ትማሊ፡ ሎምን ጽባሕን እንተዘይተመላሊኦም

2019-07-11 07:44:05 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1571 times

ቃልስና ቃልሲ ኤርትራውያን ዕድሚኡ ነዊሕ እዩ። ሕጂ’ውን እቲ ነዊሕ መንገዲ ቃልሲ ቀጻሊ እምበር መሊኡ ኣብ ዘተኣማምን ዛዛሚ ምዕራፍ ዘይበጸሐ መስርሕ እዩ። እዚ ነዊሕ ግዜ ኣብ መስርሕ ዘሎ ጉዕዞ ቃልስና ነናቶም ባህርን ተዋሳእትን ዘለውዎም ምዕራፋት ኣለዉዎ። ኣብዚ ቃልስና ምዕራፍ ምርግጋጽ ናጽነት ተዛዚሙ እዩ። ሕጂ ንዋሰኣሉ ዘለና ምዕራፍ ከኣ ምያው ኣሎ። ጌና ዘይተተንከፈ ውሑስ ሰላም፡ ዲሞክራስን ምዕባለን መጻኢ ምዕራፍ እውን ኣብ ቅድሜና ኣሎ። እዞም ምዕራፍት በበይኖም ቆራሪጽካ ነቲ ሓደ እንዳቕረብካ ነቲ ካልእ እንዳርሓቕካ እትርእዮም ዘይኮኑ ኣብ ሕድሕድ ሰንሰለታዊ ምትእስሳርን ምምልላእን ዘለዎም ተጸላለውትን ናይ ኣረካብን ተረካብን ትውልዳዊ መስርሕ ኣካላት እዮም።

እዚ ሰንሰለታዊ ዝበልናዮ ነዊሕ ዝዕድሚኡ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ናይ ምቅብባል ቃልሲ፡ ብዙሓት ምዕራፋት ኣለዉዎ። እዞም ምዕራፋት ካበይ ናበይ ኢልካ ይቕየሱን ከከምቀያሲኡ ከኣ ክበዝሑን ክውሕዱን ይኽእሉ። ብዘይካዚ ተልእኮኦም ሓደ ምህናጽ ናጻ፡ ልኡላዊትን ምዕብልትን ኤርትራ ኮይኑ፡ ከከምቲ ዝገሃድሉ መድረኽ ነናቶም ባህርያት ኣለዎም። ብዙሓት ከም ዝርድእዎ፡ እቲ ቅድሚ ብረታዊ ቃልሲ ኣንጻር መግዛእቲ ዝተኻየደ ቃልሲ ከይዘንጋዕካ፡ ቅድምን ድሕርን ናጽነትን ድሕሪ ውድቀት ጨቋኒ ጉጅለ ህግዲፍን ኢልካ ከም ዓበይቲ ምዕራፋት ምርኣዮም ዝተለምደ እዩ። እቲ ብትማሊ እንምስሎ ቅድመ-ናጽነት ኤርትራ ዝነበረ መሪር ቃልሲ እዩ። እዚ ምዕራፍሲ ኣንጻር መግዛእታዊ ሓይሊ ኮነ ኣብ ሕድሕድ ኣብ ዝተኻየዱ ውግኣት ኤርትራዊ ዛርዩ ዘይውዳእ ደም ዝፈሰሰሉን ኩምራ ኣዕጽምቲ ዝተኸስከሰሉን ኣስካሕካሒ ምዕራፍ እዩ። እንተኾነ እዚ ምዕራፍ ኣብ መወዳእታ ብናጽነት ስለ ዝተዛዘመ፡ ነቲ ኩሉ መሪር ዋጋ ደቢስዎ እዩ። በቲ ኣብዚ መድረኽዚ ዘጋጠመ ክሳራ ዝሕበን እምበር ድሕሪት ተመሊሱ ዝጠዓስን ዝቑዝምን ኤርትራ ኣይነበረን።

እዚ ብሎሚ እንምስሎ ልዕሊ 27 ዓመት ዝዕድሚኡ ጌና ኣብ መስርሕ ዘሎ ምዕራፍ ቃልሲ ግና፡ ምስቲ ናይ ትማሊ ናይ ሕራነን ተስፋን ቃልሲ ቀጻሊ ዋሕዚ ኣይሓዘን። ብኣንጻሩ ናይ ህዝቢ ናይ ራህዋ ተስፋ ዘቕሃመ፡ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ክቡር ዋጋ ዝጠለመ፡ ኣንጻር ኩሉ ረብሓታትን ተስፋታትን ህዝቢ ዝዓንቀጸ ኩነት እዩ ፈጢሩ። እቲ ኣብ ቃልሲ ምእንቲ ናጽነት ዝጐሃረ ተስፋን ትጽቢትን ናብ መሰረታዊ መሰል ህዝቢ ዘውሕስ መጋርያ ክዓርግ ትጽቢት ዝተገብረሉ ምዕራፍ፡ እነሆ ወዮ ጓህሪ ኣብ ክንዲ ነበልባል ተስፋ፡ ዘይትስፉው ሓምኹሽቲ ወሊዱ። ወዮ ክሳብ ናጽነት ኣብ ዝነበረ ግዜ ቃል ዝኣተወ፡ ታሪኻዊ ዕድል ኣጋጢምዎ ናጽነት ዝተረከበ ጉጅለ ኢሳይያስ ቃሉ ዓጺፉ ክሕደት መሪጹ። ህዝቢ ኤርትራ ከኣ በቲ ከይተጸበዮ ዘጋጠሞ ክሕደትን ጥልመትን ሕጉስ ኣይነበረን። ሕጉስ ኣይነበረን ጥራይ ዘይኮነ፡ ከይጃጀወ፡ ምዕራፍ ድሕሪ ናጽነት ክዕረየሉ ዝጀመሮ ቃልሲ ብዘይምስካይን ተስፋ ብዘይምቑራጽን ቃልሱ ይቕጽል ኣሎ። ናይ ግዜ ጉዳይ እንተዘይኮይኑ ከምቲ ንናይ ቅድሚ ናጽነት ኤርትራ ምዕራፍ ሓቚኑሓቚኑ ኣጻዕዩ ዝተዓወተ፡ ኣብዚ ተተሓሒዝዎ ዘሎ፡ ናይ ድሕሪ ናጽነት ምዕራፍ እውን ነቲ ዓወቱ ክደግሞ ምዃኑ፡ ብፍላይ ኣብዚ እዋንዚ  ብዙሓት ምልክታት ንዕዘብ ኣለና።

ኣብዚ ናይ ሎሚ ምዕራፍ ቃልስና፡ ንናይ ትማሊ ኤርትራዊ መስተንክራዊ ሓርበኝነት ዘንጊዕካ ጐናይ ንትማሊ ዘይፈልጥን ቅያታቱ ዘየኽብርን  መንገዲ ንምሓዝ ዝግበር ድንዕምንዕ ንዕዘብ ኢና። እንዳሓደረ  እንዳወዓለ፡ ንትማሊ ካብ ሎሚ፡ ንሎሚ ካብ ጽባሕ ፈላሊኻ ምርኣይ፡ መሰረት ኣብ ዘይሓዘ ብናሕሲ ጥራይ ገዛ ክትሰርሕ ናይ ምፍታን ኣቕጣጫ ምዃኑ ብብዙሓት ግንዛበ ዝረክብ ዘሎ እዩ። ጽባሕ እውን ከምኡ ካብ ናይ ሎሚ ዝተነጸለ ህላወ ከምዘየብሉ ግንዛበ ክረክብ ይግበኦ። ሓቂ እዩ እዞም ምዕራፋት ነናቶም ተዋሳእቲ ኣለዎም። ብዘካዚ እዞም ምዕራፋት ነናቶም ብዙሓት ዞባውን ዓለማውን ተጽዕኖታትን ጽልዋታትን ኣለዉዎም።  ኣብ ኤርትራዊ ቃልስና ናይ ቅድሚ ናጽነት ምዕራፍ ኣብ በረኻ ዝተኻየደ፡ ብምዕቡል ዘመናዊ መራኸብታት ዘይተሰነየ ነይሩ። ናይ ዓለምና ፖለቲካዊ ቅኒትን ናይ ሓይልታት ኣሰላልፋን’ውን ከምዚ ናይ ሎሚ ኣይነበረን። ብኣንጻሩ ናይ ሎሚ ናይ ዲሞክራስን መሰረታዊ መሰላትን ቃልስና፡ ኣብ ማእከል ህዝቢ ዝካየደ ብምዕቡልን ስሉጥን ማሕበራዊ መረኻብታት ዝተሰነየን ብዓለማውነት ዝተጸልወን እዩ። ስለዚ ኣብዚ ሕጂ ዘለናሉ ምዕራፍ ቃልሲ በቲ ናይ ቅድሚ ናጽነት ቅዲ ክንዋሳእ ኣይከኣልን። ጉጅለ ህግዲፍ ግና ነዚ ንርከበሉ ዘለና ስሉጥን ምዕቡልን መድረኽ በቲ ናይ ቅድሚ ናጽነት፡ ኣብ ሎሚ ኮይንካ ክምዘን እንከሎ ግዜ ዝሓለፎ ስልቲ እዩ ኣብ ሕሉፍ ክነብር ዝጽዕት።

 መስርሕ ቃልሲ ምስ ኩነታት ዝምዕብል እምበር ንሓዋሩ ኣብቲ ዝሓለፈ ስልትታቱ ኣይንበር’ዩ፡ ክንብል እንከለና፡ ነቲ ዝሓለፈ ኤርትራዊ ቅያ ፈጺምና ንረሰዓዮ ማለት ኣይኮነን።ብኣንጻሩ ነቲ ናይ ሽዑ ቅያ ንሎሚ ብዝምጥንን ዝሰማማዕን ስልቲ ኣሕዲስና ንቕድሚት እንዳማዕደና ንሓዞ ኢና ንብል ዘለና። ሎምን ትማልን ከነወዳድር እንከለና፡ ካብቲ ዝሓለፍናዮ ተማሂርና ንናይ ቅድም ጌጋ ኣይንድገም ማለትና እዩ። ኣብ ሎሚ ኮይንካ ንናይቲ ዝሓለፈ ምዕራፍ ጌጋ ምድጋሙ ግና ፈጺሙ ናይ ሎሚ ክንስኻ ኣብ ናይ ቀደም ምንባር ማለት እዩ ዝኸውን። እዚ ኣብ ሃገርና ብጉጅለ ህግዲፍ ዝረአ ዘሎ ድሑርን ጨቋንን ኣተሓሕዛ ጉዳያት ናይ ሕማቕ መርኣያ እዩ። ናይ ጉጅለ ህግዲፍ ግጉይ ኣተሓሕዛ ክሳብ ክንደይ ድሑር ምዃኑ ዘዛርብ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ኩሉ ነገራቱ ብሓሶትን ባዶ ተስፋን ዝተላዕጠጠ፡ ዓንቂ ስለ ዝኾነ።

እዚ ኣቐዲሙ ዝሰፈረ መልእኽቲ ናብቲ ክዕረ ተስፋ ዘይብሉ ህግዲፍ ዘይኮነ፡ ናባና ናብ ሓይልታት ለውጢ እዩ። ናይ ሎሚ ተዋሳእቲ ክንስና ብናይ ትማሊ ሜላ ክንጻወት ኣይግበኣናን። ትማሊ ዝፈጸምናዮም ጌጋታት ዋጋ ኣኽፊለሙና ዝሓለፉ እምበር ዝምለሱ ኣይኮኑን። ነቶም ዝሓለፉ ዕድላት ሎሚ ክንመሃረሎም ግና ናይ ግድን እዩ። ትማሊ ብሰንኪ ብሓባር ዘይምስራሕ ዘጋጠመና ክሳራ እንተልዩ፡ ሎሚ ኣብ ክንዲ ንዓኡ ንደገም ካብኡ ተማሂርና ከነእርም እዩ ዝግበኣና። ኮታ ትማሊ፡ ሎምን ጽባሕ እንተዘይተመላሊኦምን ኣብ ዓወት ክንበጽሕ ኣይንኽእልን ኢና።

                      

       

Last modified on Thursday, 11 July 2019 09:47