ደሃይ ኤርትራውያን ህርኩታት ሰብ ሓብቲኸ

2018-11-11 08:41:18 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1847 times

ኣብዚ ናይ ምቕጻሉ ስኑድን ግሉጽን ውሕስነት ዘየብሉ ምኽፋት ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ካብ ክልቲኡ ወገና ዝተፈላለዩ ክፍሊ ሕብረተሰብ ይዋስኡ ኣለዉ። ናይዚ ምስታፎም ዕላማ ዝተፈላለየ ኮይኑ፡ ቀንዲ ጐሊሖም ዝረአዩ ቁጠባዊ እንካን ሃባን ምብጽጻሕ ቤተሰባትን እዮም። ናይቲ ምብጽጻሕ ቤተሰብ ምኽንያትን ውጽኢትን ንጹር እዩ። ብሰንክቲ ቅድም እውን ትርጉም ዘይነበሮ ዝያዳ ከኣ ሎሚ ኢሳይያስ ትርጉም ዘስእኖ ዘሎ ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይ ምርኻብ ዕድል ተዓጽዩ ስለ ዝጸንሐ ናፍቖት ዝወለዶ እዩ። እቲ ቑጠባዊ ተግባር ግና ብዙሕ ናይ ቀረባን ርሑቕን መደባት ዝሓቁፍ እዩ። እዚ ቁጠባ ብመሰረቱ እውን ናይቲ ምፍልላይ ኮነ ናይቲ ምርኻብ ቀንዲ መሰረት እዩ።

እዚ ዓውዲ እዚ ብመጽናዕቲ ተስንዩ ብዝወጽእ ንጹር ሕግታትን ኣቕጣጫን እንተዘይተሰንዩ ሳዕቤኑ ኣብ ክንዲ ጠቓሚ ጐዳኢ ናይ ምዃኑ ዕድል ሰፊሕ እዩ። ኣብ ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን ስንኩፍ ኣተሓሕዛ ቁጠባዊ ዝምድና ዓብይ ጽልዋ ከም ዝነበሮ ከኣ ብመጽናዕቲ ዝተረጋገጸ እዩ። ኣብ ከምዚ ሕጂ ዝረአ ዘሎ ኩነታት እቲ ተሃሳይ ዝኸውን እቲ ኢዱ ተኣሲሩ ምስ ኣእዳዎም ዘይተኣስሩ ኢትዮጵያውያን ኣብ ዓውዲ ንግዲ ዝወዳደር ኤርትራዊ ወገን እዩ። እዚ እንታይ ማለት ምዃኑ ንምርዳእ ምስቲ ብዙሕ ማሕለኻታት፡ ኤርትራዊ ኣብ ወርሒ ካብ ባንክ ዘውጸኦ ዓቐን ብገዛእ ገንዘቡ 5 ሺሕ ናቕፋ ጥራይ ክኸውን እንከሎ ኢትዮጵያዊ ግና ዓቕሙ ክሳብ ዝፈቐዶ ብሚልዮናት ዘውጽእ ምዃኑ ምጥቃስ ጥራይ እኹል እዩ። ጉጅለ ህግደፍ ብቑዕ ባይታ ከየንጸፈ ንገንዘባዊ ምዝውውዋር ዘመናዊ ክገብሮ እየ ምባሉ፡ ምስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ማዕቢሉ ዘሎ ገንዘባዊ ትካላትን ኣሰራርሓን ዝወዳደር ኣይኮነ። ንተሰዓርነት ኤርትራዊ ነጋዳይ ከኣ ካልእ ጠንቂ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ኤርትራዊ ብዛዕባቲ ሳላ ምኽፋት ዶብ ሃላኺ ነገራት ብሕሱር ናይ ምግዛእ ዕድል ምርካቡ ጥራይ ዘይኮነ ብዛዕባቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝዝንቢ ዘሎ መጻኢ ቁጠባዊ ሓደጋ ክሓስብ ይግበኦ።

ድሮኳ ኣብቲ ኣብ ኣስመራን ካለኦት ከተማታት ኤርትራን ዝካየድ ዘሎ፡ ስርዓት ዘይሓለወ ንግዲ ኤርትራውያን ይጓነዩ ከም ዘለዉ ምዕዝምዛም ኣሎ። ምናልባት ኣብ ኤርትራ ካብ ምዕዝምዛም ሓሊፍካ ዓው ኢልካ ናይ ምዝራብ ዕድል እንተዝነብር እቲ ዘይዕግበት ናብ ቅሉዕ ተቓውሞ እውን መሰገረ ነይሩ ዝብሉ ብዙሓት እዮም። ናይቲ ምዕዝምዛሞም ጠንቂ ሰፊሕ ዝርዝር ዘለዎ ኮይኑ፡ ኣጠቓሊልካ ክረአ እንከሎ “ንኢትዮጵያውያን ነጋዶ ዝወሃብ መሰል ስለምንታይ ንኤርትራውያን ይሕረም ኣሎ። ብሰንኪ ናይዚ ንዓና ተኸልኪሉ ንኢትዮጵያውያን ዝተዋህበ መሰል ንሕና ካብ ዕዳጋ ንወጽእ ኣለና” ብዝብል ክጠቓለል ዝኽእል እዩ። እዚ ኤርትራውያን ክርድእዎን ከይሳዕረረ ክፍታሕ ድምጾም ከስምዕሉን ይግባእ።

እዚ ንዛረበሉ ዘለና ቁጠባዊ ኰነታት ኣብ ግዝያዊ ናይ ሃላኺ ነገራት ምቕራብ ዝድረት ዘይኮነ፡ ኣርሒቑ ዝርኢ ናይ ወፍሪ (ኢንቨስትመን) ትሕዝቶ እውን ኣለዎ። እቲ ዶብ ምስተኸፍተ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን በቲ ኣብ ዓዶም ዘሎ ናይ ውፍሪ ደረጃ ተተባቢዖምን ብኤርትራዊ ምቹእነት ተሳሒቦምን ጉዳይ ወፍሪ ከጽንዑ ገሾም እዮም። ውጽኢት መጽናዕቶም ብሓፈሻ “ኣብዚ እዋንዚ ኤርትራ ንወፍሪ ምችእቲ ኣይኮነትን” ዝብል እዩ። ኤርትራ ብኸምዚ ደረጃ “ንወፍሪ ዘይምችእቲ” ዝተባህለትሉ ምኽንያት ጥጡሕ እስትራተጅያዊ ኣቀማምጣን ርቡሕ ተፈጥሮኣዊ ሃብትን ስለ ዘየብላ ዘይኮነት ብሰንኪ ኩርሙይ ምምሕዳር ጉጅለ ህግደፍ ዝኣተዋ ሰለሎ እዩ። ሎሚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዕንወት ኩሉ ጽላታት ትሕተ-ቅርጻ ከኣ ሓደ ናይዚ ምስክር እዩ። ንኤርትራ ንወፍሪ ዘየምርጻ ዘሎ ከኣ ንሱ እዩ። ህግደፍ ኣብዚ መዳይዚ ክሰርሖ ዝግበኦ ዝነበረ ዘይምስርሑ ከኣ ቀንዲ ዘይብቕዓቱ ዝተቓለዓሉ እዩ። እቲ ንሓንሳብ ንደርጊ ንሓንሳብ ከኣ ንውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን እንዳማኻነየ ካብ ተሓታትነት ክሃድም ዝፍትኖ ከኣ ኣብ ቅድሚ ዝኾነ ኣካል ተቐባልነት የብሉን። እቲ ተሓታቲ ንሱን ንሱን ጥራይ እዩ። ሎሚ ኤርትራ ብኢትዮጵያውያን በጻሕቲ “ዕስራ ኦኣመታት ደቂሳ ዝጸንሐት” እያ ትበሃል ዘላ። መደቀሲ መድሃኒት ሂቡ ኣደቂስዋ ዝጸንሐ ከኣ ህግደፍ እዩ።

ናይ ኢትዮጵያውያን ሃብታማት ብጉዳይ ውፍሪ ናብ ኤርትራ ምምልላስ ብዘይጽቡቕ ድሌት መራሕቲ ህግደፍ ኣይኮነን። ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ኣውፈርቲ ኣስማቶም እንዳተቕሰ ኣብ ኤርትራ እገለ ሆቴል ክሰርሕ እዩ፡ እገለ ናይ ብሕቲ ዩኒቨርስቲ ክኸፍት እዩ። እገለ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ መዘናግዒ ቦታ ክሃንጽ እዩ። እገለ ከኣ ፋብሪካ ፍርናሽ ክኸፍት እዩ። ኣብ ትራንስፖርት ዝዋፈሩ እውን ኣስማቶም እንዳተጸርሐ ይዕለል ኣሎ። ግርም ኤርትራ ንደቃ ኮይኑ ንካልእ እውን ዝኸውን ናይ ወፍሪ ጸጋ ስለ ዘለዋ፡ ኣይኮነንዶ ካብ ጐረባብታ ካብ ርሑቕ እውን ንገዛእ ርእሶም ተጠቒሞም ንኤርትራውያን ናይ ምጥቃም ዓቕምን ድልውነትን ዘለዎም ኣውፈርቲ ተበሃጉዋ ጽቡቕ እዩ። እንተኾነ ብዋጋ ኤርትራውያን ኣውፈርቲ ክኸውን ከቶ ቅቡል ኣይኮነን። እቶም ሓደ እዋን ሃገሮም ንምዕባይ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውደ ስረሓት ተዋፊሮም ተስፋ ዝህብ ውጽኢት ምስ ኣመዝገቡ፡ በዚ ዓይኑ ደም ዝመልአ ህግደፍ ትካላቶም ራስዩ ንህግደፍ ኣረኪቡ ፈቓዳቶም መንዚዑ ምስ ሰጐጎም፡ ብዘይ ድሌቶም ካልእ ምርጫ ምስ ሰኣኑ ኣብ ደቡብ ሱዳን፡ ኣንጎላ፡ ኬንያ፡ ዩጋንዳ ኮታ ክሳብ ታንዛንያ ዘለዉ ኤርትራውያንከ ክጽውዑዶ ኣይመተገብአን። ንኢትዮጵያን ዝኽፈት ማዕጾ ንዓኣቶም ዝንፈጎምከ ስለምንታይ። ፍሉጥ እዩ ቅድም ንሶም ክጽውዑ መተገብኣ፡ እንተኾነ ህግድፍ እንዳማቱ እምበር ናቱ ስለ ዘየፍትወሉ ክሳብ ሕጂ ናብኣቶም ገጹ ኣየድሃየን። ምስቲ ካልእ ባህርያቱን ሚዛኑ ኣብቲ ካልእ መዳያትን ኣረኣኢኻ ንመጻኢ እውን ኣይክጽወዖምን እዩ። ንሳቶምከ ሎሚ ኣብዚ ሓደገኛ እዋን እውን ተዓዘብቲ ድዮም ክኾኑ። በቲ ኣብቲ ዘለዉዎ ዓዲ ሰሪሖም ዝረኽብዎ ከብዶም ይመልእ ኣከዳድናኦም ይምልክዕ ይኸውን። ኤርትራዊ ሕልናኦም ቅሱን ዘይምዃኑ ግና ርግጸኛታት ኢና። ጽባሕ እቲ ጉዳይ ሱር ምስ ሰደደ ኣብ ገዛእ ሃገርካ፡ ከምቲ ታሪኽ ኮይኑ ዝሓለፈ ናይ ግዜ መግዛእቲ ተጸበይ ናይ ወጻእተኛታት ናይ ምዃን ዕድልና ክፉት ምዃኑ ኣይንዘንግዕ። ኣቶ ኢሳይያስ ግና ንኤርትራዊ ጉዳይ ጓስዩ ደገደገ ናይ ምምዕዳው ሕማሙ ሳዕሪሩ እዩ። እነሆኳ ኣብ ጐንደር ከይዱ መቓብር እነሓጉ/ኣቦሓጉኡ ክፍሕር ጀሚሩ።

Last modified on Sunday, 11 November 2018 09:43