ዝሓለፈ ኣይንረስዕ፡ እሱራቱ ግና ኣይንኹን

2019-02-20 08:05:25 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1946 times

ኤርትራዊ ወዲ ሃገረይ! ኣስተብህል ኣይትተሃመል። ኣብ ግዜ እቶእቶ ከይትታለል። ምኽንያቱ በዚ ኣብ ልዕሊ ህዝብን መሬትን ኤርትራ ዝኸይድ ዘሎ፡ ውጽኢቱ ዘይፍለጥ ሕቡእ ምስጢራት ደሓር ተመሊስና “ከምዚዶ መሲሉኒ” ከይንብል ንተሓቛቘፍ። ብደገ ዝመጽእ ሽርሒታት ጥራሕ ዘይኮነስ ካብ ኤርትራውያን ውን ጎሓላሉ ከምዘይሰኣኑ ኣጸቢቕና ክንነቕሓሎም ይግባእ።

ትማሊ ብኣጋር ሰራዊትን፥ ነፈርትን ህዝብን፡ እንስሳታትን ኣባይትን ኤርትራ፥ ዘባደመ መግዛእቲ ኢትዮጵያ፡ ካብ መዝገብ ታሪኽ ዝፈሓቕ ኣይኮነን። ንሕና ህዝቢ ኤርትራ ብመሰረቱ ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ጽልኢ የብልናን። ጽልኢ የብልናን ማለት ግን ነቲ ኣሽሓት ዝተሰውኡሉ ዕላማ ምጥላም ማለት ኣይኮነን። እቲ፡ ኣብዚ እዋንዚ ገለ ምሁራት ኢና በሃልቲ ኢትዮጵያውያን ፖለቲከኛታት፥ ንህዝቢ ኤርትራ ንምድህላል ዘስምዕዎ ከንቱ ውዳሴን ንድሕሪት ምምላስን ግን  ፈጺሙ ከምዘይስቆረና  ክነብርሃሎም ይግባእ።

እዞም ምሁራት ኢና በሃልቲ ብህዝቢ ኤርትራ ዝጽልኡ ነጋውስ በብሓደ እናተቐሱ ክገልጹ ከለዉ ከምዚ ዝስዕብ ይብሉ። “ህዝቢ ኤርትራ ንሃጸይ መነሊክ ዝጸልእዎ ሸጥካና ብዝብል ኢዩ ይብሉ። እዚ ግን ህዝቢ ኤርትራ ኣይኮነንዶ “ስለምንታይ ትሸጠኒ” ኢልዎም ክበሃል  ሓሲብዎ’ውን ኣይፈልጥን። እቶም ከምዚ ዝሓስቡን ዘዘንትዉን ኮነ ኢልካ ንሓዲሽ ወለዶ ንምድንጋርን ከምቲ ናይ ሓምሳታት ዝገበርዎ ዘይተዓወተ ነፍሕታት ይደግምዎ ምህላዎም ኣይተረደኦምን። ቀጺሎም፥ኤርትራውያን ንሃጸይ ሃይለስላሴ ንፈደረሽን ስለዝደምሰሰ ኢዮም ዘይፈትውዎም ብማለት እውን ወስ ክብሉ ይፍትኑ ኢዮም። እዚ ግን እቲ ፈደረሽን ስለዝፈረሰ ዘይኮነስ፡ ኤርትራ ርእሳ ዝኸኣለት ሃገር ምዃና ብምኽሓድ፡ ከሎ ገና ቋንቋታታ፡ ባህልታታን ዲሞክራሲያዊ ትካላታን ተጠሊሙ ሰንደቕ ዒላማኣ ብምውራድን እዩ ህዝብና ቅድሚ ፈደረሽን ምፍራስ ቃልሱ ዘልዓለ። እቲ ቃልሲ ንፈደረሽን ምምላስ ዘይኮነስ፡ እቲ ውዒሉ ሓዲሩ ሃገራውነቱን ታሪኹን ክብርታቱን እናተፋሕቘ ይኸይድ ከምዘሎ ዝተገንዘበ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ወርሒ ሕዳር 1958  ሓረካ ወይ ማሕበር ሸውዓተ ዝፍለጥ ምንቅስቓስ ዝጀመረ። 

ህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ ክብሩ፡ መንነቱን ሃገራውነቱን ንኽመልስ ካብ ባሕቲ መስከረም 1961 ጀሚሩ ኣብ  ቃልሲ ደሙ ዘፍሰሰን ኣዕጽምቱ ዝኸስከሰን እውን ምሉእ መሰል ርእሰ ውሳነኡ ንምርግጋጽ እምበር ፈደረሽን ንምምላስ ኣይነበረን። ስለዚ እቲ ብረታዊ ሰውራ ቅድሚ እቲ ብ15 ሕዳር 1962 ፈደረሽን ምፍራሱን ንባንደራና ብባንደራ ኢትዮጵያ ብ23 ታሕሳስ 1958 ምትክኡን  ኢዩ ተጀሚሩ። ድሕሪ ምምስራት ማሕበር ሸውዓተ፡ ንግፍዐኛ መግዛእቲ ኢትዮጵያ፥ ብናይ ሽዑ መንግስቲ ኣሜሪካ ክሳብ ኣፍንጫኡ ይዕጠቕ ስለ ዝነበረ፡ ብሓይሊ እምበር ብሰላማዊ መንገዲ መሰል ርእሰ ውሳነ ኤርትራ ከምዘይቅበል ምስ ተፈልጠ፡ እዞም ኣብ ስእሊ ዘለዉ ጀጋኑ ኤርትራውያን ምእንቲ ሃገሮም ስለ ዝተበጀዉ፥ ሓይሊ መግዛእቲ ምእንቲ ካብ ህዝቢ ክንጽሎም ሸፋቱ ኢዮም ክብል ፈተነ።

Dirar picture1

ሰውራ ኤርትራ ግን መመሊሱ ጠጢዑ ሓይሉ እናደልደለ ንመግዛእታዊ ሓይሊ ምስቲ ኩሉ ኣጽዋሩ ክድርዕሞን ኣላሽ ከብሎን በቕዐ እምበር ንድሕሪት ኣይተመልሰን። ሓይሊ መግዛእቲ፡ ምስ ሰውራ ትተሓባበሩ ኣለኹም ብማለት ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ተቓለስቲ ዝወስዶ ዝነበረ ዝተፈላለየ ግፍዕታት ዘርዚርካ ዝውዳእ ኣይኮነን። ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ዓውዲ ውግእ  ንዝተሰውኡ ተጋደልቲ፥ ህዝቢ ንምርዓድ መይቶም እንከለዉ ከይተረፈ የንጠልጥሎም ነይሩ እዩ። ተወጊኦም ምስ ተማረኹ ኣብ ልዕሊ ኣዘዝቲ መግዛእቲ ቁጠዔኦም ስለ ዝገለጹ ተዳጊሞም ምስ ተቐትሉ ህዝቢ ንምርዓድ ኣስከሬኖም ኣብ መሬት ይጉተት ነይሩ። ስዉእ ወለሎ ናይዚ ኣብነት እዩ።

Dirar Picture2

ነዚ ካብቶም ባሕሪ ሰጊሮም ዝመጹ ገዛእቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብና  ካብ ዝፈጸምዎ በደል ዘይፍለ ተግባራት ንጠቅስ ዘለና፡ ኣብ ታሪኽ ንምንባርን ንድሕሪት ተመሊስካ ንምጽብጻብን ዘይኮነ፡ ዝተፈጸመ ነገራት ከምዘይርሳዕ ንምምልካትን ሕጂ’ውን ናብ ከምዚ ዓይነት ሸንኮለል ክምለሱ ንዝደልዩ ካብ ዝሓለፈ ጌጋኦም ንክመሃሩ መልእኽቲ ንምትሕልላፍ እዩ።

እቲ ኩሉ ዝሓለፈ ግፍዒ ከይኣክል፡ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዓውዲ ውግኣት ናይ ዝሞቱ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ሓወልቲ ንክትከል ዝሓቱ ወገናትን ዓሰብ ናትና ኢያ ዝብሉን ክቀላቐሉ እንከለዉ፡ ነቲ ዝፈሰሰ ንጹህ ኤርትራዊ ደምከ ከመይ እዮም ክርእይዎ ዝደልዩ።

ዝያዳ ንምንጻር፡ ኤርትራውያን ምስ ዝሓለፉ መግዛእታዊ ስርዓታት፥ እምበር፡ ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ጽልእን ቅርሕንትን የብልናን። ከም ጎረባብቲ ህዝቢ ብሓባር ክንነግድ፡ ክንዋሰብን ሓባራዊ ማሕበራዊ ህይወት ከነተግብርን ጸኒሕና ኢና። ኣብ መጻኢ እውን እቲ ኣብ መንጎ ክልተ ልኡላዊ ጐረባብቲ ሃገራት ዝህሉ፡ ንናይ ሓባር ረብሓን ሰላምን ዝዓዪ ዓለም ለኻዊ ደረጃኡ ዝሓለወ ሓደ ኣብ ጉዳይ’ቲ ካልእ ኢድ ዘየእትወሉ ዝምድና ዝጽላእ ዘይኮነስ ኣድላይ’ውን እዩ። ካብዚ ሓሊፉ በቲ መሰል ናይ ጉርብትና ዘየኽብርን፥ ዘይሚዛናውን ዝምድና ንምፍጣር ዝግበር ላዕልን ታሕትን ከይንድህለል ክንጥንቀቕ ይግበኣና።

Last modified on Wednesday, 20 February 2019 09:36