ምቕባልን ምትግባርን ኣይደባለቕ

2019-01-10 08:08:16 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1867 times

ብዛዕባ ህግደፍ ክንዛረብ እንከለና፡ ዲክታቶር፡ ጭቆና፡ ግህሰት መሰራታዊ መሰላት፡ ግዱድን መወዳእታ ዘየብሉን ውትህድርና፡ ብኩራት ልዕልና ሕግን ሕገመንግሳትዊ ስርዓትን፡ ዝብሉ ቃላት ካብቶም ወርትግ እነዘውትሮም እዮም። ብፍላይ ብዛዕባቲ ነዊሕ ዓመታት ዝጸንሐ ሰንፈላል ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ክንዛረብ ኮነ ክንጽሕፍ እንከለና ከኣ፡ ውዕል ኣልጀርስ፡ ቀያድን ናይ መወዳእታን ብይን ዶብ፡ ምምልካት ዶብ፡ ዝምድና ናብ ንቡር ምምላስ፡ ዝኣመሰሉ ቃላት ቅድሚት ክስርዑ ጸኒሖም።

ዲክታቶር ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ብፍላይ ከኣ ኣብ ጉዳይ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብይን ምስተዋህበ ኣብቲ ድሕሪኡ ክስዕብ ዝግበኦ ዝነበረ ኣተገባብራ ኣዝዩ ኣከራኻሪ መርገጻት ክሕዝ ጸኒሑ። ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ብይን ብመትከል እንቕበሎ ኮይኑ፡ ንኣተገባብራኡ ዝምልከት ንላዘብ ዝብል መርገጺ ተታሒዙ ነይሩ። መርገጺ ኢሳያስ ከኣ ነዚ ናይ ኢትዮጵያ ኣረዳድኣ ተጻሪርካ፥ “ እቲ ቀያድን ናይ መወዳእታን ብይን ዶብ ተተግቢሩ፡ ኣብ ልኡላዊ መሬትና ዝሰፈረ ሰራዊት ኢትዮጵያ ወጺኡ፡ ካብቲ ዘሰሓሕብ ቦታታት ተመዛቢሉ ዝጸንሐ ዜጋና ናብ መረበቱ ከይተመልሰ፡ ዝምድና ናብ ንቡር ምምላስ ኮነ ኣብ ክቢ ጠረጴዛ ምዝታይ ማለት ዘበት እዩ፡ ኣብ ከምዚ ኩነታት ዝምድና ከነሕድስ ዝደልዩ ከኣ ኣሽካዕለልቲ እዮም” ዝሕመረቱ መርገጽ ሒዙ ጸኒሑ። ነዚ ክሳብ መወዳእታ ዝጸንዓሉ ዝመስል፡ ደሓር ግና ዝረጥረጦ መርገጹ ሓቂ መሲልዎም ርዒሞም ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ተጽዕኖ ንዘይፈጠሩ ምዕራባውያን ከኣ ከም ናይ ኢትዮጵያ መሻርኽቲ ክኸሶምን ክኹንኖምን ጸኒሑ።

ሓያሎ ደገፍቱ፡ ኢሳይያስ ኣብ ዝወዓሎ ዝሓድር መሲልዎም፡ ነዚ መርገጹ ከራጉድሉ ጸኒሖም። ኢሳይያስ ኣብዚ ጉዳይዚ ግጉይ እዩ ንዝብሉ ወገናት ከም ልኡላውነት ሃገር ዝኸሓዱን ምስ ኢትዮጵያ ዝወገኑን ኣምሲሎም ዘቕርቡ እውን ውሑዳት ኣይነበሩን። ቀንዲ ጉዳይ ኢሳይያስ ናይ ገዛእ ርእሱ ዝናን ህልኽን እምበር ጉዳይ ልኡላውነት ሃገርን ዶብን ዘይምዃኑ ስለ ዘይተረድኡ “እዚ ሰብይ እንተዘይኮይኑ ካልእ ዶብና ኣመልኪቱ ልኡላውነትና ዘኽብረልና ኣይከምጽእን እዩ” ክሳብ ምባል ዝበጽሑ እውን ውሑዳት ኣይነበሩን። ንሕና ግና ንኣመጻጽኣ እቲ ውግእ እንርዳእ፡ ናይ ኢሳያስ ኣብ ህልኽ ናይ ምንባር ባህሪ እንፈልጥ፥ ሓደ እዋን “ዝያዳ ዘርበሓኒ ረኺበ” ኣብ ዝብለሉ ኣቕጣጫ ቀይሩ ክሃድምን ናብ በለጽ ከልግስ ምዃኑ ዱልዱል ግምት ነይሩና። እነሆ ከኣ ግምትና ግምት ኮይኑ ኣይተረፈን። ካብቲ ክሕሰሞ ዝጸንሐ “ብመትከል ንቕበሎ” ዝብል ናይ ቅድም መርገጽ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ዝፈኾሰን ኣብ ተስፋ ጸንበለል ዝብልን ኣብ ባይታ ዘይርአ “ንውሳነ ኣልጀርስን ብይን ዶን ብዘይቅድመ ኩነት ተቐቢልናዮ” ብዝብል ናይ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ መንግስቲ መረስረሲ ሓረግ ተሰሊቡ፡ ኩሉ ሰብ ካብ ዝገመቶ ውጻኢ ናብ ሓደ ኣቕጣጭ ተሸንጒጉ። እዚ ንኢሳይያስ ሓድሽ ዘይኮነስ ከምኡ ንክበሃሎ ብድሕሪ መጋረጃ ክኣልሞ ዝጸንሐ እዩ።

ሎሚ ኢሳይያስ ምስ ኢትዮጵያ ዝምድና ናብ ንቡር ምምላስ ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቲ ዝምድና ቀበጥበጥ ወሲኽሉ ኣሎ። ኣብቲ ኣብ ኣስመራ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ኣዋሳ፡ ጎንደርን ባህርዳር፡ ጅዳ፡ መቃድሾን ኣቡዛብን ዘስመዖ ቃላትን ኣቀራርባኡን ኣይኮነንዶ ካብ ሓደ መራሒ እየ ዝብል፡ ካብ ሓደ ተራ ሰብ እውን ዘይትጽበዮ ምዃኑ ከኣ ኢሳይያስ ክሳብ ክንደይ ዘይኮነ ክነሱ፡ መሲሉ ንምቕራብ የዕለብጥ ከም ዝነበረ ምርዳእ ይከኣል። ኢሳይያስ ክሳብ ክንደይ ንህዝቢ ኤርትራ ብናይ ካብ ክሳድ ንላዕሊ መርገጽ ጅሆ ሒዝዎ ከም ዝጸንሐን ውሽጡ ከም ዝህውጾን ቃላቱ ጥራይ ዘይኮነ ኣራጋግጻ ኣእጋሩ እውን ክምስክር ጸኒሑ እዩ።

ሕጂ እውን ብዛዕባዚ ናይ ኢሳይያስ ናይ መርገጽ ምግልባጥ ኣብ ኤርትራውያን ኣዛራቢ ኣሎ። እቶም ጌና  ቁጽሮም እንዳነከየ ዝኸድ ዘሎ ዘይቀበጽዎ ደገፍቱ፡ ኢሳይያስ ቅድም ዝሓዞ ኣቕጣጫ ከምዘይቀየረ፡ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ሓድሽ ዝምድና ዝኣተወ ብወገን ኢትዮጵያ ንውሳነ ኮሚሽን ዶብ ንቕበሎ ዝብል ናይ መርገጽ ለውጢ ስለ ዝተራእየ እዩ፡ ዝብሉ ሓሳባት የቐርቡ። ብኣንጻሩ ድማ የለን ኢሳይያስ ዝምድና ናብ ንቡር ንክምለስ ክጠልቦ ዝጸንሐ “ተቐቢልናዮ” ዝብል ልሙጽ ሓረግ ደጋጊምካ ምቅላሕ ኣይነበረን፡ ንሱ ዶብ ተመልኪቱ ልኡላውነትና ከይተፈልጠ ምልስላስ የለን እዩ ዝብል ነይሩ፡ ስለዚ ኢሳይያስ እቲ ምኽንያቱ ደኣ ሓቢርና ሃሰስ ንበሎ እምበር ካብቲ ክብሎ ዝጸንሐስ ኣዝዩ ኣላጊሱ እዩ ዝብል ሚዛን ዝሓዝና ኣለና። ኣብዚ ክትዕ ስሒብካ ስሒብካ “ተቐቢለዮ ማለትዶ ከም ርዱእ ተግቢረዮ ማለት እዩ?” ናብ ዝብል ኢኻ ትመጽእ። ብንጹር ከኣ ምቕባልን ምትግባርን በበይኑ እዩ። እንተኾነ ከምቲ “ንሰፍላላስ ይፈጥረላ” ዝበሃል ንተገላባጥነት ኢሳይያስ ከድሕኑ ክብሉ ብሓድሽ ኣተረጓጉማ ናይ ቃላት፡ ብቕባልን ምትግባር ሓደ እዩ ዝብሉ ህውታትያታት ኣይተሰኣኑን። ከምቲ ኣብ ካልእ ዛዕባታት ዝዝውተር መህደሚ፡ ኢትዮጵያ ተቐቢልናዮ ካብ እትብል ሓጺር ግዜ ስለ ዝኾነ፡ መተግበሪ ግዜ ንሃቦ’ውን ይበሃል እዩ። እንተኾነ ኢሳይያስ ዝደለዮ ግዜ እንተሃብካዮ እውን ናብ ምትግባር ገጹ ከምዘይኮነ ካልእስ ይተረፍ በቲ ኣብዚ ቀረባ ግዜ እንዳንጸርጸረ፡ ኣብ ዝሃቦ ቃለመጠይቕ “ደጊም ጉዳይ ዶብ ከም ዛዕባ ዘልዕሉ፡ ነቲ ምስ ኢትዮጵያ ተበጺሑ ዘሎ ሰላም ክስምሙ ዝደልዩ እዮም” ዝበሎ መትሓዝ ኣፍ ምርዳእ ዘጸግም ኣይኮነን። ዶ/ር ኣብይ እውን ኣእላፍ ከም ዝሓለፍሉ ብምዝንጋዕ፡ ደጋጊሙ ጉዳይ ዶብ ኣዝዩ ንእሽቶ ዛዕባ  ስለ ዝኾነ ኣየልዓልናዮን ክብል ጸኒሑ እዩ።

እቲ ቀንዲ ክትኮረሉ ዝግበኦ እቲ ናይ ብዙሓት ግምት ዝነበረ ሎሚ ግና ካብ ግምት ናብ ሓቂ ዝምዕብል ዘሎ ጥልመት፡ ብመሰረቱ እውን ዲክታቶር ኢሳይያስ ነቲ ባዕሉ ብዝተኣመነሉ 19 ሺሕ ኤርትራውያን መላምል ዝተበጀውሉ ክነሱ “ኣየኽሰረናን” ዝበሎ ውግእ፡ ክኣጉድ እንከሎ ቀንዲ ምኽንያቱ ናይ ዝሓለፈ ቅርሕንቲ ሕነ ንምፍዳይ እምበር፡ ዶብን ልኡላውነትን ዘይምንባሩ እዩ። እሞ ጉዳይ ዶብን ልኡላውነትን እንተዘይነይሩ ደኣ እንታይ እዩ ነይሩ? ዝብል ከኣ ደጊም ብትብዓት ክንምልሶ ዘለና እዩ። ብርግጽ ነዚ ንምምላስ እውን ናብ ዓሚቑ ምርምር ከይከድካ ካብቲ ናይ ኢሳይያስ ዘይውርዙይን ኣብ ዘይጉዳይካ ኢድ ኣእታውን ቃላት መልሲ ምርካብ ዘጸግም ኣይኮነን።

Last modified on Thursday, 10 January 2019 09:10