መንእሰይ ናይ ጽባሕ መራሒ

2019-06-15 12:52:25 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1655 times

መንእሰይ ናይ መጻኢ ምዃኑ ማንም ዝኽሕዶ የለን። ምኽንያቱ ንሱ ወራሲ፡ ንሱ ተካኢ፥ ንሱ ናይ ጽባሕ ወላዲ፥ ንሱ ናይ ጽባሕ ኣቦሓጎ፥ ንሱ ናይ ጽባሕ ኣገልጋሊ ኮታ ሎምን ጽባሕን ዘራኽብ ድንድል እዩ። ኣብ ቅድሚዚ ኩሉ ሓላፍነት ብቑዕ ንክኸውን ከኣ፡ ነቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ እናኽበረን ካብ ተመኩሮታቶም እናተማህረን እናኣስተውዓለን፥ ክዋሳእ ከሎ ብርግጽ ብቑዕ ተካኢ ክኽውን ይኽእል።

መንእሰይ ካብ ዝተወልደሉ፡ ክሳብ ወዲ ሰብዓን ሓሙሽተን ዓመት ዝኸውን ተለዋዋጢ ማሕበራዊ ጠባያት ክህልዎ ይኽእል እዩ። እዚ ማለት ኣብ ቆልዕነት፥ ጉብዝና፥ መንእሰይ፥ ዓቕሚ ኣዳም ዘሎ ዕድመ በብደረጅኡ ኣተሓሳስባን ባህልን ምዕባለን በበይኑ ምዕባለ ዝርኣየሉ እዩ ። ስለዚ ናይ ነፍሲ ወከፍ ድሌታት፥ ስምዒታትን ኣተሓስስባታትን ይፈላለ። ንኣብነት ገዲም ወለዶን ሓዲሽ ወለዶን ምስ እነነጻጽሮ ብዙሕ ዝፈላልዮም  ጉዳያት ንረክብ ኢና። እዚ ፍልልያት እዚ ግና ኣብቲ ማሕበራዊ ባህርያት ደኣ እምበር ከምቲ ናይ ፖለቲካዊ ፍልልይ ኣብ ግርጭታት ኣጥሒሉ ክሳብ ውግእ  ዘእቱ ኣይኮነን። እቲ ሓዲሽ ወለዶ ነቲ ኣብ መንጎ ደቂ ሰባት ዝግበር ርክባት ወይ ዝምድናታት ኣብ ምምዕባል ወይ ኣብ ምትሕብባር ወይ እውን ኣብ ኣተሓሳስባ ምስቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ወለዶ ዘይሰማማዕ ክኸውን ይኽእል። እዚ ነቲ ብሉይ ብሓዲሽ ንምትካእ ኣብ ዘሎ መስርሕ ዝፍጠር ምፍሕፍሕ እዩ።  

ኣብቲ ካብ ሓምስታት ክሳብ ሰብዓታት ዝነበረ ወለዶ እንተርኢና፡ እቲ ማሕበራዊ ርኽክባቱ ምስ እዚ ናይ ሓዲሽ ወለዶ ኣጸቢቑ ይፈላለ። እቲ ገዲም ወለዶ ምስቲ ዘመናዊ ምዕባለ ብፍላይ ዘመነ ተክኖሎጂን ኣብ ባህላዊ ምምሕያሽ ብዙሕ ክስዕቦ ኣይትርእዮን። ምኽንያቱ ንሱ ነቲ ሒዝዎ ዝጸንሐ ምስቲ ሓዲሽ ናይ ባህሊ ለውጢ ስለ ዝገራጮ ክድግፎ ኣይኽእልን ይኸውን። ንኣብነት ከምዚ ሎሚ መንእሰያት ቀዳድ ስረ ተኺዲኖም ዝኸዱ ዘለዉ ካብ ወዲ 40 ዓመት ንላዕሊ ከምኡ ክኽደን ማለት ዘይትጽበዮ እዩ። ሓዲሽ ወለዶ ነቲ ብሉይ ኣተሓሳስባ ወይ ባህሊ ክልውጥ ወይ ክቐድሕ እዩ ፋሕተርተር ዝብል። ስለዚ እቲ ኣብ መንጎ ሓዲሽን ገዲምን ዘሎ ጋግ ብዕድመ ፍልልይ ዘይኮነ ዝልካዕ፡ እንታይ ደኣ ብናይ ኣተሓሳስባን ድሊታትን ፍልልይ እዩ። እዚ እዩ ድማ ነቲ ኣብ ፖለቲካዊ ሓሳብ ተመሳሰልቲ ክገብሮም ዝኽእል። በዚ ዝኣክል ኣብ ነሓድሕዶም ክናበቡ ይኹን ክረዳድኡ ዝኽልክል የለን።

እቲ ጸገም ወይ ሽግር ዘሎ፡  እቲ መንእሰይ ዝልውጦ ዘሎ ሓዲሽ  ድሌትን ትምኒትን ከምቶም ገዳይም ሸፈፍ ኢሉ ስለዘይሓልፎ ብቐሊሉ ምስቲ ግዜ ክመሳሰል ኣይሽግሮን እዩ። ነቲ ሒዝዎ ዘሎ ባህሊ ማለት ከምቲ ቀዳድ ስረ ናይ ምኽዳን፡ ንከቋርጹ ክትዛረቦምን ክትምዕዶምን ኣይቅበሉኻን ኢዮም። እዚ ውን ግዚኡ ሓልዩ፡ እቲ ሓዲሽ  ክሳብ ብካልእ ሓዲሽ ዝትካእ እምበር ቀነባሪ ኣይኮነን። ምስ እዚ ተጎዝጒዙ ዝኸይድ ንባዕሎም እቶም መንእሰያት ኣብ ምቹእ ሃለዋት ስለዘየለዉ እቲ ዝሓስብዎ ምስቲ ዝደልይዎ ለውጢ ዘይምችእ ኮይኑ ረኺቦሞ። ንኣብነት ከምቲ እቶም መንእሰያት ዝደልይዎ ወይ ዝጽበይዎ ምስ ዘይኮነሎም ተጽዕኖ ይፈጥረሎም’ሞ ናብ ጸርፍን፥ ባእስን፡ ክሳብ ናይ መስተን ሓሺሽን ንምጥቃም ገጾም የድህቡ። እዚ ዓቕሊጽበታዊ ስምዒት እዚ እውን ይኸውን እዞም ዓበይቲ ሓንቲ ኣይገበሩን ኣይረብሑን ክብሉ ዝደፋፍኦም።

ይኹን እምበር ዕድመኦም ልዕሊ ኣርባዓ ዓመት ኣብ ዝኾነሉ ግዜ  ኣተሓሳስባኦም ይቕየር እዩ። እዚ ድማ ካብቲ ሕሉፍ ጌጋታቶም ክመሃሩን ምስቲ ከባቢኦም ናይ ምምስሳልን ነፍሶም ክፈቕዱን ዘጸብቕሎምን ዘኽፋኣሎምን ክመምዩ ይጅምሩ። ቅድሚ እዚ ዕድመ እዚ ግና ሰብ ናብ ቅኑዕ መንገዲ ምምራሕ ገዲፉ ብቄናን ክኸዱ እንተመሪሕዎም ክሳብ ዝርድኦም ክኽተልዎ ይኽእሉ እዮም። ነዚ ኣብነት ክኾነና ዝኽእል እቲ መንእሰይ  ካብቲ ኣብ 2010 ዝነበረ ባህሪያትን ሎሚ ዘሎ ባህርን ኣተሓሳስባን ኣጸቢቑ ይፍለ እዩ። ትማሊ ሰልፍታት ኣየድልያን ዝብል ዝነበረ ሎሚ ከምኡ ዝብል የለን። ትማሊ ብውግእ እምበር ዘይጐነጻዊ ዝበሃል ጽገና እዩ ዝብል ዝነበረ ሎሚ ብዘይጎነጻዊ ኣገባብ ክዕዓወት ክረጋገጽ ከም ዝኽእል ካብ ምዕብለ  ከባቢኡ ቀሲተመኲሩ ኣሎ። “ካብ በበይንኻ ምኻድ ሃገርን ህዝብን ንምድሓን  ኣንጻር እዚ ጨቋኒ ስርዓት ሓቢርካ ምስራሕ” እናበለ እዩ ዝጭርሕ ዘሎ። እዚ ከኣ እዩ እቲ ናይ ምትኽኻእ መስርሕ ግቡእ መስኖኡ ሒዙ ንክኸይድን ንክዕወትን ዝሕግዝ። ብተወሳካብዚ ሓሊፉ ነቲ ቀንዲ መንቀሊ ሽግራት መምዩ ነታ ሓቂ ንምውጻእ ክመራመር ዝጅምረሉ መድረኽ እዩ ዘሎ። ስለዚ እቲ ኣብ መንጎ ዓበይትን መንእሰያትን ዘሎ ሃጓፍ ንቅዋማዊት ሃገር ኣብ ምፍጣር ብሓባር ኰይና ሓድሕዳዊ ምስንናቕ ተመኩሮ፡ ሓባራዊ ሃገራዊ ረብሓን ዘውሕስን ምዕቡል ባህሊ ክነጥን ይከኣል። በዚ መሰረት እቲ መንእሰይ ካብቲ ታህዋኽን ህንዱድነትን ተናጊፉ ምዕቡል ኣተሓሳስባን ንኹሉ ብማዕረ ዝጥምት ንቕሓት ኣናኣጥረየ ኣብ ዝኸደሉ፡ ኣብ ምምራሕ ግደኡ ክጻወትን ክትክእን ብቑዕ ይኸውን።

 

Last modified on Saturday, 15 June 2019 14:54