ ባድመ ናብ ኤርትራ ክትምለስ ብዓለም ለኻዊ ቤት ፍርዲ ዝተፈርደን፡ ዝምልከት ዶብ ንምሕንጻጽ’ውን ቅሩበንት ካብዘይሃለወን፥ ቀስ ብቐስ ጉዳይ ዶብ ክርሳዕ ደኣ እንታይ ተሪፍዎ።

Last modified on Saturday, 12 October 2019 09:59