ካብ ተመኩሮና እንተዘይተማሂርና!

2019-10-06 08:51:48 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1614 times

ኤርትራውያን ናይ ክሳብ ሕጂ ተመኩሮና ዘተኣማምን ቅሳነት ዘይነበሮ ምንባሩን ምዃኑን ፍሉጥ እዩ። እዚ ዘይቅሱን ህይወት መልክዑ እንዳቐያየረ ክሳብ ሕጂ ቀጻሊ ኣሎ። ኤርትራውያን ነዚ ንሓንሳብ ብናይ ባዕዲ ወረርቲ ንሓንሳብ ድማ ብዘቤታዊ ጨቆንቲ ከጋጥሞ ዝጸንሐ በደል፡ ተገዲዱ እንተዘይኮይኑ ዋላ ንሓንቲ ካልኢት ሓንጐፋይ ኢሉ ኣይተቐበሎን። ከም መግለጺ ሓንጐፋይ ዘይምባሉ ከኣ፡ እነሆ ነቲ ምእንቲ ሓርነቱ ካብ ነዊሕ ግዜ ዝጀመሮ ቃልሱ ይቕጽሎ ኣሎ። ንመጻኢ እውን ዋላ ግዜ ይብላዕ፡ ክሳብ ዓወት ወለዶ ካብ ወለዶ እንዳተቐባበለ ክቕጽሎ እዩ።

ተመኩሮና ከም ዝምስክሮ በደል መግዛእታዊ ሓይልታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ “ከምዚ ነይሩ” ኢልካ ክትዝርዝሮ ዘሳቕቕ ሕሱም እዩ ነይሩ። እንተኾነ ኤርትራውያን ብሕሰም እቲ መሪር መግዛእቲ ከይተንበርከኹ ክቃለስዎ ጸኒሖም። ቃልሶም ከኣ፡ ዕዉት እምበር ተንበርካኽን ሰንባድን ኣይነበረን። ናጽነት ኤርትራ ከኣ ናይዚ ትብዓት፡ ጅግንነትን ጹረትን ውጽኢት እዩ። ድሕሪ ናጽነት መልክዑን ስሙን ቀይሩ፡ ብትሕዝቶ ግና ካብ ናይ ግዜ መግዛእቲ ብዘይፍለ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ህግደፋዊ መከራ ወሪዱ። ናይቲ “ኤርትራ መሬትና እምበር ህዝባስ ኣየድልየናን” ኢሉ ዝጠለመ ሓይሊ መግዛእቲ ተግባር ፍሉጥ ነይሩ። ካብ ገዛእቲ ከኣ፡ ወጽዓ እምበር ራህዋ ኣይትጽበን። ኣብቲ እዋን እቲ ምርጫ ንጹር ነይሩ፡ ነቲ መግዛእቲ ብቓልሲ ምጉሓፉ። ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ነዚ ብግብሪ ንካለኦት’ውን ኣብነት ብዝኾነ ደረጃ ኣረጋጊጽዎ።

ካብቲ “ናተይ“ እትብሎ፡ ከም ናይ ህግዲፍ ዝኣመሰለ ዝወርድ ዕሉል ወጽዓን ጥልመትን ግና፡ ህዝብና ከምዘይቅበሎ ርዱእ ኮይኑ፡ ከም ዘስደምሞ ፍሉጥ እዩ። ከምቲ ወለድና “ሓወይ ዝብል ኣይውቃዕካ” ዝብልዎ፡ ካብቲ ናተይ እተብሎ፡ ባዕልኻ ናብ ስልጣን ዘብቃዕካዮን ብደም ደቅኻ ዝጠለለን ወገን ከምዚ ሕጂ ኣብ ሃገርና ዝረአ ዘሎ መዓት ክወርደካ እንከሎ ግና፡ ትቃለሶ ጥራይ ዘይኮነ፡ መዓንጣኻ ዘሕርር እዩ። ብዙሓት ኤርትራውያን ህግዲፍ ንስዉኣት ደቆም፡ ከምቲ ንሳቶም ዝሓስብዎ ክብሪ ዝህቦም እንዳመሰሎም፡ ንህግዲፍ ምትንካፍ ማለት ደም ስዉኣት ምርኻስን ሕድሮም ምጥላምን እንዳመሰሎም ንህግዲፍ ዘይግበኦ ክብሪ ሂቦም ናብ ንቡር ክምለስ ተጸብየምዎ እዮም። ህግዲፍ ግና ሓንሳብ እቲ ናይ ጽቡቕ መሕሰቢኡ ስለ ዝመኸነን ንትዕግስትን ምጽማምን ህዝብና “ናይ ሕመቕ” ገይሩ ስለ ዝወሰዶ በቲ ቅድም ዘንቀዶ ጽሉል መንገዲ ይዕንድር ኣሎ። ሎሚ ግና ብዙሓት ስዉኣት ደቆም ከም ዝተጠልሙ ዝተረድኡ ኤርትራውያን  ደጊም “ክሳብ ትኣምን ኪድ ካብ ዘይተኣምን ግና ተመለስ” ኢሎም ዓው ኢሎም ኣንጻር ህግዲፍ ድምጾም የስምዑ ኣለዉ።

ቅድሚ ሕያሎ ዓመታት ዋላ ውሑዳት እንተነበርና፡ በቲ ሓደ ወገን ገበንን ግፍዕን ህግዲፍ ከነቃልዕ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ድሕሪቲ ዘይተርፍ ውድቀት ህግዲፍ ዘለና ምርጫ ከነረድእ ጽዒርና ኢና። ኣብቲ ፈለማ ግዜ ህግዲፍ ጓህማም ክነሱ፡ ዝነክስ ኣስናን ዘለዎ መሲሉ ብምቕራቡ ንብዙሓት ኣጋግዩ እዩ። ሎሚ ግና እቲ ንነዊሕ ግዜ ዕረ ክነሱ፡ ብዘይምቅር መዓር ተቐቢኡ ክቐርብ ዝጸንሐ ባዶ መብጸዓታት ህግዲፍ፡ ርሑቕ ከይከድካ ብተግባሩ ተቓሊዑ እዩ። እነሆ ከኣ ከም ውጽኢቱ ብዙሓት ቅድሚ ሕጂ “ህግዲፍ በል ከይትሕመል” ዝብሉ ዝነበሩ ቀራናቱ  ከይተረፉ፡ ግዜን ተመኩሮን መምሃራን እዮም እሞ፡ ንህግዲፍ ብዓሚቕ ጣዕሳ “ፎእ” ይብልዎ ኣለዉ።

ገበናት ህግዲፍ እንታይ ከም ዝነበረን ኣበየናይ ደረጃ ከም ዘሎን በብኣጋጣሚኡ ብሰፊሑ ገሊጽናዮ ኢና። ብኣንጻሩ ነዚ ዘይቅዱስ ተግባራት ህግዲፍ ንምዕጻፍ ክካየድ ኣብ ዝጸንሐን ዘሎን ናይ ለውጢ ቃልሲ እውን ምስ ሰናይ ድኽመታቱ ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ገሊጽናዮ ኢና። ኣብዚ ዛዕባዚ ዘይተፈንቀለ እምኒ የለን። ዝሓለፈ ተመኩሮና ኣብ ሎሚ ኮይና ክንመዝኖ እንከለና፡ ሓያሎይ ድኽመታት ከም እንረክብ ውሁብ እዩ። ነቲ ሕጽረታት ተረዲእና፡ ነቲ ዝኾነ ንድሕሪት ክንመልሶ ከምዘይንኽእል ከኣ ፍሉጥ እዩ። እቲ  ግጉይ ተመኩሮ ዳግማይ ከምዘይድገም ምግባር ግና ይከኣል እዩ። ስለዚ ኣብ ኩሉ ወድባዊ፡ ሰልፋውን  ጽላላውን   ጽፍሕታት ክሳብ ሕጂ ዝፈጸምናዮ ሕጽረት ክንመልሶ ኣይንኽእልን ኢና። እወ ዝገደፈልና ስንብራት ቀሊል ኣይኮነን። ምስዚ ኩሉ ግና እዚ ናይ ክሳብ ሕጂ ድኽመታትና፡ መምህር ስለ ዝኾነ ክንመሃረሉ እሞ ዳግማይ ከምዘይንስንብር ክንገብር ይግበኣና።

ካብ ተመኩሮና ንክንመሃር ካብቲ ዝጸናሕናዮ ወጺእና፡ ካብዚ ዘለናዮ ሕልኽልኽ ዘውጽእ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ከነሕድር ኣለና። እዚ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ብእኩብ ብደረጃ ሰልፊ፡ ውድብን ማሕበርን ጥራይ ዝረጋገጽ ዘይኮነ፡ ሰባት በብዓቕሞም እውን ኣብ ምርግጋጹ ነናቶም ሓላፍነት ኣለዎም። ምኽንያቱ እዞም ዝጠቐስናዮም ኣካላት እኩብ ድምር ናይ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ሰባት እዮም። ኣብነት ንምጥቃስ ኣብ ነብሱ ሓድሽ ኣተሓሳስባ ዘየጥረየ ሰብ ሰልፉ ድዩ ውድቡ ኣብ ምሕዳስ ኣበርክቶ ኣይህልዎን እዩ። ተመኩሮና ተመሊስና ክንድህስስ እንከለና፡ ኣውንታን ኣሉታን ከም እንረክብ ንቡር እዩ። ኣብ መጻኢ ከነድምዕ ከኣ ነቲ ኣሉታ ከነወግድን ነቲ ኣውንታ ከነራጉድን ክንቃለስ ይግበኣና። ንድሕሪት ምምላስ ጸሊእና፡ ንተመኩሮና ኣብ ክንዲ ንመሃረሉ፡ መሊስና ከነነውሮን ክንጓስዮን እንተጺዒርና ግና ውጽኢትና መኽሰብ ዘየብሉ ናይ ዜሮ ድምር እዩ ክኸውን።

“ተመኩሮ መምህር እዩ” ዝብል ምሳልያዊ ጥቕሲ፡ ኣብዚ ከነካይዶ ዝጸናሕናን ዘለናን ቃልሲ ዓቢ ቦታ ዝወሃቦ እዩ። ንኣብነት ኣብዚ ዝሓለፈ ሒደት መዓልታት ኣስካሕካሒ ተመኩሮ ላምፓዱሳን፡ ምእሳር ላዕለዎት ሓለፍቲ ህግዲፍ ነበርን ናይ ብሕቲ ሚድያ ጋዜጠኛታትን ኣዛራብቲ ዛዕባታት ኮይኖም ቀንዮም። ምውራስ ኣብያተ-ሕክምናን ትምህርት ካቶሉካዊት ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ እውን ከምኡ። እቲ ቁምነገር ነቲ ዝሓለፈ ተግባራት ምኩምሳዕ ዘይኮነ፡ ዘይድገመሉ ብልሃት ምፍጣር እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ካብ ተመኩሮና እንተዘይተማሂርና፡ እቲ ሎሚ መመሊሱ ዘስገድግደና ዘሎ ተግባር ህግዲፍ ናይ ምድጋም ዕድል ኣለዎ። 

Last modified on Sunday, 06 October 2019 10:55