ጽማቝ ሓበሬታ 6ይ ዳግመ-ርክብ ገዳይም ተጋደልቲ ተ.ሓ.ኤ

2018-07-08 10:51:09 Written by  ፍሳሃየ ሓጎስ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2063 times

ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ዝነብሩ ግዱሳት ገዳይም ተጋደልቲ ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተ.ሓ.ኤ.) ዳግመ-ርክብ ዝጽምበለሉ መድረኽ ንኽፍጠር ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመት ብዝወሰድዎ ተግሶ፣ በብዓመቱ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ክካየድ ጸኒሑ፡ ናይ ሎሚ ዓመት ድማ ኣብ ከተማ ኦክላንድካሊፎርንያ ንሻድሻይ እዋን ካብ 22 ክሳብ 24ሰነ 2018 ዓ.ም. ተኻይዱ።

ናይዚ ዓመት’ዚ ዳግመ-ርክብ ገዳይም ተጋደልቲ ጀብሃበቶም ኣብ ምጅማር’ቲ ርክብ ዝተመዘዙ ሽማግለን ተሓባበርቶምን ተሰናዲኡን ተመሪሑን፤ ብተሳትፎ ናይ ብዙሓት ካብ ዝተፈላለያ ክፍለ-ሃገራት ኣመሪካ ከምኡውን ካብ ኤሮጳ ዝተሳተፍዎ ድሙቕውራይኣብ ትሕቲ “Honoring the past and inspiring the future; ሕሉፍ ብምኽባር ንመጻኢ ንለዓል” ዝብል መርሆ እዩ ተጸንቢሉ።

ELF Reunion Oakland June 2018 1

ታሪኽ ከም ዘረጋግጾ፣ ተ.ሓ.ኤ. ንጠቕላላ ማሕበረ-ባህላውን ዞባውን ብዙሕነት ህዝቢ ኤርትራ ሓቝፋ ዘሳተፈትን ብመትከል ሃገራዊ ናጽነት ዘቃለሰትን ውድብ ስለዝነበረት፤ እቶም ብ ዳግመ-ርክብ ዝተሳተፉን ዝተሳተፋን ገዳይም ተጋደልትን ኣባላት ህዝባውያን ማሕበራታን’ውን ንብዙሕነት ዝውክል ብምንባሩ፣ ንታሪኻዊ ኣቕዋማን ጉዕዞኣን ዘንጸባረቐን ዘዘኻኽርን ህሞት’ዩ ነይሩ

ዕላማ ዳግመ-ርክብ ገዳይም ተጋደልቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ደጋጊሙ ብንጹር ክሕበር ዝጸንሐ ምዃኑ ዝዝከር’ዩ፡ ገለ ካብኡ ንምጥቃስ፡ ታሪኽና ብግቡእ ክስነድን ክዕቀብን፣ ናብ ህልውን መጻእን ወሎዶታት ድማ ከም ሃገራዊ -ታሪኻዊ ውርሻ ክመሓላለፍ ሓላፍነትን ተበግሶን ዝወሰደ እዩ። ኣብ ጉዕዞ ቃልሲ ዝሰንከሉ ብጾት ንምርዳእ ብዓቕሙ ከበርክት ጸኒሑን ክቕጽል ምዃኑ ድማ ከም መደብ ዝሓዞ እዩ። ታሪኽ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ እዩ፡ ዋንኡ ድማ ህዝቢ ኤርትራ’ምበር ውድባት ወይ ውልቀ ሰባት ኣይኰኑን። ስለዝዀነ ድማ ንዅሎም ሃገራውያን ብጠቕላላ ክፉት ዝገበረ ኰይኑ፣ ኣብ ህዝባዊ ግንባር ዝተቓለሱ ባእታታት’ውን ተሳተፍትን ተዋሳእትን ናይቲ ውራይ ኮይኖም ቀንዮም።

ቅደም-ተኸተል ናይቲ መደብ ብኣስናዳእቲ ሽማግለ ተሓቢሩ መደብ ተጀሚሩ፡ ብድሩቕን ተንቀሳቓስን ስእላዊ ሰነዳት ታሪኻዊ ፍጻሜታት ተራእዩ፡ ብዙሓት ግዱሳት ገዳይም ተጋደልቲ’ውን ተሞክሮታቶምን ተዘክሮታቶምን ኣቕሪቦም። ሰለስተ መዓልቲ ብተኸታታሊ ዝቐረበ ዝርዝር ንምጽሓፍ ብዙሕ ጊዜን ገጻትን ዝወስድ ስለዝዀነ ፤ሳተፉ ዘይከኣሉ ግዱሳትዝሕብር ሕጽር ዝበለ ጽማቝ ሓበሬታ ጥራይ እዩ ቀሪቡ ዘሎ።

ELF Reunion Oakland June 2018 2

ዕዱም ቀንዲ ቃል ኣቕራቢ ናይቲ ውራይ ዶክተር ዮሴፍ ቨኖሳ፣ ኣርእስቲ መደርኡ “A changing struggle: Assessing the ELF’s origins and the influence of the Eritrean Muslim League; ገምጋም እናተለዋወጠ ዝማዕበለ ቃልስን መበቆል ተ.ሓ.ኤን ጽልዋ ናይ ኤርትራውያን እስላማዊ ሊግ” ዝብል እዩ ነይሩ። ዮሴፍ ትግርኛ ከንብብን ክዛረብን ዝኽእል ኣመሪካዊ እዩ። መጽናዕትን ኵዕታን ኣካይዱ ዓሚቝ ተረድኦ ኣጥርዩ መጽሓፍ ዝደረሰ እዩ። ብስእላዊ (ስላይድ) ምርኢት ኣሰንዩ ካብ 1941 ክሳብ ምጅማር ብረታዊ ሰውራ ኤርትራ “ዝነበረ ገድሊ ቅድሚ እዉጅ ገድሊ” ኢሉ ዝጽውዖ ታሪኽ ብዝርዝር ኣቕሪቡ። ኣብቲ መድረኽ’ቲ ተመሳሳሊ ቃልሲ ኣብ ፓኪስታን፣ ህንዲ፣ ግብጺ፣ ሶማልያን የመንን ንትምህርታዊ ዕድላት፣ ሓርነትን ማሕበራዊ ፍትሕን ዝጠልብ’ዩ ነይሩ። እዚ ካብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ክሳብ ቀይሕ ባሕሪ ዝዝርጋሕ ብምንቅስቓስ እስላማዊ ሊግ ዝካየድ ዝነበረ፤ ንምንቅስቓስ ኤርትራዊ ሊግ’ውን ዝጸለወን ኣፍደገ ዝኸፈተን ክነሱ ካብቶም ኣትኩሮ ዝተዋህቦም ግን ኣይነበረን። ኤርትራዊ እስላማዊ ሊግ ብኣስላም ዝተዓብለለ ኰይኑ፣ ተሳትፎ ክርስትያን ውሑድ’ኳ ይንበር እምበር ዘረጋገጸ ምንባሩ፡ ከምኡ’ውን እቲ ምንቅስቓስ ሃገራዊ ዕላማ እምበር፣ ሃይማኖታዊ ዕላማ ዝገበረ ኣይነበረን ክብል ገሊጹ።

ELF Reunion Oakland June 2018 3

ወከልቲ ናይ ማሕበር ኤርትራውያን በይ-ኤርያ ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ደለይቲ ፍትሒ) ንዝኽሪ ሰማእታት ዘዳለውዎ ቃል ኣቕሪቦም። ካብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ኣብዚ ካብ ዝተፈላለያ ክፍለ-ሃገራት ኣመሪካ ተጓዒዝኩም፣ ዳግመ-ርክብ ገዳይም ተጋደልቲ ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ንምኽባር ኣብ ዝተኣከብክሙሉ ኣዳራሽ ተረኺብና፣ መዓልቲ ሰማእታት ከነኽብሮ ከለና ሓበን እዩ ዝስምዓና። ኣብ ዞናና ተኸሲቱ ዘሎ ትግባረ ምሕንጻጽ ዶብን ናይ ሰላም ንፋስን ንህዝቢ ኤርትራ ሰላም፣ ራህዋን ሓርነትን ዘስፍን ክኸውን ንምነ። በይ-ኤርያ ብህግደፍ ተባሒቱ ምንጪ ናይ ቁጠባኦምን ማእከል ናይ ፈስቲቫላቶምን እዩ ነይሩ፡ ናይ ሓባር ጽላል ማሕበርና፣ ውድባትን ሲቪካዊ ምንቅስቓሳትን ዝጠርነፈ፣ ብዘካየድናዮ ቃልሲ ተሳዒሮም፣ ኣዳራሾም ገዚኦም ተጸጊዖም ኣለዉ።   ኣብ በይ-ኤርያ ንጡፋት ተንቀሳቐስቲ ዝነበሩ ብመስዋእቲ ካባና ዝተፈልዩ ብምዝካር፣ ንስድራ ቤት ኣስገዶም ገብረመድህን (ወዲ-ባሻይ)፣ ኣብርሃም ነጋሲ፣ ተኽኣ ጸጋይን ናይ ክብሪ ምስክር ወረቐት ተዓዲሉ።

ELF Reunion Oakland June 2018 4

ኣባላት መሪሕነት ገድላዊ ባይቶ ዝነበሩ፣ ካብ ጸጋም ንየማን ኣብ ስእሊ ዘለዉ፡ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ)፣ ዓብደላ ሱለማን (ሓላፊ ወጻኢ ጉዳይ ዝነበረ)፣ ግርማይ ገብረስላሴ (ቀሺ) ንዝተመደበ ናይ ፓለን ምይይጥ ኣኼባ መሪሖም። ነብስ-ወከፎም ድሕረ-ባይትኦምን ዝተሰለፍሉ እዋንን ኵነታቱን ብምብራህ፣ ኣብ ገድሊ ዘገልገልሉ ናይ መጀመርያ መደቦም፣ ኣብ መሪሕነት ካብ ዝተመርጽሉ እዋን ዘጠቓለለ ተሞክሮኦምን ተዘክሮታቶምን ኣቕሪቦም።

ንሕቶታትን ርእይቶታትን ክፉት ምስ ኰነ ድማ ኣኼበኛ ነቲ ኣብ ዝተፈላለየ መድረኻት ዝተራእየ ፍጻሜታት እናልዓሉ ሓቲቶም፡ ካብቲ ዝቐረበ ሕቶታት፡ ጉዳይ ተሞክሮ ስምረት፣ ሕቡእ ማሕበር “ሰልፊ ዕዮ”፣ ፖሊቲካዊ ኵነታት ህዝብና ሎምን ቀደምን ከመይ ከምዝግምግምዎ ወዘተ ዘጠቓለለ ነይሩ። ንነብስ-ወከፍ ሕቶ በብተራ ክምልሱ ከለዉ፡ “ጀብሃ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ስምምዕ ኣትዮም ሓቢሮም ክሃርሙና ስለዝተበገሱ ሃሪምናዮም” ዝብል ብሻዕብያ ዝፍኖ ዝነበረ ፕሮፓጋንዳ ብኸመይ ትምልስዎ ንዝብል ሕቶ፡ ንሕና ዝኣቶናዮ ስምምዕ ፍጹም ኣይነበረን። ኣብ መጀመርያ ሰማንያታት ኣብ በርሊንን ሶቭየት ሕብረትን ብልኡኻት ውድብና ዝተሳተፍናዮ ምስጢራዊ ኣኼባ ነይሩ፡ ኣቀራርብኦም ግን “ደርጊ ገስጋሲ ስርዓት ስለዝዀነ ምስኡ ክትሰማምዑ ዝብል’ዩ ነይሩ”፡ ናትና መልሲ ግን “ሕቶና ሕቶ መግዛእቲ ስለዝዀነ ጎደሎ ናጽነት ኣይንቕበልን” ዝብል ስለዝነበረ ብዘይ ዝዀነይኹን ስምምዕ ተመሊስና። ኣብ ኵሉ ዘካየድናዮ ርክባት፡ መትከላዊ ዕላማ ውድብና መሰረት ብምግባር፤ “ብዘይካ ምሉእ ሃገራዊ ናጽነት ካልእ መተካእታ የለን” ዝብል እዩ ነይሩ። ሻዕብያ ዝፍንውዎ ዝነበሩ ጸለመ፤ ነቲ ናቶም ናይ ምብሓት ስትራተጂ ንምሽፋን’ዩ ነይሩ። ኣብ እዋን ቃልሲ ሃገራዊ ምልኣት ነይሩ፤ ኣብዚ እዋን’ዚ ግን ህዝብና ብዓሌትን ኣውራጃን ተፈላልዩ ይርአ፡ ሕጂ ዘድልየና ዘሎ ናብ ሃገራዊ ምልኣት ክንመልሶ ከምዘለና እዩ። ብዛዕባ ተኸሲቱ ዘሎ ኣዋጅ ትግባረ ምሕንጻጽ ዶብን ዝስዕብ ናይ ሰላምን ልምዓትን ውዕላት ንልዑላውነት ናይ ክልቲኡ ሃገራት ዘኽብርን ዘርብሕን ክኸውን ኣለዎ ክብሉ መግለጺኦም ዛዚሞም።

ኣብ ማእከላይ ክፍሊ ወተሃደራዊ ሕክምና ዘገልግሉ ዝነበሩ ሓካይም፡ ብናይ ሕክምና ዶክተራት፣ ናይ ጥዕና መኰንናት (ሄልዝ ኦፊሰርስ)፡ ነርሳትን ድረሰራትን፤ ዝሰልጠኑን ብሞያኦም ከገልግሉ ጸኒሖም፡ ክጋደሉ ዝተሰለፉ ብዙሓት’ዮም ነይሮም። ገለ ካብኦም ኣብ ዳግመ ርክብ ዝተሳተፉ ናይ ሜዳ ተሞክሮኦምን ተዘክሮታቶምን ንኣኼበኛ ኣካፊሎም። ገለ ካብቲ ዝገለጽዎን ዘቕረብዎ ሰነድን ንምጥቃስ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ስልጠና ሓካይም ካብ ዝተፈላለየ ናይ እንግሊዝኛ መጻሕፍቲ ናብ ትግርኛ ተተርጊሙ ዝጥቀሙሉ ዝነበሩ መጽሓፍ ንምርኢት ቀሪቡ። በብእዋኑ ዝተኻየደ ናይ ስልጠና መደባት፣ ልዕሊ ሽሕ ኣለይቲ ሕሙማት ተመሪቖም ኣብ ህዝብን ሰራዊትን ዘገልግሉ ምንባሮም ሓቢሮም። ናብ ማእከላይ መደበር ሕክምና ዝመጹ ዝነበሩ ውጉኣትን ብባህርያዊ ሕማማት ከምኡ’ውን ውግእ ዘስዓበሎም ብናይ ኣእምሮ ነውጺ (ትራውማ) ዝሓመሙን ነይሮም።   ንሕክምና ቐዳምነት ተዋሂቦም ዝእለዩ ዝነበሩ እቶም ኣብ ውግእ ዝቖሰሉ ነይሩ። ቁስሎም ኣጸቢቑ ከይሓወየ ድማ ናብ ኣሃዱታቶም ከምዝምለሱ ይግበር ነይሩ። ነቶም ብናይ ውግእ ጭንቀት ዝሓመሙ እትኣሊ ብናይ ሳይክያትሪስት ኣብ ወጻኢ ዝሰልጠነት ተመዲባ ብዛዕባ’ቲ ሕማምን ኣተኣላልያኡን ንኣመሓደርቲ’ቲ መደበር ምስ ኣቕረበት፡ እዚኦም ምትሞርዲን (ቃልሲ ዝጸልኡ ባዕሎም ዝሓመሙ) እዮም ብምባል ስለዘይተቐበልዋ፤ “እቶም ሓካይም ናይቲ መደበር፣ ንባዕሎም ጽሉላት’ዮም” ብምባል ትኸስስ ነይራ። በዚ ድማ ኣብ መንጎ እቶም ናይ ኣእምሮ ሓካይምን ናይ መጥባሕቲ ሓካይምን ግርጭት ወይ ዘይምስናይ ይርአ ነይሩ። እዚ ዓይነት ሕማም’ዚ ካብ ቬትናም፣ ዒራቕን ኣፍጋኒስታንን ውግኣት ተሳቲፎም ምስተመልሱ ዝርአን ብግቡእ ማእለይቲ ዝግበረሉን ሕማም ምዃኑ ሓቢሮም። ኣብ መግለጽታቶም ናይ ብዙሓት ኣስማት ሓካይም ይዝከር ነይሩ። ዶክተር መሓመድ ዝርኣዮ ዝዛረብን ተዋዛይን ስለዝነበረ፣ ርህራሀ ዘይብሉ መላገጺ ጌሮም ገለ ተጋደልቲ ዝርእይዎ’ኳ እንተነበሩ፣ እቲ ብዝልዓለ ናይ ሕክምና ፍልጠትን ክእለትን ዘገልግል ዝነበረ ውፉይን ሓላይን ዶክተር ምንባሩ ብዅሎም ተመስኪሩሉ። ኣብ ኤርትራ ዝርአ ትሮፒካዊ ዓይነት ሓማማትን መድሃኒታትን’ውን ዘኪሮም። ካብቲ ዝነበረ ህዝብን ተጋደልትን ዘሳቒ ሕማማት ሮጡባ (ናይ ጅማውቲ ምእሳር) ሳዕቤኑን ፈውሱን ክገልጹ ከለዉ፡ ናይ ቫይታሚን-ሲሕጽረት ምንባሩ ሓቢሮም፡ ኣካላትና ቫይታሚን-ሲ ስለዘይክዝን፣ ካብ መዓልታዊ ኣመጋግባ ክረክብ ኣለዎ። ምንጪ ቫይታሚን-ሲ ድማ ኣሕምልትን ፍረታትን እዩ፡ ስለዚ ኣብ መዓልታዊ ኣመጋግባና ኣሕምልትን ፍረታትን ክንረክብ ዋላ እንተዘይከኣልና ለሚን ጾሚቕና ኣብ መግብና እንተኣንጢብናሉ ይሕግዝ’ዩ ክብሉ ኣስተምህሮኦም ለጊሶም።

ELF Reunion Oakland June 2018 5

ኵነታት ኣብ መደበር ከሰላ ዝነብሩ ኣካለ-ስንኩላን ብኣባላት ቦርድ ማሕበር ኣካለ-ጽጉማን ኣቶ ጸጋይ ነጋሽን ጸሃየ መሓሪን ብስእልን መግለጽን ቀሪቡ። ንመነባብሮኦምን ሕክምንኦምን ዘድሊ ባጀት ካብ ወፈያታት ግዱሳት ኤርትራውያን ክካየድ ከምዝጸንሐን፣ ሕጂ’ውን ክንቅጽሎ ከምዘለናን ኣማሕጺኖም። ኣኼበኛ ዝለገሶ ኣገዳሲ ወፈያታት ተኣኪቡ ኣሎ።

ብወናም ደራፋይን ብዲ-ጀይ ኣጻዋትን ድሙቕ ጓይላን ሳዕስዒትን ንተሞክሮ ቃልሲ ዘዘኻኽር ወኒ ኣላዒሉ ኣምስዩ።

ዳግመ ርክብ ገዳይም ተጋደልቲ ተ.ሓ.ኤ. ብሳላ ዘይሕለል ውፉይ ሽማግለን ተሓባበርቱን ዕዉት ኰይኑ ስለዝተዛዘመ፣ ንዝመጽእ ዓመት’ውን ኣብ ከተማ ኦክላንድ ብዝሰፍሐ ንኽግበር ኣኼበኛ ወሲኑ።

ክብርን ዝኽርን ንሰማእታትና

24 ሰነ 2018

Last modified on Sunday, 08 July 2018 13:05