ህዝባዊ ምልዕዓል ኤርትራውያን ንፍትሒ ኣብ ግንቦት 25 ንዝቃናዕ ህዝባዊ መጋባኣያ

2019-05-18 20:28:52 Written by  ህዝባዊ ምልዕዓል ኤርትራውያን ንፍትሒ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2049 times

እታ ኣፍሪቃዊት ኾኸብ ክትከውን ብዙሕ ተስፋ ተነቢሩላ ዝነበረት ኤርትራ፡ ሎሚ ሰብኣውን ደሞክራሲያውን መሰላት ዜጋታታ ዘይሕለወላ፡ ልዕልና-ሕጊ ዘይተረጋገጸላ ነጻ ፕረስ ዘይፍቀደላ፡ ፖለቲካዊ ብዙሕነትን ግሉጽነትን ዘይተፍቅድ፡ ኣሽሓት ደቃ ብዘይ ዕላዊ ክስን ፍርድን ኣብ ፈቐዶ ቤት-ማእሰርታት ዝሳቐዩላ ናይ ስቓይን ኣውያትን ሰፈር ኮይና ኣላ። ድሕሪ እቲ ናይ 30 ዓመት መሪር ብረታዊ ቃልሲ፡ ድሕሪ’ቲ ኩሉ ዝተኸፍለ ክቡር ናይ ናጽነት ዋጋ፡ ሃገርና ኣብ’ዚ ዘላቶ ኩነታት ክትወድቕን ህዝብና ከኣ እዚ ክፍደይን ኣዝዩ ዘሕዝን ታሪኻዊ ስግንጢር እዩ። ብፍላይ ከኣ ኣብ’ዚ እዋን ‘ዚ ሃገርና ኣብ ሓደገኛ ኩነታት ተሸሚማ ከምዘላ ካብ ኩላትና ስዉር ኣይኮነን።

 ከም ህዝባዊ ምልዕዓል ኤርትራውያን ንፍትሒ፡ ንልኡላውነት ሃገርና ካብ ሓደጋ  ከነድሕን፡ ኣብ’ቶም ንሰማማዓሎም ውሑዳት ነጥብታት ርዒምና ብሓባር ክንቃለስ ዘኽእለና ጥርናፈ ክምስረት ጽኑዕ እምነት ኣለና። ህዝባዊ ምልዕዓል ኤርትራውያን ንፍትሒ፡ ብሃገረ-ኣሜሪካ፡ ብደረጃ ከተማታት ናይ ዝንቀሳቐሳ ህዝባውያን ባይቶታት ጥርናፈ ኮይኑ፡ ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ዝጠመተ ስትራተጂ ዝኽተል፡ ህዝባዊ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ`ዩ። ብደረጃ ብሰሜን ኣሜሪካ ባይቶ ኣቚሙ፡ ብኣህጉራዊ`ውን ብሓባር ዘሰርሕ ጥርኑፍ ምንቅሳቓስ ንክረጋግጽ ንዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት ክቃለስ ጸኒሑን ኣሎን። ነዚ እምንቶ`ዚ ንምዕዋት፡ ንማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን ንፍትሒ ዋሺንግቶን ዲ.ሲ. ከባቢኣን ብሓባር ከስርሓና ኣብ ዝኽእል ጉዳያት ክንዝትን ክንሰርሕን፡ ኣብ ክፍላ ለካቲት 2019 መጸዋዕታ ኣቕሪብና። ቀጺሉ ንትሕዝቶ ናይ`ዚ ጽሑፍ`ዚ ብሰፊሑ ዝገልጽን፡ ነዚ ሕጂ ተፈጢሩ ዘሎ ሓዲሽ ናይ ቃልሲ መንፈስን ናዕታን ከይነባኽኖ ዘምሕጽንን፡ ንኣሰራርሓን ኣገባብ ኣተሓሕዛን ዝምልከት፡ ኣብ ግንቦት 10፡ 2019 ናብ ኣቦ መንበር ኣወሃሃዲት ሽማግለ ጽሑፍ ኣቕሪብና። ክሳብ`ዛ ዕለት እዚኣ ዝኾነ ዓይነት መልሲ ኣይረኸብናን። ስለዝኾነ፡ ህዝቢ ክፈልጦ  ስለዝግባእ፡ ነዚ ጽሑፍ`ዚ ከነውጽእ ግድነት ኮይኑና። ኣብ`ዚ ጽሑፍ`ዚ፡ ኣብ ዝሓጸረ ጊዜ ንኩላቶም ሰብ -ብርኪ ናይ’ዚ ቃልሲ ዘሳትፍ፡ ናይ ሓባር መሪሕነት ንምቛም ይሕግዙ እዮም ዝበልናዮም እማመታት ነቕርብ።

  1. ብቐዳምነት፡ ብደረጃ ሰሜን ኣሜሪካ፡ ናይ ሓባር መሪሕነት ንምምራጽ፡ ካብ’ቶም ብዲሞክራሲያዊ ኣገባብ ኣብ ቅሉዕ ኣኼባ ወከልተን ዝመረጻ ከተማታት ዝወጸት ኣሰናዳዊት ሽማግለ ክትቆውም፣
  2. ኣሰናዳዊት ሽማግለ፡ ናይ ምርጫ ቅጥዕን ናይ ህዝቢ ኣኼባ ዛዕባታትን ብምድላው ኣብ ኩለን ከተማታት ናይ ሰሜን ኣሜሪካ ህዝባዊ ባይቶታት ንክምስረታን ምርጫ ንኽገብራን ጎስጓስ ክተካይድ፣
  3. ኣብ ውሽጢ 3 ወርሒ፡ በብከተምኦም ዝተመርጹ ወከልቲ ከተማታት፡ ኣብ ዝገብርዎ ናይ 2 መዓልቲ ዋዕላ፡ መደብ-ስራሕን ውሽጣዊ ሕግን ናይ’ዚ ጥርናፈ ድሕሪ ምርቃቕ፡ ሓንቲ ናይ ሰሜን ኣሜሪካ ኣወሃሃዲት ሽማግለ ክትምረጽ።

እምነትና፡ ዘይተወደበ ህዝቢ፡ ከድምዕ ዘይክእል ቁጽሪ ጥራሕ`ዩ። ዝተወደበ ህዝቢ ግን ክስዕር ዝኽእል ሓይሊ`ዩ። ስለዚ ኣብ ክንዲ ብሃታ-ሃታ፡ መሪሕነት ንምቛም ጥራይ እንጓየ፡ ብቀዳምነት ኣብ ውሽጢ ሓጺር ጊዜ ጽዑቕ ጎስጓስ ብምክያድ ነፍስወከፍ ከተማ ኣቐዲማ ህዝባዊ ባይቶ ንከተቕውም ክንሰርሕ ይግባእ።

ኣብ መደምደምታ፡ ህዝቢ በብከተምኡ ተጋቢኡ፡ ዕላማታቱን ናይ ሓባር ራእዩን ናይ ቃልሲ ስትራተጂኡን ከየነጸረ ብታህዋኽ ወከልቲ ከተማታት ጥራይ ምምራጽ፡ ከም ሰረገላ ቅድሚ ፈረስ፡ ወይ ኣብ ልጓም ዘይብሉ ፈረስ ምውጣሕ ከይከውን ነተሓሳስብ። ከመይ`ሲ፡ መሪሕነት/ኣመራርሓ ማለት-ቅርጻ-ሓሳብ፡ ራእይ፡ ኣትኩሮን፡ ስእለ-መንገዲ ተነጺሩ ዝተዋደደ ኣገባብ እምበር ወልቀ-ሰብ ወይ ውልቀ-ሰባት ኣይኮነን።

ስርዓት ህግደፍ ብህዝባዊ ሓይሊ ክሰዓር እዩ!

ዝኽርን ክብርን ንሰማእታትና!

ግንቦት፡ 18/2019


 

   

Last modified on Saturday, 18 May 2019 22:36