መጸዋዕታ ሰዲህኤ (EPDP)፡ ንሓቢርካ ምስራሕ

2019-09-14 07:42:51 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1999 times

ምሉእ ብምሉእ ኩሉ ብሓባር ናይ ምስራሕ ስምዒትን ድሌትን ዘይክህልዎም ይኽእል። በዚ ዝኣክል ሰባት ፖለቲካዊ ንጥፈታት ከካይዱ እንከለዉ በበቲ ዝኣምኑሉን ዝስምዖምን፥ ክስለፉ ይኽእሉ። ኣብቲ መስርሕ ብፍላይ ኣብ ሃገራዊ ጉዳይ ዘሎ መሰረታዊ ስምዒት ሓደ ክኸውን እንተዘይክኢሉ ኣብ ጉዳይ ሃገር ኣሉታዊ ስምዒት የኸትል።

እዚ ሃገራዊ ስምዒት ንብሎ ዘለና፡ ኩሉ ኤርትራዊ ሕብረተሰብ ንኤርትራ ካብ ባዕዳውያን ገዛእቲ ሓራ ንምውጻእ፥ ደሙ ኣፍሲሱን ዓጽሙ ከስኪስሉን እዩ። እዚ ዝፈሰሰ ደምን ዝተኸስከሰ ዓጽምን ታሪኽ ዘመዝገበን፥ ንሃገራውነትና ዝሃነጸን ኢዩ። በዚ ዝኣክል ኩሉ ኣብ ኤርትራ ዝርከብ ዓሌት ይኹን ብሄር ወይ ሃይማኖት ብዘይኣፈላላይ ብሓባር ወፊሩ ኣብ ሓደ ጉድጓድ’ውን ተቐቢሩ ኢዩ። ካብዚ ዝዓቢ ጽንዓት ሃገራውነት ስለዘየለ ድማ እቲ ስምዒት ሃገራውነት ናይ ኩሉ ሓደ ከምዝነበረ ርዱእ እዩ። እዚ ሃገራዊ ስምዒት፡ ነቲ ኩሉ ብዙሕነታዊ መንነታት ልምድን ባህልን፥ ሃይማኖት፥ ቋንቋ፡ ዓሌትን ብሄርን ደማሚሩ ሓንቲ ሃገር ዝፈጠረ እዩ። እዚ ድማ ውጽኢት ናይ ኣብ ሓባራዊ ውጽኢት ንምብጻሕ ዝተገብረ ሓባራዊ ስርሓት እዩ። ስለዚ ሓባራዊ ስርሓት ኩሉ ግዜ ነቲ ዘይስገር ዝመስል ብጽንዓትን ቅልጡፍን ዕዮ ከረጋግጾ ይኽእል። ናብዚ ንምብጻሕ ከኣ መዓልታዊ ካብ ሓቅን ቅንዕናን ዝፈልፈለን ጽኑዕ ሓድሕዳዊ ምትሕልላይን ምድግጋፍን ከሰንዮ ይግባእ። ምስ እዚ ተተሓሒዙ ሓሳባት ይኹን ርእይቶታት ናይ ምቅብባልን ምውህሃድን ክህሉ ኣዝዩ ኣድላዪ ኢዩ።
ብሓጺሩ ኣብ ክንዲ ሓደ ውልቀሰብ ንበይኑ ዝተወሃሃደ ጉጅለ ወይ ጋንታ ዝያዳ የድምዕ። ኣብ ከምዚ ሓባራዊ ስራሓት ኣብ መንጎ ሰባት ምትምማንን፥ ንሽግራት ብግልጽ ተዛሪብካ ፍታሕ ምርካብን ዓብይ ሓገዝ የበርክት እዩ። ካብዚ ኣምር እዚ ነቒሉ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ነቲ ሃለዋት ደምበ ተቓውሞ ብምምዛን፥ ንኹልና ብሓባር ዘሳርሓናን ዘወሃህደናን ናይ ሓቢርካ ምስራሕ እማመ ከም ዝዘርገሐ ንኹሉ ደምበ ተቓውሞ ስውር ኣይኮነን። በዚ ዝኣክል ኣብ ናይ ኩለን ውድባትን ሰልፍታትን እንተላይ እቲ ብውልቁ ዝቃለስ ዝርከባ ሰነዳት ክንፈላለየለን ዘይንኽእል ኢሉ ጸሚቑ ነዘን ዝስዕባ ነጥብታት ኣቕሪቡ። ንሳተን ከኣ

1-ምዕቃብ ልኡላዊ ግዝኣት ኤርትራ፤
2. ምውዳቕ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍን ምውጋድ መሓውራት ጭቆናኡን፤
3. ድሕሪ ውድቐት ስርዓት ህግደፍ ኣብዝሓ ሰልፋዊ ስርዓት ዝሰረቱ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ምቛም፤
4. ግዝኣተ ሕጊ፡ ዲሞክራስያዊ መሰላትን መላእ ሓርነታትን ህዝቢ ምቕባል፤ ዝብላ እየን።

ብእምነት ሰዲህኤ፡ እዘን ሃገራዊ ምቖሚታት እዚአን፥ ንእንገብሮ ሓባራዊ ስራሕ መበገሲ መትከላት ክዀና ዝኽእላ እየን። ኣብዚ ጉዳይ እዚ ምናልባት ዝተፈልየ ርእይቶ ክህሉ እንተኾይኑ ነፍሲ ወከፍ ወድብ ይኹን ሰልፊ ክሰማማዕ ወይ ዘይክሰማማዕ ብግልጺ ክገልጽን መተካእታኡ ከቕርብን ይግበኦ። ካብዚ ሓሊፉ ነቲ ሓባራዊ ስርሓት ዝካየድ እማመታት ከም ነናይ ጉጅልኡ መለለዪ፡ መወዳደርን፥ ሰብ ምኽሳብን ገይሩ እንተ ወሲድዎ ናብቲ ዝድለ ሽቶ፥ ስልጣን ንህዝቢ ምርካብ ክንበጽሕን ዓወት ክንጎናጸፍን ኣይንእኽልን ኢና። እዘን ተጠቒሰን ዘለዋ ኣርባዕተ ነጥብታት ንኹለን ወይ ንገለ ካብአን ዝነጽግ ኣይሰኣንን እዩ። ይኹን እምበር ኩሎም ፖለቲካውን በርጌሳውን ሓይልታት፣ ኮታ ስርዓት ህግደፍ ንምውዳቕ ዝቃለሱ ኣብቲ መስርሕ ተሓባቢሮም ክቃለሱ ዕዙዝ ተደላይነት ከም ዘለዎ ዘይኣምን ውድብ ይኹን ሰልፊ የለን።

ብተወሳኺ ኣብ መንጎ ፖለቲካውያን ሓይልታት፣ መንፈስ ምንጽጻግን፣ ምርሕሓቕን ተወጊዱ፣ መንፈስ ተሓባቢርካ ምስራሕ ክሰፍን ዘይደሊ የለ ዝብል እምነት ኣለና። እቲ ቅድሚ ሎሚ ካብ ግዜ ምሕዝነትን ኪዳንን ኣትሒዙ፡ እቶም ኣዝዩ ዝተቐራረበ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ዘለዎም ሓይልታት ክሰምሩ፥ እቶም መሰረታዊ ፍልልይ ዘለዎ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ዘለዎም ድማ ኣብቲ ዘሰማምዖም ብንኡስ ናይ ሓባር መደብ ክስርሑ ዝጽውዕ ዝነበረ ሓሳብ ሰማዒ እዝኒ ኣይረከበን። ሎሚ ግን እነሆ መድረኹ ኣኺሉ ነቲ ብዝሓሸ መንገዲ ብሓባር ምስራሕ ኩለን ውድባትን ሰልፍታትን ተተሓሒዘናኦ ይርከባ።

ይኹን እምበር ኣብ ተግባር ግን መስርሕ ሓድነት በቲ እንብህጎ ቅልጣፈ ንቕድሚት ክስጉም ኣይከኣለን። ምኽንያቱ ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ፥ ወይ ገለ ኣብተን ኣርባዕተ ነጥብታት ዝጠራጠሩ ክህልዉ ስለ ዝኽእሉ፥ ወይ እውን ካብቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ምትሕልላኽን ቅርሕንትን ዘይወጹ ክህልዉ ስለ ዝኽእሉ ነቲ ምድንጓይ ጠንቂ ይኸውን። ዝኾነ ኮይኑ፡ ብመሰረት እተን ኣቐዲመን ዝተጠቕሳ 4ተ መበገስታት፡ ኣብዘን ዝስዕባ 3ተ መዳያት ብሓባር ምስራሕ ንኹሉ ዝሓቁፍ ሃገራዊ ጽላል ኣብ ምፍጣር እምነ-መሰረት ምንጻፍ ከም ዝከኣል ናይ ሰዲህኤ ጽኑዕ እምነት ስለ ዝኾነ ግብራዊ መጸዋዕታኡ የቕርብ።
1- ምቛም ሓደ ብስም ደምበ ተቓውሞ ክዛረብ ዝኽእል ናይ ወጻኢ ልኡኽ
2- ምቛም ሓደ ብስም ደምበ ተቓውሞ ክዛረብ ዝኽእል ዜናዊ ትካል
3- ምቛም ህዝባዊ ስርሓት ዝከታተልን ዘካይድን ኣካል

Last modified on Saturday, 14 September 2019 09:47