ኢሳያስ ኣብ ክወጸሉ ዘይክእል ዓዘቕቲ ይሽመም

2019-09-01 10:07:03 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2086 times

ኢሳያስ ኣፈወርቂ ካብቲ ኣብ ሰብዓታት  ብህዝቢ ዝነበሮ ተቐባልነት ካብ ዓመት ናብ ዓመት ሸተት እናበለ ናብቲ  ሕቡእ ባህሪኡ ይመለስ ከምዘሎ ጎሊሁ ይረአ ኣሎ። ሓቀኛ እንታይነት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ክሳብ ሎሚ ዝፈልጦ ሰብ የለን ብዘይካ ሓደ ክልተ መተዓብይቱን መማህርቱን። እዚኦም ውን ነቲ ሕቡእ ባህሪኡ ፈቲሾም ክረኽብዎ ኣይክእሉን ኢዮም።

ባህሪ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝገልጽ ሓደ ካብ መማህርቱ ስውኡ ምኪኤል ጋብር ካብቲ ዘዘንተወለይ ክጥቅስ ክፍትን ኢየ። ስውእ ምኪኤል ጋብር ንኢሰያስ ክገልጾ ከሎ ካብቲ ባህሪያዊ ተግባራቱ ነቒሉ ከምዚ ኢሉ ይገልጾ።”ደቂ ሰባት ክድህልን ከስተናዕቕን ድሕር ኣይብልን ኢዩ። መቓቒሉ ከእምን ውን ሓያል ተኽእሎ ኣለዎ። ኩሉ ምስጢራቱ ብቐሊሉ ክትበጽሖ ዘይከኣል ኢዩ። ኢሰያስ ንጥቕሙ ጥራይ ትውዓል እምበር ካብ ደቒቕ ናብ ደቂቕ ክገላበጥ ግዜ ኣይወስደሉን ኢዩ። “

ዋላ ኣብ ሜዳ እንከሎ’ውን እቶም መጋድልቱ ክገልጽዎ ከለዉ “ንበይኑ ኣብ ትሕቲ ጽላል ገረብ ኮፍ ይብል ከምዝነበረን፥ ክጽሕፍን ከንብብን ምስ ማንም ኣይዛረብን“ ይብሉ። ብዝኾነ ባህሪ ኢሳያስ ሎሚ እቲ ሕቡእ ባህሪያቱ እናተቐልዐ ኢዩ ዝመጽእ ዘሎ። ኢስያስ ኣፈወርቂ በቲ ንሕናን ዕላማናን ኢሉ ዘውጽኦ ማኒፈስቶ ንህዝቢ ከበሳ ግርም ገይሩ ኢዩ ክኸስቦ ክኢሉ። ንተራ ገባር ዘይኮነ እንተላይ ነቲ ምሁር እውን ከይተረፈ ኣእምንዎ ኢዩ። ኣብቲ እዋን እቲ ንሕናን ዕላማናን ክጽሕፍ እንከሎ ንህዝቢ ኤርትራ መቓቒልካ ምግዛእ ባህርያቱ ከምታ ስውእ ምኪኤል ጋብር ዝበላ “ንደቂ ሰባት መቓቒሉ ከእምን” ዝበሎ ዝሰማማዕ ኢዩ።

ኢሳያስ ናይ ምስሉይነት ካባ ቀያይሩ ክኽደን ብዙሕ ዘሸግሮ ኣይኮነን። ሓደ ካብቲ ባህርያቱ ኣብ ዝጻገመሉ እዋን፡ ግዜ ንምኽሳብን ክዳሎን ተቐላጢፉ ኣብ ዘተ እዩ ዝኣቱ።  ንሱ ዝለዓለ ኢድ ክሳብ ዝሕዝ ድማ ከምታ ምስ ዑስማን ሳበ ተማሓዝዩ ምስ ደልደለ ሃገራዊ ኣይኮነን ክሳብ ዝብል ውን በጺሑ። ስለዚ ባህሪ ናይ ኢሳያስ ጥልመት’ውን ስለዝሕወሰሉ መድሎ ኣብ ዝረኽበሉ “ነዲኺ ማይ ውረድላ” ክብል ኣይእግሞን ኢዩ።

ብዝኾነ ኢሳያስ ኣብተን ቅድሚ ናጽነት ኤርትራ ዝነበረለን ዓመታት ኣብ ዝተወሰነ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ፍትውን ቅቡልን ኢዩ ነይሩ። ድሕሪ ናጽነት ግን ክብሪ፡ ተኣማንነትን ተቐባልነትን ኢሳያስ ኣብ ህዝቢ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናተበለለን እናተቐልዐን መጺኡ። ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ማለት ኣብ ግዜ ናጽነት ዘቕርቦ ዝነበረ መደረ ካብ ዓመት ንዓመት ዘተስፉን  ትምኒትን እምበር ሓንቲ መዓልቲ ንህዝብን ሃገርን ዝጠቅም እዝን እዝን ገርና ኢሉ ደፊሩ ክዛረብ ኣይከኣለን። እንትርፎ ክራማት ወጺዑና፥ ዓለማት ዘርየናና፥ ዝዓይነቱ ናይ ብድዐን ምትላልን ዘረባን።  “ሓሶትን ሓርጭን እናኣሓደረ ይፈኩስ” ከም ዝበሃል፡ እቲ ናይ ኣምሰሉ መብጸዓታቱን፥ ዝህቦ ተስፋታትን ኩሉ ጭብጥን ፍረን ዘይብሉን ንፋስ ኮይኑ ተሪፉ። ንህዝቢ ኤርትራ ናይ ምጽናት መደብ ከምዝተተሓሓዞ በቲ መዓልታዊ እከይ ተግባራቱ ይበርህ ኣሎ።

ብፍላይ እቲ  ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይ ሰላም ምልክት ምስ ተራእየ፡ ኢሳያስ መን ምዃኑ ብዝያዳ ተቓለዐ።  ምስ መለስ ዜናዊ ዝነበሮ ዘይግሉጽ ስምምዓትን ዝምድናን ጠሊሙ፥ ናይ ምትኹታዃት መስርሕ ናተይ ኢሉ ሒዝዎስ ውጽኢቱ ከኣ መጽነቲ መንእሰይን መጋደዲ ስደትን ኮይኑ ውጽኢቱ። በዚ ዝኣክል ሓንሳብ ምስ ግብጺ፥ ሓንሳብ ምስ ኢራን፡  ሓንሳብ ምስ ሶቬት (ሩስያ) ግምጥል ኢሉ ድማ ምስ ስዑድያ ንምስምማዕ ኔው ነጀው ክብል ጸሓይ ይዓርቦ ኣሎ። ምስቲ ናይ ግልብጥብጥ ባህሪያቱ ድማ ምስ ዶክተር ኣቢዪ ኣሕመድ እውን እንተኾነ ነዊሕ ዘኸይድ ኣይመስልን። ምኽንያቱ ባህርያት ኢሰያስ እታ ንሱ ዝረብሓላን እታ ስልጣኑ ዘደልድለላን ጥራይ ምስ እትኸውን ኢዩ እቲ ስምምዑ ዝኸይድ።

ስለዚ እቲ ንስልጣነይ የደልድለለይ ኢዩ ዝበሎ ናይ ሰላም ስምምዕ በቲ ዝፈጸሞ ተግባራት ካብ ህዝቢ ክርሕቖን ሕቡእ ድሌታቱ ክቃላዕ ግዜ ኣይወሰደን። እዚ ስለዝኾነ፡ ሎሚ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ብምሉኡ እኳ እንተዘይተባህለ ዝበዝሐስ ኣብ ልዕሊ ኢሰያስ ዝነበሮ እምነት እናተደምሰሰ እዩ። “እዚ ጽሉል ሰብኣይ እንታይ እዩ ዝገብር ዘሎ” ዘይብል የለን። ምኽንያቱ ንደቂ ሰባት ምስ ገንዘቦም ከለዉ ብመቑነን ክጥቀሙ ምግባሩ፥ መንእሰይ ሰሪሑ ቤተ ሰቡ ከይጸውር ስራሕ ኣልቦ ምዃኑ። ፋሕተርተር ከይብል ድማ ወያኔ ሎሚ ጽባሕ መጸትካ እናበለ ኣብ ጎዳጒዲ ኣስፊርዎም። ኣብዚ መወዳእታ ድማ “ኪኖዶብ ክንሓስብ ኣሎና”ብምባል  ኣሽካዕሊሉ። እታ ሃገርውን ኣበይ ገጻ ክትስጉም እያ ፍሉጥ ኣይኮነ።  እዚ ውን ህዝቢ ኤርትራ ምሒር ዓቃልን ትዕግስተኛን ኮይኑ፡ “ሎሚዶ ጽባሕ ይሓልፍ ይኸውን” እናበለ ተጸሚሙ ዝሓልፎ ዘሎ ካብ ፍርሂ ዝነቐለ ከምዘይኮነ፡ እነሆ መዓልቱ ኣኺሉ ህዝቢ ንኢሳያስ ብጋህዲ “ስልጣንካ ኣረክብ” ዝብለላ ዕለት ጥራይ ኢያ ተሪፋቶ ዘላ።

Last modified on Sunday, 01 September 2019 12:10