ኢጣልያ፡ ካብ ወደብ ምጽዋዕ ክሳብ ኣዲስ ኣበባ ዝዝርጋሕ መንገዲ ባቡር ንምስራሕ ከምትሕግዝ ኣፍሊጣ

2019-01-22 06:06:36 Written by  ረድዮ ድምጺ ኣመሪካ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1804 times

ኢጣልያ፡ ካብ ወደብ ምጽዋዕ ክሳብ ኣዲስ ኣበባ ንዝዝርጋሕ ፕሮጀክት መንገዲ ባቡር ንናይ መጀመርያ መጽናዕቲ ክትሽፍን ምስምምዓ ኣዚዩ ዘሐጉስ`ዩ ክብል ናይ ኢትዮጵያ ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ ሎሚ ኣፍሊጡ።

“ኣብ ኢጣልያ ኣብ ዝነበረና ፃንሒት ምስ ዓለምለኸ ትካላት ብዛዕባ ልምዓትን ሰላምን ብርክት ዝበሉ ምይይጣት ዝገበርና’ኳ እንተኾና፡ ብፍላይ ምስ ቀዳማይ ሚንስትር ኮንቴ ኣብ ዝገበርናዮ ኩለ-መዳያዊ ናይ ልምዓት ምይይጥ ንወደብ ምፅዋዕን ኣዲስ ኣበባን ብመንገዲ ባቡር ንምርኻብ ንዘለና ድልየት ነቲ ናይ መጀመሪያ መፅናዕቲ ምሉእ ናይ ገንዘብ ድጋፍ ክገብሩን ነቲ ውፅኢቱ ሪእዮም`ውን ምትሕብባሮም ክቕፅሉ ዘርኣይዎ ድልየት ኣዚዩ ደስ ዘብልን ብዝለዓለ ደረጃ ዝተቐበልናዮን`ዩ።”

ቀ/ሚ ኣቢይ ሎሚ ኣብ ሮማ ምስ ቀዳማይ ሚንስተር ኢጣልያ ጁሰፐ ኮንተ ኣብ ዝተራኸበሉ እዋን፡ ካልኦት ልምዓታዊ ምትሕግጋዛት`ውን ከም ዝዘተዩን ኣብ ስምምዕ ከም ዝበጽሑን ኣፍሊጡ`ሎ።

ዶ/ር ኣቢይ ብዘይካ`ዚ ምስ ርእሰ-ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስን ምስ ፕረዚደንት`ታ ሃገርን፡ ከምኡ ምስ ሓለፍቲ ኣህጉራውያን ትካላትን ማሕበረ-ሰብ ኢትዮጵያን ተራኺቡ ኔሩ።

Source=https://tigrigna.voanews.com/a/ኢጣልያ-ካብ-ወደብ-ምጽዋዕ-ክሳብ-ኣዲስ-ኣበባ-ዝዝርጋሕ-መንገዲ-ባቡር-ንምስራሕ-ከምትሕግዝ-ኣፍሊጣ/4752584.html

Last modified on Tuesday, 22 January 2019 07:13