ውሑዳት ዝጅምርዎ; ብዙሓት'ዮም ዝዛዝምዎ

2019-09-25 07:05:08 Written by  ኣሰፋው በርሀ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1896 times

ኣብ ረብሓ ብዙሓት ዝውዕል ዕላማታት ብውሑዳት ተበጊሱ፡ ኣብ ጉዕዞኡ ንቡዙሓት ጸንቢሩ ከም ዝዕወት ብዙሕ ናይ ታሪኽ ኣብነታት ክጥቀስ ዝከኣል ኢዩ። ኣብ ካልእ ከይከድና፡ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ከም ኣብነት  ክንወስዶ ንኽእል።

ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብዛ ሒዝናያ ዘሎና ወርሒ መስከረም፡ ቅድሚ 58 ዓመታት ክጅምር ከሎ ብኣጻብዕ ብዝቑጸሩ ጀጋኑ ደቂ ሃገር'ዩ ተበጊሱ። ነቲ ቃልሲ ዝጀመርዎ፡ ናይ ሃገርን ህዝብን፡ ፍቕርን ተበጃውነትን ደሪኽዎም ደኣምበር ናይ ህዝቢ ልኡኻት ወይ ተወከልቲ ኮይኖም ኣይነበሩን። ኣካውነኦም ይኹን ሕብረተ-ስባዊ ድሕረ-ባይትኦም ንምልኣት ሕብረተሰብ ኤርትራ ዘንጸባርቕ ኣይነበረን። ኮታ ብኹሉ መዕቀኒታት ትሕዝቶኦም ኣዚዩ ትሑት ኢዩ ነይሩ። እንተኾነ ግን እቲ ሒዘምዎ ዝተበገሱ ዕላማ፡ ንብዙሓት ዘርብሕ  ህዝባዊ ዕላማ ስለዝነበረ ኣብ ጉዕዞኡ ብቑጽሩ እናሰፍሐ፡ ሕብረተሰብኣዊ ምልኣት እናረጋገጸ፡ ብኹሉ ምዐቀኒታት እናዓበየ መላእ ህዝቢ ተጸንቢርዎ ክዕወት ድማ ኪኢሉ።

እቲ ኣብ መንጎ ባዕዳውያን ገዛእትን ደቂ ሃገርን ዝነበረ ግርጭት፡ ብምርግጋጽ ሃገራዊ ናጽነት ምስ ተፈትሐ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዳግም መግዝእቲ ኢዩ ኣትዩ። እቲ ሓዲሽ መግዛእቲ፡ ካብቲ ቅድም ዝነበረ ዝመረረን ዝኸፍአን ኮይኑ፡ እቲ ሕማቕ ዕድል “ንሕና ኢና ናጻ ኣውጺእናካ” ብዝብሉ ምኹሓት ደቂ ሃገር  ተራእዩ።

እቶም ንሓደገኛነት ናይቲ ድሕሪ ምብራር ባዕዳዊ መግዛእቲ፡ ዝተተኽለ ዲክታቶርያዊ መንግስቲ ኣብ ኤርትራ ዘለለዩን፡ ኣንጊሆም ተቓውምኦም ዝጀመሩን ተቓለስቲ ኣዚዮም ውሑዳት ኢዮም ነይሮም። ከምዚ ሎሚ ከይኮነ ብኣጻብዕ ዝቑጸሩ ኢዮም ኣብ ፈቐዶ ኣምባሲታት መንግስትን፡ ኣብ ቅድሚ ኣህጉራዊ ትካላትን ወጽዓ ህዝቢ ኤርትራ ክስምዑ ብቁርን ጸሓይን ሓኾት ዝብሉ ዝነበሩ።

ኮይኑ ግን "በትሪ ሓቅስ ትቐጥን'ምበር ኣይትስበርን ከም ዝበሃል" እቲ ሓቅን  ቅኑዕን ዕላማ ክቕህም ኣይከኣለን። መመሊሱ ሰፊሑን ኣጉላዕሊዑን ፡ሙሉእ ህዝቢ ዓቲርዎ ናብ ዓወት ከምርሕ ይረአ ኣሎ። ንተቓለስቲ ፍትሒ ድማ ካብዚ ንላዕሊ ዘሐጉሶምን ዘሕብኖምን ክህሉ ኣይክእልን።

እዚ ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም፡ ብፍላይ ብመንእሰያት፡ ብስም "ይኣክል" ዝኸይድ ዘሎ ምንቅስቓስ ንምልካዊ ስርዓት ኢርትራ ዓቢ ደወል ናይ ውድቀቱ ኮይኑ ኣሎ። መንእሰያት ዋናታት ጉዳይ  ሃገሮም ከምዝኾኑ ዘረጋግጽሉ፡ ዓቢ ህዝባዊ ስራሓት ክፍጽሙ ንርኢ ኣሎና።

ኣብዚ ዝሓለፈ ቀዳም-ሰንበት ዕለት 21/09/2019 ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ ዘርዕድ ንደለይቲ ፍትሒ ድማ ተስፋ ዝኹልዕ ሰፊሕ ኣኼባ ኣብ ከተማ ሎንዶን ተኻይዱ። እቲ ኣኼባ መጸንበሊ ናይቲ ቅድሚኡ ክኸይድ ዝጸንሐ ስራሓት ኮይኑ፡ ንመጻኢ ውን ኣዚዩ ጠቓሚ ሓሳባትን ርእይቶታን ዝወሓዘሉ ኣኼባ ኢዩ ኔሩ።

ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ዓዲ እንግሊዝ ኣብዚ ኣተስፋዊ ድረጃ ምብጽሑ ንኹሎም ተዋሳእቲ ምስጋና ዝግብኦም ኢዩ። ብፍላይ ድማ፡ ንሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ ዓዲ እንግሊዝ ሒዘሞ ንዝመጹ ስም ውድቦም ቀይሮም ነዚ ተታሒዙ ዘሎ ምንቅስቓስ ዝምጥን ስም (ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ Eritrean Mass Movement) ክወስዱ ምኽኣሎም ዝምስገን ኢዩ።

ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ዓዲ እንግሊዝ ኣተስፋውን ኣብነታውን ዝኾነሉ መለለይታት ኣለዎ።

ዝምርሓሉ ዓንደ-ሕጊ፡ ህዝቢ ኤርትራ ካብዚ ዝነብሮ ዘሎ ሕጊ-ኣልቦ ፍትሒ- ኣልቦ ኩነታት ሓራ ንምግባር ማእከሉ ዝገበረ ንኹሉ ኤርትራዊ ምስ ኩሉ ፖለቲካውን ማሕበራውን ዝምባሌታቱ ዝጥርንፍ ኢዩ።

ኣሰራርሓኡ ኣሳታፊ ኮይኑ ኢዩ ጸኒሑ። ንምሁራት፡ ክኢላታትን ኣብ ቃልሲ ምኩራትን እናዓደመ ካብኦም ሓሳባትን ምኽርን ክሰንቕ ምኽኣሉ ተወሳኺ ሓይሊ ከም ምርካብ ዝቑጸር ኢዩ።

ንከተማ ሎንደን ኣብ ዞናታት ብምምቃል፡ ኣብ ዘዞናኡ ዘሎ ዓቕሚ ሰብ በቢዝኽእሎ ንክዋሳእ መደባት ሰሪዑ ክንቀሳቐስ ምጅማሩ ዘድምዕ ናይ ቃልሲ ሜላ ኢዩ። ነዞም ክሳብ ሎሚ እናሰርሓሎም ዝመጽአ ኣገባባት ሒሒዙ እናኣማዕበሎምን ክኸይድ እንተኪኢሉ ኣድማዒ ከም ዝኸውን ዘጠራጥር ኣይኮነን።

ካብ 12 ከተማታት ዓዲ እንግሊዝ ተወኪላ፡ ብ36 ኣባላት ቆይማ ዘላ ባይቶ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ምዓልቲ ጽምብላ ንስራሓ ዝጠቕማ ዓቢ ቁም-ነገር ሰርሓ ኢያ። ካብ ኩሉ ተሳታፋይ ሓሳባት እትሰንቀሉ ዓውደ-ስራሕ (work shop) ኣዳልያ፡ ሃብታም ዝኾነ፡ ርእይቶታትን መተሓሳሰቢታትን ከተዋህልል ኪኢላ።

ባይቶ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ዓዲ እንግሊዝ ቀንዲ ስርሓ፡ ንህላወ ምልካዊ ስርዓት ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ንምስዓር ስለዝኾነ፡ ብዘቑሞም ክፍልታቱ ኣቢሉ ንጥፈታቱ ከበርትዕ ከድሊዮ ኢዩ። ኣብ ህዝባውን ዲፕሎማስያውን ፕሮፖጋንዳዊ መዳያት ክብርትዕን ኣብዚ መዳያት'ዚ ተዋፊሮም ክተሓጋገዙ ዝኽእሉን ከለልን ከድሊዮ ኢዩ።

እናዓበየን እናሰፍሐን ዝኸይድ ዘሎ ህዝባዊ ምንቅስቓስ፡ ከምቲ ስሙ ዝሕብሮ መታን ንመላእ ሕብረተ ሰብኣዊ ክፍሊታትና ጠርኒፉ ዝጎዓዝ ክኸውን፡ ዕቱብ ጻዕርታት ከድሊዮ ኢዩ። እዚ ምንቅስቓስ'ዚ ሕጽረታቱ እናጸብጸባካ፡ ኣማዕዲኻ እትጥምቶ ዘይኮነስ፡ ኣብ ውሽጡ ኣቲኻ ኣብ ምሕጋዙን ንዘለዎ ሕጽረታት ኣብ ምምላእን ተዋሳኢ ሙዃን ዘድሊዮ ኢዩ።

Last modified on Wednesday, 25 September 2019 09:08