ለውጢ ንፍትሕን ደሞክራስን ኣብ ኤርትራ

2019-04-28 08:15:26 Written by  ረዘነ ተስፋጽዮን። Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 3004 times

ኲልና ዓጊብናሉ ዘለና ሕቶ ከልዕል። ነዚ ኣርእስትና ዝዛመድ ወይ ዝኸይድ ሃገርናን ህዝብናን ኣብ ውሽጢ ይኹን ወጻኢ ብሰንኪ እዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ግዛኣተ ምልኪ: ኣብ ዓቢ ሽግርን ጸበባን ከም ዘለና ኩሉ ኤርትራዊ ዝሳምማዓሉ ጉዳይ ኢዩ። ነቶም እናሰምዑ ዝጸመሙ እናረኣዩ ዝዓወሩ ገዲፍካ።

እዚ ሎሚ ተኣኪብናሉ ዘለና ምኽንያት ድማ ከምቲ ኣብ ወጻኢ ዳርጋ ኣብ ምሉእ ዓለም ዘለው ኤርትራውያን በዚ ገጢሙና ዘለ ሓደጋ ናይ ምህላውን ዘይምህላውን ሕቶ ካብቲ ኣብ ድሕሪ ኮምፒተር ኮፍ ኢልካ ዝርእየካ ዘይብልካ ዝምደርን ዝበሃልን ዝነበረ ወጺእና: ኣብቲ ዓለም ዘደነቐ ፍንው ሰላማዊ ሰልፊ ጀንቭ. ጥራይ ደው ምባል ዘይኮነስ: ንውጽኢቱ ብውደባን ጥርኑፍን ኣገባብ ንምቅላስ ፍሕሕታ ህዝቢ ዝረኣየሉ ዘሎ መድረኽ ኣቲና ኣለና።

ናይ ሎሚ ዘረባይ ድማ ነዚ ፍሕሕታዚ ብኸመይ ኢና ናብ ሓደ ጭቡጥ ነገር እነብጽሖ ዝብል ክኸውንዩ። ነዚ ንምግልጽ ብርእይቶይ ኣብ እዋናዊ ጒዳይና ብምጥማት ኣድማዒ ዝበልክዎ ናይ ውደባ ጥቕሚ ኣብ ለውጢ ካብ ምልካውነት ምስግጋር ናብ ሕውነትን ማዕርነትን ሓርነትን ዘለኒ ርእይቶ ከካፍለኩምየ።ኣነን ኣብ ናተይ ዕድመ ዘለናን እንሓስቦ ምሳኹም ምስዞም ብዕድመ ትንእሱና  ተምክሮና ምትሕልላፍ ምብቃዕና ንዕደመና ከም ዓቢ ጸጋ ኢየ ዝርእዮ። ምስቶም ኣብ ግዜና ዝተወልዱ ሎሚ ንጸጋ ዕድምኦም ኣብ ንህዝቢ ኣድምዮም ታሪኾም ዘባላሽው ዘለው ዘይምዃነይ ከኣ ከም ዓቢ በረኸትየ ዝቖጽሮ። ብምቕጻል እምበኣር  ለወጢ ብኸመይዩ ክመጽእ ዝኽእል ዝብል ሓሳብ ከልዕል እደሊ። ኣቓልቦኹም ክትህቡኒ ኸኣ ብትሕትና እሓትት።

ናይ ለውጢ መስርሕ:- ናይ ለውጢ መስርሕ ካብ ሓቂ ወይ ጭቡጥ ኲነታት`ዩ ዝብገስ። ለውጢ ምግባር ማለት ልምዲ ምትካኽ/ምስታይ ትኪ ሽጋራ እንተነይሩካ ብውልቅኻ ንሂወትካ ብጥዕና ይኹን ንቚጠባኻ ሃሳይ ምዃኑ ፈሊጥካ ካብ ዝነበረካ ኣመል ወይ ወልፊ ንምልቓቕ እትገብሮ ቃልሲ: ናይ ሂወት  መስርሕ ለውጥዩ። እዚ ንገለ ሰባት ክዕወትሉ ቀሊልዩ። ሓንሳብ ምስ ወሰኑ ናብ ዓወት ምግልጋል ምትካኽ ሽጋራ ዝበጽሑ። ክሳብ መጀመርያ ተሰዓትታት ናይ ኤርትራውያን ማሕበራት ብስም ማሕበረ ሰብ ዝቖማ ነይረን። ገለ ማሕበራት ናተን ክበባት ተኻርየን ንኣባላተን ናይ ሓባር ማሕበራዊ ሂወቶም ዘውሃህድሉ ዕድል  ምፍጣር ዘኽኣለ ኲነት ዝፈጥር ነይሩ ። ኣብ ዝቕመጠላ ኮሙውን ነይሩና። ሓደ ምሸት ብዛዕባ ምግልጋል ካብ ሽጋራ ዕላል ተላዒሉ። ኣብቲ ዕላል መኮነን ነጋሽ ዝብሃል ሓው: ኣነ ካብ ጽባሕ ሽጋራ ኣይሰትንየ ኢሉ። ካልእ ከምኡ ሰታይ ሽጋራ: ምሰታይ ሽጋራ እንተገዲፍካያ በጊዕ ክሓርደልኩምየ ይብል። ሓደ ካልእ ከኣ ኣነውን ጥርሙዝ ወስኪ ሒዘ ክመጽእየ ዝብል መብጽዓ ይገብር። ሓው መኮነን ድሕሪ ዝኣወጀሉ ዕለት ሽጋራ ምስታይ ኣቋሪጹ። ክሳብ ሎሚውን ኣይተመልሳን። ልዕሊ ዕስራ ዓመቱ። እቲ ዝወሰኖ ለውጢ ምትካኽ ወይ ምስታይ ሽጋራ ኣተግቢርዎ ማለትዩ።

ሕጂ ኣኣኪቡና ዘሎ ምኽንያት ነዚ ሕብረተሰብና ካብ ዘለዎ ዓዘቕቲ ጭኮና: ሃገርና ካብ ናይ ምወዳእታ ፍሽለት ንምድሓንዩ። ዕብየት ጒዳይና ከቢድ ፖለቲካዊ ሓደጋ ዘለዎዩ። ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብርሃ: ካብ 1973 ዓም ኣትሒዙ ንብሉጻት ኤርትራውያን ከጥፍእን ክምቊስን ድሕሪ ምጽንሑ: በቶም ዝተረፉ ኤርትራውያን ብዝገበርዎ መስዋእቲ ሂይወት ዝተረኽበት ኤርትራ ኸኣ: ካብ 1993 ኣትሒዙ ቅድም ምስ ሱዳን ደሓር ምስ የመንን ቀጺሉ ምስ ኢትዮጵያ ምስ ጁቡቲውን ኣብ ኲናት ነቚቱ እልቢ ዘይብሎም ኤርትራውያን ኣጥፊኡ። ብሰንኩ ኸኣ ህዝቢ ካብ ቦትኡ ተፋናቒሉ ስደትን ዘርምዘርሞን ኮይኑ። ድሕሪዚ ዂሉ ጥፍኣት ብኣብይ ኣሕመድ ዝበሃል መራሒ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝረኸቦ መዋጽኦ ምንጻል ካብ ዓዲ ሃሎ ምስ ወጸ: ዕንደርኡ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ኣዋሳን ምስ ኣካየደ ድሕሪ ከም ”ርሕርሕቲ ኣደ”: ኣምስሉ ከንፈሩ ብምሓዝን ኣፍ ልቡ ምህራምን: መቸስ ሸዑ ዝተራእየ ፍዂሰት ኢሳያስ ከም ክንቲትዩ። ንዓመታት ዝኸሰርናዮ ክሳራውን  ኣምሊስናዮ ኣለና ኢሉና። እቲ ነውራም መልሓሱ ነቲ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ኲናት ወሊዑ ከህልቖ ዝጸንሐ ኤርትራዊ ዋጋ ከምዘይቆጽሮ ብጋህዲ ኣርእዩናን ኣስሚዑናን። እቶም ድሮ ዝቕበጽናዮ ኣይገረመናን: በታ ናይ ሽዑ ፍኾስኮሱን ዕብዳኑን ግን ኣእማንውን ተንቃሳቒሶምዮም።

ምትእኽካብና ካብዚ ጉዕዙይ ኣጽፋር ንምግልጋልዩ። እምበርከስ: ነዚ መዓትዚ ንምልጋስ ከመይ ዝኣመሰለ መስርሕ ኢና ክንሓልፍ ዝብልዩ እቲ ዓቢ ሕቶ። ንዓቢ ሕቶ ንኸምዚ ናትና ክፉእ መራሕን ግዜን:  መስርሕ ለውጥና ዕውት ዝኸውን: ነብሲ ወከፍ ሰብ ጒጅለ ስቪክ ማሕበር ፖለቲካዊ ውድብ: ጽልዋ ለውጢ ቅድም ኣባኻ: ኣብ ማሕበርካ: ኣብ ውድብካ ክመጽእ ከም ዝግባእ ምርዳእ መባእታዊ መጀመሪናዩ። ሒዝካዮ ዝጸናሕካ መገዲ ጒዕዞ ንሓርነት ካብ ምስ ህግደፍ ምጽናሕ ጀሚርካ ክሳብ ኣብ ስቕታ ፍርሂ ዝኣተኻሉ: ከምኡውን ብዝመስለካ ንለውጢ ክተተገብሮ ዝጸናሕካ መስርሕ ካብ ደምበርበር ዝበለ ኲነታት ናብ ጭቡጥ ከስርሕ ዝኽእል ዕላማ ምምጻእ: መጀመርያ ንስኻ ለውጢ ግበር፣ ማሕበርካ ውድብካ ለውጢ ክገብር ስራሕ።  እቲ መስርሕ ዕውት ኽኸውን ንጹር ራኢ ሃልዩ: ኣብ ምቕራጹውን ንጡፍ ተራ ምጽዋት፣ ብዘይ ናይ ነብሲ ወከፍ ንጡፍ ተራ ንለውጢ ዝርከብ ዓወት የለን። ዓወት ብኻብ ውሽጥና ዝብገስ ድለየት ንለውጢዩ ዝመጽእ።

እምበኣር! መጻኢ ዕድልና ንፍትሕን ቁዋማዊ መንግስትን ደሞክራስን ምዕባለን ኣብ ህዝብናን ሃገርናን ንኽመጽእ ᎒ ብግብሪ ክንርእዮ ይከኣል ድዩ ኢልና ሓቲትና መልሱ መጀመርያ ኣብ ውሽጢ ቀልብና ክሰርጽ ዓርከይ ሓወይ ኢልዎ እልካ ዘይኮነ ካብ ልቢ ነብሲ ወክፍና ዝነቐለ ናይ ለውጢ ሓይሊ ክህሉ ምስ እንቃለስዩ። ለውጢ ክንርኢ ብሃንቀውታን ባህግን ጥራይ ምጽባይ ኣይኮነን: ከምኡውን ካልኦት ክሰርሕዎን ክተግብርዎን ዘይምጽባዩ። እጃምካ ምጽዋት ኣድላይ ጥራይ ዘይኮነ ግድነትዩ።  

ሰለስተ ዓንዲ ኲርንዓት ለውጢ:- መጀመርያ ፍልጠትና ኣብቲ ክንልውጦ ንደሊ ጒዳይ ከመይ ኢዩ᎒ ኲሎም ደቂ ሰባት ፍልጠት ኣለዎም። ፍልጠቶም ግን በበይኑዩ። ንኣብነት እንሰርሖ ስራሕ በበይንዩ። ነቲ ንሰርሖ ስራሕ ብዛዕባ ተገዳስነትና: ኣብኡ እንጥፍኦ ግዜ ኣብቲ ስራሕ ዘለና ኣጠማምታን ክፋላለ ይኽእል። ብትግሃት እትገብሮን ደሞዝካ ንምርካብ ጥራይ እትገብሮን ፍልልይ ክህልዎ ይኽእል። ትምህርቲ`ውን ከምኡ። ትምህርቲ ናይ ዕደመ ምሉእ መስርሕዩ። ትምህርቲ ስቕ ኢልካ ብኸምኡ ዝዕደል ነገር ኣይኮነን። በቲ ናይቲ ውልቀ- ሰብ ጻዕሪ ዝረኽቦ ሓበረታ ብምምርማርን ንሓድሕዱ ብምግጫውን ክጭበጥን ክብጻሕን ዘለዎ ነገር`ዩ። ፍልጠታዊ ምዕባለ ኣብ ናይ ደቂ ሰባት ውልቃዊ ተመክሮ ዝተመርኮሰዩ። ምሕታት: ምግራም: ኣብ ምልክት ሕቶ ምእታው: ምፍታን ምንጽብራቕን ስጒምቲ ምውሳድን ዝኣመሰለ ባህርያት: ህያው ዝኾኑ ናይ ፍልጠት ሰንሰለት ኮይኖም  ኣዝዮም ኣገደስቲ ስጉምታትዮም።

ኣብዚ ዘለናዮ ህሞት: እቲ ጨፍላቒ ስርዓት ንናይ ውሽጢ ናይ ህዝቢ ፍሕሕታ ንምድርቋስ ናይ ደገ ጸላእትኻ ከም በዓል ወያኔ መጹኻ ዝብል ባህራሪ ዘመተ ባዶ ሰለስተ ኣዋፊሩ ኣሎ። እቲ ጽወታ ተወዲኡ ኢዩ ዝብል ኣዕናዊ ሙዚቃኡ: ምስ ደምበ ኣብይ ተዛሚዱ ንጎረቤትና ዝኾኑ ህዝብን ውድብን ከም መሳርሒ ናይ ጥፍኣት ጒዕዞኡ ክጥቀመሉ ይፍትን ኣሎ። ኣብቲ ናይ 1998-2000 ዓ.ም ኲናት ኢትዮ-ኢርትራ ካባይ ጀሚርካ ዝወደበሉ ጥበብዩ። ኣብቲ  ዘይ ቅዱስ ኲናት ከእትወናን ገንዘብና ክዝርፍን: ካብ ልብን ኣእምሮን ዝወጸ ገምጋምን ፍልጠትን ብዘይምግባርና ንሃገርናን ህዝብናን ኣብ ዘደምየ ኲናት ተኻፋሊና በዓል ኣነ። ውጽኢቱ ኣፍራይ ሓይሊ ክፋል ህዝብና ጠፊኡ። ካብ ዓዱን መረቱን ተዛኒቡሉን ተሰዲዱን። ንኢስያስ ግደፍ ይኣክል ንዝበልዎ ኣብ ናይ ሞት ጎዳጒዲ ብሂወቶም ዳጒኑ።

ነቶም ከምዚ ኸማይ ዘይቅዱስ ኲናቱ ዝደገፍና ኸኣ ንብረትና መጽዩ ኣብ ኣፈ ደገ ድኽነት ኣጻጢሑና። ንሱ ግን ክሳብ ሕጂ ኣብ ስልጣን ኮይኑ የድምየና ኣሎ። እቲ ተወሪረ ዝብል መዳናገሪ ጥሩምባ ኲናቱ ቀንዲ መበገሲኡ ምግሃስ ዶም ብወያነ ከምዘይነበረ ዘርእየና: ኣብይ ኣሕመድ ንምሕናጻጽ ዶብ ተቐቢልናዮ ኣለና ምስ በለ: ኢሳያስ ካብ ዓዲ ሃሎ ወጺኡ ኣብ መናገሻ ከተማ ኣስመራ ርግእ ኢሉ ኮፍ ኢሉ: ቅድሚ ዝኣገረ ዶብና: ብመሰረት ውሳኔ ኮሙሽን ዶም ንሓንጽፆ ክብል ነይርዎ። እቲ ኢስያስ ንዋርስይን ይከኣሎን ናብ ኲናት ብምእታው ሰብን ንብረትን ኤርትራን ዝሸመመሉ ጒዳይ ግን ጒዳይ ዶብ ከምዘይነበረ ብግብሪ ኣርእዩና። ብነፋሪት ንደቡባዊ ዶባት አርትራን ትግራይን ሰጊሩ ንኣዲስ ኣበባ ክእቱ ኢና ዝረአናዮ። ንኣብይ ካብ ሎሚ ምርሓና ምስ በሎ ድማ ኣብይ ጒዳይ ዶብ ምሕንጻጽ ናይ ሕጂ ተግባርና ኣይኮነን ኢሉና። ከም ዋጻኢ ምኒስተር ኤርትራ ኮይነ እንተሰራሕኩ ከይትግረሙ ብምባል ንዑስማን ሳልሕ ኣይትቀየምኒ ክብል ሓጪጩሉ። ክብራት ተኻፈልቲ! ኤርትራን ህዝብናን ብሰንኪ ብደም ኤርትራውያን ዘይዓግብ ሕሙም መራሒ ናይ ተልመደናት ፖለቲካ መሐጨጪ ኮንና ኢና።

እቲ ከይሲ ሎሚው`ን ዝሃርሞ ከበሮ ኲናት ንሰምዕ ኣለና። ግን ኣነ ፍልጠት ስለ ዝገበርኩ ክድግፎ ዘይኮነስ ንኢስያስ መቓብር ፖለቲክኡ ኣብ ምዂዓት ዝካፈለሉ ፍልጠት ቀሲመ ኣለኹ። እቲ ንዂላትና ዘድልየና ፍልጠት ንምድሓን ሃገርና ብጥልመት ኢሳያስ ኣፍወርቂ ኣብርሃ ናይ ፍልጠት ባንደራ ድሕነት ሃገር ከነምበልብል ኣለና። ጻላእትና ውሑዳትዮም ኢሳያስን ጒጅልኡን። ንሕና ደለይቲ ፍትሒ ብዙሓት ኢና፣ ብዝሕና ግን ብፍልጠታዊ ውደባ ክህብትም: ንርእስና ናይ ውደባ ፍልጠት ክህልወና ኣለዎ። ናይ ውደባና ሓይሊ ድማ ደሞክራስን እምነት ሰብኣዊ መሰላትን`ዩ። ነዚ ዓቢ ጒዳይ ድሕነት ሃገርን ህዝባን ኢልና ብሓባር ዝወሰንናዮ ውሳነ ኣብ ግብሪ ምውዓል ቀንዲ መዐቀኒ ቃልስናዩ። ናይ ሓባር ውሳኔ ክብል ከለኹ ኣብ ውሽጢ ሲቪካዊ ማሕበር ይኹን ፖለቲካዊ ውድብን ኣብ መንጎ ውድባትን ጽላላትን ዝግበር ውዕላትን ውሳኔን ማለተይ ኢዩ። እቲ እናሳዕ ዝርአ ውድቀት ኣሳራርሓና ኣብ ስምምዕናን ውዕላትናን ነቲ ብደሞክርያስያዊ መስርሕ ውሳኔ ብዙሓት 50+1 ተቐቢልካን ሪዒምካን ዘይምስራሕዩ። ቅኑዕ ሓሳባት ንእትብሎም ኣብ ውሽጢ እቲ ብሓሳብ ዝተሳዓርካሉ ውድብ ወይ ማሕበር ኮንካ ዕግበትካ  ንምስፋን ኣብ ክንዲ ምስራሕ ምህዳምን ምፍንጫላትን እቶም ኣዕነውቲ ተግባራትናዮም። ነዚኦም ብግቡእ ምግምጋምን መስርዖም ከም ዝሕዙ ምግባርን መፍትሕ ዓወት ንለውጥናዮም።

ኣብ ልዕሊ ሰባት ዘለና ኣረኣእያ:- ቀንዲ ሕመረት ናይዚ ኲሉ ሰብ ማዕረ ምዃኑ: ካበይ መጺኡ እንታዩ ሃይማኖቱ: ጾትኡ:  ስርሑ ሃብቱን ድኽነቱን ትምህርቱን መዓርጉን ወዘተ ብዝየገድስ: ሓደ ሚዛንን ቦታን ምሃቡ። ከምቲ ማርቲን ሉተር ዝበለዩ፣ ሕልሚ ኣሎኒ ኢሉ፣ ሓደ  ሰብ ብሕብሪ ቆርበቱ ዘይኮነስ ብጠባዩን ግብሩን ዝምዘነሉ ግዜ። ዝኾነ ይኹን ሰብ ብባህርኡ ካብ ካልኦት ፍሉይ ኮይኑ ዝሓስብን ዘንጻባርቕን ፍጡርዩ። በዚ ዂርናዕዚ ጠሚትና ክንርኢ ከለና ዝኾነ ሰብ ሃብቲ ናይ ሓደ ጽፉፍ ሕበረትሰብዩ። ናይ ምዕባይን ምምዕባልን ድልየትን ዓቕምን ኣለዎ። ለውጢ ምምጻእን ምጽላውን ሓላፍነት ምስካምን ዓቕሚ ኣለዎ። ነብሲ ወከፍ ሰብ ግን ኣባል ናይ ሓደ ሓባራዊ ናብራ ደኣምበር  ብውልቁ ዝቖመ ፍጥረት ኣይኮነን። ክዓብን ክምዕብልን ከማዕብልን እንተኾይኑ ድማ ምስ ካልኦት ከምኡ ብምትሕብባር ጥራዩ ነቲ ዓቢ ቁምነገር ለውጢ ንሓድሽን ምዕቡልን ሕብረ-ሰብ ክበጽሖ ዝኽእል። እዚ ሕጂ ተጋቢእናሉ ዘለና ኣጋጣሚ ጨሪሕናን ይኣክል ኢልናን ገገዛና ምኻድ ዘይኮነ ናብ ጩቡጥ መስርሕ ህዝባዊ ባይቶ ኣብ ስቶኮሆልም ከነሰጋግሮ ክንሓስብን ክንዋሃሃድን እዩ ዘለና።

ኣብ ልዕሊ ሕብረተ-ሰብ ዘሎና ኣረኣእያ:- ሕብረተ-ሰብ ናይ ኲሉ ፍጡር ናይ ሓባር ባይታን መበገስንዩ። ከምቲ ንዓና ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ። ደቂ-ሰብ ብሓባር ብምዃንዮም ጥዕና ዘለዎ ሕብረተ-ሰብ ዝሃንጹ። ኲሉ ድማ በብዓቕሙ ብማዕረ ከም ዝሳተፍ ዝገብሩን። እዚ ግን ኣብቲ ህዝባዊ መንግስቲ ዘለዎ ሕብረተ-ሰብ ኢዩ። ንዘራጊቶ ውልቀ መላኺ ምስ ኣልገስና ሕጂ ኸኣ ናትና ንመጻኢት ደሞክርያስያዊት ኤርትራ መንጸፍ ንምግባር። ክምዚ ምስ ሓሰብና ንምምዕባሉ ነብሲ ወከፍና ተራ ክንጻወት ግቡእን ሓላፍነትን ኣሎና። ውሑዳት ሰባት ጥራይ ክሰርሑን ክኣልዩን ከማሓድሩን ክግደፉ የብሎምን። ኲልና ንሓደ ዕላማ ንምድሓን ሃገርን ህዝብን ገዛእ ርእስናን ብሓባር ንስራሕ። ሰብኣዊ ኣረኣእያ ኣብ ሰባት ደረት ኣይገብርንዩ። ኣውራጃ: ሃገራትን ክፍሊ ዓለማት ኣብ ግምት ዘየእቱን ማሕበራውን ዓለታዊ መበቆልን ኣመጻጽኣን ሰባት ዘይፈልጥን ንዂሎም ኣብ ዓለም ዝነበሩ ደቂ ሰብ ብማዕርነት ዘሳትፍንዩ።

እዚ ሓሳብዚ እዚ እንነብረሉ ሕብረተ-ሰብ ሽወደን ዝቃለሰሉ ስነ ሓሳብዩ። ኣንጻርዚ ዝሰርሑ ሓይልታትውን ኣለው። ስለ ዝኾነ ኣብቲ ናይ ውህደት ቃልስና ምስቶም ጥዑይ ሓሳባት ዘለዎም: ኣንጻርቶም እኩያት ብሓባር ምስራሕ ዝጠመተ ዕላማውን ክንሕንጽጽ ክህልወናዩ። ስለምንታይሲ ንረብሓናን ደቅናን ዝሰርዕ ወይ ዝጎድእ ውሳኔታት ዝገብሩ ኣለው። ንኣብነት እዞም ሕጂ ኣብ 26 ግንቦት ንሓሙሽተ ዓመት ኣብ ባይቶ ኤውሮጳ ንምእታው ዝዋዳደሩ ዘለው። ኣብዚ ውድድርዚ ኣበየናይ መስርዕ ክንከውን ንደሊ᎒   ደሞክርያስያውያን ሓልታትን ሑሉፋት ናይ የማን ሓልታታት ዓለታውያንን ዝዋዳደርሉ መስርሕዩ። ኤውሮጳ ብዓለቶም ጥራይ ክትምላእ ዝደልዩን: ብዘይ ፍልልይ ናይ-ሰባት ብሓባርን ሰላምን ንንበር ዝብሉን። ብዙሓት ካባና ዜጋታት ሽወደን ኢና። መሰል ናይ ምድማጽ ኣሎና። ከነድምጽ ወሲንና ክንህሉ ተስፋ እገብር። ንግብራዊ መስርሕ ውህደት ኢለ ዝሓሰክዎ ኣብነትዩ። ቀንዲ ናይ ሎሚ ኣጀንዳና ግን;-  

እቲ ኣብ ልዕለናን መላእ ሕብረተ-ሰብናን ደይቡ ዘድምየና ዘሎ ጸላኢ ንሓሳብ ማዕርነት ኤርትራውያንሲ ይትረፍ ካብ ሱርና ንምምሓውና ዝነቐለ ምዃኑ ደጊምሲ ኣለሊናዮ ኣለና። እሞ ብኸመይ ኢና እንልግሶ ዝብል ሓሳብ ይምልሽዩ ኢለ ዝተናኸፍክዎ ድሮ ኣቕሊብኩምሉ ክትህልው እናኣመንኩ ኣብቲ እንደልዮ ናይ ለውጢ መስርሕ ገጽና ክንቅጽል።

ለውጢ ክተምጽእ ምድላይ:- ለውጢ ከተምጽእ ምድላይ ማለት ለውጢ ኣምጺእካ ኣለኻ ማለት ኣይኮነን። ንጭቡጥ ኲነታት። ንማሕበራዊ ናብራ በይንኻ ክትልውጦ ማለት ዘይከኣልዩ። ለውጢ ክመጽእ እንተደኣ ኮይኑ ምውሳእን ተሳትፎን ናይ ብዙሓት ሰባት ኣብ ዝተፋላለየ ጽፍሒ ይሓትት። ኲሉ ግዜ እቶም ብብዝሕን ብናይ ሓባር ሓሳብን ዝሰርሑ ሰባትዮም ክዕወቱ ዝኽእሉ። ናይ ለውጢ መስርሕ እምበኣር ዕውት ክኸውን እንተኾይኑ: ፍልጠትን ተሳትፎን ኣገዳሲ ተራ ኣለዎ። ፍልጠት ከም መሳርያ እንተዘይተጠቒምካ: እቲ መስርሕ ከተጽንዕን ቅርጺ ክትህቦን ስለ ዘይከኣል: ብሃወኽን ደምበበርን ብዘይ መጽናዕቲ እትወስዶ ስጒምቲ: ነቲ ትደልዮ ለውጢ ቀይዱ ከይሰጎመ ጠጠው ዘብል መፈንጠራ እዩ።

ፍልጠትን ተሳትፎን:- መብዛሕትኦም ውድባት ወይ ማሕበራት ይዕበ ይንኣስ ለውጢ ናይ ምምጻእ ዕላማ ኣለዎም። እቲ ዕላማታት ዝተፋላለየ ክኸውን ይኽእል: ኲሎም ሰባት ብዘለዎም ዕቕሚ ብማዕረ ዝነብሩሉን ዝሳተፍሉን ሕብረተ-ሰብ ምምዕባል ክኸውን ይኽእል። ኣብቲ ትሰርሓሉን ትሰርሖን ለውጢ ምምጽእ ክኸውን ይኽእል። ማሕበራት ወይ ውድባት እውን ቅልጡፍ ለውጢ ከምጽኡ ብምእማን ነቲ ክመጽእ ዝድለ ለውጢ ይሕግዝዩ ዝብልዎ ሓበረታታት ምእካብ ልሙድ ስርሖምዩ። ንሱ ጥራይ ግን ዓወት ከምጽእ እይኽእልንዩ። ከመይሲ ምዕባለ ወይ ለውጢ ዝዕወት ብዝእከብ ውድዓዊ ፍልጠትን ንጡፍ ተሳታፍነትን ናይ ኩሎም ዝሓትትዩ። እዚ ድማ ብምትእምማን ኣብ መንጎቶም ተዋሳእቲ ለውጢ ይፍጸም። ፍልጠት ግን ንማንም ብኸምኡ ዝዕደል ወይ ዝወሃብ ኣይኮነን። ፍልጠት ብንጥፈትን ሓድሽ ነገር ክትፈልጥ ብምድላይካን: ንፍልጠት ሃሰስ ብምባልን ዝመጽእ ነገርዩ። እዚ ዕውት ዝኸውን ከኣ ኲሉ ግዜ ናይ ገዛእ ርእስኻ ንጡፍ ተሳታፍነት ናይ ግድን ኢዩ።

መስርሕ ለውጢ ዕውት ክኸውን ካብ ሓበረታ ምውሳድን ምሃብን ጀሚሮም ክሳብ ለውጥን ምምሕያሽን ክበጽሑ ዝኽእሉ ህርኩታትን ውፉያትን ሰባት ምስ ዝህልውዎ ጥራይ ኢዩ። ስለ ዝኾነ ኲሉ ዓይነት ለውጥታት እቲ ዝሓቶ ግዜ ክወስድ ኣለዎ። ከምቲ ዝፍለጥ ”ክተማ ሮማ ብሓደ መዓልቲ ኣይኮነትን ትሃኒጻ። ኣብዚ ናትና ኲነታት ምስ ምህላው ዕቡድ ምልካውነት ጒዳይና  ንለውጢ ህጹጽ ከም ዝገብሮ ርዱእዩ። ምህናጽ ቁዋማውን ህዝባውን ንዕኡ ዝኸውን መሰረትን ምጅማርና ድማ ኣንፈቱ ሒዙ ኣሎ። ዝተፋላለዩ ፖለትካውያን ውድባትን ስቪካዊ ማሕበራትን ተሲኦም ድምጾም የስምዑ ከም ዘለው `ውን ንርኢ ኣሎና። ኲሉዚ ፈትልታትዚ ብስራሕ ክተሓብባረሉ ዝኽእል መድብ ምውጽእ ከኣ ህጸቱ ንዂልና ርዱእ እመስለኒ። ንምድምሳስ ምልካውነት ዘሕብረና መደብ። ምፍንፋን የብቅዕ። ኣብ ልብና ንመለስ ንካባበር ሓድሕድ ምንእኣስ ዕድመ ጸላኢና ዘንውሕዩ። ባህላዊ ክብርታትናን  ማሕበራዊ ምትእስሳርናን ኣብ በቶኦም መልሲና ንቕድሚት ንስጒም።

ጽን ኢልኩም ዝሰማዕኩምኒ አመስግን

ረዘነ ተስፋጽዮን።

27 ሚያዝያ 2019

Last modified on Sunday, 28 April 2019 10:20