ዕዉት  ኤርትራዊ  ሽወደናዊ  ምስዮት

2019-05-05 22:51:23 Written by  Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2615 times

ብዕለት 04 ግንቦት 2019 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ከተማ ዮተርቦርግ ብሽወደናዊ ኤርትራዊ ምሕዝነት ማሕበር ዝተዳለወ ኣገዳሲ ምስዮት ተካይዱ። እቲ ምስዮት ኣብ ትሕቲ ሓቢርና ነድምጽ ከነስምዕ ፡ ሓቢርና ንስራሕ ከነድምዕ ” ዝብል መሪሕ ጭርሖ ኮይኑ ኣቦ ወንበር ማሕበር ኣቶ ቶማስ ማግሶንን ሓው ጸሃየ ቀለታን ሓጺር ሌላን ንጥፈታት ሓቢሮም ንህቡብ ስነ ጥበባዊ  ሙሳ ናሽሕ ብመሳጢ ዝኾነ ግጥሚ ብቋንቋ ትግረ ኣደይ (ሃገረይ) እናበለ ከፈቶ።

Eritran meeting 1

ኣብዚ ምስዮት ክልተ ሰክረታሪ ከንቲባ ዮተቦርግ ሩበን ማልምስትሮምን ዮሱፍ ኣካርን፡ ዮኒ ኣደርሶን ኣቦወንበር ኢንተርናሽናል ፎልክ ስኮላን ተሳተፍቲ ነይሮም። ቀጺላ  ሓብትና መንእሰይ ሚሊዮ ተኽለ ኣማኻሪት ኣብ ወጻኢ ዝምድናታት ከተማ ዮተቦርግን ኪኢላ ሕብረተሰብኣዊ  ህንጸትን ዉህደትን ዝምድና ብህልዊ ኩነታት ስድራ ቤታት ኤርትራውያንን ምዕባይ ቆልዑት ኣብ ሽወደን ኣገዳሲ መዓድን መሃርን ኣስተምህሮን ሂባ ቀጻሊ ዘሎ መደብ ሓቢራ። ሲዒቡ ኣባል ባይቶ ሃገር ሽወደን ዮሃን ቡሰር ኣቦ ወንበር ሽማገለ መጓዕዝያ ዝኾነ ናይ ዴሳዊ ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ሃገር ሽወደን መደባት ኣብ መናብሮ ገዛን  ናይ ኣቀባብላ ስደተኛታትን ዘሎዎ ጽቡቅ ተረዳኦን ኣፍልጦን ብህልዊ ኩነታት ኤርትራን ገሊጹ ከም ኣባል ባይቶ ዘሎዎ ሻቅሎትን ጓህን ገሊጹ ብተገሳስነት ናብ ባይቶ ከቅርቦን ምዃኑ ቃል ኣትዩ። ብጉዳይ ኣብ ከተማ ዮተቦርግ ዘሎ ሃለዋት ኤርትራውያንን ሽግራቶምን እውን ምስ ዝምልከቶም ተዛሪቡ ንምፍታሑ ክጽዕርን ብጉዳይ ገዛዊቲ ጽቡቅ ስምምዕ ምስ ገለ ሰልፍታት ከም ዘሎ ሓቢሩ። ድሕሪኡ ብ4ተ ዉሕሉላት ኣሕዋትና ደቂኣንስትዮ ዝተዳለወ ሕብስትን ፍቱው ቅጫን፡ ብሶማላውያን መሓዙት ዝተዳለወ ሽኮራዊ ሕብስቲ ንምቅሳም ናይ ቡንን ሻህን ን15 ደቅይቅ ዕረፍቲ ኮነ።  ቀጺሉ ስነ ጥበባዊ መንሰይ ሙሳ ናሽሕ ብጉዳይ ስደትን ዘጋጠጥሞ ብድሆን  መሳጢ ግጥሚ ብቋንቋ ትግርኛ ኣስሚዑ ቀጻሊ ምስዮት ሓጺር ጊዜ ናይ ሙዚቃ  ናይ ትግረ ደርፍታት ብምስማዕ ናይ ምሸት መዕጸዊ ኮነ።

Last modified on Monday, 06 May 2019 00:57