ሰዓብቲ ወንጌላውያን ኣብያተክርስትያን ኣብ ኣስመራ ይእሰሩ ኣለዉ

2018-08-09 04:23:08 Written by  BBC Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2753 times


ንኢትዮጵያዊ ሰባኺ ሱራፌል ደምሴ ክሰምዑ ኣብ ፊት ኣስመራ ፓላስ ሆቴል ዝተኣከቡ ኤርትራውያንንኢትዮጵያዊ ሰባኺ ሱራፌል ደምሴ ክሰምዑ ኣብ ፊት ኣስመራ ፓላስ ሆቴል ዝተኣከቡ ኤርትራውያን
ናይ ምስሊ መግለጺ ንኢትዮጵያዊ ሰባኺ ሱራፌል ደምሴ ክሰምዑ ኣብ ፊት ኣስመራ ፓላስ ሆቴል ዝተኣከቡ ኤርትራውያን

ሰዓብቲ ወንጌላውያን ኣብያተ-ክርስትያናት ኤርትራ ኣብ ኣስመራ ምስቲ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ኤርትራ ዝተጓዕዘ ሱራፌል ደምሴ ዝተባህለ ኢትዮጵያዊ ሰባኺ ተራኺብኩም ወይ ተቐቢልኩም ብዝብል ይእሰሩ ኣለዉ።

እቶም ኣመንቲ ብሲቪል ዝተኸድኑ ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት ካብ ኣባይቶም ከም ዝተወስዱ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመልክት።

መብዛሕትኦም እቶም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተኣሰሩ 5 ኣመንቲ ኣብ ኣስመራ 5ይ መደበር ፓሊስ ተታሒዞም ከም ዘለዉን ገለ ድማ ኣብቲ 'ካርሸሊ' ተባሂሉ ዝጽዋዕ 2ይ መደበር ፓሊስ ተታሒዞም ከም ዘለዉ ጸብጻባት ገሊጾም።

ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ብዛዕባ'ዚ ሓድሽ ናይ ምእሳር ስጉምቲ ዝዋሃብ ርእይቶ ንምርካብ ተወኪስና ነይርና ዛጊት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ግን የለን።

ኣብቲ እቲ ሰባኺ ዝሰብከሉ ዝነበረ ቦታ ተራእዮም ዝተባህሉ ካልኦት ድማ ተተጸዊዖም ይሕተቱ ምህላዎም፡ ገለ ድማ ይድለዩ ከም ዘለዉን እቶም ምንጪታት የረድኡ።

ሓንቲ ካብዚኣቶም ካብ ደገ ዝመጸት ኮይና ነቲ ካብ ኢትዮጵያ ዝመጸ ሰባኺ ተቐቢላ ብምእንጋዳ ካብታ ሃገር ክትወጽ እንከላ ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ተታሒዛ ብኣባላት ጸጥታ ከም ዝተወሰደት እቶም ምንጭታት ጠቒሶም።

ሓደ ካብዞም ተኣሲሮም ዘለዉ ተኸተልቲ ናይቲ እምነት፡ ዝሓለፈ ሓሙስ ንጉሆ ሲቪል ዝተኸደኑ ኣባላት ጸጥታ ካብ ቤቱ ከም ዝወሰድዎን፡ ቤተሰቡ ጸኒሐም ናብ ቤት ማእሰርቲ 'ካርሸሊ' ከም ዘለዉ ክፈልጡ ኪኢሎም።

ቤተሰብ መግቢ ከብጽሕሎም እኳ ዝፍቀድ እንተኾነ፡ ብኣካል ግን ከራኽብዎም ከም ዘይከኣሉ ቤተሰብ ናይቶም ግዳያት ሓቢሮም።

"ብመጀመርታ ጽርግያ ስለዝዓገቱ'ዮም ተኣሲሮም ዘለዉ ድሕሪ ቀዳመ ሰንበት ክንፈትሖም ኢና ሎሞም ነይሮም። ሰኑይ ምስከድዎም ግን 'ንሕና ንፈልጦ የብልናን፡ ሃገራዊ ድሕነት'ዩ ኣሲርዎም ኢሎሞም" ክብል ገለ ቤተሰቦም ዝተኣሰርዎም ሰባት ንቢቢሲ ተዛሪቦም።


ምግሃስ ሰባዊ መሰላት ዝቃወሙ ሰልፈኛታት Image copyright One Day Seyoum
ናይ ምስሊ መግለጺ መብዛሕትኡ ጊዜ ናይ ሕልና እሱራት ናብ ቤት ፍርዲ ኣይቀርቡን'ዮም

መብዛሕትኦም እዞም ዝእሰሩ ዘለዉ ተኸተልቲ ናይቲ እምነት፡ ነቲ ብ18 ሓምለ ምስ ፈላማይ በረራ መንገዲ ኣየር ኤርትራ ዝመጸ ሩፋኤል ተባሂሉ ዝጽዋዕ ፍሉጥ ኢትዮጵያዊ ሰባኺ ዝተቐበልዎን፡ ኣብቲ ንሱ ዝሃቦ ሓጺር ስብከት ዝተሳተፉ ምዃኖም'ውን ዝበጽሓና ሓበሬታ የረድእ።

እዚ ናይ ሕጂ ናይ ምእሳር ስጉምቲ ሓቂ ምዃኑ ንኩነታት ሰዓብቲ ናይቲ እምነት ኣብ ኤርትራ ብቐረባ ዝከታተል ኣቶ ከሰተ በራኺ ካብ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃበና ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።

"ድሕሪ'ቲ ውዕል ሰላም ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ምስ ታኣወጀ ኣዚና ኢና ተሓጎስና ብዙሕ'ውን ተስፋ ጌርና፡ ብዙሕ ለውጢ ክመጽእ'ዩ ኢልና ተጸቢና" ድሕሪ ምባል እንተኾነ ግን ዝተቐየረ ነገር ከም ዘየለ ብምጥቃስ "እቲ ማእሰርቲ ይቕጽል'ዩ ዘሎ" ይብል ከሰተ።

ኣቶ ከሰተ በራኺ ብተወሳኺ ሰባኺ ሱራፌል ደምሴ ብዛዕባ'ቶም ብሰንኩ ዝተኣሰሩ ኣመንቲ ክጣበቕ ጸዊዑ።

ምስ'ዚ ኣብ ዝተኣሳሰር ብሕብረት ወንጌላውያን ኣብያተ-ክርስትያናት ኤርትራ ዝተጻሕ ከም ዝኾነ ዝንገረሉ ቅሉዕ ደብዳቤ ንኢትዮጵያውያን ሰበኽቲ ኣብ ኤርትራ ብምምጻእ ንኣመንቶም ኣብ ሓደጋ ከይውድቑ ተማሕጺኑ።

እቶም ቅድሚ ቁረብ ሰሙናት ዝወጹ 35 እሱራት 'ውን ብዋሕስ ኣማኢት ኣሽሓት ናቕፋ ከም ዝተፈትሑን ምስቲ ምስ ኢትዮጵያ ተበጺሑ ዘሎ ሰላም ዘተኣሳስር ከም ዘይብሉን ተዛሪቡ።

ክሳብ ሕጂ ዝተኸሰስሉ ምኽንያት ብወግዒ ከም ዘይተነግሮምን ናብ ቤት ፍርዲ ከም ዘይቀረቡን ተፈሊጡ'ሎ።


ኣንጻር ምግሃስ ሰባዊ መሰላት ሰላማዊ ሰልፊ ዝወጹ ሰልፈኛታት

 


Image copyright ANADOLU AGENCY
ናይ ምስሊ መግለጺ መንግስቲ ኤርትራ ብምግሃስ ሰባዊ መሰላት ክኽሰስ ጸኒሑ'ዩ

ኣብ ኤርትራ ተኸተልቲ ናይቲ እምነት ዝኾኑ ሰባት ኣብ ዝተፈላዩ እዋናት ከም ዝእሰሩን ሓሓለፎም'ውን ከም ዝፍትሑን ይግለጽ።

ኣብቲ እቲ ሰባኺ ኣብ ኣስመራ ዝኣተወሉ ዕለት 18 ሓምለ ንባዕሉ 35 ዝኾኑ ንዓመታት ተኣሲሮም ዝጸንሑ ተኸተልቲ ናይቲ እምነት ምፍትሖም ቢቢሲ ኣቃሊሑ ምንባሩ ይዝከር።

ኣብ ኤርትራ መብዛሕትኡ እዋን ናይ ሕልና እሱራት ናብ ቤት ፍርዲ ኣይቀርቡን'ዮም።

ኣብ ግንቦት 2002 መንግስቲ ኤርትራ ንኹለን ኢቫንጀሊካውያን (ጴንጠኮስታል) ኣብያተከርስትያን ድሕሪ ምዕጻዉ፡ ገለ መራሕተን ዝርከብዎም ብኣሚኢት ዝቑጸሩ ኣመንተን ክኣስር ጸኒሑ'ዩ።

Source=https://www.bbc.com/tigrinya/news-45103798

Last modified on Thursday, 09 August 2018 06:33