ህዝቢ ኤርትራ ደጊም ብህግደፍ ኣይክዕገትን እዩ

2018-09-13 08:00:32 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1856 times

ህዝቢ ኤርትራ ናብ ህግደ ናይ ዲሞክራስን መሰልን ሕቶታት ካብ ዘቕርብ ነዊሕ ዓመታት ኮይኑ እዩ። እንተኾነ ህግደፍ ብባህሪኡ ሕቶ ህዝቢ ክምልስ ቅሩብ ስለ ዘይኮነ ኣግሂዱ’ኳ “እምቢ” እንተዘይበለ፥ ብዘይቅቡል  ምኽንያታት ክሃድም ጸኒሑ። ድሕሪ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ውግእ ምጅማሩ ከኣ እቲ መህደሚ መንገዲ ገፊሕሉ፥ ንለውጢ ክሕተት እንከሎ “ኣብ ኩነታ ኣይውግእ ኣይሰላም እንከለና ደኣ እንታይ ክንገብር?” ብዝብል ዕባራ ምኽንያት ንሕቶ ህዝቢ እንዳረገሐ ነዊሕ ዓመታት ጸኒሑ። ከምኡ ኢሉ ክነብር ድሌቱ ከም ዝነበረ ከኣ ምልክታት ነይሩ እዩ።

ካብቶም ህግደፍ ንዘይተርፎ ከም ቁርን ኣስሓትያን ክፈርሖም ዝጸንሐ ሕቶታት፡ ምትእትታው ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት፥ ምፍታሕ ናይ ፖለቲካን ሕልናን እሱራት፥ ምኽፋት ብሕታዊ ማዕከናት ዜና፥ ምፍቃድ ተወዳደርቲ ውድባትን ሰልፍታትን፥ ምውዳብ ሲቪላዊ ማሕበራት፥ ምትግባር ኣዋጅ እቲ ገደብ ናብ ዘየብሉ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ዝተቐየረ፥ ሃገራዊ ኣገልግሎት ካብቶም ብዙሓት ውሑዳት እዮም፡

ጉጅለ ህግደፍ ነዚ ንዘይምትግባር ከም ቀንዲ ምኽንያት ከቕርቦ ዝጸንሐ፥ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተፈጥረ ኩነታት መልክዑ ዘይምቕያሩ እዩ። ብወገና እቲ ዝጸንሐ ኩነታት ተጽዕኖ’ኳ እንተነበሮ ብኽምቲ እቲ ጉጅለ ክሕበኣሉ ዝጸንሐ ደረጃ፥ ካብ ምምላስ’ዞም ዝተጠቕሱ ህዝባዊ ሕቶታት ምሉእብምሉእ ዝዓግት ነይሩ ዝብል እምነት የብልናን።

ድሕሪ ናይ 17 ዓመት ምዕጥጣይ ግና ናይ ህዝብና ስቓይን መሰረታዊ ሕቶታቱ ብዘይምምላሱን ዘይኮነ፥ ኣብ ዞባና ተጸዕኖኦም ከሕይሉ ዝደልዩ ሓያላትን ሃብትማትን ኣካላት፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝጸንሐ ኩነታት ናይ መወዳእታ መልክዑ ምትሓዝ ኣድላይ ኮይኑ ምስ ረኸብዎ ዲክታቶር ኢሳይያስን ጉጅለኡን ሓዲኡ ክገብሩ ብዘየገላብጥ ኣገባብ ተኣዚዞም። ህግደፍ ከኣ ወይ ሕራይ ምባል ወይ ከምቲ ዝጸንሖ ምስምስ ብምፍጣር ምእባይ ሳልሳይ ዘየብሉ ጸቢብ ምርጫ ኣብ ቅድሚኡ ተገቲሩ። እሞ ከኣ ከምቲ ዝለመዶ ብኣካይዳ ጓብየ ዘይኮነ “ቀልጥፍ ሓዲኡ ግበር” ዝብል ኩርማጅ ዝተሓወሶ ኮብኳብ።

ጉጅለ ህግደፍ ከምቲ “በዚ እንተኸድኩም መርዓዊ ይመተኩም፥ በዚ እንተመሪጽኩም ከኣ ሕጊ ይጠፍኣኩም” ዝበሃል ምስላ፥ ሓዲኡ ክመርጽ ተገዲዱ። ብድሌት ኢሳይያስን ጉጅለኡን እንተዝኸውን ክልቲኡ ኣይመመረጽዎን። ምርጨኦም ወገሐጸብሐ ምኽንያት እንዳመሃዝካ ወይ እንዳጽቀትካ ገዛኻ ዓጺኻ ኣብ ዓዲ ሃሎ ኮፍ ምባል’ዩ ነይሩ። እንተኾነ ጎይተቱን ጐረባብቱን ዕድል ስለ ዝኸልእዎ ካብቲ ክልተ ሕማቓት “ኮንደኾን ይሓሽ” ዝበሎ ክቕበል ተቐሲቡ። ክቕበሎ እንከሎ ከኣ በቲ ን17 ዓመታት ክግደረሉ ዝጸንሐ ኣገባብ ዘይኮነስ፥ መልሓሱ ሓይኹ በቲ “እዚ ተቐበል” ዝተባህሎ ኣገባብ’ዩ። ንቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብ ኣስመራ ክቕበል እንከሎ ኮነ፡ ናብ ኢትዮጵያ ገይሾ ዘርኣዮ ደንበርበር ብፍላይ ንናይ ቀረባ ፈለጥቱ ዘገረመ ምንባሩ ከኣ ናይዚ ምልክት እዩ፡

ጉጅለ ህግደፍ ብሳላ ትእዛዝ ጐብለላትን ብወገን ኢትዮጵያ ዝተራእየ ድፍኢትን ተቐሲቡ ምቕባሉ ምስ መሰረታዊ ድሌት ህዝቢ ኤርትራ እምብዛ ምትእስሳር ዘየብሉ ጥረ ገንዘብ፡ ፈርስን ገመልን ዝርከቦ ግነዖታት ረኺቡ እዩ። ምስሉ ዘይጥዑይ ክነሱ፥ ኣብ ቅድሚ ሕብረሰብ ዓለም በዓል ጥዑይ መሲሉ ቀሪቡ። ምስ ጅቡቲ ተዓሪቑ፡ ኣብ ልዕሊኡ ተነቢሩ ዝጸንሐ ማዕቀብ ንክለዓለሉ ቃል ከም ዝተኣትወሉ’ውን ይንገር። እቲ ዘገርም ኢሳይያስን ጉጅለኡን ነቲ ትእዛዝ ተቐቢሎም ኣብ ምትግባሩ ግና ጐተት እንዳበሉ ግዜ ክሽምቱ’ኳ ድሌቶም እንተነበረ፥ እነሆ እቲ ዘይንርእዮስ ይጽናሕ እሞ፥ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ እንዳተኾብኮቡ ትንፋስ ክሳብ ዝሓጽሮም እንዳጐየዩ ኣብዚ በጺሖም። እቲ ዘይግሉጽ ኣካይደኦም ተወሲኽዎ ንህዝቢ ኤርትራ እንታይን ስለምንታይን ከም ዝጐዩ ብግቡእ ክሕብርዎ ኣይበቕዑን። ከምኡ ስለ ዝኾነ ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ተለቪዥ ኤርትራ ተፋቲሑ ምስ ናይ ኢትዮጵያ ሚድያ ሓድሽ ሓበሬታዊ ዝምድና ክፈጥር ተገዲዱ ኣሎ፡

ሎሚ ኣብ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተመኩሮ ዘለዎም ሰባት ኮፍ ኢሎም ኣብ ዘዕልሉ ደረጃ ተበጺሑ ኣሎ። እቲ ዕላል ኣብ መንጎ በበይኑ ትሕዝቶ ዘለዎ፡ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባውን ማሕበራውን ዛዕባታት ዘትከለ እዩ። እቲ ኣብዚ ዕላላት ዝፍጠር ምጽልላው ንጉጅለ ህግደፍ ዘየቕስን ምኳኑ ርዱእ እዩ። ሎሚ ገለ ተስፋ ዘይቆረጹ ደገፍቲ ህግደፍ ዝተሰነዐ መንነት እንዳቕረቡ ገበናቱ ዝሓብእሉ ዘይኮነስ ዝኾነ ሰብ ባዕሉ ርእዩ ዝፈርደሉ ኩነታት ዝተፈጥረሉ እዩ።

ጉጅለ ኢሳይያስ ነቲ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ብሓፈሻ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ብፍላይ ከኣ ብክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፥ ቅድሚ ምምልካት ዶብ ብናይ ጐረባብቲ ህዝቢ ርክብ ነቲ ዶብ ምስጋሩ ዝብል ከም ዝተቐበሎ ክሓቦ ስለ ዝደለየ፥ ንቕሎ ህዝቢ ክዓግት ክፍትን ጸኒሑ። ኣቐድም ኣቢሉ ብወገን ኡምሓጀር፥ ክሳድ ዒቃ፥ ገርሁ ስርናይ፥ ባድመን ዛላንበሳን ከርእዮ ዝጸንሐ ኣይብሱል ኣይጥረ ኣተሓሕዛ ናይዚ ኣብነት እዩ። ኣብ መወዳእታ ግና በቲ ቀዳማይ ምኒስተር ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ቀጻሊ ሓድሽ ዓመት ኢትዮጵያ ኣብ ዶባት ምስ ኤርትራውያን ሓቢርና ከነብዕሎ ኢና ዝበልዎ መሰረት፡ ብ11 መስከረም 2018 ኢሳይያስ ቅድም ተጐቲቱ ኣብ ቡሬ ተረኺቡ። ካብኡ ድማ ናብቲ ብህዝቢ ዛላንበሳን ከባቢኣን ዝተሰናድአ ናይ መዳውብቲ ህዝቢ መራኸቢ መድረኽ መጺኡ። ኣብ ውሽጢ ሒደት ደቓይቕ ከኣ ካብቲ መድረኽ ባህሪሩ ከይዱ። መህደሚኡ ምኽንያት ብናይቲ ከባቢ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ምቁጽጻር ወጻኢ ናብ ዛላንበሳ/ትግራይ ምውሓዝ እዩ። ናይቲ መድረኽ ኣዳለውቲ ካብ ኤርትራ ዝተጸበይዎ ጋሻ ወተሃደርን ሲቪልን ሓዊስካ 1,500 እዩ ነይሩ። ኣብቲ ኣጋጣሚ ብተግባር ዝተረኽበ ኤርትራዊ ግና ኣዲኡ ትቑጸሮ። ብሓጺሩ ኩሉ ተጓዒዝካ ዛላንበሳ ናይ ምብጻሕ ዓቕሚ ዝነበሮ ናይቲ ከባቢ ነባሪ ኤርትራዊ ናብ ዛላንበሳ ሰጊሩ ምባል’ዩ መልሲ ዝኸውን። በዚ ጠጠው ኣይበለን ብዘይዝኾነ ቀጥዒ ብኡ ኣቢለን ኣስመራ በጺሐን ዝተመልሳ ናይ ኢትዮጵያ መኻይን ብዙሓት እየን።

እዚ ዘመልክቶ እምበኣር፥ ደጊም ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ ዝደለዮ ንምብጻሕ ብህግደፍ ክዕገት ከምዘይክእል እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ካብ ርክብ ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ምሕዳስ ዝዓበየ ምስ ህግደፍ ዝተሓናነቐሉ ጉዳያት ኣለዎ። እዚ ንህግደፍ ዘይምጽዓድ ከኣ ኣብ ምምላስ እቶም ተነፊገምዎ ዘለዉ መሰረታዊ መሰላት ክደግሞ ዘይተርፍ እዩ።

Last modified on Thursday, 13 September 2018 10:06