ዕዉት ምስዮት ከተማ ሽቱትጋርትን ከባቢኡን

2018-11-27 09:10:07 Written by  ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1799 times

News Item 25.02.2018 Eritreische Verein 2010

ነቶም ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንነዊሕ ዓመታት ዝሰንኪሎም ዘለዉ ጀጋኑ ኣሕዋትናን ብጾትናን ንምሕጋዝ ኣብ ከተማ ሽቱትጋርትን ትቢንገንን ከባቢኡን ንዕለት 24-11-2018 ኣብ Heilbronner strasse 107 Stuttgart ክካየድ ተጸዊዑ ዝነበረ ዕድመ፡ ዕለቱን ሰዓቱን ብምኽባር ብርክት ዝበሉ ዕድመኛታት ዝተሳተፍዎ ዕዉት ዝዀነ ኣኼባ ተኻይዱ።

ኣብዚ ብማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራን፣ ብምሉእ ምትሕብባር ማሕበር ምትሕግጋዝ ኤርትራውያን ሽቱትጋርትን ዝተጸወዔ ኣኼባ፡ ሓው ኣፈወርቂ ኣባይ ኣባል ምምሕዳር ማሕበር ኣካለ-ጽጉማን ኤርትራን ንጥፍቲ ኣባል ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ብጸይቲ ትርሓስ ኣማኒኤልን፣ ካልኦት ግዱሳት ብጾትን ተረኺቦም፡ ንህሉው ኩነታት መደበር ከሰላ ዝገልጽ ተንቀሳቀሲ ስእሊ ብምርኣይን፣ ተወሳኺ ኣቋም ማሕበር ኣካለ ጽጉማት ኤርትራ ብቃል ብምሕባርን፡ ኩሎም ኣኼበኛታት ዝተዋስእሉ ንመጻኢ ዕብየት ማሕበር ዝምልከት ኣጀንዳ ብምልዓል ሓባራዊ ርእይቶን ለበዋን፣ ምኽርን ብምልውዋጥ ካብ ሰዓት 16.00 ክሳዕ ሰዓት 21.00 ግዜ ዝወሰደ ሰናይን ሕጉስን ምሸት ኣምስዩ።

ኣብዚ ምስዮት እዚ ኣኼበኛታት ብመስዋእቲ ብጻይና ሓምድ ኣደም ሳልም ሓዘኖም ገልጾም። ብድሕሪዚ ካብ ፍትፍቱ ፊቱ ከም ዝብሃል ኣኼበኛ ነዚ ማሕበርዚ ንምሕጋዝን ንምትሕብባርን ድሉው ምዃኑ ኣብ ርእሲ ምርግጋጽ፣ 945.00-ኤውሮ (ትሸዓተ ሚእቲን ኣርብዓን ሓሙሽተን ኤውሮ) ንማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራ ኣስተዋጽኦ ኣበርኪቱ።

ራድዮ ማሕበረ-ሰብ ሽቱትጋርት ንጸዋዒት ማሕበር ኣካለ-ጽጉማን ብምቅላሕ ዝገበሮ ተደጋጋሚ ጸዋዒት፣ ብስም ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራ ክብ ዝበለ ምስጋና ነቕርብ።

ብስራሕ ኮነ ካልእ ምኽንያታት ኣብዚ ኣኼባዚ ዘይተሳተፉ ኣሓትን ኣሕዋትን ብናይ ማሕበር ናይ ባንክ ሕሳብ ኣቢሎም ሓገዞም ከበርክቱ ከምዝኮኑ ድማ ንኣምን ኢና።

ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራን
ማሕበር ምትሕግጋዝ ኤርትራውያን ሽቱትጋርትን

Last modified on Tuesday, 27 November 2018 10:20