30 ዓለም-ለኸ ተሓለቅቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ብዝምልከት ናብ ሕ/ሃ ደብዳቤ ጽሒፎም

2019-06-13 07:05:52 Written by  VOA Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2660 times

30 ዓለም-ለኸ ተሓለቅቲ ሰብኣዊ መሰላት፣ ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ብዝምልከት ናብ ናይ ሕቡራት ሃገራት ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ደብዳቤ ጽሒፎም።

እቶም ዓለም-ለኻውያንን ኤርትራዊያንን ጉጅለታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብቲ ትማሊ 11 ሰነ ዝጸሓፈዎ ደብዳቤ፣ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕ/ሃ ኣብ ዘካይዶ ስሩዕ ኣኼብኡ፣ ብዛዕባ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ምቁጽጻርን መጽናዕትን ክካየድን ጸብጻባት ብስሩዕ ክቐርብን ክቕጽሎ ሓቲቶም’ለዉ።

ድሕሪ’ቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝተጀመረ ርክብ፣ ይኹን ኣብ መንጎ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ሶማልን ዝተኻየደ ስሉሳዊ ስምምዕ፣ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ገና ኣብ ሕማቕ ኩነታት ኣሎ ኢሎም።

ብኻልእ ወገን ልዕሊ 100 ህቡባትን ፀለውትን ዝኾኑ ኣፍሪቃውያን ፀሓፍቲ ደረስትን ጋዜጠኛታትን ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ከመሓይሹ ዝፅውዕ ቅሉዕ ደብዳበ ናብ ፕረዚደንት ኢሰያስ አፈወርቂ ፅሒፎም።

ናብ ኤርትራ ብምኻድ ምስ ፕረዚደንት ኢሰያስ ተራ ዜጋታት ኤርትራ እሱራት ጋዜጠኛታትን ካልኦትን ክዘራረቡ ከምዝደልዩ ብምግላፅ መልሲ ፕረዚደንት ኢሰያስ ይፅበዩ ከም ዘለዉ’ቶም ተሰማዕነት ዘለዎም ኣፍሪቃውያን ኣብቲ ደብዳበኦም ገሊፆም’ለው።

Source=https://tigrigna.voanews.com/a/ዓለም-ለኸ-ተሓለቅቲ-ኣብ-ኤርትራ-ዘሎ-ኩነታት-ሰብኣዊ-መሰላት-ብዝምልከት-ናብ-ሕ-ሃ-ደብዳቤ-ጽሒፎም/4956635.html

Last modified on Thursday, 13 June 2019 09:09