አብ ትሕቲ ምንቅስቓስ “ይኣክል”፡ ኤርትራውያን ንኽንሰማማዕ ተሰማሚዕና አሎና!

2019-05-24 08:26:42 Written by  በይ ኤርያ ኤርትራውያን ንደሞክራስያዊ ለውጢ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1781 times

EYC 1

ኤርትራውያን ተቐማጦ በይ-ኤርያ ካብ ዓበይቲ ከተማታት ሳንፍራንሲስኮ፣ ሳንሆዘ፣ ሳክራመንቶ፣ ሳንታሮዛን ካልኦት ከተማታትን ውሒዞም ናብቲ ብማሕበር በይ-ኤርያ ኤርትራውያን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዝተዳለወ ናይ “ይኣክል ምንቅስቓስ” ዝተሳተፍዎ መጠነ ሰፊሕ ኣኼባ ብ18 ግንቦት 2019 ኣብ ከተማ ኦክላንድ፣ ሰሜን ካሊፎርንያ ተኻይዱ። ኣብቲ ብሓልዮት ንዅሎም ኤርትራውያን ዘጽልል “ማሕበር በይ-ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ” ዝተዳለወ ኣኼባ፣ ዝተሳተፉ ድማ ንኤርትራዊ ፖሊቲካውን ማሕበራውን ብዙሕነት ዝወከሉ፣ ንመብዛሕትአን ናይ ተቓውሞ ውድባትን ሲቪካዊ ማሕበራትን ከምኡ’ውን ውድባዊ ጸጊዕ ዘይብሎም ሃገራውያንን ዝጠርነፈ ናይ ደለይቲ ፍትሒ ተሳትፎ ምንባሩ ዝያዳ ድምቀት ዘንጸባረቐ ነይሩ። 

EYC 6

ንትሕዝቶ ምንቅስቓስ “ይኣክል” ብኣጀንዳ ሰሪዑ ዘዳለወ ኣካያዲ ቦርድ ናይ “ማሕበር በይ-ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ” ብመሪሕነት ኣቦ መንበሩ ኣቶ ማእከለ ተስፋማርያም እምባየ እዩ ነይሩ። ኣቶ ማእከለ ብዘጋጠሞ ኣሰንባዲ ሃንደበታዊ ሞት ካባናን ካብዛ ዓለምን ብምፍላዩ፡ ኣኼበኛታት መሪር ሓዘኖም ገሊጾም። ንመስመር ቃልሱ ብዕቱብ ንምቕጻልን ናይ ስድራ ቤቱ ሓላፍነት ክስከሙ ምዃኖምን እውን ተሳተፍቲ ቃሎም በብተራን ብሓባርን ገሊጾም።

አብ’ቲ ን24 – 25 ግንቦት፣ ኣብ ዋሺንግቶን ዲሲ ዝካየድ ናይ ሰሜን አመሪካ ናይ ይኣክል ሽማግለ ሰሚናር፣ ንበይ-ኤርያ ኤርትራውያን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ወኪላ እትሳተፍ ሰለስተ ዝአባላታ ግዝያዊት ሽማግለ ተዳልያ ከምዘላ ተገሊጹ። መነመን ምዃኖም ድሕሪ ምሕባር፣ ዝተወሃሃደ ዕቱብን ውዱብን ቃልሲ ንምክያድ “እንታይ ይገበር” ንዝብል ሕቶ ንምምላስ ክትዋሳእ ምዃና’ውን መብርሂ ተዋሂቡ።  

ብስውእ ማእከለ ተስፋማርያም እምባዬ አብ ዱሮ መስውእቱ ዝተዳለወ ጽሕፍ ቀጺሉ ዝተነበበ፡

https://youtu.be/kSldOZ2O6uM

EYC 2

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ኤርትራውያን ነበርቲ በይ ኤርያ፡ ናብዚ ብዓይነቱ ፍሉይን ብኣገዳስነቱ ከኣ ዕዙዝ ሓድሽ ትንሳኤ ምትእኽኻብ፡ኤርትራውያን፡ ሃገራዊ ሓድነትኩም ደሪኽኩም፡ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ህዝብን ሃገርን ክትዝትዩን ክትመኽሩን ስለ ዝመጻእኩም፡ ብስም በይ-ኤርያ ኤርትራውያን ንደሞክራስያዊ ለውጥን ብስም እቲ ውጹእ ህዝቢ ኤርትራን ዝኸበረ ምስጋና ይብጻሕኩም።

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን፡ ከምቲ ኩልና ንፈልጦ ህዝቢ ኤርትራ መሪር ተጋድሎ ኣሕሊፉን መወዳድርቲ ዘይብሉ መስዋእቲ ከፊሉን ከይኣኽሎ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ብቓላት ክትገልጾ ዘጸግም፡ ፍጡር ወዲ ኣዳም ክጻወሮ ዘይክእል ግፍዕን መከራን ኣብ ልዕሊኡ ይፍጸም ምህላዉ ከይኣክል፡ ህዝቢ በታቲንካ ንኤርትራውያን ደቀባት ብጋህድን ብስውርን ብምቕንጻል፡ እንሆ ናይ ሃገር ልኡላውነት ኣብ ፍጹም ሓደጋ ወዱቑ ይርከብ ኣሎ፡ ነዛ ብኽቡር ዋጋ  ዝተረኽበት ሃገር፡ ከም ህዝብን ሃገርን ናብ ንቡር ክንመልሳ፡ ናይ ነፍወከፍና ታሪኻዊ ሓላፍነት እዩ።

EYC 3ዝኸበርኩም ኤርትራውያን ፡ እዚ ኣብ ሕሱም ጭቆና ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ንዓና ኣብ ድያስፖራ እንነብር ኤርትራውያን፡ እዋናዊ ለበውኡ ከምኡ’ውን ከም መጠን ደቁ ዝሓተና ሕቶ እንተልዩ፡ ኩሉ ሓይልናን ጸጋታትናን ኣወሃሂድና ብሓባር ኰንና ከም ሓንቲ ስድራ ኣብ ሓደ ጽላል ኣጽሊልና ካብ ጭቆናን ዳግማይ ስውር መግዛእትን ሓራ ንኽወጽእ ዝለዓለ እጃም ክንጻወት፡ ካብቲ ዘለውዎ ሕሱም ጭቆናን ሓያል ጻዕረ-ሞት ዝተሓወሶ ሻቕሎትን ይላበዉናን ሓገዝኩም ኣይፈለየና ይብሉ ኣለው። ነዚ ለበዋ ክዉን ንምግባር ግን እቲ ኣማራጺ ዘይርከቦ ብሓባር ምስራሕ ጥራይ እዩ።

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን፡ ንሕና ኤርትራውያን ካብ ንፈላለየሎም ንሰማምዓሎም ጉዳያት ስለዝበዝሑ፡ ብሓደ ዀንና ጸላኢና ካብ ምጽራግ ካልእ ኣማራጺ ከቶ ኣይክህልወናን እዩ። እዚ ናይ ሎሚ ኣኼባ ፍሉይ ዝገብሮ እምበኣር ደቂ ሓንቲ ስድራ ክነስና፡ ኣብ ዝተፈላለየ መኣዲ ክንቋደስ ዝጸናሕና ግን ከኣ ዓጊብናሉ ዘይንፈልጥ መኣዲ ገዲፍና፡ ዳግም ናብ ናይ ሓባር መኣድን ፍቕርን ተመሊስና ታሪኻዊ ሓድነትና ንምምላስ ከምኡ’ውን ነቲ ኣብ ዓለም መዳርግቲ ዘይተረኽቦ ኤርትራዊ ሓቦን ኒሕን ንምብርባር ብሓባር ክንዝቲ ምብቃዕና፡ ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት እዩ ክበሃል ይከኣል።

EYC 4

ዝኸበርኩም ኤርትራውያን፡ ሎሚ ንህዝቢ ኤርትራ ሓዲሽ ዝጫጫሕ ወዳበ፡ ናብ ካልእ ጓል መንገዲ ዝወስድ ምክፍፋል ዘይኮነ ዘድልዮ፡ ኩላትና ብሓባር ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ወፈራ ክንገብር እዋኑ ዝጠልቦ ከምዝኾነ ዝሰሓት ኣይኮነን። ሓድነት ሓይሊ እዩ ምክፍፋል ግን ብኣንጻሩ ሕሰምን መከራን ህዝቢ የናውሕ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ከም ህዝቢ ንቐጻልነት ህላወና ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእቱ ከምዝኾነ ሕሉፍ ተመኩሮ ናይ ዝሓለፍናዮም 28 ዓመታት ህያው ምስክር እዮም።

በይ ኤርያ ኤርትራውያን ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ነዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ዕላማታት ኣብ ምትግባር ዓቕሙ ብዘፍቅዶ ክሰርሕ ጸኒሑን ኣሎን፡ ኮይኑ ግን ኣብ ሱታፈ ህዝቢ ሕጽረታት ስለዝነበረ፡ ከምቲ ዝድለ ንቕድሚት ንምስጓም ክጽገም ጸኒሑን ኣሎን። ካብ ሎሚ ጀሚርና ዘድሊ ምትዕርራያት ጌርና ብናይ ኩልና ሓያል ተሳትፎ፡ ዕምሪ መላኺ ንምሕጻርን ሕሰምን ኣደራዕን ህዝብና ንምውጋድን ብሓባር ይኣክል ንብለሉ ሰዓት ሕጂ እዩ። ክብርታትና ኣምሊስና ኣብዛ ብባህርያዊ ጸጋታት ዝተዓደለት ኤርትራ፡ ህዝብና እፎይ ኢሉ ብልዕልና ሕጊ ተመሪሑ ብሰላም ዝነብረላ ሃገር ክንፈጥር እቲ እንኮ መፍትሒ ሓድነት ጥራይ እዩ።

አብ ትሕቲ ጭርሖ “ይአክል” ኤርትራውያን ንኽንሰማማዕ ተሰማሚዕና አሎና!

ክብርን ሞገስን ንሰማእታትና

ክንዕወት ኢና

በይ ኤርያ ኤርትራውያን ንደሞክራስያዊ ለውጢ

ኣብቲ ኣኼባ ብቛንቃ`ታት ትግርኛን ዓረብኛን ካብ ዝቐረበ ጭርሖታት ቀጺሉ እነሆ፡

ይኣክል ንውልቀ ምልኪ

ይኣክል ንግህሰት ሃይማኖታዊ መሰላትና

ይኣክል ምጥላዕ ብልዑላውነት ሃገርና

ይኣክል ንወገነይ ወገንካ፡ ንኣውራጃይ ኣውራጃኻ

ቅዋምና ክትግበር፣ ዶብና ክሕንጸጽ፣ እሱራትና ክፍትሑ ብሓባር ንቃለስ

ይኣክል ንስቕታ፡ ይኣክል ንዅሉ ምፍልላያትና፡ ይኣክል ንዅሉ ጸገማትና !!!

https://youtu.be/uXAATR7TAbw

EYC5

ኣብቲ ገዳይም ተቓለስቲ፣ መንእሰያት ደቀንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን በብተራ እናተንስኡ ዘስምዕዎ መደረታት፡  ሓድነትና ኣትሪርና፣ ብምክብባርን ምጽውዋርን ሃገርናን ህዝብናን ከነድሕን ዝጽውዕ ብምድግጋም ተቓሊሑ።  ናይ ይኣክል ምንቅስቓስ ኣብ ምሉእ ዓለም ብዓወት ተቓሊሑ ኣሎ፡ ካብዚ ቀጺልና ናብ ደረጃ ሓዞ-ሓዞ ከነሰጋግሮን ንውልቀ መላኺ ሓንሳብን ንሓዋሩን ክንድምስሶን ንለዓል እውን ተባሂሉ። ኣብቲ ክካየድ ዝጸንሐ ምንቅስቓስ ተሳትፎ ዘይጸንሖምን ንመጀመርያ ጊዜ ኣብ ናይ ይኣክል ምንቅስቓስ ምስታፎምን ብምሕባር፡ ኣብ ማሕበርን ንጥፈታቱን ብኣባልነት ክሰርሑ ዘፍለጡ’ውን ብዙሓት ነይሮም።

ክንዕወት ኢና

በይ ኤርያ ኤርትራውያን ንደሞክራስያዊ ለውጢ

Last modified on Friday, 24 May 2019 10:52