ሓልዮት ካብ ገዛኻ እዩ ዝጅምር

2019-09-19 18:53:45 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1654 times

ፍቕርን ሓልዮትን ካብ ገዛን ቤተሰብን  እዩ ዝጅምር። ኣብ ገዝኡን ቤተሰቡን ዘየድመዐ ካብኡ ወጻኢ ኣብ ዝገብሮ ፈንጠርጠር ከድምዕ ኣይክእልን እዩ። በጃን ሓላይን ህዝቢ ክትከውን ናይቲ ብቐረባ ክትኣልዮን ከተመሓድሮን ዝግበኣካ ቤተሰብ ሓላይ ክትከውን ክትበቅዕ ናይ ግድን እዩ። ምኽንያቱ ቤተሰብ  ህዝቢ ሓንቲ ሃገር እተቕውም  መሰረታዊት ኣሃዱ ስለ ዝኾነት። እቲ ፍቕርን ሓልዮትን ብደረጃታት ክፈላለ ይኽእል። ንቤተሰብ ንመላእ ንህዝብን ካልእ መንነትካ ዝገልጽን  ዝወሃብ ክብደት ደረጃታት ሃልይዎ ግና ተጸላላውን ትርደጋጋፍን እዩ።

ነዚ ብመንጽር መንግስታት ክንርእዮ እንከለና፡ ከምቲ ሓደ መራሒ ስድራቤት፡ ኣባላት ቤተሰቡ ናይ ምምራሕ ሓላፍነት ዘለዎ፡ ህዝቢ ሓንቲ ሃገር ናይ ምምሕዳር ሓላፍነት ዝወስድ ኣካል ከኣ ዝኸበደ ዕማም ኣለዎ። ሃገርን ህዝብን ምምራሕ ኣዝዩ ሰፊሕ ዝርዝር ዘለዎ ኮይኑ፡ ብመሰረቱ ግና ሃገር ምስ ኩሉ ክብራ ምሕላውን መሰረታዊ ሕቶታት ናይቲ ዝመርሖ ህዝቢ ኣብ ኩሉ መዳያት ምምላስን እዩ። እዚ ናይ መራሕን ተመራሕን ዝምድና ብፍንው ድሌት ናይ ሓዲኦም ዝካየድ ዘይኮነ፡ ግደ መንግስትን ህዝብን ብዝውስን መሰማምዒ ቃል ኪዳን  ተመስሪቱ  ዝስራሕ እዩ። ኩሉ’ቲ ስምምዓትን ውዕላትን ከኣ ኣብቲ ናይ ኩሉ ሕግታት ላዕለዋይ ሕጊ ዝኾነ ሕገ-መንግስቲ ዝምስረት እዩ። ከምቲ ሓደ መራሒ ስድራቤት ቅድሚ ኩሉ ሕጋዊ ክኸውን ዝገበኦ ሃገር ዝመርሕ መንግስቲ እውን ቅድሚ ኩሉ ሕጋዊ ክኸውን ይግበኦ። ኣብ ርእሲኡ በቲ ዝመርሖ ህዝቢ ተቐባልነት ክረክብ ይግበኦ። ተቓባልነት ንምርካብ ከኣ ቅድሚ ኩሉ ሕጋዊ ምዃን የድሊ። ሕጋዊ ናይ ምዃን ቀንዲ መቕድም ከኣ ሕገመንግስታዊ ውሕስነት ብዝረኸበ ድምጺ ህዝቢ ኣብ ስልጣን ምምጻእ እዩ። ነዚ ሕጋዊ መሰረት ጓስዩ ከም ጉጅለ ህግዲፍ ብኢደወነኑ ኣብ ስልጣን ዝመጽእ ኣካል ግና ዝበለ እንተበለ ዓመጸኛ እዩ።

ሓደ ከም ጉጅለ ህግዲፍ ዝኣመሰለ ህዝባዊ ሕቶ ምምላስ  ዝሰኣነ፡ ዝመርጾ መንግዲ ህድማ እዩ። ህድማ ብኣካል ጥራይ ዘይኮነ ብኣተሓሳስባን ኣተሓሕዛን ካብ ባህጊ ህዝቢ ርሒቕካ ደገደገ ምምዕዳው እዩ። ኣብ ኣፈንጫኡ ብዛዕባ ዘለዉ በዳህቲ ግዜ ዘይህቡ ሃገራውን ህዝባውን ዛዕባታት ንምኽዋል፡ ህዝቢ ጉዳዩ ገዲፉ ናብ ርሑቕ ምእንቲ ከመዓዱ መዳህለልቲ ብልሓታት ይምህዝ። ንነብሱ ኣብ ክንዲ ምስ ካብኡ ዝሓሹ፡ ምስ ካብኡ ዝሓመቑ እንዳወዳደረ ዝሓሸ ኮይኑ ክቕርብን ክደዓዕስን ይፈቱ። ህዝቢ ኤርትራ ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት የመን፡ ሶማልያን ካለኦት ኣብ ህውከትን ድኽነትን ዘለዋ ሃገራት እምበር ብዛዕባ ሰላም፡ ዲሞክራስን ልምዓትን ዘውሓሳ ሃገራት ክሓስብ ኣይደልዮን። ሕሉፍሓሊፉ ናቱ ዕዮ ገዛ ከይሰረሐ ኣብ ርሑቕ ከይዱ ሓላይ ናይ ሰፊሕ ዞና መሲሉ ይቐርብ። እንተኾነ ናይ ኩሉ መሰረት ናይ ገዛእ ርእስኻ ዕዮ ገዛ ክትዓምም ምኽኣልን ዘይምኽኣልን ስለ ዝኾነ፡ ኣብቲ መህደሚ ክኾኖ ዝኸዶ ከባቢ እውን ኣይሰልጦን። እዚ ከኣ  ንናይ ገዛእ ርእሱ ህዝቢ ሓላይ ዘይኮነ ኣካል፡ ኣብ ካልእ እውን ሓላይ ክኸውን ከምዘይክእል ዘመልክት እዩ።

ዲክታቶር ኢሳይያስ ብመንጽርዚ ክንርእዮ እንከለና፡ ንኤርትራን ህዝባን ብዘይሕግን ፍትሕን ዝድህኽ ዘሎ እዩ። ምስ ህዝቢ ቃል ዝኣተወሉ ውዕል የብሉን። እንታይ ክገብር ከም ዝግበኦን እንታይ ክገብር ከምዘይግበኦን ዝድርት ትካላት የብሉን። ግደ ህዝቢ ኣብ ጉዳይ ሃገሩ ዘርኢ ስኑድ መሰማምዒ ውዕል የለን። ብሓጺሩ ኣብ ጉዳይ ህዝቢ “ከም ድላዩ” ክገብር ዝጸንሐን ዘሎን ውጹእ መላኺ እዩ። ከም መንግስቲ ዋላ ሓንቲ ካብ ናይ ህዝቢ ሕቶታት ኣይምልስን። ብኣንጻሩ ንዝሓቱን ክሓቱ ንዝሓስቡን ይቐጽዕ። “ኣነ እየ ኩሉ” ካብ ዝብል ትዕቢትን ብደዐን ስለ ዝነቅል እቲ ንዕኡ ባህ ዝብሎ ንህዝቢ ኤርትራ እውን ባህ ከም ዝብሎ ገይሩ ይወስድ። ግደ ሓቂ ግና ብፍላይ ኣብዚ እዋንዚ ብኹሉ መዕቀኒ ምርጫ ህዝቢ ኤርትራን ኣካይዳ ኢሳይያስን ተጻራሪ እዩ። ናይዚ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ መሰረት ከኣ እዚ ተቓርኖ’ዚ እዩ።

ዲክታቶር ኢሳይያስ ብዓቕሚ ኮነ ብባህሪ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ክምልስ ኣይክእልን እዩ። ብኣንጻሩ ኣብ እንግደዓ ናይቲ ሕቶኡ ዘይምለሰሉ ህዝቢ ተኾይጡ ኣብ ስልጣን ክነብር ይደሊ፡ ይነብር ከኣ ኣሎ። ስለዚ ነዚ ዓቂቡ ንምቕጻል ዝመርጾ ስልቲ ካብቲ ህዝባዊ ሕቶ ምህዳምን ብቐጥታ ምስ ናይቲ ህዝቢ ሕቶ ዝምድና ዘየብሉ  ኣጀንዳታት ምፍጣር’ዩ። እቲ ቀንዲ ዝጥቀመሉ ኣገባብ ከኣ ንሱ ባዕሉ ቀንዲ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ክነሱ፡ ንህዝብና ካልእ ጸላኢ ይዕድመሉ። ጸላኢ ምዕዳም ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ዘይምኽኑይ ውግእ ጠቢሱ የህልቖ። ነቲ ህልቂት ከኣ ተመሊሱ “ኣየኽሰረናን” ይብሎ። ብመንጽር እዚ ኩሉቲ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ምስ ሱዳን፡ የመን፡ ጅቡትን ኢትዮጵያን ዝተኻየደ’ሞ ንኤርትራ ሓይልሰባ በሊዑን ንብረታ ኣባዲሙን ኣብዚ ሕጂ በጺሓቶ ዘላ ቀራና መንገዲ ዘውደቓ ውግኣት ብሓልዮትን ብትዕግስትን እንተዝተሓዝ ዘይክካየድ መኸኣለ። እንተኾነ እቲ ዲክታቶር ኣብ ስልጣን ንምቕጻል ከምቲ ዝገበሮ ካብ ምግባር ካልእ ምርጫ ስለ ዘይተራእዮ ከምኡ ገይሩ።

ኢሳይያስ ሕጂ እውን ካብ ናትካ ኣቐሚጥካ ደገደገ ምምዕዳው ኣይወጸን። ኣብ ስልጣን ንምቕጻል ካብዚ ዝሓሸ መንገዲ ኣይረኣየን። ኩሉ ዝገብሮ ምእንቲ ህዝብን ሃገርን ብምሕላይ ዘይኮነ ምእንቲ ስልጣኑ ምዃኑ ካብ 1998 ጀሚሩ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዎ ጉዳይ ክሕዘሉ ዝጸንሐ ናይ “ክውዕየካን ብማንካ ክዝሕለካን ብኢድካ” ሜላ ምስትብሃል ጥራይ ይኣክል። ከድልዮ እንከሎ ንልኡላውነት ኤርትራ ሰማይ ይሰቕሎ፡ ኣብ ዘየድለዮ ድማ ብዛዕባኡ ንምዝራብ እውን “ነውሪ እዩ” ይብሎ። ካብዚ ቀረባ ግዜ ጀሚሩ፡ ምስ ሱዳን፡ ሶማል፡ የመንን ካለኦት ጐረባብትና ሃገራትን ዝገብሮ ዘሎ ዳንኬራ ከኣ ሃገርን ህዝብን ናይ ምጥቃም ተልእኮ የብሉን።

ዲክታቶር ኢሳይያስ ነቲ ኣካይዳኡ በየናይ መነጽር ከም ዝርእዮ ኣይርደኣካን እዩ። ዓለም ብዓለማ “ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ዝጨከነ፡ ብልኡላውነት ሃገር ዝተዋገየ፡ ሰብኣውነት ዘየብሉ፡ ዝብሎ እምበር ዝበሃሎ ዘይሰምዕ ጸማም” ምዃኑ እንዳነገረቶ፡ ኣብ ክንዲ ተመሊሱ ንነብሱ ምፍታሽ፡ ዞና ቀይሕ ባሕርን ቀርኒ ኣፍሪቃን ከወሃህድ መገሻ ምጅማሩ ንብዙሓት ዘገረመ ነይሩ። ኣብ ርእሲ ተንኮለኛን ጨካንን “ዓሻ” ክብልዎ ዝተደናደኑ’ውን ነይሮም። እንተኾነ ወዮ ኣብ ገዝኡ ዝጀመሮ ዘይሓሊ ኣካይዳ፡ ኣብ ዘዝኸዶ ክስዕቦ ግድን ስለ ዝኾነ ኣይሰለጦን። ምናልባት እውን ነተን ሃገራት መሊሱ ጉዳያተን ዘጋድድ ዳንዴር ዘሪኡለን ይኸውን።

Last modified on Thursday, 19 September 2019 20:55