ጭሕሚ ዓርክኻ ክላጸ፡ ጭሕምኻ ማይ ልኸ!

2019-04-12 18:30:59 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1913 times

ዝሓለፈ ሓደ ዓመት ዲክታቶር ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ካብቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝነበሮ ዝምድና ኣእሽኹ ተሓቢእሉ ዝነበረ በዓቲ ተገዲዱ ምስወጸ፡ ካብ ማይ ከም ዝወጸ ዓሳ  ከዕለብጠሉ ዝጸንሐ ግዜ እዩ። እቲ ፈቐድኡ ስግኣት ሰንዲሕዎ ዝስሕቖን ዝለፋለፎን ዝነበረ ከኣ፡ ውሽጣዊ ስግኣትን ሻቕሎትን ዝወለዶ እምበር ናይ ብሓቂ ከምዘይነበረ ናይ ብዙሓት በላሕቲ ግምት እዩ። ብዙሓት ካብ ነዊሕ ግዜ ዝፈልጥዎ ኣካላት ኩነታቱ ርእዮም “እምበርከ ንሱ ድዩ እዚ ሰብኣይ” ዝብልሉ ዝነበሩ ትዕዝብቲ ዝርሳዕ ኣይኮነን።

ኢሳይያስ ነቲ “ንሕና ዘምጻእናዮ ለውጢ እዩ። ሃንደበት ዝመጸ ዘይኮነስ ነዊሕ ዕድመ ዘለዎ እዩ” ክብሎ ዝጸንሐ ኣብ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተራእየ፡ ለውጢ ዲና ክንብሎ ጽገና  ክንድቲ ትንፋስ ክሳብ ዝሓጽሮ ኣፍልቡ ዝወቐዓሉን ኣፉ ክሳብ ዝትርተር ዝሰሓቐሉን ብውሽጡ ከቐጽሎ ከምዘይከኣለ ዘመልክት ብዙሕ ሓላፍዘላፍን ናይ ዶባት ምዕጻውን ምኽፋትን ንዕዘብ ኣለና። እዚ ድማ እቲ ለውጢ ብናይ ካልኦት ዞባዊ ሕሳብ ንኢሳይያስ ንከተግብሮ ዝተዋህቦ እምበር፡ ናቱ ከምዘይነበረን ከምዘይኮነን ዘምልክት እዩ። እዚ ዝምድና ምስ ኢትዮጵያ ባዕሉ ሓሲቡ ዘምጸኦ ነይሩ እንተዝኸውን ኣይመደፈሮን። ምኽንያቱ እንተደፊርዎ ሳዕቤኑ እዚ ሕጂ ገማዕማዕ ኢሉ መጨበጢኡ ጠፊእዎ ዘጻብበሉ ዘሎ ኩነታት ዘኸትል ስለ ዝኾነ። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና እዚ ዲክታቶር ኢሳይያስ ኣብቲ ሓሲበሉን ኣጽኖዐዮን ኢሉ ዝወስዶ ምርጫታት እውን ዓበይቲ ጌጋታት ከም ዝፍጽም ብምስሓት ኣይኮነን። ኣዋጅ ጸወታ ተወዲኡ (Game is over) ከም ኣብነት ዝውሰድ እዩ።

ዲክታቶር  ኢሳይያስ ኩነታቱ ኣብ ኤርትራ ጸገም ኣለዎ ኢልካ ጥራይ ዝሕለፍ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ኩሉ ነገሩ ጸገም ስለ ዝኾነ። ብዘይቃለዓለም ምምሕዳሩ ኣብ ኤርትራ ምሉእ ብምሉእ ግናይ እዩ ኢልካዮ ምሕላፍ እዩ ዝሓይሽ። ነቲ ግናዩ ዘህድእ ዋላ ቁንጣሮ ኣውንታ’ውን የብሉን። ሎሚ ከኣ እቲ ጸገሙ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ጥራይ ዝድረት ኣይኮነን። ደጊም ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ኤርትራ ገዛ ዓጺኻ ብኻለኦት ምጥቃውን ምሕጫጭን የለን። እቲ ማዕጾ ተሰይሩ እዩ። ናይ ለውጢ ንፋስ ናብን ካብን ኤርትራ ክነፍስ ዝኽልክሎ ማዕጾ የለን። ናይዚ እዋንዚ ዕላል ህዝቢ ኣብ ሕንብርቲ ኤርትራ ኣስመራ ከኣ ነዚ ዘረጋግጽ ኮይኑ ኣሎ።

እቲ ብኤርትራውያን ካብ ውሽጢ ሃገርን ዲያስፖራን መመሊሱ ዝስስን ዘሎ ናይ ለውጢ ማዕበል ደጊም መላሲ የብሉን። ኤርትራዊ ኩነታት ብናይ ገዛእ ርእሱ ሕጊ እምበር ብናይቲ ዲክታቶር ጽቡቕ ድሌት ይቕለስ ከምዘየለ ብዙሕ ምልክታት ንርኢ ኣለና። ንኢሳይያስ ኣጻቢብሉ ዘሎ እምበኣር እዚ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንኤርትራ ከቢብዋ ዘሎ ህቦብላ’ውን ካብ ድሌትን ትጽቢትን ወጻዕቲ ወጻኢ ዝሕንበብ ዘሎ እዩ። ሓደ እዋን በቲ ኣብ ቱንዝያ፡ ግብጺ፡ ሊብያን ካለኦት ሃገራት ከባብናን ዝተወለዐ ናይ ለውጢ ሽግ ዝብዳዕ ዝነበረ እዚ ኤርትራዊ ዲክታቶር፡ እቲ ማዕበላት ኣብ በቦታኡ ተደሪቱ ዝተርፍ’ዩ ዝመስሎ ነይሩ። እንተኾነ እዚ ህቦብላታት ዕቤቱ ሓልዩ ዝመጽእ ምዃኑ ሕጂ ባዕሉ እቲ ህቦብላ ይዛረብ ኣሎ። ንዲክታቶር ኢሳይያስ ከኣ “መጻኹኻ” ይብሎ ኣሎ። እዚ ናይ ለውጢ ማዕበል ብድሌት ኢሳይያስ ዝዕቀንን ዝዕገስን ዘይኮነስ፡ ብናቱ መስርሕ ኣብ ቅድሚኡ ዝጸንሕዎ ዲክታቶራት እንዳመልዓሰ ዝጐዓዝ ምዃኑ ምልክታት ንርኢ ኣለና።

ኣብ ኢትዮጵያ፡ ለውጥ ድዩ ጽገና ዝብሉ ሕቶታት ዘልዓለን መዓርፎኡ ጌና ዘይተፈልጠን ምንዕዓብ ተዓዚብና። እዚንኢሳይያስ በዓል ጽብቑ ከምዘይኮነ፡ ምንቕናቕ ኤርትራውያን ሓይልታት ለውጢ ኣብ ውሽጥን ወጻእን መስካሪ እዩ። ኣብ ኣልጀርያ ዝተራእየ ህዝባዊ ሓይልን ውጽኢቱን ተዓዚብና። መልእኽቱ ኣብ ኣልጀርያ ተሓጺሩ ዝተርፍ ዘይኮነ ናብዚ ናይ ሃገርና ዝብኢ’ውን መልእኽቲ ኣለዎ። እነሆ ሕጂ ከኣ ኣብ ድርኩኺት ኢሳይያስ፡ መራሒ ሱዳን ዑመር ኣልበሽር ጸግዑ ሒዙ። እዞም ተረኽቦታት ድሕሪ ሕጂኸ  ናበይ ገጾም ክኸዱ እዮም ኣብ መጻኢ ብናይቶም ኣብ ሃሃገሮም ዘለዉ ኣብ ለውጢ ረብሓ ዘለዎም ኣካላት ዝውሰን እዩ። ብውሕዱ ግና ናይ ህዝቢ ሓያልነት ዝበሪኹ ዝተራእየሎም  ተረኽቦታት እዮም። እሞኸደኣ ኣብ ታሪኹ ካብዚ ባህራሪ ዲክታተር  ዝዓቢ ናይ መግዛእቲ መንደቕ ዘፍረሰ ህዝቢ ኤርትራ፡ ነዚ ወታቲፍካ ዝተሰርሐ ኢሳያሳዊ ዘይርጡብን ዘይሕጋውን መንደቕ ዘይኮነስ ግድግዳ ምፍራፍ ከጸግሞ’ዩ ማለት ድዩ? ኣይመስለንን። ህዝቢ ኤርትራ ትዕግስቱ ኣብ ፍርሒ ዘይኮነስ ኣብ ሃገራዊ ሓልዮት ዝተመስረተ ምንባሩ ኣብ ዘረጋግጽ ግዜ በጺሕና ኣለና። ትዕግስቲ ከኣ ከም ኩሉ ኣምራት ደረት ስለ ዘለዎ፡ ህዝቢ ኤርትራ እንተኾነ ካብኡ ንላዕሊ፡ እንተዘየሎ፡ ኣሰር ህዝብታት፡ ቱኒዝያ፡ ሊብያን ግብጽን ሕጂ ድማ ሱዳን ምሓዝ ከምዘየጸግሞ ከርኢ ኣብ ዝግደደሉ ደረጃ በጺሕና ኣለና።

እዚ ኣብ ሱዳን ዝኽፈት ዘሎ ምዕራፍ፡ ብዛዕባ ኩለመዳያዊ ቃንኡ ኣብ መጻኢ እንከታተሎ ምዕባለ ኮይኑ፡ ብዓብይኡ ንዲክታቶር ኢሳይያስን ደቀመዛምርቱን ዘመሓላልፎ ረዚን መልእኽቲ ኣለዎ። ናይቲ መልእኽቲ ማእከል ከኣ “ናይ ህዝቢ ሓያልነት” ንድሕሪት ከምዘይምለስ እዩ። መልእኽቱ ኣብዚ ዝድረት ዘይኮነ ናብ ህዝቢ ኤርትራ እውን እዩ። ኣብዚ ናይ ህዝቢ ሱዳን ቀጻሊ እንዳወድቕካ እንዳተንሳእካ ንለውጢ ምስራሕ እጃም ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን ዕዙዝ ምንባሩ ከኣ ነቲ ናብ ኤርትራውያን ዝመሓላለፍ መልእኽቲ መሊሱ የዕዝዞ። ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ካብዚ መልእኽቲ ዝዓበየ ክፋል ዝወስድ እዩ። ደጊም ህዝቢ ኤርትራ ኣፍ ኣውጺኡ “ከምዚ እንተዘይጌርካ ኣይናትናን ኢኻ” ክሳብ ዝብሎም ክጽበ ኣይግበኦን። ናይ ብሓቂ ካብ ኣብራኽ ህዝቢ ዝወጸ ምዃኑ ከረጋግጸሉ ዝግበኦ ብዙሕ ዕድላት ኣሕሊፉ እዩ። ካብቲ ዝሓለፈ ተመሂሩ ነዚ ዕድልዚ ከባኽኖ ኣይግበኦን። ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊ’ውን “ብልዒ ሓላፊ ሽም ተራፊ” ክብለሉ ዝግበኦ ሎሚ እዩ። ናብቶም “ይኣክል” ንብል ዘለና በሃግቲ ለውጢ’ውን መልእኽቲ ኣለዎ። ምኽንያቱ ይኣክል ምእኩል እንተዘይኮይኑ ግዳይ ከፋፋሊ ውዲት ጉጅለ ኢሳይያስ ናይ ምዃን ዕድሉ ክፉት ምዃኑ ተገንዚብና “ክንሰጥም” ናይ ግድን እዩ።

ከምቲ ንነዊሕ ጉዕዞ ፈለግ ኒል ናብ ባሕሪ መዲተራንያን፡ ኣብቲ ክበጽሖ ዝግበኦ መዓርፎኡ ከይበጽሕ፡ ኣብ ኡጋንዳ፡ ኣብ ኬንያ፡ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ወይ ኣብ ሱዳን ክትዓግቶ ዘይከኣል፡ እዚ ብኣርባዕተ ማእዝን ንኢሳይያስ ከቢብዎ ዘሎ ማዕበል ለውጢ እውን ናብ ኤርትራ ከይውሕዝ ዝዓግቶ ሓይሊ የለን። እዚ ካብ ኮነ ዲክታቶር ኢሳይያስ “ጸግዑ ንክሕዝ”፡ ንሕና ከኣ እቲ ድሕሪ ኢሳይያስ ዝመጽእ ዘበን ናይ ህዝቢ ኤርትራ “ሰናይ ዘበን” ከም ዝኸውን ንምግባሩ ጨጭሕምና ማይ ንልከ።

Last modified on Friday, 12 April 2019 20:33