ኣብ ሎንዶን  ኣብዝተኸብረ መበል 28 ዓመት በዓል ናጽነት ብኣሰፋው በርሀ ዝቐረበ መግለጺ  

2019-05-30 15:00:57 Written by  ኣሰፋው በርሀ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2443 times

ብመጀመርያ ኣብዚ ክቡር መዓልቲ’ዚ ኣብ ቅድሚ ደቂ ሃገረይ ጠጠው ኢለ ቃል ክስምዕ ዝዓደምኩምኒ ምስጋና አቕርብ።

ኮሚቴ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ ዕዙዝ ሃገራዉን ህዝባውን ሓላፍነት ተሰኪምኩም፡ ካብ እትምስረቱ ጀሚርኩም ከይተሓለልኩም ብዝተቓለኩሞ፡ ነዚ ዝመስል ሰፊሕ በዓል ከተዳልዉ ምኽኣልኩም ንኹላትና ዘሐብን ኢዩሞ እንቁዋዕ ደስ በለኩም።

ክቡራትን ክቡራንን ደቂ ሃገር፡ ነዚ ክቡር ሃገራዊ በዓል'ዚ ክልተ ዝተሓዋወሰ ስምዒታት እናተሰምዓና ኢና ነብዕሎ ዘሎና። በቲ ሓደ ሸነኽ፡ ብመስዋእትን ጀግንነትን ናይ ደቃ፡ ሃገርና ኤርትራ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ታሪኽ ናጻ ሃገር ዝኾነትሉን፡ ኣህጉራዊ ተፈላጥነት ዝረኸበትሉን መዓልቲ ስለ ዝኾነ ክብርን ሓጎስን ይስመዓና። በቲ ካልእ ሸነኽ ግን፡ ህዝብና ነዛ መዓልቲ'ዚኣ ሓርነትን ፍትሕን ራህዋን ሰላምን ሒዛ ክትመጸእ ዝተቓለሶን፡ ዝሓለሞን፡, ዝተጸበዮን፡ ካብ ኣብራኹ ብዝወጹ ደቁ ተጠሊሙ። ናብ ሓዲሽ ምዕራፍ ናይ ውርደትን ጭቆናን ስለ ዝኣተወ ሓዘን ይስመዓና። ካብዚ ብምንቃል ድማ፡ ኣብዚ መዓልቲ'ዚ ድርብ ሓላፍነት ከም ዘለና ንግንዘብ።

እቲ ቀዳማይ፡ ብከቢድ መስዋእቲ ዝተረጋገጸት ሃገር፡ ናጽነታን ልዑላውነታን ንዘልዓለም ተኸቢሩ ክነብር ምሕላው ኮይኑ፡ እቲ ካልኣይ ሓላፍነት ድማ፡ ንህዝብና ካብዚ ን28 ዓመታት፡ ብምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ወዲቕዎ ዘሎ ኣደራዕ ምንጋፍ ኢዩ።

ህዝብና ኣብ ትሕቲ ውልቀ- መላኺ ስርዓት ኢሰያስ ዘሕልፎ ዘሎ ስቓይ፡ ኣብዚ ንዓኻትኩም ምግላጽ፡ ከም ንቐባራይ መርድእ ምልኣኽ መሲሉ ስለ ዝቑጸር፡ ብመግለጺ ከሰልክየኩም ኣይመርጽን ኢየ። እንተኾነ ግን ብዛዕባ ባህርያት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ቁሩብ ክዛረብ ኢየ።

ህዝብና፡ ቅድሚ 28 ዓመት ካብ መግዛእታዊ ጎበጣ ንዘገላገሎ ተጋዳላይ ብሓፈሻ፡ ነቲ ንገድሊ መሪሑ ዝኣተወ፡ ተጋዳላይ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ድማ ብፍላይ፡ መዘና ብዘይብሉ ኣኽብሮት ኢዩ ተቐቢልዎም። እንተኾነ ግን፡ ህዝብና ማዕረቲ ንመራሕቱ ዘኽበሮምን ዘፍቀሮምን ክንዲ ዝኽበርን ዝፍቀርን፡ ብክንዲ'ቲ ዘኽበሮ ልክዕ ተዋሪዱን ተናዒቑን። ብክንዲቲ ዘፍቀሮ መጠን ድማ ተጸሊኡ። ስለዚ ድማ፡ እቲ ዝምድና ኣብ መንጎ ዲክታቶር ኢሰያስን ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ ዝምስረት ስለዝኾነ፡ ሓልዮት ህዝቢ ዘንጸባርቕ ስራሕ ኣብ ኤርትራ፡ ብዲክታቶር ኢስያስ ክስራሕ ትጽቢት ዝግበረሉ ኣይኮነን። ብንዕቀትን ትምክሕትን ጽልእን ዝተላዕጠጠ ኣመራርሓ ውልቀ ምልካዊ ስርዓት፡ ብዝኾነ ይኹን መልክዑ ንጠቕሚ ህዝቢ ክውዕል ከም ዘይከኣለ ኣብ ና 28 ዓመታት ተሞኩሮና ክንምስክሮ ዝኸኣልና ኢዩ።

ህዝቢ ኤርትራ፡ ከም ኢዱን ዘሕለፎ ታሪኹን ካብ ኩሉ ሓዘኑን መከራኡን ዘጽናንዕዎን ዝድብስዎን ዘኽብርዎን ዘገልግልዎን መራሕቲ ኢዩ ክፈጥረሉ ዝግብኦ ዝነበረ። ግን ኣይተዓደለን፡ እቲ ዝገርም ድማ፡ ኢሰያስ ኣብ ህዝቢ ዘለዎ ንዕቀት ጥራይ ኣይኮነን እቲ ወሰን ዘይብሉ፡ ኣብ ልዕሊ መሳርሕቱን ትካላት መንግስቱን ዘለዎ ንዕቀት ውን ደረት ዘይብሉ ምኽዋኑ ኢዩ። ኣብ ግዝኣት ኢሰያስ፡ እቲ ከም ገዛኢ ሰልፊ ዝፍለጥ ኣብ ኢርትራ፡ ህግድፍ ኣበይ ከምዘሎ ኣይፍለጥን ኢዩ። እቲ ባይቶ ኤርትራ፡ፓርላማ ዝበሃል ንልዕሊ 10 ዓመታት ስሙ ውን ተሰሚዑ ዘይፍለጥ ኢዩ። እዚ ኩሉ ምስቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘለዎ ንዕቀት፡ ክቱር ንዕቀት ኣብ ልዕሊ መሳርሕቱን ትካላት መንግስትን ዘመስክር ኢዩ።

ብንዕቀትን ትምክሕትን ጽልእን ዝተጻዕነ ፖለቲካዊ ኣመራርሓ ውልቀ-መላኺ ኢሰያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ሃገርና ኣብጺሕዎ ዘሎ ፖለቲካውን ቁጠባውን ማሕበራውን ዕንወት ብሓጺር ግዜ ናብ ንቡር ቦትኡ ክምለስ ዝኽእል ኣይኮነን። ብኹሉ መዳያት ሂወት ዝተጎድአ ህዝብና እዚ ከይኣኽሎ ድማ፡ ብሰፍ ዘይብል ዋጋ መስዋእቲ ዝተረጋገጸት ሃገር፡ ልዑላውነታ ንሓደጋ ክሳጥሕ ክትርኢ ከሎኻ፡ ንበዓል ነጎዳስ ሓዊ ደብሶ ዘብል ኢዩ።

ክቡራትን ኩቡራንን ደቂ ሃገር፡ ሎሚ ኩነታት ሃገርና ክትጽመሞን ትም ኢልካ ክትርእዮን ኣብ ዘይትኽእለሉ ናይ ውድቀት ጥርዚ ኢዩ በጺሑ ዘሎ።  ነዚ ኣብ ሃገርና ኣንጸላልዩ ዘሎ ሓደጋ ስለዝተገንዘበ ኢዩ ድማ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዝነብር ህዝቢ ኤርትራ፡ ከም ቆፍኡ ዝተተንከፈ ንህቢ ኣንጻር ዲክታቶርያዊ ስርዓት ብነድሪ ተንሲኡ ዝርከብ።

ካብ ብጊሓቱ ንመንነት ውልቀ-መላኺ ኢስያስ ፈሊጦም ክቃለሱ ብዝጸንሑን፡

ነቲ ስርዓት እናጸልእዎ ግን ኣብ ናይ ሱቕታ ሃለዋት ጸኒሖም፡ ደጊም ይኣክል ሱቕታ ኢሎም ብዝተበገሱን፡

ዲክታቶር ኢስያስ ንዝገብሮ ዝነበረ መብጻዓታት ጠሊሙ፡ ንልዑላውነት ሃገር ኣብ ሓደጋ ብምእታዉ፡ ተቖጢዖም፡ ይኣክል ኣይነገልግለካን፡ ኣይንድግፈካን ብዝበሉን  ደምበ ፍትሒ ሰፊሑን ኣዕለቕሊቑን ኣሎ። ኩሉ ተቓላሳይ ፍትሒ ነንዝመጸሉ ጉዕዞን ዝጸንሖ ሃለዋትን ደጊም ይኣክል ብምባል፡ ሓዲሽ ጉዕዞ ቃልሲ ክኽተል ኣብ ነብሱ ቃል ብምእታው ተበጊሱ ይርከብ ኣሎ።

ሎሚ፡ ነዚ ብውልቀ መላኺ ስርዓት ተገፊፉ ዘሎ ሃገራውን ሰብኣውን ክብርና ንምምላስ፡ ተዓጢቕና ኣብ እንቕጽለሉ ዘሎና እዋን፡ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ንኣድማዕነትና ማሕለኻታት ኮይኖምና ንዝነበሩ ጉዳያት ወጊድና ብንጹር ዝኾነ ራእይ ክንጎዓዝ ክንክእል ኣሎና።

ቀዳማይ፡ ንሕና ከም ደለይቲ ፍትሒ፡ እቲ ከነረጋግጾ እንደሊ ዕላማ ብንጹር ከነቐምጥ ኣሎና።

ካልኣይ፡ ኣብ ምዕዋት ዕላማና መን'ዮም ፈተውትና? መን'ከዮም ጸላእትና? ብንጹር ክንፈልጥ ኣሎና።

ሳልሳይ ድማ፡ ንዕላማና ብከመይ ኣገባብ ነረጋግጾ ሓባሪ ስእሊ ክህልወና የድሊ።

ናይ ደለይቲ ፍትሒ ክኸውን ዘለዎ መሰረታዊ ዕላማ፡

ህዝቢ ወሳኒ ዝኾነላ፡ ግዝኣተ-ሕጊ ዝነገሰላ፡ ሰላምን ፍትሕን ደሞክራስን ራህዋን ዝሰፈና ሃገር ምርግጋጽ ኢዩ።

እቲ ቀንዲ ጸላኢ ናይዞም ዘቐመጥናዮም ዕላማታት፡ ዉልቀ-መላኺ ስርዓት ኢሰያስ ስለ ዝኾነ፡ ንሱ ከየልገሰ ክረጋገጹ ስለ ዘይክእሉ ካብ ስልጣኑ ከልግስ ከም ዘለዎ ምግባር ኢዩ።

ውሑዳት መጋበርያታቱን ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊትን ጸጥታን ሃገራዊ ድሕነትን ውን ንስርዓቱ ካብ ጠጠው ዘበልዎ መሓውራት ስለዝኾኑ ጸላእቲ ህዝቢ ኢዮም።

እቶም ካልኦት ሰበ-ስልጣናት መንግስቲ ኣብ ናቱ መስርዕ እተእትዎም ስለዘይኮኑ ናብ ደምበ ፍትሒ ክጽንበሩ ጸዋዒትን ምሕጽንታን ክግበረሎም ዘለዎም ኢዮም።

ከም በዓል ብርሃነ ኣብርሀ ዝኣመሰሉ ተባዓት  ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ዝነበሩ ኢዮም። ኣብ ግዜኦም፡ ኣብዚ ኣለዉ ከይተባህሉ፡ ቦሎኽ ኢሎም ብምውጻእ፡ ብክእመን ዘይክእል ቆራጽነት ንዲክታቶር ኢሰያስ ዝመከቱን ዘቃልዑን። ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ተባዓት ኣብ ግዜኦም ክቕልቀሉ ከምዝኽእሉ ምግማት የድሊ።

ስለዚ፡ እቲ ኣብ ለውጢ ጠቕሚ ዘለዎ ኣካል ሕብረተ-ሰብና፡ ኣብ ሰራዊት ዘሎ ይኹን ኣብ መንግስቲ፡ውዒሉ ሓዲሩ ቦትኡ ምልላዩ ስለዘይተርፍ፡ ኣብ ናይ ጸላኢ ወገን ኣቐሚጥካ ኣንጻሩ ምቅላስ ናይ ቃልሲ ጌጋ ሰለ ዝኸውን ምግንዛቡ የድሊ።

ኩሉ ደምበ ፍትሒ፡ ክኽተሎ ዘለዎ ኣገባብ ቃልሲ፡ ብወሳኒ መልክዑን ትሕዝትኡን ሰላማውን ዲሞክራስያውን ክኸውን ይምረጽ። እዚ ኣገባብ'ዚ፡ኣብ ሃገርና ከቢድ ዕንወት ብዘየኸትል ብዝወሓደ ክሳራ፡ ንመላእ ህዝቢ ኣብ ቃልሲ ጸሚድካ እትኸዶ ስለዝኾነን ውሕስነት ዘላቒ ሰላም ስለዘረጋግጽን ኢዩ።

ዲክታቶርያዊ ስርዓት፡ ንዝሰርሓሉ ዘሎ፡ መሳርሒታት ጭቆና ንምልማስን ንምስዓርን፡ ኩል ደላይ ፍትሒ ኣብ ፖለቲካውን ቁጠባውን ማሕበራውን ዲፕሎማስያውን ዜናውን ሜዳታት፡ ነጢፉ ክሰርሕ የድሊዮ።

ደምበ ፍትሒ ከመይ ይውደብ?

 ዕላማታቱን ኣገባብ ቃልሱን ድሕሪ ምንጻር፡ ኣብ ትሕቲ'ዚ ዘነጸሮ ራእይ፡ ኩለንትንኡ ወዲቡ ምስ ዝኸይድ ጥራይ ኢዩ ክዕወት ዝኽእል። ኣብ ኣወዳድባ ደለይቲ ፍትሒ፡ ክበርሁ ዝግብኦምን ሓባራዊ ምርድዳእ ክብጽሓሎምን ዘለዎም ዝተወሳሰቡ ጉዳያት ክህልዉ ይኽእሉ ኢዩም። ግን፡ ነዚኦም ዝሓሸ መፍትሒ ንኽረኽቡ መጽናዕታት ክካየደሎም እናገበርካ፡ በቢቦታኡ ንተጀሚሩ ዘሎ ምትእኽኻባት ተጠናኺሩ ክሰርሕ ምግባር ግዜ ዘይትጽበየሉ ጉዳይ ኢዩ።

እቲ ርዱእ ክኸውን ዘለዎ፡ መሰረታዊ ለውጢ ኣብ ሃገርና፡ ብቃልሲ ኣብ ውሽጥን ግዳምን ዝነብር መላእ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ ዝመጽእ። ደረጃ ግደን ኣስተዋጽኦን ናይ ኣብ ውሽጥን ግዳምን ዝነብር ህዝብና ድማ፡ በቲ ዝነብረሉ ጠቕላላ ኩነታት ኢዩ ዝውሰን።

ኣብ ውሽጢ ዝነብር ህዝብና፡ ንሰራዊት ሓዊስካ፡ ብዝሑን ዘሕልፎ ዘሎ ምረትን ኣብ ጸብጻብ ኣእቲኻ፡ ኣብ ቃልሲ ለውጢ ወሳኒ ተራ ኣለዎ ምባል ምኽኑይ ኢዩ። እንተኾነ ግን፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሓይሊ ጸጥታን፡ ኣረመኔነትን  ናይ ጭካነ ባህሪያትን ውልቀ- መላኺ ስርዓት ርኢኻ፡ ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ለውጢ ዝህልዎም ሓላፍነትን ተራን፡ ዓቢ ክኸውን ከምዝኽእል ምግንዛብ የድሊ።

ስለዚ ድማ፡ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ህዝብና፡ለውጢ ኣብ ደገ ብዘለዉ ደቅና ኢዩ ዝመጽእ ኢሉ ከይተጸበየ፡ ኣብ ደገ ዘሎና ውን ለውጢ ኣብ ውሽጢ ብዝስራሕ ኢዩ ዝመጽእ ኢልና ከይተጸበና፡ ለውጢ ብቃልሲ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ከምዝመጽእ ፈሊጥና ብኹሉ ዓቕምና ምቅላስ ኢዩ እቲ መፍትሒ።

እቲ ኣድማዒ ናይ ቃልሲ ኣገባብ፡ ኩሉ ኣብ ዘዘለዎ ቦታ ኣድማዒ ስራሕ ምፍጻም ኢዩ። ከምቲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ግዳምን ዝነብር ዘሎ፡ መሓውራት ጭቆና ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሰያስ ውን ኣብ ውሽጥን ወጻእን ኢየን ተዘርጊሐን ዘለዋ።

በዚ ምኽኒያት'ዚ ንስርዓት ኢሰያስ ንምውዳቕ ዝቃለስ፡ ኣብ ዲያስፖራ ዝነብር ደላይ ፍትሒ፡ ቅድም ቀዳድም ኣብ ዘዘለዎ ሃገር ንመሓውራት ጸላኢ ከልምስ ኣለዎ።

ደላይ ፍትሒ ካብቲ ኣብ ቃልሱ ከተኩረሉ ዘለዎ ድማ፡

ዲክታቶርያዊ ስርዓት፡ ብኣምባሲታቱ ኣቢሉ ምስ ህዝቢ ንዝገብሮ ርኽክባት ከም ዝብተኽ ክገብር ይቃለስ። ኣምባሲታት ንህዝቢ ጸዊዖም ዘየስምዑ ልኢኾም ዘየብጽሑ ክግበሩ ኣለዎም፡

ስርዓት ኢስያስ ካብ ዲያስፖራ ዝረኽቦ ንመጨቆኒ ህዝቢ ዝጥቀመሉ ናይ ገንዘብ ምንጭታት ከም ዝደርቕ ምግባር

ነቶም ብስርዓት ኢሰያስ ተላኢኾም ናይ ስለያ መርበባት ብምስራዕ ንደለይቲ ፍትሒ ዝጸናጸኑን ዝስልሉን ተለልዮም ዝእደብሉ ኣገባባት ምፍጣር

ህዝቢ ናብ ደምበ ፍትሒ ክዓስል ዘይሕለል ጻዕሪ ምግባር

ሰላማዊ ሰልፍታት እናገበረ፡ መዘክራት እናጸሓፈ፡ጉዳይ ኢርትራ ኣህጉራዊ ተፈላጥነትን ተደናጋጽነትን ከም ዝረክብ ምግባር።

ምልካዊ ስርዓት ኣስመራ ፈጺሙ ንክሰዓር፡ ኣብ ኩሉ መሓውራቱ ተዘርጊሕዎ ዘሎ ቦታታት ክሰዓር ምስ ዝኽእል ስለዝኾነ፡ ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም ብናይ ይኣክል ጭርሖ ዝተኣኻኸብ ዘሎ ደላይ ፍትሒ ነዚ ከረጋግጽ ኣለዎ። ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም፡ ኣብ በቦትኡ ዝረጋገጽ ዓወታት ኢዩ ተደማሚሩ ሙሉእ ዓወት ህዝቢ ኤርትራ ክኸውን ዝኽእል።

በቢከተማኡ ተኣኪብካ፡ ሓያል ንኩሉ ደላይ ፍትሒ ዝጠርነፈ ውደባ ፈጢርካ ኣብ ከባቢኻ ንዘሎ ሚዛን ሓይሊ ናብ ጠቕሚ ደላይ ፍትሒ ምቕያር፡ እቲ ዝሰለጠን ዝቐለለን መንገዲ ኢዩ። እዚ ብቕዓታት'ዚ ዝወነነ ከባቢታት፡ ስርርዑ ካብ ደረጃ ከተማ ናብ ደረጃ ሃገር፡ ከምኡ እናበለ ውን ብክንዲቲ እናሳለጦ ዝመጸ ስራሕ ናብ ደረጃታት ኣህጉርን ዓለምን ከደይቦ ይኽእል።

ኣብ ከከባቢኡ ዝኸይድ ኣድማዒ ስራሓት ንደምበ ፍትሒ ኣብ ሓድ-ሕዱ ከላልዮን ከተኣማምኖን ስለዝኽእል፡ በዚ መስርሕ ኣቢሉ ዝመጽእ መፍትሒ ሃገራዊ ጉዳያት ዝያዳ ተቐባልነት ክህልዎ ይኽእል።

ካብ ኩሉ ኤርትራዊ ዝመጽእ ናይ ለውጢ ድምጺ መታን ተዋህሊሉ ከድምዕ፡ ደለይቲ ፍትሒ ካብ ክጭብጥዎ ዝግባእ እምነት ዲሞክራስያውን ሰብኣውን መሰላት ነቒሎም በቢዝመስሎም ንዝተኣኻኸቡ ወይ ዝውደቡ ኤርትራውያን፡ ክሳብ ዕላማታቶም ንረብሓ ህዝቢ ዝኾነ ክነጽግዎምን ብተጻይ ዓይኒ ክርእይዎምን ኣይግባእን። የግዳስ ከም ወገኖም ኣብቲ ቃልሲ ክቆጽርዎምን ተመላሊኦም ዝሰርሕሉ መንገዲ ከናድዩን ይህልዎም። ዝኾነ ውድብ ወይ ምትእኽካብ ክሳብ ንረብሓ ህዝብና ኢሉ ዝሓሰበ፡ ሃይማኖት ብሃይማኖት፡ ብሔር ብብሔር፡ ኣውራጃ ብኣውራጃ፡ ቁዋንቃ ብቁዋንቃ፡ ቦታ ብቦታ ዘናቑት ዘይኮነ ህላወኡ ክጽወር ይግብኦ። ኣብ ሃገርና ቅዋማዊ መንግስቲ ምስ ተተኽለ ጥራይ ኢዪ ናይ ኣወዳድባ ሕቶ ክምለስ ዝኽእል።

ኣብ  መጠቓለሊ ዘረባይ ንመንእሰያት ክብሎ ዝደሊ፡ ናይ 28 ዓመታት ኣመራርሓ ዉልቀ-መላኺ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ኣብ ሃገርና፡ ኣብ ኩሉ መዳያት ሂወት ህዝብና ኣውሪድዎ ዘሎ ከቢድ ዕንወት እዚ ኢልካ ዝቑጸር ኣይኮነን። እዚ ዕንወት'ዚ ንቀጻሊ ወለዶታት ውን ኣሰር ዝገደፈ ኢዩ። ዉሉቀ-መላኺ ስርዓት ኢሰያስ ስልጣኑ ንክሕሉ፡ ሰብኣዊ ዓቕሚ ከይስስን፡ መንእሰይ ከይመሃር ከይህነጽ ካብ ክሰርሓሉ ዝጸንሐ ሜላታት ኢዩ።

ሃገር ብዝተማህረ ሰብኣዊ ዓቕሚ ዝህነጽ ስለ ዝኾነ ድማ፡ መንእሰያት ነዚ ከም ሓደ ባእታ ናይ ቃልሲ ወሲዶም፡ ኣብ ዝነብርዎ ሃገራት ዝረኽብዎ ዕድል ተጠቒሞም ክመሃሩን ነብሶም ክምልምሉን ይግብኦም።

ከምኡ ውን ህንጸት ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ ንምምዕባል ዝነጥፋ ኤርትራውያን ማሕበራትን ትካላትን ምሁራት ውልቀ-ሰባትን፡ ኣብዚ መዳይ'ዚ ንመንእሰያት ሃገሮም ክሕግዙ ዓቢ ኣበርክቶ ኣብ ቃልሲ ለውጢ ከም ዝኾነ ከዘኻኽሮም እፈቱ።

ክብርን መጎስን ንስውኣትና

ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ

የቐንየለይ

ኣሰፋው በርሀ

Last modified on Thursday, 30 May 2019 17:13