ጨቋኒ ስርዓት ኣብ ግጉይ ሓበረታ እዩ ዝምርኰስ

2019-07-07 09:49:29 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1658 times

ምልካዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎ ባእታ፡ ብሕጋዊ ይኹን ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ኣብ ስልጣን ዝመጽእ ኩሉ ግዜ ልዕልናኡ ከይሕደግ ምስ ሰግአ እዩ። ካብዚ ዝነቐለ ጨቈንቲ ስርዓታት ነፍሰ-ተኣማንነት ሰለዘይውንኑን ብግዝኣተ-ሕጊ እውን ክቕየዱ ቅሩባት ስለ ዘይኮኑ፥ ብዝሓድሮም ባህራሪ ባህሪ፥ ስልጣን ተገፈፍና ብዝብል ነታ ዝይምህዝዎ የለን።

ካብ ኩሉ ዘገርም ከኣ፥ መለኽቲ ስርዓታት ቅድሚኦም ዝሓለፉ መለኽቲ ብኸመይ ስልጣኖም ከምተገፉን ዕድሎም ብኸመይ ከምዝተደምደመን ክመሃሩሉን ተመኩሮ ክወስዱሉን ድሌየት የብሎምን። ጋና ሓቀኛ ባህርያቶም ከይተፈልጠ ህዝቢ ሆ እናበለ ከምዛ ናይ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ክቕበሎም እንከሎ፥ ዓለም ዝጭበጡ ኮይኑ ኢዩ ዝስመዖም። ነዚ ሆ ኢሉ ዝተቐበሎም ህዝቢ ድማ ተመሊሶም ሆ እናበለ ስልጣኖም ክገፍፍ ከምዝኽእል ስለዝፈልጡ፡ ከሎ ጋና ነቲ ህዝቢ ብድንቁርናን፥ ዘይትግበር ተስፋታት ብምሃብን፡ ብዓቢኡ ድማ ኣደናጋርን ግጉይን ሓበረታ ምንዛሕ ቀንዲ መሳርሒኦም ኢዩ። እዚ ማለት ግጉይን ወዲ ሰብ ክመራመረሉ ዘይክእል ዝመስልን ሓበረታ ብቓልዕ ይኹን ብታሕተታሕቲ ከም ዝዝርጋሕ ይገብሩ።

ኣብ ሃገርና ዘሎ ምልኪ ምስ እንዕዘብ፡ ካብቲ ፈለማ ግዜ ምሉእ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብሰንኪ ንሓደ ሚእቲ ዓመት ዝኣክል ናጽነት ተሓሪምዎ ዝነበረ፡ ብዓቢ ፍሰሃ፡ ዳንኬራን ሳዕስዒትን እዩ ተቐቢልዎ። መወዳእትኡ ግና ከምቲ ፡”በዐራይ ነቲ ዝበልዕ ሳዕሪ እምበር ነቲ ዝጽበዮ ገደል ኣይርእዮን።” ዝበሃል ምስላ ይኸውን። ምሉእ ህዝቢ ኤርትራ “ወሰዶየ እሲያስ በዓል ስረ” እናበለ ክደርፍ እንከሎ፥ በቲ ሓደ ሸነኽ፡ እቲ ብደቆም ዝመጸት ናጽነት ብሓደ ውልቀ ሰብ ከምዝመጸት ምቕራቦም፥ በቲ ካልእ ሸነኽ ድማ ኣብቲ ሽዑ ዝነበረ ሃዋሁ ጽባሕ እንታይ ክስዕብ እዩ ዝብል ኣብ ኣኣመሮ ነፍሲ ወከፍ ክህሉ ፈጺሙ ዘይሕሰብ ኢዩ።  

ህዝቢ እምበኣር፡ በቲ ሓንሳብ ዝኣመነሉ፡ ተገሪሁ ነቲ ስርዓት ወግሐ ጸብሐ ዘቕርቦ ወይ ዝህቦ ተስፋታትን ግጉይ ሓበረታታትን ከምዘለዎ ከይተመራመረ ክቕበሎ ናይ ግድን እዩ። እስኪ ንህዝቢ ምድንጋር ስርዓት ጨቋኒ ስርዓት ኢሰያስ ካብ ዘቕርቦ ዝነበረን ዘሎን ግጉይ ሓበረታ ንተዓዘብ። ኣብቲ መጀመርያ ግዜ ነቲ ሃገራዊ ሓይሊ ማለት ኩለን እተን ኣብ ደገ ዝነበራ ውድባት ጠርኒፉ ኣብ ሃገራዊ ዕርቂ ንኸይኣቱ “ድሕሪ ደጊም ብውድባት ሓሸውየ የለን” ክብል መደረ። ኣብቲ ግዜ’ቲ ህዝቢ “እቶም ዝተረፉ ደቅናኸ ኣበይ ኣለዉ?” ኢሉ ንኸይሓትት ኣፍ ኣትሓዞ። ቀጺሉ ጉዳያት እናተረረ ኣብ ዝኸደሉ እዋን፡ ሓሙሻይ መስርዕ ዝብል ቅጽል ስም ብምውጻእን ጂሃድ ተቐላቒሎም ብምባልን ነቲ ህዝቢ  ሃገረይ ከይትጠፍእ ኣብ ዝብል ሓሳብ ኣእተዎ። ድሒሩ ምስ ወያነ ውግእ ምስተወለተወለዐ፡ መሬት ኤርትራ ዕስራን ሓሙሽተን ኪሎሜትራት ዝኣክል ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ዝይኤርትራዊ ሰራዊት ከምዝኣቱ ገበረ። ካብዚ ነቒሉ ዶብና ከይተሓንጸጸ ዕረቀ-ሰላም የለን እናበለ፡ ህዝቢ “ሓቁ እንዲዩ” ክሳብ ዝብል ኣእመነ። ኣብዚ ዳሕረዋይ  እዋን ድማ ምስ ምምጻእ ዶክተር ኣብዪ ኣሕመድ ካብቲ ናይ ቅድም ዝኾነ ሓድሽ ዘይመጸ ክንሱ፥ ነታ “ጌግ ኢዝ ኦቨር” እትብል ቃል ምስ ወርወራ፥ ግሩህ ህዝብና ድማ፥ ተቐቢሉ ርኢኹምዶ፡ ንወያነ ሳላ እቲ ጽንዓትናን፥ ሓቦናን ኣዳኺምናያ ክብል ጀመረ። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ሕንፍሽፍሽ ኢሰያስ ከም ዝሰዓረ ኮይኑ ዝስመዖም ግሩሃት ሃገራውያን መሊኦም ኣለዉ።

ኣብዚ ቀረባ፡ ካብቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ዝገደደ ኣዝዩ ዘስደምም ግጉይ ሓበረታ  ክወናጨፍ ንሰምዕ ኣሎና። ንሱ ድማ ዶክተር ኣብይ ናይ ፖለቲካ እሱራት ናጻ ከምዘውጸአ ኩሉ ዝፈልጡ ሓቂ ኢዩ። ኢሰያስ ሆየ ድማ፡ ብወገኑ “እሱራት ክትፈትሕ ኣሎካ” ምባሉ ዘይትተርፍ ምዃና ስለዝፈለጠ ሓደ ብልሓት ፈጠረ። ነቲ ህዝቢ ንምድንጋር ከኣ ከምዚ ዝብል መናፍሓት ዘርገሐ። “እሱራት ይፈትሑ ዝበሃል ቅኑዕ እኳ እንተኾነ ነዚ ናይ ኢትዮጵያ ዕግርግር ዝፈጥር ዘሎ ሓይሊ እቲ ካብ ቤት ማእሰርቲ ብናጻ ዝተለቐ ገበነኛ’ዩ ዝብል ኣዝዩ ግጉይን ድሑርን መታለሊ ወረ ይነዝሕ ኣሎ።

ከምዚ ዝዓይነቱ ሓሶትን ምህዞን ዘይውደኦ ኣደናጋሪ ስርዓት ኣብ ዓለም ውን ዝተራእየስ ኣይመስልን። ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ብሓባር ኰይና ነዚ እኩይ  ስርዓት ንመመሳመሲ ምኽንያታቱ ዕድል ከሊእና ክንኣልዮ እንተዘይተበጊስና ንዝያዳን ዝገደደ ሓደገኛን ኣፍራስን ስጉምቲታት ከም እንቃላዕ ክንርዳእ ይግበኣና።

Last modified on Sunday, 07 July 2019 11:53