መንግስቲ ኣብ ምዕራብ ኦሮምያ ዘካይዶ ብነፈርቲ ዝተሓገዘ መጥቓዕቲ ይቕጽል ምህላው ነበርቲ ገሊጾም

2019-01-15 03:54:48 Written by  ገብረ ገብረመድህን/ ናኩር መልካ ንን VOA Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2352 times

ኢትዮጵያ

መንግስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ምዕራብ ኦሮሚያ ብነፈርቲ ዝተደገፈ መጥቓዕቲ ንኣርባዕተ መዓልታት ከምዝቐፀለን ሰባት ብዕጡቕ ሓይሊ መንግስቲ ይሞቱ ከምዘለውን ነበርቲ ገሊፆም።ብኻልእ ወገን ኣብ ዞባታት ቀሌም ወለጋን ምዕራብ ወለጋን ብርክት ዝበሉ ናይ መንግስትን ውልቅን ባንክታት ብዕጡቓት ሓይልታት ከምዝተዘረፉን ሰባት እውን ከምዝተጨውዩን ተፈሊጡ።


ኣዲሱ ሰርቤሳ ዝተባህለ ነባሪ ወረዳ ቤጊ ንዕጡቓት ግንባር ሓርነት ኦሮሞ/ኦነግ/ ኢና ንደሊ ብዝብል ሰባት ብዕጡቓ መንግስቲ ይቕተሉ ኣለው ኢሎም።ትማሊ ሓደ ሎማ ድማ ካልእ ሰብ ከምዝተቐትለን ኣብ ኣቤ ሻንጎ ድማ ኣርባዕተ መንበሪ ኣባይቲ ብዕጡቓት መንግስቲ ከምዝተቓፀሉን ገሊፆም።

ወቢ ነሞምሳ ዝተባህለ ነባሪ ብወገኑ ካብ 3 ጥሪ ክሳብ ትማሊ ሓሙሽተ ጥሪ 5, 2011 ዓ.ም ኣብ መዓልቲ ክልተ ግዜ ኣብ ዙሪያ እታ ከተማ ነፈርቲ ብዝፈፀምኦ ደብዳብ ትካላት መሰረት ልምዓት መንግስቲ ከምዝዓነው ገሊፆም።

“ቀዳም ስዓት ሸውዓት ኣብ ከተማ ቄለም ደብዳብ ነፈርቲ ተፈፂሙ።ካልኣይ ቤት ትምህርቲ ተደብዲቡ።ትካላት ኔትወርክ ስለዝተወቕዑ ኔትወርክ ይቆራረፅ ኣሎ።ትማሊ ኣብ ልዕሊ እታ ከተማ ሰለስተ ደብዳብ ነፈርቲ ተፈፂሙ’ሎ።እቲ ሕብረተሰብ ኣብ ስግኣት ወዲቑ’ሎ።”

በቲ መጥቓዕቲ ህይወት ሰብ ንምጥፍኡ ዝፈልጡዎ ከምዘይብሎም ብምሕባር ናይ ሓረስቶት ፍሪያት ቡንን ካልኦት ንብረታትን ከምዝዓነወ ዝገለፁ ኣቶ ወቢ ነበርቲ ቄለም ንብረቶም እናራሕርሑ ናብ ከተማታት ጊዳሚን ቤግን ኣብ ምህዳም ከምዝርከቡ ገሊፆም።

ሎሚ እውን ኣብ ቀሌም ወለጋን ከባቢኡ ደብዳብ ነፈርቲ ከምዝተፈፀመ ተፈሊጡ’ሎ።

ብዛዕባ እዚ መብርሂ ንምሕታት ንሰበስልጣን መንግስቲ ዞባ ቄለም ወለጋን ክልል ኦሮሚያን ዝተገብረ ፃዕሪ ኣይሰለጠን።

ብተመሳሳሊ ኣብ ዞባታት ቄለም ወለጋን ምዕራብ ወለጋን ናይ መንግስትን ውልቅን ባንክታት ብዕጡቓት ሓይልታት ከምዝተዘረፉን ሰባት ከምዝተጨውዩን ነበርቲ ገሊፆም።

ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ቅድሚ ስዓት ዕጡቓት ሓይልታት ኣብ ዞባ ቄለም ወለጋ ከተማታት ገባ ሮቢ፣ጫንቃ፣ቅቤን መቻርን ባንክታት ከምዝተዘረፉ ኣቶ ቡሉሱማ ዱፌራ ዝተባህሉ ናይ ዓይኒ ምስክር ሓቢሮም።

“ገንዘብ ንምውፃእ ናብ ባንኪ ከይደ ነይረ።ሪጋ በዚሑ ነይሩ።መብዛሒቲኦም ነበርቲ ናይቲ ከባቢ ዝኾኑ ኣስታት 19 ዕጡቓት መፂኦም።ክልቲኦም ባንክታት ጎኒ ንጎኒ ስለዝነበሩ ብኩንታል መሊኦም ብመኪና ፅዒኖም እናደረፉ ወሲዶምዎ።”

እቶም ዕጡቓት ኣብ ከተማ ገባ ሮቢ ናይ ዝርከብ ንግዲ ባንክን ትካል ሕብረት ስራሕ ኦሮሚያን ኣካየድቲ ስራሕን ተሓዝቲ ገንዘብን ብድምር ንኣርባዕተ ሰባት ዓፊኖም ከምዝወሰዱዎም ኣቶ ብሉሱማ ተዛሪቦም።

ሓላፊ ፀጥታ ቄለም ወለጋ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ተሓቲቶም ባንክታት ምዝራፎም ከምዝፈልጡ ብምግላፅ ካብቲ ከባቢ ሪሒቖም ስለዝርከቡ ዝርዝር ሓበሬታ ከምዘይብሎም ንቪኦኤ ገሊፆም።

ናይ ኢትዮጵያ ንግዲ ባንኪ ኣካያዲ ስራሕ ምዕራብ ዲስቲሪክት ኣቶ ግርማ ጪብሳ ንቢቢሲ ኣብዝሃብዎ ቃል ሓሙሽተ ጨንፈራት ባንኪ ብዕጡቓት ከምዝተረፉን ካልኦት ሓሙሽተ ጨንፈራት ምዕናዎምን ገሊፆም።ካብ ዝተጨወዩ ኣርባዕተ ሰራሕተኛታት ባንኪ ክልተ ከምዝተፈትሑ እውን ሓቢሮም።

ብተመሳሳሊ ኣብ ዞባ ምዕራብ ወለጋ እውን መንነቶም ዘይተፈልጡ ዕጡቓት ሓይልታት ኣብ ሽዱሽተ ወረዳታት ንዝርከቡ 10 ባንክታትን ሓደ ናይ ልቓሕን ውሕለላን ትካል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ከምዝዘረፉ ገሊፆም።ኣብ ኣርባዕተ ወረዳታት ዝርከቡ ኣስታት 37 መንግስታዊ ትካላት ብሓዊ ኣባሪዖም ክብሉ ዋና ኣመሓዳሪ ናይቲ ዞባ ኣቶ ገመቺስ ተመስገን ንቪኦኤ ገሊፆም።

ኣብ ላሎሳቢ ወረዳ ልዕሊ 20 ኣባያተ ፅሕፈት መንግስቲ ከምዝተቓፀሉ እውን ኣማሓዳሪ ወረዳ ኣቶ ጂሪኛ መላኩ ንቪኦኤ ሓቢሮም።

ኣብ ቤት ፅሕፈት ናይ ኦሮሞ ዴሞክራቲክ ፓርቲ ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ኣቶ ታየ ደንደኣ ትማሊ ንርእይቶ ኣብዝሃብዎ ር እይቶ ምኽንያት ኣብቲ ክልል ይኽሰት ናይ ዘሎ ስእነት ሰላምን ዘይምርግጋእ ኦነግ እዩ ኢሎም።

ኦነግ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ኣብ ክልቲኦም ወለጋ ኣብዝተኻየደ ወራር ባንክታት ኢዱ ከምዘይብሉ ገሊፁ’ሎ።ወሃቢ ቃል ኦነግ ኣቶ ቶሌራ ደባ ንቪኦኤ ከምዚ ኢሎም።

“ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ዝንቀሳቐስ ናይ ኦነግ ዕጡቕ ጉጅለ ንባንክታት ከምዝዘረፈ ዝግለፀ ዘሎ ሽም ኦነግ ንምፃልም እዩ።ዕጡቓት ኦነግ ንባንኪ ይዘርፉ እዮም ኢልና ኣይንኣምንን።እዚ ንናይ ኦነግ ሽም ንምፅላም ዝካየድ ዘሎ ውዲት እዩ።”

መንግስቲ ብነፈርቲ ዝሕገዝ ውግእ ከፊቱ’ሎ ዝበሉ ኣቶ ቶሌራ ይካየድ ዘሎ ውግእ ደው ኢሉ ዘይምርድዳእ ብሰላማዊ ኣገባብ ክፍታሕ ኦነግ ድልዊ እዩ ኢሎም።

Source=https://tigrigna.voanews.com/a/መንግስቲ-ኣብ-ምዕራብ-ኦሮምያ-ዘካይዶ-ብነፈርቲ-ዝተሓገዘ-መጥቓዕቲ-ይቕጽል-ምህላው-ነበርቲ-ገሊጾም/4742641.html

Last modified on Tuesday, 15 January 2019 05:01