ብዙሓትን ጥምዙሓትን ኣይንኹን!

2018-11-21 09:28:05 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1688 times

ኤርትራውያን ሎሚ እውን ኣብ ቅድሜና ዓበይቲ ብደሆታት ስለ ዘለዉ ጉዳይና ኣሰካፊ እዩ። እቶም ካብዚ ዘለናዮ ደልሃመትን ወጽዓን ክንወጽእ እንደሊ ብዙሓት ምዃና ከኣ ተስፋ ዝህብ እዩ። ብኣንጻሩ ነዚ ዘሎ ሕማቕ ዘበን ዝረዓሙን ነቲ ቀንዲ ጠንቂ ናይዚ ሕማቕ ዘበን ህግደፍ ዝንእዱን ውሱናት ኤርትራውያን ናህሪ እንዳቐሃመ ዝኸይድ ከም ዘሎ ዘርኢ ምልክታት ንዕዘብ ኢና። እዚ ናይዞም ተቓወምቲ ምብዛሕ ክብርን ወሳንነት ህዝቢ ንዝርዳእ መንግስቲ ዓብይ መቕጻዕቲ እዩ። ህግደፍ ግና ኣብ ሓይልን ወሳንነትን ህዝቢ ስለ ዘይኣምን ንናይ ህዝቢ ካብኡ ምርሕቕን ምቕራብን ትርጉም ኣይህቦን እዩ። ብኣንጻሩ ኣሜን ኢሉ ንዘይተመሓደረ ኣገዲዱ ከም ዝገዝኦ እዩ ዝኣምን። እቲ ኣብ መወዳእታ ሒዝዎ ዝዕዘር ውሕጅ ከኣ ካብዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘለዎ ንዕቀት ዝምንጩ እዩ።

እቶም ብግጉይ ኣበሃህላኡ ዝደንዘዙ፡ ዘዝበሎ ካብ ምድጋም ሓሊፎም ንምምዝዛን ዘይተዓደሉ ውሑዳት፡ ምስ ህግደፍ ተጸጊዖም ዘይወድዓዊ ስኽራን ዘዕበዶም ኤርትራውያን ነዚ ንርከበሉ ዘለና ግዜ ብጽሞና ክሓስብሉ ዝግበኦም እዩ። ህግደፍ ሓንሳብን ንሓዋሩን መሰረታዊ መሰላት ህዝቢ ድሂኹ ኣብ ካልእ ኤርትራውያን ዘይፈልጥዎ ዓለም ክነብር ዝወሰነ እዩ። ከምቲ “ድሕሪ ሞት ጥዕና ቅበጽ” ዝበሃል ህግደፍ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ክሕባእ እምበር ናብ ራህዋ ህዝቢ ኤርትራ ዘቕነዐ ሓሳብ ከይምጽእ ዝነጸፈ እዩ። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ንክሕባእ ኣብ ዓዲ ሃሎ ባሕትዩ ዝጸንሐ መራሒ ህግደፍ፡ ከምቲ “ዝብእስ ኣብ ዘይፈልጥዎ ዓዲ ከይዱ ቆርበት ኣንጽፉለይ በለ” ዝበሃል ፍቱው መራሒ ንክመስል፡ ኣብ ጎንደርን ባህርዳርን ከይዱ ኣፍልቡ እንዳወቐዐ ሓጐሱ ክገልጽ ምቕናዩ ነዚ ዘመልክት እዩ። ካብ’ዚ ምእንቲ ህዝቢ ናይ ምሕሳብ ኣእምሮኡ ዝነጸፈ መራሕን ጉጅለኡን ደሓን ምጽባይ ከኣ ከንቱ እዩ። ንኣብነት ህግደፍ ጉዳይ ዶብ ምልዓል ዘይግባእ ጥራይ ዘይኮነ ነውሪ ምዃኑ ኣግሂዱ እንዳነገረካ፡ በቲ ቀደም ኢሳያስ ክደርፎ እንከሎ ሓቂ ዝመስል ዝነበረ “እቲ ሰብኣይ እዩ ልኡላውነት ሃገርና ዘኽብረልና” ምባል ናይ ብዘበን ውበ ጸሚሞም ውበ ክብሉ ዝነብሩ ኣተሓሳስባ ካብ ምዃን ሓሊፉ ካልእ ትርጉም ዝህልዎ ኣይኮነን። ኮታ ጉዳይና ጉዳይ ኤርትራን ህዝባን ካብ ማህደር ህግደፍ ካብ ዝወጽእ ሎሚ ደኣ ዝያዳ ይበርህ ኣሎ እምበር ነዊሕ ኮይኑ እዩ። “ደጊም ጉዳይና ጉዳይ ዞባ እዩ” ዝበሃል ዘሎ ምጉብዕባዕ ከኣ ናይዚ መርኣያ እዩ። ሎሚ ኤርትራን ህዝባን ሓቀኛ “ኣለኹልኩም” በሃላይ ዝጽበይሉ ናይ ዋግዋጎ መድረኽ እዩ። እቲ “ኣለኹ ባዕለይ” ክብል ዝግበኦ እምበር ህዝቢ ኤርትራ እዩ። እቲ ካልእ መመላእታ እዩ።

ሓድሓደ ነቲ ዝረአ ክርእዩ ዘይደልዩ ንመሰረታዊ ሕቶ መሰልን ዲሞክራስን ብቑንጣሮ ኣቕርቦት ሃላኺ ነገራት ክልውጥዎ ዝደናደኑ ወገናት፡ “ሕጂኸ ንህዝቢ ኤርትራ ጐዲልዎ ዝበሃል ዘሎ እንታይ እዩ?” ክብሉ ይስምዑ እዮም። ከምቲ “ካብ ልቢ እንተሓዚንካ ንምዓት ኣይኣብን” ዝበሃል ካብ ልቢ ንዝሓስብ ኣብ ኤርትራ፡ ሕገመንግስታዊ ስርዓት፡ ልዕልና ሕጊ፡ ምኽባር ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት፡ ሓጋጊ፡ ፈጻምን ፈራድን ኣካላት ዘለዉዎ መንግስቲ፡ ኣብዚ ሎሚ ከም ራባዓይ ኣካል መንግስቲ ዝውሰድ ዘሎ ሚድያ፡ መሰል ምውዳብን ሓሳብካ ምግላጽን፡ መሰል ዝኣመንካሉ ሃይማኖት ምስዓብ ናይ ዝኣመሰሉ ብኩራት ከም ዘሎ ምርዳእ ምርምር ዘድልዮን ሕቶ ዘልዕልን ኣይኮነን። ጉጅለ ህግደፍ እውን ኣብቲ ፍታሕ ምቕራብዩ ጥልዕምልዕ ዝብልን ነቲ ንሱ ክምልሶ ዝግበኦ ሕቶ ተመሊሱ ሓታታይ ኮይኑ ዝቐርብ እምበር ነቲ ዝድህሰስ ሓቅስ ኣይክሕዶን እዩ። እቶም ዝያዳ ህግደፍ፡ ህግደፍ ክኾኑ ዝደልዩ’ሞ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዘሰክሕ ኩነታት ክደፍንዎ ኣብ ዘይከኣልሉ ካብ ዘቕርብዋ መህደሚት “ኩሉ ቀስ ኢልካ እንድዩ ዝኸውን ግዜ ንሃቦ” እትብል ዝበለየት ምኽንያት እያ። ህግደፍ ግና ህዝባዊ ሓልዮት ዘብቁል ሕልና እምበር ግዜ ኣይኮነን ስኢኑ። በዓል ምምልካት ዶብን እገዳን ከኣ ምኽንያትነት በልዩ ተደርብዩ እዩ። ደጊም መመሳመሲ መጋረጃ ተቐንጢጡ ምስ ሓቂ ምፍጣጥ ጥራይ እዩ።

ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ፡ እቶም ካብ ወጽዓ ህግደፍ ክንወጽእ እንብህግ ኤርትራውያን፡ ካብቶም ወጽዓ ርዒሞም ምስኡ ክነብሩ ዝደልዩ ወገናትና ኣዚና ከም እንበዝሕ ፍሉጥ እዩ። ነቶም ብልቦም ኣንጻር ወጽዓን ናይ ለውጢ ተጠቀምትን ክንሶም፡ ብሓደሓደ ምስ ህልውና ሃገርን ራህዋ ህዝብን ክወዳድር እንከሎ ትርጉም ዘይወሃቦ ግዚያዊ ረብሓታት ምስ ህግደፍ ዘውደኽድኹ ወሲኻ እሞኸኣ ኩልና ኤርትራውያን ምስ ህግደፍ የለናን ዘብል እዩ። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ናብ ኣስመራ ከይዱ እገረመንገዱ ምስ ብዙሓት ኣዕሊሉ ዝተመልሰ “ኣብ ኣስመራ ኢሳይያስ ሳልሳይ ርእሱ ጥራይ እዩ ኣብ ኤርትራ ዝገዝእ ዘሎ። ነቶም ክልተ ንሓንሳብ ንጎንደር ንሓንሳብ ንባህርዳር ርሒቑ ተተባህለ ከኣ ናብ ሱዕድያን ሕቡራት ኢማራትን ኣንጠልጢልዎም ይኸይድ። ንሳቶም እውን ሳንጣኹም ሒዝኩም ሰዓቡኒ እዮም ዝበሃሉ እምበር፡ ምስኡ ካብ ምስኣል ሓሊፎም ዝፈልጥዎ የብሎምን እዩ ዝበሃል” ዝበለኒ ከኣ ነዚ ዘረድእ እዩ።

ሓደ መሰረታዊ ነገር ግና ኣሎ። እቶም ኣንጻር ወጽዓ ተሰሊፍና ዘለና፡ ስለ ዝበዛሕና ጥራይ ኣይንዕወትን ኢና። እዚ ብዝሕና ግድን ብሓያልነትና ክስነ ይግባእ። ለውጢ እንዳደለናን ብሃለዋት ህዝብናን ሃገርናን እንዳሓዘናን ተሓቢእና ንህግደፍ ምርጋም ጥራይ ለውጢ ኣየምጸኣልናን እዩ። ብዓብይ ጉዳይ ሃገርን ህዝብን እንዳሓሰብና ውልቃዊ ምርጫታት ምውሳድ ኣየዋጸናን እዩ። ብጉዳይ ሃገርን ህዝብን ከይቀሰንና ኣብ ሓደ ናይ ጸቢብ ስምዒት ኩርናዕ ክንሕባእ ምፍታን መፍቶ ህግደፍዩ ዝገብረና። ብክብርን ሕድርን ሰማእታትና እንዳሓሰብና ንህግደፍ ምምራቕ ተጻራሪ መንገዲ ምሓዝ እዩ። ክንዲ ንመጻኢ ምምዕዳው ኣብ ሕሉፍ ምጽብጻብ ምጽማድ ኣየሰጉመናን እዩ። ስለዚ እዚ ኩሉ ግጉይ ኣካይዳታት ነቲ ብዝሕና ኣብ ክንዲ ዘሕይሎ መሊሱ’ዩ ዘድክሞ። ናትና ናይቶም ብዙሓት ምድካም ከኣ ኣደዳ ህግደፍ ምዃን’ዩ ዘስዕብ። ስለዚ “ብዙሓትን ጥምዙሓትን” ካብ ምዃን ወጺእና ብሓባርን ውዱብ መንገድን ሓያልነትና ኣንጻር ህግደፍ ነረጋግጽ።

Last modified on Wednesday, 21 November 2018 10:31