ንዝክሪ 3ይ ዓመት ስውእ ጅግና ኣልኣዛር ቀለተ

2019-04-16 06:53:33 Written by  ኣስመላሽ ክፍሊማርያም Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1906 times

ኣልኣዛር ክዝክረካየ ሎሚሲ

ኣልኣዛር ከልዕለካየ ሎሚሲ

ኣባሓጎኻ ዘርኤ ሓራሲ ሓፋሲ   

ኣቦካ ቀለተ ዘማሪ ቀዳሲ

ኣልኣዛር ወዲ ጓል ኣምሕኒት መራሺ ተኳሲ

ምንኣስ እድሪስ ዓዋተ ኣብቲ ርሱን ቃልሲ ::

       ወዲ ወዶም እንዳቦይ ዘርኤ ኣልኣዛር ሓየተ

       ሓዊ በላይ ሓዊ ኢትባረኽ ወዲ ኣቦይ ቀለተ

       ኣንታ ጎይታ ቃልሲ ጎይታ ማሕበር ሸውዓተ 

       ኣንታ ጎይታ ጠባይ ኣቦ ኣማን ሓዊ መብራተ

       ኣንታ ሓዊ ሙሉ ሓዊ ሂወተ፣ ሓዊ ኤደን ሓዊ ገነተ

       ወዲ ሓው ነቦይ ምሕረትኣብ ወዲ ቀለተ

       ሰብ ጥዕና ኣለው ይበሃል እንተዘይሞተ::

ኣልኣዛር በልዎ ይለዓል ኣልኣዛረይ ንበል

ወዲ ጓል ዘርእጋብር ወዲ ኣደይ ገብሪኤል

ኣንታ ለዋህ ለጋስ ኣንታ ጽላል ዕቦል

ኣቦ ኤርትራ እንዲካ ተዳፋኢ ማዕበል

ኣቦ ኤልሳ ንስካ ናይ ጎቦታት ጸበል

ታሪኽካ ረኪበዮ ብዙሕዩ ብኣካ ዝዕለል

ድርብ ዝዕጥቕካ ሓጺር በሪክ ኣንታ ጎብለይ።

     ሕጂባ ዘረባ መጸ እኖሄልካ ዘረባ

     ድንበዛናይ ተባዕ ወዲ ማይ ወዘባ

     ጅግንነትካ ዘደንቑ ካብ ርሑቅ ቀረባ።

     ጸላእትካ ይርዕዱ ምስ ትስቀል ኩርባ

     ከም ዝናብ ተዝንበሎም እሳት መሸንበባ

    ሓዊ ትኽዕወሎም ጸሓይ ኣብ ምዕራባ።

ኣንታ በዓልቲ ዓቅሊ ወናኒ ተጻዋርነት

ጓል ኣቦይ ብላታ ነጋሲ ሰበይትካ ኣብርሄት

ኩሉ ጊዜ ዕውት ኢኻ በቲ ናታ ጸሎት

ብኣካ ትሓስብ ብኣካ ትትኽዝ ንግሆ ይኹን ምሸት

ብኹሉ መገዱ ብኹሉ እንታይነት

እዚ እዪ ከኣ ቀንዲ ምውቅ ሓዳር ማለት።

     ኣልኣዛር ቀለተ ትሰምዓኒ ዶ ኣሎኻ

     ደቀምሓረ ጎልጎል ዓቢ እንዳ ኣቦኻ

     ዮሴፍን ሚኪኤለን ክልቲኦም ደቕኻ

     ሓዲኦም የማናይ፡ ሓዲኦም ጸጋማይ ዓይንኻ

     ኣየወ ኩሉ ርኢናዮ ትድርብ ቓልስኻ

     ሃገር መጀመርያ ሰሪዕካያ ከም ቀዳማይ ምርጫኻ

     ብዙሕ ላዕልን ታሕትን ሓሊፉ ኣብቲ ኩሉ ጉዕዞኻ

     ቃልስካ ግን ኣይመከነን ደው ኣይበለን ኣባኻ፡

     ንውላድካ ኣውሪስካዮ ዋዕሮ ኣላ ብድሕሬኻ።

ኣባል ማሕበር ሸውዓተ ተባሂልካ ኽትምቓሕ ኣብ እስርቤት

ንኹሉ ጢዒምካዮ ኢካ ቲ ናይ ቃልሲ ምረት

ምስ እቶም ቀዳሞትየ ሰሪዔካ ናይ ገድልና ሰረት

ኣንታ ጎይታ ሰላም ጎይታ ስምረት

ጎይታ ስመጃና ጎይታ ዓረት

ጎይታ ዶሽካንዲካ ኸቢድ ብረት

ክንዋጋእ ከሎና ምስ ናይ ደርጊ ሰራዊት

መኪናካ ብቀትሪ ትውንጨፍ ንቅዲሚት

ከይፈራህካ ብድፍረት ንናይ ጸላኢ ነፋሪት

ኣቦ ዮሴፍን ሚኪኤልን  ዶ ክብለካ ወዲ ዓዲ ሓየት

ታሪኽካ ተወቂጡዪ ተጻሒፉ ኣብ ሰነድ ምስ እቶም ቀዳሞት

ምእንቲ ባንዴራካ  ትዋደቕ ምእንቲታ ሰማያዊት።

      ኣርሓ ናይ መዓልዲ በዓል ድርብ መንጉዳ

     ንእስነት ሓሊፋካያ ንእስነት ዕዳ

     ኣንታ ሰባር ቅልጽም ሰባር በረኾዳ

     ወዲ መድሃኒኣለም ዕባይ ገዛ ባንዳ

     ዕባይ ናይ ላጌቶ ወደ ኣስመራ ጻዕዳ

     ሕጂ ከ ስሬካ መኖምዮ ክወስዳ።

እንዳቦይ ዘርኤ ብስድርኦም ተቃሊሶም ብሓባር

ኣርዕዑት  መግዛእቲ ጸላኢ ንምውዳቕ ንምስባር

ሪሂጾም ተኣሲሮም ደኪሞም ሃገራውነት ንምትግባር

ቀሊል ኣይኮነን ካብ ባርነት ናብ ናጽነት ምስግጋር ።

       ንህዝቢ ኤርትራ ነጻ ከውጽኦ ከልብሶ ሐርነታዊ ብርሃን

       ደስ እዩ ዝብለካ ከም ናቱ ናይ ቃልሲ ኣባል ምኳን

       ኣብ ዝኮነ ግዜ ኣብ ዝኮነ ሰዓት ኣብ ዝኮነ እዋን

      ምስ ማሕበር ሸውዓተ ኮይኑ ተቃሊሱዩ ኣቦይ ዓንደብርሃን ።

ተክለብርሃን ዘርኤ ክመጽእ ናባካ

ጽምዲ ኬንኩም ጀሚርኩም ቃልሲ ምስ ሓውካ

ብዓል መን ነበሩ ኣብቲ ጉዕዞ መማክርትካ

እንታይ ነበረ መሳርያ ስንቂ ናይ ቃልስኻ

ግልጽ ከይበልካ ንድሕሪት ምስቶም መሳቱካ

ጦብላሕ ይብለና ወትሩ ተዘካሪ ጅግንነት ሓቦኻ።

      ምእንቲ ሃገሩን ህዝቡን ኣንጊሁ ዝመከተ

     ተክለብርሃን ዘርኤ ኣባል ማሕበር ሸውዓተ

      ኤርትራ ኣይትግዛእን ዝበለ ደው ኢሉ ዝተማጎተ

      ኣብቲ ናይ መጀመርታ ዐደየ ዓደየ ክበሃል ዝከተተ

     ንቓልስና ጀሚርኩም ተከልክምሉ  እምኒ መሰረተ።

ፖለቲካዊ ምንቅስቃሳት ድሕሪ ምንህሃሩ

ምእንቲ ዛ ኩሉ ዝብህጋ ኩሉ ዝደልያ ሃገሩ

ካብ ኣዲስ ኣበባ መጺኡ ኣብ ናኩራ ተኣሲሩ

ብፖለቲካዊ ጉዕዞ ናይ ተክለብርሃን እንተተዘኪሩ

ናይ ምንቕቃሕ ትምህርቲ ዩ ዝከውን ንሓዋሩ 

በዚ ከይኣከለ ኣብ ጀብሃ ደቁ ኣዓስኪሩ

ቃልሲ ኤርትራ ቃልሲ ስድራኩም እንድዩ ኔሩ።

        ኣልኣዛርይ ቅሰን ቅሰን ኩሉ ዓሲልዎ ቃልስካ

       ተኪእካ ኣሎካ መንእሰያት ዝርከቡ ሕድርካ

       ቀሪቡ እዩ ሺግ ሓርነት ክበርህ ኣብ ዓድካ

       ክገሃድ ሕልሚካ  ክትረክብ ጻማ ጻዕርካ

      ኽምንቆስ ክምሖ ዲክታተር ጸላኢ ህዝብካ።

ዘልኣለማዊ ዝክሪ ንስውኣት ኤርትራ

መንግስተ ሰማያት የዋርስካ።

ካብ ሓውካ ኣስመላሽ ክፍሊማርያም ሕ.ሃ.ኤ

Last modified on Tuesday, 16 April 2019 08:58