ዮውሃና ንመበል 28 ዓመት ጽንብል ነጻነት ኤርትራ

2019-05-25 07:24:27 Written by  ዓንደጽዮን ግርማይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1901 times

ብቐዳምነት ነዚ ንመበል 28 ዓመት ነጻነቱ ብልዑል ናይ ይኣክል ዘይፍትሓዊ ምሕደራ ብዝብል ጭርሖ ዘኽብር ዘሎ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝነብር ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ዮውሃና እብል። ናይ ሎሚ ዓመት ጽንብል ነጻነት፡ ህዝቢ ኤርትራ ካብቲ ን27 ዓመታት ረሚሱዎ ዝነበረ ሕማም ስቕታ ተገላጊሉ ተጻዒኑዎ ዘሎ ስርዓት ንምልጋስ ኣብ ሓያል ጥምጥም ኣትዩ ኣብ ዘለወሉ እዋን ትበዓል ስለ ዘላ ዝያዳ ኩለን ዝሓለፋ ዓመታት ዝኸበረትን ዝዓዘዘትን'ያ። እዚ ነቲ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልስና እቲ “ኣቲ ኤረይ ኩሕሎ ሽዋ ኴንካዶ ኣስመራ ይሕሎ“ ተባሂሉ ዝድረፍ ዝነበረ፡ ሎሚ ድማ ወዲ ኤረይ ኩሕሎ ክቡር ነጻነትካዶ ብጸጥታ ሃገራዊ ድሕነት ይሕሎ ዘስምዕ ቃና እናዘመረ፡ ትመጽእ ዓመት ጽንብል ነጻነት ብሓባርን ብዘይሓለዋን ስግኣትን ስክፍታን ኣብ ትብዕለሉ ብርሃን ሓርነት ከሰጋግራ ብነድሪ ምብጋሱ ዝሕብር ምልክት'ዩ ። በዚ ምኽንያት  መበል 28 ዓመት ነጻነት ድሮ ሓርነት ምልክት ጩራ ብርሃን ንመጻኢ ብሩህ ተስፋ ምባላ ምግናን ኣይከውንን።

እዚ ሎሚ ተበጺሑ ዘሎ ውጽኢት ናይቲ ንዘመናት ክንገረናን ግን ከኣ ጸማም እዝኒ ዝተዋህቦን መጸዋዕታ ንፍትሓዊ ቃልሲ ስለ ዝኾነ ነቶም ሃገራዊ ሓላፍነት ደሪኹዎም ብድፍረት መጻኢ ሂወት ህዝብናን ሃገርናን ኣብ እዋን ምምሕዳር ህግደፍ ንጹር ሚዛኖም ዝሃቡ ውልቀሰባት ውድባት ማሕበራት ልዑል ምስጋና ይብጽሓዮም።

ኣብዚ ብኣብነት ዝጥቀስ ፡-

1 – ተስፋሚካኤል ጆርጆ እዚ ክሳብ ሎሚ ንሃገርና ዝርምስ ንህዝብና ዝብትን ዘሎ ስርዓት ውሽጣዊ ባህርያቱን ሕቡእ ዕላምኡ ሰራውር ምትእስሳሩን ዝገለጸ፤

2 – እቶም ልዑል ፍቕሪ ንህዝቦም ዘለዎም ኣብ መንጎ 2 ውድባት ዝተወልዐ ኲናት ሕድሕድ ንምትዕራቕ ብ1974 እኹል ትሩፍ ጻዕሪ ዝገበሩ ቅዱስ ኣቦና ኣባ ኣጉስጢኖ በቲ ምስ ተጋዳላይ ሕሩይ ተድላ ባይሩ ናይ ተሓኤን ምስ ተጋዳላይ ኢሳያስ ኣፎርቂ ናይ ህሓኤን ዝገበሩዎ ዝርርብ ዝበጽሑዎ ሚዛንን፡ ኤርትራ ብህሓ ነጻ እንተወጺኣ እታ ሃገር ቤት ማእሰርቲ ህዝባ ከኣ እሱር ክኸውን'ዩ ዝበሉዎን ዘይተሰምዐን ሎሚ ዘሎናዮ ህያው ምስክር'ዩ። እዚ ትንቢት እዚ ዝሕብሮ ነገር እንተልዩ፡ እዞም ፈላሲ ብዝቐሰሙዎ ናይ ስነ-ኣእሙራዊ ፍልስፍና፡ ክሳብ ክንደይ ነቲ ኣብ ውሽጢ ህ.ግ. ተጠኒሱ ዝነበረ ህግደፋዊ ድቂ ክርድእዎ ምኽኣሎም ዘነጽርን ዘገርምን ብስለቶም እዩ።

3 – ኣብ ድሮ ረፈረንዱም ብምዑታት ኣባላት ሰራዊት ሓኤ ዝተገብረ ኣድማ ንፍትሒ'ምበር ንውልቃዊ ረብሓ ኣይነበረን።

4 – በቶም ሰነድ ታሪኻዊ ጅግንነት ዝኾኑ ኣካለ ስንኩላን ዝተገብረ ኣድማን ኣብ ልዕሊኦም ዝተፈጸመ ኣረሜናዊ ቅንጸላን፤

5 – በቶም ጉጅለ 15 ዝፍለጡ ኣባላት መሪሕነት መንግስትን ምኒስትራትን ዝተገበረ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስያዊ ስግግርን ዝወረዶም ዘይፍትሓዊ ፍጻሜን ርኢኻን ሰሚዕካን ምጽቃጥ ዝፈጠሮ ዕንደራ ኣብዚ ሕጂ ንርከቦ ዘሎና ኣሰካፊ ኣተሃላልዋ ምብጻሕ ናይ ኩልና ጥፍኣት ወይ ሓጥያት ምዃኑ ዘይከሓድ'ዩ።

እዚ ሕጂ ብኣዝዩ ርሱን ናህሪ ዝበጋገስ ዘሎ ተበግሶ ደለይቲ ፍትሒ ከኣ ዋላ ምስቲ ኣብ ከባቢና እንዕዘቦ ባኒ ከቢሩና ናብራ ከቢዱና ኢሎም ብብዝሒ ኣዲሞም ስርዓት ዝቐየሩ ኣህዛብ ዘይዛመድ ኣዝዩ ደንጕዩን ድሕሪ መዘና ዘየብሉ ክሳራን ዝመጸ እንተኾነ ሸቶኡ ከይወቕዐ ከም ዘይተርፍ ግን ሕሉፍ ታሪኽና ናይ ትማሊ ምስክር'ዩ።

እዛ ሎሚ ዓመት እነብዕላ ጽንብል ነጻነት እምበኣር መደምደምታ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍን መሰጋገሪት ናብ ነጻን ዲሞክራስያዊትን ኤርትራ ናይ ምግባራ ዝዓግት ሓይሊ ከም ዘይህሉ ተበጊሱ ዘሎ ነድሪ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ዘየወላውል ዋሕስነት ዓወትና'ዩ። እዚ ናይ ይኣክል መቓልሕ ኣብ ግብራውን ቅልጡፍን ሱናምያዊ ሓይሊ ተቐይሩ ንስርዓት ህግደፍ ጸራሪጉ ኣብቲ ንጨቖንቲ ዝተዳለወ ጉሓፍ ክድርብዮም ዘኽእል ቅኑዕ ጐደና ቃልሲ ክሕዝ ግን ሓደን መሰረታውን ኣማራጺ'ዩ።

ንሱ ድማ፡-

1 – ኩሉ ይኣክል ዝብል ድሌትን ዓቕምን ብዘይካ ስርዓት ህግደፍ ጸላኢ ከም ዘይብሉ ኣሚኑ ኣንጻሩ ክሰርሕ፤

2 – ካብ ኩሉ እቲ 27 ዓመታት ከይነድምዕ ዓንቂፉና ዝነበረ ብልሹውን ዘይሓላፍነታውን ኣተሓሳስባ ተነሲሕና ነጻ ክንከውን፤

3 – ሃገርን ህዝብን ንምድሓን ነንኽእሎ ከነበርክት፤

4 – ተበግሶና ዝጥርንፍን ስልጡንን ንጹርን መልክዕ ውደባ ክሕዝ፡ ንሱ ድማ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ዝእከበሉ ንምልመላን ምልዕዓልን ዝነጥፍ ብመንእሰያት ዝምራሕ ሓይሊ ዕማም ክቐውም፤

5 እዚ ሓይሊ ዕማም'ዚ ብደረጃ ከተማ ሃገር ኣህጉር ዝዓብን ዘተኣሳስሮ ሕጋዊ ጐደና ክህልዎን፤

6 – እቲ ብደረጃ ኣህጉር ዝተጠርነፈ ማእከል ሓይሊ ድማ ንምሉእ ህዝቢ ኤርትራ ወኪሉ ብኩሉ ንውልቀ መላኺ ዝለግሰሉ መደብ ሓንጺጹ ክሳብ ምስግጋር ዲሞክራስያዊ ስርዓት ክመርሕ።

7 – እዚ መስርሕ'ዚ ድማ ካብ ዝነኣሰ ኣካል ሓይሊ ደላይ ፍትሒ ክሳብ ዝለዓለ ጽፍሒ መሪሕነት ዘራኽብ ንጹርን ኣብ ኩሉ ዝበጽሕን ብኩሉ ዝትግበር ኣብ ኩሉ ቦታን ብሓደ ሰዓትን ዕለትን ዝትግበር መደብ ኦዮ ኣብ ምትግባር ምሉእ ሓላፍነት ዘለዎ ትካል ክኸውን።

ነዝን ካብዚ ዝሓሸ ኣማራጺ ምስ ዝቐርብን ተኸቲልና እንተዘይሰሪሕና ግን እዚ ተላዒሉ ዘሎ ማዕበላዊ ሓይሊ ለሚሱ ተስፋ ብርሃን ጸሓይ ከምቶም ከይተጠቐምናሎም ዘምለጡና ወርቃውያን ዕድላት ከይከውን ዋሕስነት የብልናን። ኣብዚ ከይጠቐስኩዎ ክሓልፍ ዘይደሊ እንተልዩ እቲ ብኣብ ድያስፖራ ዝነበሩ ምሁራት ኤርትራውያን ዝግበር ዘሎ ዝተፈላለየ ዓውድታት ዝድህስስ መጽናዕታዊ ተበግሶ እዩ። ኩልና ከም እንፈልጦ ህዝቢ ኤርትራ ሃገራዊ ሓላፍነቱ ብጨቋኒ ስርዓት ስለ ዝተነፍጎ እምበር ብስእነት ኣፍልጦ ሕግን ዘይምእዙዝነትን ዝተዘርገ ናብራን ዝተበተነ ህዝቢ ዘይምንባሩ እዩ። እዚ ብምሁራት ዝግበር መጽናዕትታት ድማ ንዝነበረና ብቕዓትን ዓቕምን ዝጐልሕ ስለ ዝኾነ ንኩሉም ኣብዚ ዓውድታት ዝነጥፉ ልዑል ኣኽብሮትን ምስጋናን አቕርበሎም። እቲ መጽናኦቲ ተወዲኡ ኣብ መጋባእያ ክቐርብን ብህዝባዊ መንፊት ሓሊፉ ድልው ሰነድ ንምስግጋር ዲሞክራስያዊ ስርዓት ከገልግል ብዝከኣል ጽፈትን ቅልጣፈን ክዳሎ ተስፋ እገብር።

ጽንብል ነጻነት ሎሚ‘ውን ስርዓት ህግደፍ ዕምሪ ስልጣኑ ንምንዋሕ ህዝቢ ዘደናግረሉ ብልሓት እናመሃዘ ኣብ ባይታ ዘየሎ ብቲቪ ኤረ ጌሩ ዓለም ዝጐብእ መልእኽቲ ንምትሕልላፍ ክግዕር ይርአ‘ሎ። እቲ ካብ ኩሉ ዘሕፍርን ነውራምን ባህርያቱ ዘንጸባርቕ ከኣ ነቲ ዕብዳኑ ክገልጻ ዝተሰርሓ ብግልብጭ ቁኖን ሒናን ዙርያን ወርቅን እምበር ልቦናዊ ጽባቐ ዝጐደለን ደቂ ሃገር ወዛሕዛሕ ዝብላሉ እሽም-ንጥፍኣቱ ዘጽልል ኣደራሽ ንምምዋል ካብ ድራር ዕለቱ ዘይረኸበ ህዝቢ ዝኣርዮ ዘሎ ገንዘብ ምዃኑ‘ዩ። ይኹን‘ምበር ዳስ ይስራሕ መደናገሪ መደረ ይለፍልፍ ህዝቢ ኤርትራ ይኣክል ምድንጋር ምባል ጥራሕ ዘይኮነስ ሽጣራኻ ደውር ኢሉ ዝተሰለመ ዳስ ሓውያ ክትመስል ገረውረው ከም ዘብላ ከይደቀስካ ዝሕለም ጉዳይ‘ዩ።

እቲ ብልዑል ናህሪ ንለውጢ ተበጊሱ ዘሎ ደምበ ፍትሒ ግን ቀንዲ ኣድህቦኡ ኣብ ጓይላን ዳንኬራን ዘይኮነስ ኣብ -

1 - ሓቀኛ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራን ዓወቱን ዝሃቦ ፍረን፤

2 - ካብ ነጻነት ክሳብ ሎሚ ዘሎን ኩነታት ኤርትራን ህዝባን ጠንቁን፤

3 - ንምቕያሩ ክውሰዱ ዘለዎም ተግባራትን መሳርሒታትን ኣድማዕቲ መደባትን፤

4 - ኣብ መቓብር ስርዓት ህግደፍ ዝህነጽ ዲሞክራስያዊ ስርዓተ-ምሕደራን ተራ ህዝቢ ኣብ ምህናጹን ምክትታሉን፤

5 - ካብ ምውዳቕ ስርዓት ህግደፍ ክሳብ ምስግጋር ዲሞክራስያዊ ምሕደራ ኣብ ህዝቢ ዝወስድ ገደብ ግዜን ኣገባብን ብመልክዕ ዘተን ዓውደ ክትዕን ዝበሰለን ንጹር መምርሒ ስኢልካ ንምትግባሩን፤

6 - ሕድሪ ሰማእታትና ዝምልስ ማዳ ኣዴታትና ዝፍውስን ንብዓተን ዝሕብስን ኩልና ኤርትራውያ ብሓጎስን ብደስታን እነብዕሎ ነጻነት ንምርግጋጽ ቃል ኪዳን እንኣትወሉ ጽንብል ነጻነት እዩ ክኸውን።

በዚ ኣጋጣሚ ንኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ብሓፈሻ ንሃይልታት ምክልኻል ኤርትራን ደቀንስትዮን መንእሰያትን ተረካቢ ሕድሪ ወለዶ ኤርትራን ፍሉይ መልእኽቲ ከመሓላልፍ እዋኑ እመስለኒ።

ዝኸበርኩም ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ -

ካብ ሓርነታዊ ቃልሲ ጀሚርኩም ሓለፋስ ይትረፍ መጠናዊ ክፍሊት ከይረኸብኩምን ብዘይዕረፍትን ብጸጋም ብየማን ኣብ ዝተወልዐ ትርጉም ኣልቦ ኲናት ኣናተጠብስኩም ትስውኡን ትስንክሉን ግዳይ ትኾኑ ዘለኹም ንስኹም ኢኩም። ብድሕሪ ነጻነት ጥራሕ ብመስዋኣቲ ኣምዑት ዘይቈጸሩ ኣሕዋትኩምን ኣሓትኩምን ካባኹም ንላዕሊ ዝምስክር ኣብ ዘይህልወሉ እዋን ኣይከሰርናን ምባል‘ዚ ገበነኛ ኢሳያስ ልዕሌኹም ክሰምዖን ክቐብጾን ዝግብኦ ኣካል ኣሎ ኣይብልን። ካብ ከምዚ ዝበለ ሃገራዊ ክሕደት ዝፍጽም ስርዓት መሰልን ፍትሓዊ ምሕደራን ምጽባይ የዋህነት ስለ ዝኾነ ንምእላዩ ኣብ ዝግበር ናይ ይኣክል ተበግሶ ምስ ህዝብኹም ወጊንኩም ሃገር ከተድሕኑ ምሕጽንታ መላእ ደላይ ፍትሒ ህዝቢ ኤርትራ‘ዩ። 

ዝኸበርክን ኣዴታተይን ኣሓተይን ደቀይን ወዓሩ ኤርትራ -

 

ትማሊ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ተፈጥሮኣዊ ባህርያት ከይዓንቀፈክን ብረት ተሓንጊጥክን ኣብ ውሽጢ ድማ ነቲ ኩሉ ኣብ ልዕሌኽን ዝወርድ ዝነበረ ጸጥታዊ ሓደጋታት ተጸሚምክን ምስጢር ሰውራኽን ዓቂብክን ቅያ ብምስራሕ ኣብ ዓወት ዘብጻሕክን ንስኽን ኢኽን። ኣደ 10 ብዓሰርቲኦም ኣደ ሓደ‘ውን ሓዲኣ ከይበቐቐት ነጻነተይ ስልማተይ እናበልክን ሓይሊ ሰውራ ዘጐልብት ታሪኽ ዘይርሳዕ ጀግንነት ዝፈጸምክን ንስኽን ኢኽን። ኣብዛ ህዝቢ ኤርትራ ጻምኡ ዘይተኸፍለላ መሊኣ ዘይበረቐት ጸሓይ ነጻነት ድማ ልዕሌኽን ዝተበደለን ዝሓዘነን መሰሉ ዝተነፍጎን የለን። እዚ ስርዓት ክቅጽል ስቕ ምባልን መሪር ሂወትና ኣብ ዝኸፍአ ንክበጽሕ ምሕጋዙን ሃገር እናዓረበት ጽቡቕ ኣላ ምባልን ብምቍራጽ ኣብዚ ነዚ ስርዓት ንምቅባጽ ዝካየድ ዘሎ ርሱን ተበግሶን ሓመድ ድበ ህግደፍ ክትሳተፋ ዕድመ ኩሉ ደላይ ፍትሒ‘ዩ።

ዝኸበርኩም ናይ ሎሚ ሰዊት ናይ ጽባሕ ፍረን ወረስትን ሃገር ዝኾንኩም መንእሰያት ኤርትራ - ነዛ ኣቦታትኩምን ኣዴታትኩምን ኣያታትኩምን ኣዳኖታትኩምን ዘይዓገቡላ ግን ከኣ ሰዊት ዕድሜኦም ጥራሕ ዘይኮነስ ንስኹም ብራህዋን ብሰላምን ሓንቂቕኩም ክትነብሩላ ምእንቲ ክትክእሉ ካብ ክቡር ሂወት ክሳብ ዘይጽገን ስንክልናን ከፊሎም ዘምጽእዋ ሃገር‘ያ። ስለ ዝኾነ ነጻነት ኤርትራ ፈቲኻ ዘትትኮብ ጸሊእካ‘ውን ዘይትሕደግ ግርማ ልዑላውነት ዝለበሰት ሃገር ስለ ዝኾነት ነቲ ጐዲሉዋ ዘሎ ብርሃን ሓርነት ንምልባስ ናትኩም ናይ ደቂ ግዜ ምዃኑ ተረዲእኩም እጅገኹም ሰብሲብኩም ኣንጻር‘ዚ ሕንግድ ስርዓት ገጢምኩም ከተቃብጹዎን ሃገራዊ ዕዳኹም‘ዩ። ነዚ ዕላማ‘ዚ ንምስልሳል ከኣ ሓገዝ ኩሎም ምሁራትን ምኩራትን ዜጋታት ብሓፈሻ ናይ ኩሎም ደለይቲ ፍትሒ ከይፍለየኩም ድማ ቃል ንኣትወልኩም።

ኣብ መደምደምታ ድማ ንኩሉ ደላይ ሰላምን መሰረታዊ ለውጥን ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ ብዘይካ ስርዓት ህግደፍ ንጥፍኣትካ ዝምነ ኣብ ርሑቕ ይኹን ኣብ ቀረባ ከም ዘይብልካ ኣሚንካ ሓንሳብን ንሓዋሩን ንምቕባሩ ኣብ መቓብሩ ፍትሓዊትን ኩሉ ዝነብራን ሃገር ኣብ ምርግጋጽ ብቆራጽነት ተለዓል።

ፍትሒ ይንገስ !
ስርዓት ህግደፍ ይደምሰስ!

Last modified on Saturday, 25 May 2019 09:30